ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

7ይ ክፋል

ንውሉድካ ብኸመይ ከም እትምህሮ

ንውሉድካ ብኸመይ ከም እትምህሮ

“እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን፣ ንደቅኻ ድማ ቅረጸሎም።”—ዘዳግም 6:6, 7

እቲ መስራቲ ስድራ ቤት ዝዀነ የሆዋ፡ ንውሉዳት ናይ ምክንኻን ሓላፍነት ንወለዲ እዩ ሂብዎም። (ቈሎሴ 3:20) ከም ወላዲ መጠን፡ ውሉድካ ንየሆዋ ኼፍቅሮን ሓላፍነት ዚስምዖ በጽሒ ኪኸውንን ናይ ምስልጣን ሓላፍነት ኣሎካ። (2 ጢሞቴዎስ 1:5፣ 3:15) ብዘይካዚ፡ ኣብ ልቢ ውሉድካ እንታይ ከም ዘሎ ኽትፈልጥ ኣሎካ። ኣብነት ክትኰኖ እውን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ከመይሲ፡ ንቓል የሆዋ ኣብ ልብኻ እንተ ኣንቢርካዮ፡ ንውሉድካ ብዝበለጸ መገዲ ኽትምህሮ ኢኻ።—መዝሙር 40:8

1 ደቅኻ ኸይተሰከፉ ኸም ዚዛረቡኻ ግበር

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ” ኹን። (ያእቆብ 1:19) ደቅኻ ፍዅስ ኢልዎም ብናጽነት ኪዛረቡኻ ኸም ዚኽእሉ ዀይኑ ኺስምዖም ኣለዎ። ኪዛረቡ ኣብ ዚደልዩሉ እዋን፡ ክትሰምዖም ድሉው ምዃንካ ኺፈልጡ ኣለዎም። ናይ ልቦም ኣውጺኦም ምእንቲ ኺዛረቡኻ፡ ሰላማዊ ሃዋህው ከም ዚሰፍን ግበር። (ያእቆብ 3:18) ከም እትቝጥዖም ወይ ከም እትነቕፎም ገይሮም ዚሓስቡ እንተ ዀይኖም፡ ኣብ ልቦም ዘሎ ኣይኪነግሩኻን እዮም። ስለዚ፡ ትዕግስቲ ይሃሉኻ፣ ከም እተፍቅሮም ድማ ብተደጋጋሚ ንገሮም።—ማቴዎስ 3:17፣ 1 ቈረንቶስ 8:1

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • ደቅኻ ኺዛረቡኻ ኣብ ዚደልዩሉ እዋን፡ ክትሰምዖም ድሉው ኩን

  • ጸገማት ኪህሉ ኸሎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ወትሩ ምስ ደቅኻ ኣዕልል

2 ነቲ ዚብሉኻ ኽትርድኦ ፈትን

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧  “እቲ ኣብ ነገር ልቦና ዜርኢ፡ ኣሳልጦ ይረክብ።” (ምሳሌ 16:20) ሓድሓደ ግዜ፡ ናይ ሓቂ ስምዒት ደቅኻ ንምፍላጥ፡ ዜውስእዎ ቓላት ምስማዕ ጥራይ ኣኻሊ ኣይኰነን። መንእሰያት ንሓደ ነገር ኣጋኒኖም ኬቕርብዎ ወይ ከኣ ከይሓሰቡ ኺዛረቡ ይኽእሉ እዮም። “ከይሰምዐ ዚምልስ፡ ዕሽነት . . . ይዀኖ።” (ምሳሌ 18:13) ስለዚ፡ ተሃዊኽካ ኣይትቈጣዕ።—ምሳሌ 19:11

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • ደቅኻ ዝበሉ ይበሉ ብዘየገድስ፡ ከይትዀልፎም ወይ ኣመና ኸይትስምብድ ተጠንቀቕ

  • ብዕድመ ኽንዳኦም ከለኻ ንዝነበረካ ስምዒትን የገድሰካ ንዝነበረ ነገራትን ዘክር

3 ምስ መጻምድትኻ ሰሚርኩም ዕየዩ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ወደየ፡ ተግሳጽ ኣቦኻ ስማዕ፣ ትምህርቲ ኣዴኻ ድማ ኣይትሕደግ።” (ምሳሌ 1:8) የሆዋ ንኣቦን ንኣደን፡ ኣብ ልዕሊ ደቆም ስልጣን ሂብዎም እዩ። ስለዚ፡ ንደቅኻ፡ ኬኽብሩኻን ኪእዘዙኻን ክትምህሮም ኣሎካ። (ኤፌሶን 6:1-3) ውሉዳት፡ ወለዶም ‘ብሓደ ኣእምሮ ሓድነት’ ከም ዘይብሎም ኬስተውዕሉ ይኽእሉ እዮም። (1 ቈረንቶስ 1:10) ስለዚ፡ ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ምስ መጻምድትኻ እንተ ዘይተሰማሚዕኩም፡ ነቲ ደቅኹም ንዓኻትኩም ዘለዎም ኣኽብሮት ስለ ዚንክዮ፡ ኣብ ቅድሚኦም ኣይትቋየቑ።

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • ንደቅኹም ብኸመይ ከም እትግስጽዎም ተሰማምዑ

  • ንስኻን መጻምድትኻን ንደቅኹም ብዛዕባ እተሰልጥኑሉ መገዲ እተፈላለየ ርእይቶ እንተ ኣልዩኩም፡ ንኣረኣእያ መጻምድትኻ ኣብ ግምት ኣእቱ

4 መደብ ይሃሉኻ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ንቘልዓ በታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣሰልጥኖ።” (ምሳሌ 22:6) ንደቅኻ ጽቡቕ ትምህርቲ ምሃብ፡ ብኣጋጣሚ እትገብሮ ኣይኰነን። መደብ ኪህልወካ ኣለዎ፣ እዚ ኸኣ ንደቅኻ እትግስጸሉ መደብ እውን ዜጠቓልል እዩ። (መዝሙር 127:4፣ ምሳሌ 29:17) ተግሳጽ ኪብሃል ከሎ፡ መቕጻዕቲ ማለት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ደቅኻ ሕግታት እተዋህበሉ ምኽንያት ኪርድኦም ምሕጋዝ ማለት እውን እዩ። (ምሳሌ 28:7) ብዘይካዚ፡ ደቅኻ፡ ንቓል ኣምላኽ ኪፈትውዎን ንስርዓታቱ ኺርድእዎን ምሃሮም። (መዝሙር 1:2) ከምኡ ምግባርካ፡ ጥዑይ ሕልና ኼማዕብሉ ኺሕግዞም እዩ።—እብራውያን 5:14

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • ንደቅኻ፡ የሆዋ ጋህዲ ኸም ዚዀነሎምን ኣብኡ ኸም ዚውከሉን ግበር

  • ነቲ ኣብ ከም ኢንተርነትን ማሕበራዊ መራኸብን ኬጋጥም ዚኽእል ስነ ምግባራዊ ሓደጋታት፡ ኬለልይዎን ካብኡ ኺርሕቁን ምሃሮም። ካብቶም ጾታዊ መጥቃዕቲ ዜውርዱሎም ሰባት ብኸመይ ኪርሕቁ ኸም ዚኽእሉ እውን ምሃሮም

“ንቘልዓ በታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣሰልጥኖ”