ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 01

መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ይሕግዘካ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ይሕግዘካ፧

ዳርጋ ዅላትና ብዛዕባ ህይወትን መከራን ሞትን መጻእን ሕቶታት ኣሎና። ከም መነባብሮ ወይ ሓጐስ ስድራ ቤት ዝኣመሰለ መዓልታዊ ጕዳያት እውን የተሓሳስበና እዩ። ብዙሓት ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ ህይወቶም ዚልዓል ዓበይቲ ሕቶታት ኣብ ርእሲ ምምላሱ፡ ንመዓልታዊ ህይወቶም ዚኸውን ግብራዊ ምኽሪ እውን ዚህብ ኰይኑ ረኺቦምዎ እዮም። እሞ ደኣ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዝ ዚኽእልዶ ይመስለካ፧

1. ገለ ኻብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምልሶ ሕቶታት እንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ዚስዕብ ኣገዳሲ ሕቶታት መልሲ ይህብ እዩ፦ ህይወት ብኸመይ እያ ጀሚራ፧ ስለምንታይ ኢና ተፈጢርና፧ ስለምንታይ እዩ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰባት መከራ ዚወርድ፧ ሰብ ምስ ሞተ እንታይ እዩ ዚኸውን፧ ኵሉ ሰብ ሰላም ዚደሊ እንተ ዀይኑ፡ ስለምንታይ እዩ ብዙሕ ውግእ ዘሎ፧ ምድሪ ኣብ መጻኢ እንታይ ክትከውን እያ፧ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኽንደሊ የተባብዓና እዩ። ሚልዮናት ሰባት ከኣ ኣጸቢቑ ዜዕግብ መልሲ ረኺቦም እዮም።

2. መጽሓፍ ቅዱስ ንመዓልታዊ ህይወትና ኸነስተማቕሮ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ ምኽሪ ይህበና እዩ። ንኣብነት፡ ስድራ ቤታት ናይ ሓቂ ሓጐስ ብኸመይ ከም ዚረኽባ ይምህር እዩ። ንጸቕጢ ብኸመይ ከም እንዋጽኣሉን ብስራሕና ብኸመይ ከም እንሕጐስን ምኽሪ ይህበና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ጕዳያት እዝን ብዛዕባ ብዙሕ ካልእን እንታይ ከም ዚምህር፡ ነዚ ትምህርትታት እዚ እናተመያየጥናሉ ምስ ከድና ኽትፈልጥ ኢኻ። ሽዑ፡ ነቲ፡ “ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ [ኵሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ] . . . ዚጠቅም እዩ” ዚብል ሓሳብ ትሰማምዓሉ ትኸውን።—2 ጢሞቴዎስ 3:16

እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ንመጽሓፍ ቅዱስ እትትክእ ኣይኰነትን። የግዳስ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ባዕልኻ ኽትምርምሮ እተተባብዕ እያ። ስለዚ፡ ነቲ ኣብዚ ትምህርትታት እዚ ዘሎ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትምርምሮ፡ ምስቲ እትምሃሮ ድማ ከተነጻጽሮ ንምሕጸነካ።

ኣዕሚቝካ ዅዓት

መጽሓፍ ቅዱስ ንሰባት ብኸመይ ከም ዝሓገዘ፡ ከመይ ጌርካ ተሓጒስካ ኸተንብቦ ኸም እትኽእል፡ ንምርዳኡ ድማ ስለምንታይ ሓገዝ ከም ዜድልየካ ርአ።

3. መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሓና ይኽእል እዩ

መጽሓፍ ቅዱስ ከም ብርቱዕ ብርሃን እዩ። ጽቡቕ ውሳነታት ንምግባርን ኣብ ቅድሜና እንታይ ከም ዘሎ ንምፍላጥን ይሕግዘና እዩ።

መዝሙር 119:105 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  •   እቲ ጸሓፊ መጽሓፍ መዝሙር ንመጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ እዩ ዚርእዮ ነይሩ፧

  •   ንስኻኸ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኢኻ እትርእዮ፧

4. መጽሓፍ ቅዱስ ንሕቶታትና ኺምልሰልና ይኽእል

ሓንቲ ሰበይቲ ነቲ ንሓያሎ ዓመታት ዚርብሻ ዝነበረ ሕቶታት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ረኺባትሉ። ቪድዮ ኣጻውት፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  •   ኣብታ ቪድዮ፡ እዛ ሰበይቲ እንታይ ዓይነት ሕቶታት እዩ ነይርዋ፧

  •   መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ እዩ ሓጊዝዋ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ሕቶታት ክንሓትት የተባብዓና እዩ። ማቴዎስ 7:7 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ተመያየጡ፦

  •   ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ኽትረኽበሉ እትኽእል እንታይ ሕቶታት እዩ ዘሎካ፧

5. ንመጽሓፍ ቅዱስ ባህ ኢሉካ ኸተንብቦ ትኽእል ኢኻ

ብዙሓት ሰባት ባህ ኢልዎም ንመጽሓፍ ቅዱስ የንብብዎን ካብኡ ይጥቀሙን ኣለዉ። ቪድዮ ኣጻውት ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  •   ኣብታ ቪድዮ፡ እቶም መንእሰያት ብዛዕባ ንባብ ብሓፈሻ እንታይ ተሰሚዕዎም፧

  •   ስለምንታይ ደኣ እዮም ሕጂ ብዛዕባ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እተፈልየ ስምዒት ዘለዎም፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ መጸናንዕን ተስፋን ዘለዎ ትምህርቲ ኸም ዚህበና የተስፉ እዩ። ሮሜ 15:4 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  •   መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጸናንዕን ተስፋን ዚብሎ ነገር ይስሕበካዶ፧

6. ንመጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኽንርድኦ፡ ካልኦት ኪሕግዙና ይኽእሉ

ብዙሓት ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ባዕሎም ኣብ ርእሲ ምንባቦም፡ ምስ ካልኦት ምምይያጥ እውን ሓጋዚ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም። ግብሪ ሃዋርያት 8:26-31 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  •   ንመጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ክንርድኦ ንኽእል፧—ፍቕዲ 30ን 31ን ርአ።

እቲ ኢትዮጵያዊ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ምእንቲ ኺርድኦ ሓገዝ ኣድልይዎ። ሎሚ ብዙሓት ሰባት ምስ ካልኦት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምይይጥ ምግባር፡ ሓጋዚ ዀይኑ ረኺቦምዎ ኣለዉ

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ፡ ግዜኻ ምብኻን እዩ።”

  •   ንስኻ እንታይ ትብል፧ ስለምንታይከ፧

ጽማቝ

መጽሓፍ ቅዱስ ንመዓልታዊ ህይወትና ምኽሪ ይህብ፡ ኣገዳሲ ሕቶታት ይምልስ፡ መጸናንዕን ተስፋን ድማ ይህብ።

ክለሳ

  •   ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ዓይነት ምኽሪ ኢና እንረክብ፧

  •   ገለ ኻብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምልሶ ሕቶታት እንታይ እዩ፧

  •   ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ክትምሃር ትደሊ፧

ሸቶ

ዳህስስ

ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሎሚ ግብራዊ ኸም ዝዀነ ርአ።

“ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ—ግዜ ዘይሓልፎ ጥበብ” (ግምቢ ዘብዐኛ ቍ. 1 2018)

ካብ ቍልዕነቱ ኣትሒዙ ስምዒታዊ ቓልሲ ንዝነበሮ ሰብኣይ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዝሓገዞ ርአ።

ብኸመይ ዜሐጕስ ሓድሽ ህይወት ከም ዝጀመርኩ (2:53)

መጽሓፍ ቅዱስ ንናብራ ስድራ ቤት ዘለዎ ግብራዊ ምኽሪ መርምር።

“ንስድራ ቤታት ዜዐውት 12 ረቛሒታት” (ንቕሑ! ቍ. 2 2018)

መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ብዛዕባ ገዛኢ ዓለም ዘሎ ግጉይ ሓሳባት ከም ዚእርም ተምሃር።

መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧—ምሉእ ንውሓት (3:14)