ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

JW LIBRARY

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ኣብ ጽሑፋት ድለ—iOS

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ኣብ ጽሑፋት ድለ—iOS

JW Library ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ኣብ ጽሑፋት ሓደ ቓል ወይ ሓረግ ክትደሊ እትኽእለሉ ኣማራጺ ኣለዎ።

ክትደሊ ኸለኻ፡ ነዚ ዚስዕብ መምርሒታት ስዓብ፦

 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ድለ

ኣብቲ እተንብቦ ዘለኻ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓደ ቓል ወይ ሓረግ ክትደሊ ትኽእል ኢኻ።

መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ፡ ነታ ምልክት ድለ (Search) ጠውቃ፡ ደሓር ከኣ ነታ ዝደለኻያ ቓል ጽሓፋ። ክትጽሕፍ ከለኻ፡ እተፈላለየ እማመ ኺመጸልካ እዩ። ውጽኢት ንምርኣይ ድማ፡ ንሓደ ኻብቲ ዝቐረበልካ እማመ ጠውቕ፡ ወይ ከኣ ነታ ኣብቲ ኪቦርድ ዘላ ምልክት ኢንተር ጠውቃ።

እታ ዝውቱር ጥቕስታት (Top Verses) እትብል ምልክት፡ ነቲ ዝጸሓፍካዮ ቓል ዝሓዘ ኣዘውቲርካ እተጠቐምካሉ ጥቕስታት ተርኢ። እታ ኵሉ ጥቕስታት (All Verses) እትብል ምልክት ድማ፡ ነቲ ዝጸሓፍካዮ ቓል ንዝሓዘ ዅሉ ጥቕስታት ብተርታ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሰሪዓ ተርኢ። እታ ዓንቀጻት (Articles) እትብል ምልክት፡ ምስቲ ዝጸሓፍካዮ ዚመሳሰል ቃል ኣብ መእተውን መመላእታ ጽሑፋትን መጽሓፍ ቅዱስ ደልያ ትሰርዓልካ።

ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ቓላት እንተ ጽሒፍካ፡ ነታ ቓላት ጠሚርካ ድለ (Match Exact Phrase) እትብል ሳጹን ጠውቃ እሞ፡ ልክዕ ምስቲ ዝጸሓፍካዮ ሓረግ ዚመሳሰል ውጽኢት ክትረክብ ኢኻ።

 ኣብ ጽሑፋት ድለ

ኣብቲ እተንብቦ ዘለኻ ጽሑፍ፡ ሓደ ቓል ወይ ሓረግ ክትደሊ ትኽእል ኢኻ።

ኣብቲ ጽሑፍ፡ ነታ ምልክት ድለ ጠውቃ፡ ደሓር ከኣ ነታ ዝደለኻያ ቓል ጽሓፋ። ክትጽሕፍ ከለኻ፡ እተፈላለየ እማመ ኺመጸልካ እዩ። ውጽኢት ንምርኣይ ድማ፡ ንሓደ ኻብቲ ዝቐረበልካ እማመ ጠውቕ፡ ወይ ከኣ ነታ ኣብቲ ኪቦርድ ዘላ ምልክት ኢንተር ጠውቃ።

ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ቓላት እንተ ጽሒፍካ፡ ነታ ቓላት ጠሚርካ ድለ (Match Exact Phrase) እትብል ሳጹን ጠውቃ እሞ፡ ልክዕ ምስቲ ዝጸሓፍካዮ ሓረግ ዚመሳሰል ውጽኢት ክትረክብ ኢኻ።

 ብርእሰ ነገር ድለ

ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ ኣራጊፍካ እንተ ዄንካ፡ ኣብ መጽሓፍ ኢንሳይት ካብ ዘሎ ርእሰ ነገር ኽትደሊ ትኽእል ኢኻ። ዝዀነ ይኹን መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ጽሑፍ ካብቲ ኣፕሊኬሽን ከተንብብ ከለኻ፡ ከምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ።

ነታ ምልክት ድለ ጠውቃ፡ ደሓር ከኣ ነቲ ዝደለኻዮ ርእሰ ነገር ጽሓፎ። ክትጽሕፍ ከለኻ፡ ኣብቲ ዚመጸልካ እማመ ምስቲ ዘእቶኻዮ ቓል ዚመሳሰል ኣብ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ ዘሎ ርእሰ ነገር ክትረክብ ኢኻ። ነቲ ርእሰ ነገር ጠዊቕካ ድማ ነቲ ዓንቀጽ ክትከፍቶ ትኽእል ኢኻ።

እዚ ትሕዝቶ እዚ፡ ካብ ለካቲት 2015 ጀሚሩ ኣብ JW Library 1.4 ይርከብ እዩ፣ እዚ ኣፕሊኬሽን እዚ ድማ፡ ኣብ iOS 6.0 ወይ ድሕሪኡ ኣብ ዝወጸ iOS ይዓዪ እዩ። ነዚ ትሕዝቶ እዚ ኽትረኽቦ እንተ ዘይክኢልካ፡ በጃኻ ነቲ ኣብ ትሕቲ “JW Library ተጠቐም—iOS” ዘርእስቱ ዓንቀጽ ዘሎ ናይ ቀረባ ግዜ ለውጥታት ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ ርአ።