ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 1

እቲ ብስራት እንታይ እዩ፧

እቲ ብስራት እንታይ እዩ፧

1. ብስራት ኣምላኽ እንታይ እዩ፧

ኣምላኽ፡ ሰባት ኣብ ምድሪ ተሓጒሶም ኪነብሩ እዩ ዚደሊ። ንደቂ ሰብ ስለ ዜፍቅሮም ንምድርን ኣብኣ ንዘሎ ነገራትን ፈጠረ። ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኸኣ፡ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ንዘለዉ ሰባት ዝሓሸ ዅነታት ኬምጽኣሎም እዩ። ንደቂ ሰብ ካብ ኵሉ መከራ ኼናግፎም እዩ።—ኤርምያስ 29:11 ኣንብብ።

ዓመጻ፡ ሕማም፡ ወይ ሞት ከተጥፍእ ዝኸኣለት መንግስቲ የላን። ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣምላኽ ንዅለን መንግስትታት ምድሪ ብመንግስቱ ኺትክአን እዩ። ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ሰላምን ጥዕናን ረኺቦም ኪነብሩ እዮም። እዚ ብሓቂ ብስራት እዩ።—ኢሳይያስ 25:8፣ 33:24፣ ዳንኤል 2:44 ኣንብብ።

2. እቲ ብስራት ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ንእኩያት ካብ ምድሪ ምስ ኣጽነቶም ጥራይ እዩ መከራ ዚጠፍእ። (ጸፎንያስ 2:3) እዚኸ መዓስ እዩ ዚፍጸም፧ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ሎሚ ንሰባት ኣብ ስግኣት ኣውዲቕዎም ዘሎ ዅነታት ተነብዩ ነይሩ እዩ። እዚ ሎሚ ዚፍጸም ዘሎ ዅነታት፡ ኣምላኽ ስጕምቲ ዚወስደሉ ግዜ ኸም ዝኣኸለ ይሕብር።—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5 ኣንብብ።

3. እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

ብዛዕባ ኣምላኽ ካብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ክንምሃር ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ ልክዕ ከምታ ኻብ ፈቃር ኣቦ እተላእከት ደብዳበ እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ብኸመይ ዝሓሸ ናብራ ኽንነብር ከም እንኽእል፡ ኣብ ዚመጽእ ድማ ኣብ ምድሪ ብኸመይ ንዘለኣለም ክንነብር ከም እንኽእል ይነግረና። ገሊኦም ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ክትምሃር ዘይደልዩኻ እኳ እንተ ዀኑ፡ እቲ ዝሓሸ መጻኢ ኽትረክብ ተኸፊቱልካ ዘሎ ኣጋጣሚ ኼምልጠካ ኣይተፍቅድ።—ምሳሌ 29:25፣ ራእይ 14:6, 7 ኣንብብ።