ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ታሪኽ ህይወት

የሆዋ ንመገደይ ኬቕንዖ ፈቒደሉ

የሆዋ ንመገደይ ኬቕንዖ ፈቒደሉ

መንእሰይ ከለኹ፡ ንዓይ ዚዀነኒ መገዲ መሪጸ ነይረ፣ ኣነ ዝብህጎ ዓለማዊ ስራሕ ሒዘ ነይረ። የሆዋ ግና ብኻልእ መገዲ ኽጐዓዝ ጻውዒት ገይሩለይ። “ልቦና ኽህበካ፡ እታ ኽትከደላ ዚግብኣካ መገዲ ኽምህረካ እየ” ኢሉኒ። (መዝ. 32:8) የሆዋ ንመገደይ ኬቕንዓለይ ስለ ዝፈቐድኩ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ጽቡቕ ኣጋጣሚታትን በረኸትን ረኺበ እየ፣ ኣብ ኣፍሪቃ 52 ዓመት ኣገልጊለ እየ።

ካብ ብላክ ካንትሪ ናብ ማላዊ

ብ1935 ዳርልስቶን ኣብ እትብሃል ከተማ እየ ተወሊደ። እታ ኸተማ ኸኣ ብላክ ካንትሪ ኣብ ዚብሃል ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዚርከብ ዞባ ትርከብ። እቲ ዞባ እቲ ብላክ ካንትሪ እተባህለ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ኸባቢ እቲ ዘሎ ሓያሎ ፋብሪካታት፡ ኣየሩ ብጸሊም ትኪ ስለ እተዓብለኸ እዩ። ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ከለኹ፡ ወለደይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ጀመሩ። ገና ዀተቴ ኸለኹ ኸኣ፡ ንሓቂ ስለ ዝኣመንኩላ፡ ብ1952 ወዲ 16 ዓመት ከለኹ ተጠመቕኩ።

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ናውትን መቀያየሪ ኣቕሑ ማካይንን ኣብ ዜፍሪ ዓብዪ ፋብሪካ፡ ተልመዴን ኰይነ ኽዓዪ ጀመርኩ። ጸሓፊ እቲ ትካል ንምዃን፡ ስልጠና ኺውሃበኒ ጀመረ። ነዚ ዕዮ እዚ ኣጸቢቐ እየ ዝፈትዎ ነይረ።

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሓደ ሓላው ወረዳ፡ ኣብታ ኣብ ዊልንሆል እትርከብ ጉባኤና ኣብ መንጎ ሰሙን ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ክመርሕ ሕቶ ምስ ኣቕረበለይ፡ ኣገዳሲ ውሳነ ኽገብር ነበረኒ። እዚ ውሳነ እዚ ኣብ መዋጥር እዩ ኣእትዩኒ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ናብ ክልተ ጉባኤ እየ ዝኸይድ ነይረ። ኣብ መንጎ ሰሙን ናብታ ኻብ ገዛና ኣስታት 32 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ ብሮምስግሮቭ እትርከብ ንስራሐይ እትቐርበኒ ጉባኤ እየ ዝኸይድ ነይረ። ኣብ መወዳእታ ሰሙን ከኣ፡ ናብ እንዳ ወለደይ ተመሊሰ ኣብታ ኣብ ዊልንሆል እትርከብ ጉባኤ እየ ዝእከብ ነይረ።

ንውድብ የሆዋ ኽድግፋ ስለ ዝደለኹ፡ ዋላ እውን ነቲ ዝፈትዎ ስራሐይ ክሓድጎ እንተ ነበረኒ፡ ነቲ ሓላው ወረዳ ዘቕረበለይ ዕድመ ተቐበልክዎ። ኣብቲ ግዜ እቲ የሆዋ ንመገደይ ኬቕንዖ ምፍቃደይ፡ ድሕሪኡ ናብ ዘይጠዓሰሉ ህይወት እዩ ኣፍ ደገ ኸፊቱለይ።

ኣብ ጉባኤ ብሮምስግሮቭ እናተኣከብኩ ኸለኹ፡ ምስ ሓንቲ ጽብቕትን መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዋን ኣን ዝስማ ሓብቲ ተራኸብኩ። ብ1957 ድማ ተመራዓውና፣ ብሓባር ከኣ ኣብ ስሩዕ ፈላምነትን ፍሉይ ፈላምነትን ዕዮ መገሻን ኣገልግሎት ቤት-ኤልን ኣገልጊልና ኢና። ኣን ኣብ ምሉእ ህይወተይ ምንጪ ሓጐስ ኰይናትለይ እያ።

ብ1966 ኣብ መበል 42 ክፍሊ ጊልዓድ ክንካፈል ብምኽኣልና ብዙሕ ኢና ተሓጒስና። ድሕርዚ፡ ናብታ ለዋሃትን ተቐበልቲ ጋሻን ዝህዝባ ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገረ ማላዊ ተመደብና። ነዊሕ ከይጸናሕና ኻብታ ዓዲ ኸም እንስጐጕ ግና ኣይፈለጥናን ኔርና።

ኣብ ማላዊ ዓበይቲ ለውጥታት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣገልጊልና

ኣብ ማላዊ ኣብ ዕዮ መገሻ እንጥቀመላ ዝነበርና ጂፕ

ብ1 ለካቲት 1967 ኣብ ማላዊ በጻሕና። ንሓደ ወርሒ ጽዑቕ ናይ ቋንቋ ስልጠና ድሕሪ ምውሳድና፡ ዕዮ ኣውራጃ ጀመርና። ገሊኦም ሰባት ነታ ሽዑ እንዝውራ ዝነበርና ጂፕ ዝዓይነታ ማኪና ኣብ ዝዀነ ቦታ ኽትከይድ ከም እትኽእል፡ ዋላ እውን ኣፍላጋት ሰንጢቓ ኽትከይድ ከም እትኽእል እዮም ዚኣምኑ ነይሮም። እዚ ዅሉ ትጽቢታት እናሃለዎም ክነሱ ግና፡ ዕምቈት ዘይብሉ ማያት ኢና ኽንሰግር እንኽእል ኔርና። ኣብ ገሊኡ እዋናት፡ ኣብ ኣጕዶ ኢና እንሓድር ኔርና፣ ኣብ እዋን ክረምቲ ኸኣ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣጕዶ፡ ቴንዳ ኽንዝርግሕ ነይሩና። ስለዚ፡ ኣገልግሎት ሚስዮናውነት ዝጀመርናሉ መገዲ፡ ቀሊል ኣይነበረን። እንተዀነ ግና፡ ነቲ ዕዮ ንፈትዎ ኔርና ኢና።

ኣብ ሚያዝያ፡ ኣብታ ዓዲ ሽግር ይፍጠር ከም ዝነበረ ፈሊጠ። ዶ/ር ሄስቲንግስ ባንዳ ዚብሃል ፕረዚደንት ማላዊ ኣብ ረድዮ ኪዛረብ ሰሚዐዮ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግብሪ ኸም ዘይከፍሉን ኣብ ፖለቲካ ጣልቃ ኸም ዚኣትዉን እዩ ተዛሪቡ። እዚ ኽስታት እዚ ሓሶት እዩ ነይሩ። እቲ ናይ ሓቂ ጕዳይ ገለልትነትና ምዃኑ ዅላትና ንፈልጥ ኔርና ኢና፣ ምናዳ ኸኣ ካርድ ኣባላት ፖለቲካዊ ሰልፊ ኽንዕድግ ፍቓደኛታት ብዘይምዃንና፡ እዚ ተጠመትቲ ገይሩና እዩ።

ኣብ መስከረም፡ እቲ ፕረዚደንት ንኣሕዋት፡ ኣብ ኵሉ ቦታታት ሽግር ከም ዚፈጥሩ ገይሩ ኸም ዝኸሰሶም ኣብ ጋዜጣ ኣንበብና። ኣብ ሓደ ፖለቲካዊ ኣኼባ፡ ነቲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምእጋድ ዝቐረበ እማመ ኣብ ግምት ብምእታው፡ መንግስቱ ቕልጡፍ ስጕምቲ ኸም ዚወስድ ኣወጀ። እዚ እገዳ እዚ ኸኣ፡ ብ20 ጥቅምቲ 1967 ጸንዐ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣባላት ፖሊስን ሰበ ስልጣን ኢሚግሬሽንን ነቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ንምዕጻውን ንሚስዮናውያን ካብታ ሃገር ንምጥራዝን መጹ።

ብ1967፡ ጃክ ዮሃንሰንን ሊንዳ ዮሃንሰንን ምስ ዚብሃሉ ኸማና ሚስዮናውያን ካብ ማላዊ ኣብ እተጠረዝናሉ እዋን

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሰለስተ መዓልቲ ድሕሪ ምጽናሕና፡ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ብሪጣንያ ናብ ዝነበረት ሃገረ ማውሪሽየስ ተጠረዝና። ሰበ ስልጣን ማውሪሽየስ ግና፡ ኣብታ ዓዲ ሚስዮናውያን ኴንና ኽንጸንሕ ኣይፈቐዱልናን። ስለዚ፡ ናብ ሮደዥያ (ሕጂ ዚምባብወ እትብሃል) ተመደብና። ኣብታ ዓዲ ምስ በጻሕና፡ ሓደ ነግራም በዓል ስልጣን ኢሚግሬሽን ኣጓነፈና፣ ንሱ ድማ፡ “ኣብ ማላዊ ኸይትነብሩ ተኣጊድኩም፣ ኣብ ማውሪሽየስ ክትጸንሑ እውን ኣይፈቐዱልኩምን፣ ሕጂ ኸኣ ኣብዚ ስለ ዝጠዓመኩም፡ ናብዚ መጺእኩም” ኢሉ ናብታ ዓዲ ምእታው ከልኣና። ሽዑ ኣን ክትበኪ ጀመረት። ዋላ ሓደ ዘይደልየና እዩ ዚመስል ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ትኽ ኢለ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክምለስ እየ ደልየ ነይረ። ኣብ መወዳእታ፡ እቶም ሰበ ስልጣን ኢሚግሬሽን፡ ንጽብሒቱ ናብቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈቶም ክንመጽእ ከም ቅድመ ዅነት ብምጥቃስ፡ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ክንሓድር ፈቐዱልና። ሽዑ ተወዲኡና እኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ ነገር ኣብ ኢድ የሆዋ ሓደግናዮ። ንጽብሒቱ ግና፡ ከም በጻሕቲ ዄንና ኣብ ዚምባብወ ኽንጸንሕ ዘይተጸበናዮ ፍቓድ ተዋህበና። በታ መዓልቲ እቲኣ እተሰምዓኒ፡ ፈጺመ ኣይርስዖን እየ። የሆዋ ንመገድና የቕንዖ ኸም ዘሎ እየ ኣሚነ።

ኣብ ዚምባብወ ዄንና ንማላዊ ንምግልጋል እተዋህበኒ ሓድሽ ምድብ

ብ1968 ኣብ ዚምባብወ ኣብ ዚርከብ ቤት-ኤል ምስ ኣን

ኣብ ቤት ጽሕፈት ዚምባብወ፡ ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎት ኰይነ ንማላዊን ንሞዛምቢክን ከገልግል ተመደብኩ። ኣብቶም ኣብ ማላዊ ዝነበሩ ኣሕዋትና ኸቢድ መስጐጕቲ እዩ ዚወርድ ነይሩ። ከም ክፍሊ ዕዮይ ከኣ፡ ነቲ ደቂ ማላዊ ዝዀኑ ሓለውቲ ወረዳ ዝለኣኽዎ ጸብጻባት እትርጕም ነበርኩ። ሓደ ግዜ ትዝ ይብለኒ፡ ነቲ ጸብጻብ ክዛዝም ኢለ ምስ ኣምሰኹ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዚወርድ ዝነበረ ግፍዒ ነቢዐ። * ይኹን እምበር፡ እቲ ተኣማንነቶምን እምነቶምን ተጻዋርነቶምን ውሽጠይ እዩ ተንክዩኒ።—2 ቈረ. 6:4, 5

ነቶም ኣብ ማላዊ ዝተረፉን ካብቲ ግፍዒ ንምምላጥ ናብ ሞዛምቢክ ዘምለጡን ኣሕዋት መንፈሳዊ ምግቢ ንምብጻሕ ዚከኣለና ንገብር ነበርና። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ጕጅለ ትርጉም እቲ ቺቸዋ ዚብሃል ኣብ ማላዊ ብሰፊሑ ዚዝረበሉ ቛንቋ፡ ኣብ ዚምባብወ ናብ ዚርከብ ናይ ሓደ ሓው ሰፊሕ ሕርሻ ገዓዘ። እቲ ሓው ድማ ነቲ ጕጅለ ዚኸውን ኣባይትን ቤት ጽሕፈትን ሃነጸ። ኣብኡ ዀይኖም ከኣ ነቲ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ናይ ምትርጓም ኣገዳሲ ዕዮኦም ቀጸልዎ።

ኣብ ማላዊ ዚርከቡ ሓለውቲ ወረዳ፡ ዓመት ዓመት ናብ ዚምባብወ ኸይዶም ብቺቸዋ ኣብ ዚግበር ኣኼባታት ዞባ ኺእከቡ መሰናድዎ ገበርናሎም። ኣብኡ ድማ ኣስተዋጽኦታት ኣኼባ ዞባ ይውሃቦም ነበረ። ናብ ማላዊ ምስ ተመልሱ፡ ነቲ ትምህርቲ ብእተኻእሎም መጠን ንኣሕዋት የካፍልዎም ነበሩ። ሓደ ዓመት እዞም ተባዓት ሓለውቲ ወረዳ ናብ ዚምባብወ ምስ መጹ፡ ንዓታቶም ንምህናጽ፡ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ኣዳሎናሎም።

ኣብ ዚምባብወ ብቛንቋ ቺቸዋን ሾናን ኣብ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ብቺቸዋ መደረ እናኣቕረብኩ

ኣብ ለካቲት 1975፡ ካብ ማላዊ ናብቲ ኣብ ሞዛምቢክ ዚርከብ ሰፈር ስደተኛታት ንዝሃደሙ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክበጽሕ ከድኩ። እዞም ኣሕዋት እዚኦም ምስቲ ዝተረፈ ውድብ የሆዋ ማዕረ ማዕረ እዮም ዚስጕሙ ነይሮም። እንተላይ ነቲ ሓድሽ ኣወዳድባ ሽማግለታት እውን ኪዓይዩሉ ጀሚሮም ነይሮም እዮም። እቶም ሓደስቲ ሽማግለታት፡ ብዙሕ መንፈሳዊ ንጥፈታት እዮም ወዲቦም፣ ህዝባዊ መደረታት ይቐርብ ነይሩ፡ ጥቕሲ ዕለትን ግምቢ ዘብዐኛን ይመያየጡሉ ነይሮም፡ ዓበይቲ ኣኼባታት እውን ይግበር ነይሩ። ነቲ ሰፈራቶም ልክዕ ከም ሓደ ኣኼባ ዞባ፡ ክፍሊ ጽሬትን ክፍሊ ዕደላ ምግብን ክፍሊ ጸጥታን ኢሎም እዮም ወዲቦምዎ። እቶም እሙናት ኣሕዋት ብበረኸት የሆዋ ብዙሕ ስለ ዝዓመሙ፡ ኣመና ተተባቢዐ እየ ተመሊሰ።

ኣብ ኣጋ መወዳእታ 1970ታት፡ ማላዊ ኣብ ትሕቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዛምብያ ዀነት። ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብ ማላዊ ዝነበረ ዅነታት ካብ ልበይ ኣይረሓቐን፡ ኣብ ጸሎተይ እውን እጠቕሶ ነይረ፣ ብዙሓት ካልኦት እውን ከምኡ ይገብሩ ነይሮም እዮም። ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ዚምባብወ ብምዃነይ፡ ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ምስ ካልኦት ካብ ማላዊን ደቡብ ኣፍሪቃን ዛምብያን ዝዀኑ ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት ኰይነ ኻብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ምስ እተላእኩ ተወከልቲ እራኸብ ነይረ እየ። ኣብ ኵሉ እዚ ኣጋጣሚታት እዚ ኸኣ፡ ሓንቲ ሕቶ ኢና እነበግስ፣ “ኣብ ማላዊ ንዘለዉ ኣሕዋትና ንምሕጋዝ እንታይ ተወሳኺ ነገር ንግበር፧” ኢና እንብል።

ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ፡ እቲ መስጐጕቲ እውን እናነከየ ኸደ። እቶም ካብቲ ዓዲ ሃዲሞም ዝነበሩ ኣሕዋት በብቝሩብ ናብታ ዓዲ ተመልሱ። እቶም ኣብታ ዓዲ ዝጸንሑ ኸኣ፡ ካብቲ ኣብ ልዕሊኦም ዚወርድ ዝነበረ ሕሰም በብቝሩብ እፎይታ ረኸቡ። እተን ጐረባብቲ ሃገራት በብሓደ ንህዝቢ የሆዋ ሕጋዊ ተፈላጥነት ሃባኦም፡ ነቲ ዝነበረ ቐይድታት እውን ኣልዓላኦ። ብ1991 ሞዛምቢክ ከምኡ ገበረት። ስለዚ ሽዑ፡ ‘ኣብ ማላዊ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መዓስ እዮም ናጻ ዚዀኑ፧’ ኢልና ሓሰብና።

ናብ ማላዊ ተመለስና

ውዒሉ ሓዲሩ ፖለቲካዊ ዅነታት ማላዊ ተቐየረ፣ ብ1993 ከኣ እቲ መንግስቲ ነቲ ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ገይርዎ ዝነበረ እገዳ ኣልዓሎ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ምስ ሓደ ሚስዮናዊ ኸዕልል ከለኹ፡ “ናብ ማላዊ ተመሊስካ ኽትከይድ ዲኻ፧” ኢሉ ሓተተኒ። ኣብቲ ግዜ እቲ ወዲ 59 ዓመት ስለ ዝነበርኩ፡ “ኣይ፡ ሕጅስ ኣሪገ እየ!” ኢለ መለስኩሉ። በታ መዓልቲ እቲኣ ግና፡ ናብኡ ኽንምለስ እትሓትት ፋክስ ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል መጸትና።

ነቲ ኣብ ዚምባብወ ዝነበረና ምድብ ንፈትዎ ኔርና ኢና፣ ስለዚ፡ እዚ ንዓና ኸቢድ ውሳነ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ዓዲ ሱር ሰዲድና ኢና ኔርና፣ ባህ ዜብልን ንነዊሕ ዝሰረተን ምሕዝነት እውን መስሪትና ኔርና ኢና። ኣመሓዳሪ ኣካል ከኣ ብለውሃት ተላዒሉ፡ እንተ ደሊና ኣብ ዚምባብወ ኽንጸንሕ ከም እንኽእል ገለጸልና። ስለዚ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ ገዛእ ርእስና መገዲ ኽንመርጽን ኣብ ዚምባብወ ኽንጸንሕን ምኸኣልና ኔርና። እንተዀነ ግና፡ ኣብርሃምን ሳራን ንመምርሒ የሆዋ ምእንቲ ኺእዘዙ ኢሎም ኣብ እርጋኖም ነቲ ምሹእ መንበሪኦም ከም ዝሓደጉ ኽንሓስብ ትዝ ይብለኒ።—ዘፍ. 12:1-5

ዝዀነ ዀይኑ ነቲ ኻብ ውድብ የሆዋ እተዋህበና መምርሒ ኽንስዕብ ወሰንና፣ ብ1 ለካቲት 1995፡ ካብታ ናብታ ዓዲ ንፈለማ ግዜ ዝኸድናላ ዕለት ልክዕ ኣብ መበል 28 ዓመት ናብ ማላዊ ተመለስና። ሽዑ፡ ኣነን ክልተ ኻልኦት ኣሕዋትን ዝኣባላቱ ኮሚተ ጨንፈር ቈመ፣ ንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዳግም ንምውዳብ እውን ምንቅስቓሳት ጀመርና።

የሆዋ ኣብቊሉ

የሆዋ ነቲ ዕዮ ብቕልጡፍ ኬዕብዮ ምርኣይ ዓብዪ በረኸት እዩ! ብዝሒ ኣስፋሕቲ ኻብቲ ብ1993 ዝነበሮ ኣስታት 30,000፡ ብ1998 ናብ ልዕሊ 42,000 ዓረገ። * ኣመሓዳሪ ኣካል ድማ ነቲ ኣብቲ ዓዲ እናሰፍሐ ዚኸይድ ዝነበረ ዕዮ ዚኸውን ሓድሽ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኪህነጽ ፈቐደ። ስለዚ፡ ኣብ ሊሎንግወ 12 ሄክታር ዝስፍሓቱ መሬት ዓደግና። ኣነ ድማ ኣብ ኮሚተ ህንጸት ከገልግል ተሸምኩ።

ኣብ ግንቦት 2001 ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ጋይ ፒርስ፡ ነቲ ሓድሽ ህንጻታት ንምውፋይ መደረ ኣቕረበ። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ልዕሊ ኽልተ ሽሕ ዚዀኑ ኣብቲ ዓዲ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣከቡ፣ መብዛሕትኦም ከኣ ካብ ዚጥመቑ ልዕሊ 40 ዓመት ዝገበሩ እዮም ነይሮም። እዞም እሙናት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ትሕቲ እቲ እገዳ፡ ክትገልጾ ዘይከኣል ጸገማት ንዓመታት ኣሕሊፎም እዮም። ብስጋዊ መዳይ ድኻታት እኳ እንተ ነበሩ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ግና ኣዝዮም ሃብታማት እዮም ነይሮም። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ፡ ነቲ ሓድሽ ቤት-ኤል እናዞሩ ኺርእይዎ ኸለዉ፡ ደስ እዩ ኢልዎም። ሽዑ፡ ኣብ ኵሉ ዅርናዓት ቤት-ኤል ብናይ ኣፍሪቃ ቕኒት ዚዝመር መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ እዩ ዚቃላሕ ነይሩ። እዚ ኣብ ህይወተይ ካብ ዝረኣኽዎ ልዕሊ ዅሉ ልቢ ዚትንኪ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ። የሆዋ ነቶም ብተኣማንነት ፈተናታት ዚጻወሩ ኣብዚሑ ኸም ዚባርኾም ዜርኢ ህያው ምስክርነት እዩ ነይሩ።

እቲ ጨንፈር ተሃኒጹ ድሕሪ ምዝዛሙ እሞ ንወፈያታት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ተተመዲበ ኽልኣኽ ምስ ጀመርኩ ብዙሕ እየ ተሓጒሰ። ኣብ ማላዊ ዚርከባ ጉባኤታት ካብቲ ድሩት ዓቕሚ ኣብ ዘለወን ሃገራት ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ብፍጥነት ንምህናጽ እተገብረ መደብ ይጥቀማ እየን ነይረን። ቅድሚኡ ገሊአን ጉባኤታት ብዕንጨይቲ ቐላሚጦስ ኣብ እተሰርሐ መጽለሊ እየን ዚእከባ ነይረን። ኣብ ናሕሱ ተንኮበት ይገብራሉ ነይረን፡ ብጭቃ እተሰርሐ ኸም ርቦ ዝኣመሰለ ነዊሕ ኮፍ መበሊ እውን ይጥቀማ ነይረን። ድሕርዚ ግና፡ ኣሕዋት ብውዕዉዕ መንፈስ፡ ሕጡብ ኣብ እቶን እናኣብሰሉ ጽቡቕ ዝትርኢቱ ሓድሽ መአከቢ ቦታታት ሃነጹ። ካብቲ ምስ ነዋሕቲ ኾፍ መበሊታት ዝነበሮም ፍቕሪ ግና ኣይተላቐቑን፣ ስለምንታይሲ፡ ኣብ ነዊሕ ኮፍ መበሊ፡ ኵሉ ሳዕ ኣጸጋጊዕካ ቦታ ኣይትስእንን ኢኻ።

የሆዋ ንገሊኦም ሰባት ብመንፈሳዊ መዳይ ዚገብርዎ ዕቤት ኪሕግዞም ምርኣየይ እውን ኣሐጒሱኒ እዩ። ብፍላይ ኣፍሪቃውያን መንእሰያት ብፍታው ኬገልግሉ ኸለዉ፡ ብመለኮታዊ ትምህርትን ብግብራዊ ስልጠናን ኣቢሎም እውን ቅልጡፍ ተመክሮ ኺድልቡ ኸለዉ ምርኣየይ ብዙሕ መሲጡኒ እዩ። ንሳቶም ኣብ ቤት-ኤልን ኣብ ጉባኤታትን ዓበይቲ ሓላፍነታት ተሰኪሞም እዮም። ብዘይካዚ እውን፡ መብዛሕትኦም ምርዑዋት ዘበሉ ደቂ እታ ዓዲ ዝዀኑ ሓለውቲ ወረዳ ስለ እተሸሙ፡ ጉባኤታት በዚ ደልዲለን እየን። እዞም ምርዑዋት ሰብ ሓዳር እዚኦም ካብ ባህሎም፡ ኣብ ገሊኡ መዳያት እውን ካብ ቤተ ሰቦም ጸቕጢ እናወረዶም ክነሱ፡ ንየሆዋ ብዝያዳ ኼገልግልዎ ኢሎም ኣብዚ ግዜ እዚ ውሉድ ከይወልዱ ወሲኖም እዮም።

ብውሳነታተይ ዕጉብ እየ

ኣብ ብሪጣንያ ኣብ ዚርከብ ቤት-ኤል ምስ ኣን

ኣብ ኣፍሪቃ 52 ዓመት ድሕሪ ምጽናሕና፡ እተወሰነ ጸገማት ጥዕና ኣጋጠመኒ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣመሓዳሪ ኣካል ነቲ ናብ ብሪጣንያ ኽንምደብ ካብ ኮሚተ ጨንፈር ዝቐረበሉ እማመ ኣጽደቖ። ካብቲ እንፈትዎ ምድብና ምግዓዝና ኣጕህዩና ነይሩ እዩ። ስድራ ቤት-ኤል ብሪጣንያ ግና ኣብ እዋን እርጋንና ጽቡቕ ይከናኸኑና ኣለዉ።

የሆዋ ንመገደይ ኬቕንዖ ምፍቃድ፡ ኣብ ህይወተይ ዝገበርክዎ ብሉጽ ውሳነ እዩ ነይሩ። ኣብ ኣእምሮይ እንተ ዝጽጋዕ ነይረ፡ ዓለማዊ ስራሐይ ናበይ ከም ዚመርሓኒ መን ይፈልጥ፧ የሆዋ ግና ንመገድታተይ ንምቕናዕ እንታይ ከም ዜድልየኒ ኻብ መጀመርታ ኣትሒዙ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ምሳ. 3:5, 6) መንእሰይ ከለኹ፡ ኣብ ሓደ ዓብዪ ትካል ዚዕየ ዝርዝር ዕዮታት ይምስጠኒ ነይሩ እዩ። እዛ ኣብ ብዘላ ዓለም ዝርጋሐ ዘለዋ ውድብ የሆዋ ኸኣ፡ ኣዝዩ ዜዕግብ መንፈሳዊ ዕዮ እያ ሂባትኒ። ብናተይ ኣረኣእያ፡ ቀደም ኰነ፡ ሕጂ ዀነ፡ ኣብ መጻኢ ንየሆዋ ምግልጋል ኣዝዩ ዜዕግብ ህይወት እዩ!

^ ቲኦክራስያዊ ታሪኽ ማላዊ ኣብ መጽሓፍ ዓመት ናይ የሆዋ መሰኻኽር 1999 (እንግሊዝኛ)፡ ገጽ 148-223 ተሓቲሙ ኣሎ።

^ ሎሚ ኣብ ማላዊ ልዕሊ 100,000 ኣስፋሕቲ ኣለዉ።