ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽናዕቲ 5

ልክዕ ንባብ

ልክዕ ንባብ

1 ጢሞቴዎስ 4:13

ጽማቝ ሓሳባት፦ ነቲ ኣብቲ ገጽ ተጻሒፉ ዘሎ ብልክዕ ኣንብቦ።

ብኸመይ ከም እትገብሮ፦

  • ጽቡቕ ጌርካ ተዳሎ። እቲ ጽሑፍ ንምንታይ ከም እተጻሕፈ ሕሰበሉ። ቃላት በብውልቂ ዘይኰነስ፡ በብጕጅለ ጠርኒፍካ ምንባብ ተለማመድ። ቃላት ከይተእቱ፡ ከይትዘልል፡ ወይ ከይትትክእ ተጠንቀቕ። ንዅሉ ምልክታት ስርዓተ ነጥቢ ኣተኵረሉ።

  • ንዅሉ ቓላት ብልክዕ ኣድምጾ። ንሓደ ቓል ከመይ ከም እተድምጾ እንተ ዘይፈሊጥካ፡ መዝገበ ቓላት ተወከስ፡ ብድምጺ እተቐድሐ ጽሑፋትና ስማዕ፡ ወይ ንሓደ ንፉዕ ኣንባቢ ኺሕግዘካ ሕተቶ።

  • ብንጹር ተዛረብ። ርእስኻ ኣቕኒዕካን ኣፍካ ብግቡእ ከፊትካን ቃላት ብግቡእ ኣድምጽ። ብንጹር ንምዝራብ ጻዕሪ ግበር።