እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት

እተፍቅሮ ሰብ ሞይቱካዶ፧ ሓዘንካ ንኽትዋጽኣሉ ሓገዝ የድልየካዶ፧

መእተዊ

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ነቶም ዝሓዘኑ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት መጽናንዒ ትህቦም።

“ክኸውን ዘይክእል ነገር ኢዩ!”

ኣብ ምልእቲ ዓለም ንዘለዋ ስድራ ቤታት ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዘይተሓስበ ዘሕዝን ፍጻመታት የጋጥመን ኢዩ

ከምኡ ክስምዓካስ ባህርያዊ ድዩ፧

ሞት ናይ ሓደ እተፍቅሮ ሰብ እንተድኣ ኣጋጢሙ፡ ሓዘንካ ምግላጽ ጌጋ ድዩ፧

ሓዘነይ ክኢለ ክነብር ዝኽእል ብኸመይ ኢየ፧

ብውሽጥኻ ኽትሕዞዶ ወይስ ከተውጽኦ ኣሎካ፧

ካልኦት ብኸመይ ክሕግዙ ይኽእሉ፧

መስተውዓልቲ ኣዕሩኽ፡ ንዝሓዘነ ሰብ ጽቡቕ ገይሮም ንምጽንናዕ ተበግሶ ኺወስዱ የድልዮም እዩ።

ንምዉታት ዝኸውን ርግጸኛ ተስፋ

ምስቲ ድሕሪ ደጊም ክትዛረብ፡ ክትስሕቕ፡ ወይ ክትሓቝፎ ዘይትኽእል ምዃንካ ምፍላጥ ድማ ንኽትጾሮ ኣዝዩ ከቢድ ኢዩ ዝገብሮ።