ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክፋል 7

ኣምላኽ ንደቂ እስራኤል ሓራ ኣውጸኦም

ኣምላኽ ንደቂ እስራኤል ሓራ ኣውጸኦም

የሆዋ ንግብጺ ብመዓት ወቕዓ፣ ሙሴ ድማ ንደቂ እስራኤል ካብታ ምድሪ መሪሑ ኣውጸኦም። ኣምላኽ ብሙሴ ኣቢሉ ንእስራኤላውያን ሓጊ ሃቦም

ደቂ እስራኤል ንሓያሎ ዓመታት እናሰሰኑን እናበዝሑን ኣብ ግብጺ ይነብሩ ነበሩ። ይኹን እምበር፡ ሓድሽ ፈርኦን ተላዕለ። እዚ ገዛኢ እዚ፡ ንዮሴፍ ኣይፈልጦን እዩ ነይሩ። እዚ ሕሱም ጨቋኒ እዚ ነቶም እናበዝሑ ዝኸዱ ዝነበሩ እስራኤላውያን ስለ ዝፈርሆም፡ ባሮት ገበሮም፡ ኵሎም ደቂ ተባዕትዮ ሕጻናት ድማ ናብ ፈለግ ኒል ኪድርበዩ ኣዘዘ። ሓንቲ ተባዕ ኣደ ግን፡ ንሕጻን ወዳ ኣዕቈበቶ፣ ኣብ ሳጹን ገይራ ድማ ኣብ መንጎ ሰልሰላ ኣንበረቶ። ጓል ፈርኦን ነቲ ሕጻን ረኸበቶ፣ ሙሴ ኢላ ድሕሪ ምስማይ ከኣ ኣብ መንጎ ንጉሳውያን ቤተሰብ ግብጺ ኣዕበየቶ።

ሙሴ ወዲ 40 ዓመት ምስ ኰነ፡ ንእስራኤላዊ ባርያ ኻብ ዜዕይዮ ግብጻዊ ኼድሕን ኪፍትን ከሎ፡ ንባዕሉ ኣብ ሽግር ኣተወ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ናብ ርሑቕ ዓዲ ሃዲሙ፡ ኣብኡ ተቐመጠ። ወዲ 80 ምስ ኰነ፡ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ንኪቐርብን ህዝቢ ኣምላኽ ሓራ ኺወጹ ንኺሓትትን፡ ብየሆዋ ተላእከ።

ፈርኦን ነቲ ዝቐረበሉ ሕቶ ምቕባል ኣበየ። ስለዚ ድማ፡ ኣምላኽ ንግብጺ ብዓሰርተ መዓት ወቕዓ። ሙሴ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ቀሪቡ፡ ካብቲ ዚቕጽል መዓት ኬምልጠሉ ዚኽእል ኣጋጣሚ ኣብ ዝኸፈተሉ ዘበለ፡ ፈርኦን ዕጭ ሓንፈፈ፣ ንሙሴን ንየሆዋ ኣምላኽን ከኣ ንዕቀቱ ኣርኣየ። ኣብ መወዳእታ፡ በቲ ዓስራይ መዓት ኵሎም በዅሪ እታ ሃገር ሞቱ። እቶም ንልዳውቶም ብደም ገንሸል ብምልካይ ንየሆዋ እተኣዘዙ ስድራ ቤታት ጥራይ፡ በዅሮም ኣይሞቶምን። እቲ ኼጥፍእ እተላእከ መልኣኽ ኣምላኽ፡ ነተን ከምኡ ዝገበራ ኣባይቲ ሰገረን። ድሕሪኡ እስራኤላውያን ነዚ ዝደሓኑሉ ዜደንቕ ኣጋጣሚ፡ ኣብቲ ፋስጋ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ዓመታዊ በዓል ኬብዕልዎ ጀመሩ።

ፈርኦን በዅሪ ወዱ ስለ ዝሞቶ፡ ንሙሴን ንእስራኤላውያንን ካብ ግብጺ ኺወጹ ኣዘዞም። ንሳቶም ከኣ፡ ብኡንብኡ ኻብ ግብጺ ወጹ። ኰይኑ ግን፡ ፈርኦን ሓሳቡ ቐየረ። ብዙሓት ተዋጋእትን ሰረገላታትን ሒዙ ደድሕሪኦም ሰዓበ። እስራኤላውያን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እተቐርቀሩ መሰሉ። ኰይኑ ግን፡ የሆዋ ንቐይሕ ባሕሪ መቐሎ፣ እስራኤላውያን በቲ ንቑጽ ማእከል ባሕሪ ኣቢሎም ኪሰግሩ ኸለዉ፡ እቲ ማያት ከም መንደቕ ኰይኑ ብኽልቲኡ ወገን ደው ኢሉ ነበረ። ግብጻውያን ደድሕሪኦም ተሃንዲዶም ምስ ኣተዉ፡ እቲ ማያት ስለ እተደርጕሖም፡ ፈርኦንን ሰራዊቱን ጠሓሉ።

ድሕርዚ፡ እስራኤላውያን ኣብ ጥቓ ኸረን ሲና ሰፊሮም ከለዉ፡ የሆዋ ምሳታቶም ኪዳን ኣተወ። ኣምላኽ ንሙሴ ኸም ማእከላይ ገይሩ ብምጥቃም፡ ዳርጋ ኣብ ኵሉ መዳይ ህይወቶም መምርሕን ዕቝባን ዚዀኖም ሕግታት ሃቦም። ንሳቶም ንግዝኣት የሆዋ ብተኣማንነት ክሳዕ እተቐበሉ፡ ንሱ ምሳታቶም ከም ዚኸውንን ንኻልኦት በረኸት ኪገብሮም ምዃኑን ተመባጽዓሎም።

ይኹን እምበር፡ መብዛሕትኦም እስራኤላውያን ኣብ ኣምላኽ እምነት ከም ዚጐድሎም ኣርኣዩ። ስለዚ፡ የሆዋ ነቲ ወለዶ እቲ፡ ኣብ በረኻ ን40 ዓመት ኰለል ከም ዚብል ገበሮ። ድሕሪኡ፡ ሙሴ ነቲ ቕኑዕ ዝነበረ እያሱ፡ ንዕኡ ኺትክኦ መዘዞ። ኣብ መወዳእታ፡ እስራኤላውያን ናብታ ኣምላኽ ንኣብርሃም እተመባጽዓሉ ምድሪ ኺኣትዉ ቐረቡ።

—ኣብ ዘጸኣት፣ ዘሌዋውያን፣ ዘሁልቍ፣ ዘዳግም፣ መዝሙር 136:10-15፣ ግብሪ ሃዋርያት 7:17-36 እተመስረተ።