ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 39

ስምካ ኣብ “መጽሓፍ ህይወት” ኣሎዶ፧

ስምካ ኣብ “መጽሓፍ ህይወት” ኣሎዶ፧

“ነቶም ንየሆዋ ዚፈርህዎ . . . መጽሓፍ መዘከርታ ኣብ ቅድሚኡ ተጻሕፈ።”—ሚል. 3:16

መዝሙር 61 ኣቱም መሰኻኽሩ፡ ኪዱ ሰጕሙ!

መላለዪ *

ኣብ ምሉእ ታሪኽ ደቂ ሰብ፡ የሆዋ ኣብታ “መጽሓፍ ህይወት” ስማት ኪጽሕፍ ጸኒሑ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 1-2 ርአ)

1. ብመሰረት ሚልክያስ 3:16፡ የሆዋ እንታይ መጽሓፍ ይጽሕፍ ኣሎ፧ እታ መጽሓፍከ እንታይ ሒዛ ኣላ፧

 የሆዋ ንኣሽሓት ዓመታት ሓንቲ ፍልይቲ መጽሓፍ ይጽሕፍ ኣሎ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ካብቲ ቐዳማይ እሙን ምስክር ዝዀነ ኣቤል ኣትሒዛ ዝርዝር ስማት ዝሓዘት እያ። * (ሉቃ. 11:50, 51) ኣብ ብምሉኡ እቲ ዝሓለፈ ዘመናት፡ የሆዋ ብዙሕ ስማት ኣብታ መጽሓፍ ጽሒፉ እዩ፣ ሎሚ ድማ ብሚልዮናት ዚቝጽር ስማት ሒዛ ኣላ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እታ መጽሓፍ እቲኣ፡ “መጽሓፍ መዘከርታ፡” “መጽሓፍ ህይወት፡” “ጥቕልልቲ መጽሓፍ ህይወት” ተባሂላ ትጽዋዕ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ “መጽሓፍ ህይወት” ኢልና ኽንጽውዓ ኢና።—ሚልክያስ 3:16 ኣንብብ፣ ራእ. 3:5፣ 17:8

2. ናይ መን ስማት እዩ ኣብ መጽሓፍ ህይወት ዚጽሓፍ፧ ብኸመይከ ኢና ስምና ኣብታ መጽሓፍ እቲኣ ኸም ዚጽሓፍ እንገብር፧

2 ኣብዛ ፍልይቲ መጽሓፍ እዚኣ፡ ስማት ኵሎም እቶም ንየሆዋ ብፍርሃት ወይ ብዓሚቝ ኣኽብሮት ዜምልኽዎ፡ ንስሙ እውን ዜፍቅርዎ ሰባት ተጻሒፉ ኣሎ። ንሳቶም ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ናይ ምርካብ ኣጋጣሚ ኣለዎም። ንሕና እውን ብመሰረት እቲ የሱስ ክርስቶስ ዝኸፈሎ በጃ ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ብሕታዊ ርክብ እንተ ኣማዕቢልና፡ ስምና ኣብታ መጽሓፍ እቲኣ ኺጽሓፍ ይከኣል እዩ። (ዮሃ. 3:16, 36) ኣብ ሰማይ ክንነብር ተስፋ እንገብር ዘበልና ንኹን ወይስ ኣብ ምድሪ፡ ኵላትና ስምና ኣብታ መጽሓፍ እቲኣ ኺጽሓፍ ንደሊ ኢና።

3-4. (ሀ) ስምና ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጻሒፉ እንተ ኣልዩ፡ ንዘለኣለም ክንነብር ዲና፧ ግለጽ። (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽን ኣብታ እትስዕብ ዓንቀጽን ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

3 ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ኵሎም እቶም ስማቶም ኣብቲ መጽሓፍ ህይወት ከም ዚጽሓፍ ዚገብሩ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዚረኽቡ ውሕስነት ኣለዎም ማለት ድዩ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣብቲ ኣብ ዘጸኣት 32:33 ዚርከብ የሆዋ ንሙሴ እተዛረቦ ቓላት ንረኽቦ ኢና። ኣብታ ጥቕሲ እቲኣ፡ የሆዋ፡ “ነቲ ዝበደለኒ ደኣ ኻብ መጽሓፈይ እድምስሶ” ኢሉ እዩ ተዛሪቡ። ስለዚ፡ ሕጂ ኣብታ መጽሓፍ ዘሎ ስማት ኪድምሰስ ይከኣል እዩ። ብምሳልያዊ ኣዘራርባ፡ የሆዋ ኣብ ፈለማ ነቲ ስማት ብርሳስ ከም ዚጽሕፎ ጌርና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና። (ራእ. 3:5) ስማትና ኸም ዘይድምሰስ ኰይኑ ብቐለም ክሳዕ ዚጽሓፍ ኣብታ መጽሓፍ እቲኣ ኸም ዚጸንሕ ከነረጋግጽ ኣሎና።

4 ኣብዚ መዳይ እዚ ገለ ሕቶታት ኪልዓል ይከኣል እዩ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ስማቶም ኣብ መጽሓፍ ህይወት ዚጽሓፍን ዘይጽሓፍን ሰባት ይገልጽ ድዩ፧ እቶም ስማቶም ኣብታ መጽሓፍ እቲኣ ዘለዉ ሰባት መዓስ እዮም ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚረኽቡ፧ እቶም ንየሆዋ ንምፍላጥ ኣጋጣሚ ኸይረኸቡ ዚሞቱኸ እንታይ ኪዀኑ እዮም፧ ስማቶም ኣብታ መጽሓፍ እቲኣ ኺጽሓፍ ይከኣል ድዩ፧ እዚ ሕቶታት እዚ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብታ እትስዕብ ዓንቀጽን ኪምለስ እዩ።

ናይ መን ስማት እዩ ኣብታ መጽሓፍ ዘሎ፧

5-6. (ሀ) ኣብ ፊልጲ 4:3 ጐሊሑ ኸም ዘሎ፡ ናይ መን ስማት እዩ ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጻሒፉ ዘሎ፧ (ለ) ስማቶም ኣብ መጽሓፍ ህይወት ንሓዋሩ ዚጽሓፍ መዓስ እዩ፧

5 ናይ መን ስማት እዩ ኣብዛ ምሳልያዊት መጽሓፍ እዚኣ ዘሎ፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ ብዛዕባ ሓሙሽተ ጕጅለ ሰባት ክንመያየጥ ኢና። ናይ ገሊኣቶም ስማት ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጻሒፉ ኣሎ። ናይ ገሊኣቶም ግና ኣይተጻሕፈን።

6 እቶም ቀዳማይ ጕጅለ፡ እቶም ምስ የሱስ ኣብ ሰማይ ኪገዝኡ እተሓርዩ ገዛእቲ እዮም። እሞኸ ስማቶም ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጻሒፉዶ ኣሎ፧ እወ። ብመሰረት እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ‘መዓይይቱ’ እተዛረቦ ቓላት፡ ስማት እቶም ምስ የሱስ ኪገዝኡ እተጸውዑ ቕቡኣት ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጻሒፉ ኣሎ። (ፊልጲ 4:3 ኣንብብ።) ስማቶም ኣብታ ምሳልያዊት መጽሓፍ ተዓቂቡ ምእንቲ ኺጸንሕ ግና ብተኣማንነት ኪጸንዑ ኣለዎም። ድሕሪኡ፡ እንተ ቐቅድሚ ሙማቶም ወይ ቀቅድሚ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ናይ መወዳእታ ማሕተም ምስ ተቐበሉ፡ ስማቶም ኣብታ መጽሓፍ እቲኣ ንሓዋሩ ኺጽሓፍ እዩ።—ራእ. 7:3

7. ኣብ ራእይ 7:16, 17 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ መዓስ እዩ ስማት እቶም ካብ ካልኦት ኣባጊዕ ዝዀኑ ብዙሓት ህዝቢ ኣብ መጽሓፍ ህይወት ንሓዋሩ ዚጽሓፍ፧

7 እቶም ካልኣይ ጕጅለ፡ ካብቶም ካልኦት ኣባጊዕ ዝዀኑ ብዙሓት ህዝቢ እዮም። እሞኸ ስማቶም ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጻሒፉዶ ኣሎ፧ እወ። ኣርማጌዶን ድሕሪ ምስጋሮም እውን ስማቶም ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጻሒፉ ኪቕጽል ድዩ፧ እወ። (ራእ. 7:14) የሱስ እዞም ብኣባጊዕ እተመሰሉ ሰባት “ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት” ኪኸዱ ምዃኖም ገሊጹ ኣሎ። (ማቴ. 25:46) ኰይኑ ግና፡ እዞም ካብ ኣርማጌዶን ዚድሕኑ ሰባት ብኡብኡ ኣይኰኑን ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚረኽቡ። ብምሳልያዊ ኣዘራርባ፡ ስማቶም ኣብ መጽሓፍ ህይወት ብርሳስ ከም እተጻሕፈ ጌርካ ኺርአ ይከኣል እዩ። ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ድማ፡ የሱስ “ኪጓስዮምን ናብ ዓይኒ ማያት ማይ ህይወት ኪመርሖምን እዩ።” እቶም ንመሪሕነት ክርስቶስ ዚቕበሉን ኣብ መወዳእታ እሙናት ዚዀኑን ስማቶም ንሓዋሩ ኣብ መጽሓፍ ህይወት ኪጽሓፍ እዩ።—ራእይ 7:16, 17 ኣንብብ።

8. ናይ መን ስማት እዩ ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጻሒፉ ዘይርከብ፧ ንሳቶምከ እንታይ ኪዀኑ እዮም፧

8 እቶም ሳልሳይ ጕጅለ፡ እቶም ኣብ ኣርማጌዶን ዚጠፍኡ ኣጣል እዮም። ናይዚኣቶም ስማት ኣብ መጽሓፍ ህይወት የሎን። የሱስ፡ ንሳቶም “ናብ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት” ከም ዚኸዱ እዩ ገሊጹ። (ማቴ. 25:46) ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ ንሳቶም “ብናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ኪቕጽዑ እዮም” ኢሉ ነጊሩና እዩ። (2 ተሰ. 1:9፣ 2 ጴጥ. 2:9) ብዛዕባ እቶም ደይ መደይ ኢሎም ኣንጻር መንፈስ ቅዱስ ዚሓጥኡ እውን ተመሳሳሊ ነገር ኪብሃል ይከኣል እዩ። ንሳቶም ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ደኣ እምበር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣይኪረኽቡን እዮም። ብንጹር እምበኣር፡ ትንሳኤ ኣይኪረኽቡን እዮም። (ማቴ. 12:32፣ ማር. 3:28, 29፣ እብ. 6:4-6) ቀጺልና ብዛዕባ እቶም ኣብ ምድሪ ዚትንስኡ ኽልተ ጕጅለ ሰባት እስከ ንመርምር።

እቶም ዚትንስኡ

9. ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 24:15 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ እንታይ ክልተ ጕጀለ ሰባት እዮም ኣብ ምድሪ ዚትንስኡ፧ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ጕጅለኸ እንታይ ፍልልይ ኣሎ፧

9 መጽሓፍ ቅዱስ ክልተ ጕጅለ ሰባት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ተኸፊቱሎም ካብ ምዉታት ከም ዚትንስኡ ይዛረብ እዩ። ንሳቶም ከኣ “ጻድቃንን” “ሓጥኣንን” ይብሃሉ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15 ኣንብብ።) እቶም “ጻድቃን” ብህይወት ከለዉ ንየሆዋ ብተኣማንነት ዘገልገሉ ሰባት እዮም። እቶም “ሓጥኣን” ግና ንየሆዋ ብተኣማንነት ዘገልገሉ ኣይኰኑን። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ መብዛሕትኡ ኣካይዳኦም ብመገዲ ሓጢኣት እዩ ነይሩ። ክልቲኦም ጕጅለ ስለ ዚትንስኡ፡ ስማቶም ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጻሒፉ ኣሎ ኽንብል ንኽእል ዲና፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ፡ ንኽልቲኦም ጕጅለ በብተራ እስከ ንመርምሮም።

10. ስለምንታይ እዮም “ጻድቃን” ዚትንስኡ፧ ገለ ኻባታቶምከ እንታይ ሓላፍነት ኪውሃቦም እዩ፧ (ኣብዛ ሕታም እዚኣ ዘላ ብዛዕባ እቲ ኣብ ምድሪ ዚህሉ ትንሳኤ እትገልጽ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” እውን ርአ።)

10 እቶም ራብዓይ ጕጅለ፡ እቶም “ጻድቃን” እዮም። ንሳቶም ቅድሚ ሙማቶም ስማቶም ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጻሒፉ እዩ። እሞ ደኣ ንሳቶም ምስ ሞቱ፡ ስማቶም ካብታ መጽሓፍ እቲኣ ተሰሪዙዶ፧ ኣይፋልን። ምኽንያቱ፡ ኣብ ተዘክሮ የሆዋ፡ ንሳቶም ሕጂ እውን ህያዋን እዮም። “[ንየሆዋ] ዅላቶም ህያዋን እዮም እሞ፡ ንሱ ኣምላኽ ህያዋን እዩ እምበር፡ ኣምላኽ ምዉታትሲ ኣይኰነን።” (ሉቃ. 20:38) ስለዚ፡ ጻድቃን ኣብ ምድሪ ዳግም ህያዋን ምስ ኰኑ፡ ስማቶም ኣብ መጽሓፍ ህይወት ኪርከብ እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ኣብ ፈለማ ስማቶም ብምሳልያዊ መገዲ ብርሳስ ተጻሒፉ እዩ ኺጸንሕ። (ሉቃ. 14:14) ገለ ኻብዞም ዚትንስኡ ሰባት እዚኦም ድማ፡ “ኣብ ኵላ ምድሪ . . . መሳፍንቲ” ዀይኖም ኬገልግሉ እዮም።—መዝ. 45:16

11. ስማት እቶም “ሓጥኣን” ኣብ መጽሓፍ ህይወት ቅድሚ ምእታዉ እንታይ ኪምሃሩ ኼድልዮም እዩ፧

11 እቶም ሓምሻይ ጕጅለ፡ እቶም “ሓጥኣን” እዮም። ንሳቶም ብህይወት ከለዉ ብመገዲ ጽድቂ እተመላለሱ ኣይኰኑን። ከምኡ ዝገበሩ ኸኣ፡ ምናልባት ሕግታት ኣምላኽ ስለ ዘይፈለጡ እዩ ኪኸውን ዚኽእል። ስለዚ፡ ስማቶም ኣብ መጽሓፍ ህይወት ኣይርከብን እዩ። ኣምላኽ ግና ንዓታቶም ብምትንሳእ፡ ስማቶም ኣብታ መጽሓፍ እቲኣ ኺጽሓፍ ኣጋጣሚ ኪኸፍተሎም እዩ። እዞም “ሓጥኣን” እዚኦም ብዙሕ ሓገዝ ኬድልዮም እዩ። ገሊኦም ኣብ ሕሉፍ ህይወቶም ዜስካሕክሕ ክፉእ ተግባር ገይሮም ነይሮም እዮም። ስለዚ፡ በቲ የሆዋ ዝሰርዖ ስርዓታት ጽድቂ ንምምልላስ፡ ኪምሃሩ ኼድልዮም እዩ። ንዓታቶም ንምምሃር ከኣ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ካብ ኵሉ ዝዓበየ መደብ ትምህርቲ ኸተካይድ እያ።

12. (ሀ) መን እዮም ነቶም ሓጥኣን ኪምህርዎም፧ (ለ) እቶም ነቲ እተማህርዎ ምትግባር ዚኣብዩ እንታይ ኪዀኑ እዮም፧

12 እሞ ደኣ መን እዮም ነቶም ሓጥኣን ኪምህርዎም፧ እቶም ብዙሓት ህዝብን እቶም ዚትንስኡ ጻድቃንን እዮም ኪምህርዎም። እቶም ሓጥኣን ስማቶም ኣብ መጽሓፍ ህይወት ምእንቲ ኺጽሓፍ፡ ምስ የሆዋ ርክብ ኬማዕብሉን ህይወቶም ንዕኡ ኺውፍዩን ኣለዎም። የሱስ ክርስቶስን ኵሎም እቶም መጋዝእቱ ዝዀኑ ፈራዶን ንዕቤት እዞም ሓጥኣን እዚኦም ብዓብዪ ተገዳስነት ኪከታተልዎ እዮም። (ራእ. 20:4) እቶም ነቲ ሓገዝ ዘይቅበሉ ዘበሉ፡ ዋላ እውን 100 ዓመት እንተ ገበሩ፡ ብህይወት ኪጸንሑ ኣይኪፍቀደሎምን እዩ። (ኢሳ. 65:20) የሆዋን የሱስን ልቢ ኼንብቡ ይኽእሉ እዮም፣ ስለዚ ኣብ ሓዳስ ዓለም፡ ዋላ ሓደ ሰብ ጥፍኣት ኪገብር ኣይኪፍቀደሉን እዩ።—ኢሳ. 11:9፣ 60:18፣ 65:25፣ ዮሃ. 2:25

ትንሳኤ ህይወትን ትንሳኤ ፍርድን

13-14. (ሀ) ኣብ ሕሉፍ ግዜ፡ ነቲ ኣብ ዮሃንስ 5:29 ዚርከብ ቃላት የሱስ ብኸመይ ኢና እንርድኦ ኔርና፧ (ለ) ኣብዚ ቓላት እዚ እንታይ ኢና ኸነስተብህል ዘሎና፧

13 የሱስ እውን ብዛዕባ እቶም ኣብ ምድሪ ንምንባር ዚትንስኡ ተዛሪቡ እዩ። ንኣብነት፡ “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ትመጽእ ኣላ። . . . ሽዑ፡ እቶም ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ ህይወት፡ እቶም ክፉእ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም” ኢሉ እዩ። (ዮሃ. 5:28, 29) እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

14 ኣብ ሕሉፍ ግዜ፡ እዚ የሱስ እተዛረቦ ቓላት፡ ነቲ እቶም ካብ ምዉታት ዚትንስኡ ሰባት ድሕሪ ትንሳኤኦም ዚገብርዎ ተግባር ከም ዜመልክት ጌርና ኢና እንርድኦ ኔርና፣ ማለት ገሊኦም ህያዋን ዚዀኑ ሰባት ሰናይ ከም ዚገብሩ፡ ገሊኦም ህያዋን ዚዀኑ ሰባት ግና ክፉእ ከም ዚገብሩ ጌርና ኢና እንርድኦ ኔርና። ኰይኑ ግና፡ የሱስ እቶም ካብ መቓብር ዚትንስኡ፡ ሰናይ ከም ዚገብሩ ወይ ክፉእ ከም ዚገብሩ ኣይኰነን ተዛሪቡ። የግዳስ፡ ሕሉፍ ግዜ እዩ ተጠቒሙ። “ሰናይ ዝገበሩ”ን “ክፉእ ዝገበሩ”ን ኢሉ እዩ ተዛሪቡ። እዚ ድማ፡ እቲ ተግባሮም ቅድሚ ሙማቶም ከም እተገብረ እዩ ዜመልክት። እዚ ሓሳብ እዝስ ብቐሊሉ ዚውሓጠልና ደይኰነን፧ ከመይሲ፡ ክፉእ ዚገብር ዘበለ ኣብ ሓዳስ ዓለም ኪቕጽል ኣይኪፍቀደሉን እዩ። እቶም ሓጥኣን ቅድሚ ሙማቶም ክፉእ ዝገበሩ ኪዀኑ ኣለዎም። እሞ ደኣ ነቲ “ትንሳኤ ህይወት”ን “ትንሳኤ ፍርድ”ን ዚብል ቃላት የሱስ ብኸመይ ኢና ኽንርድኦ ዘሎና፧

15. መን እዮም “ትንሳኤ ህይወት” ዚረኽቡ፧ ስለምንታይከ፧

15 እቶም ቅድሚ ሙማቶም ሰናይ ዝገበሩ ጻድቃን፡ ስማቶም ድሮ ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጻሒፉ ስለ ዚጸንሕ፡ “ትንሳኤ ህይወት” ኪረኽቡ እዮም። ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ትንሳኤ እቶም ኣብ ዮሃንስ 5:29 “ሰናይ ዝገበሩ” እተባህሉ ሰባት፡ ምስ ትንሳኤ እቶም ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 24:15 “ጻድቃን” እተባህሉ ሰባት ሕደ እዩ። እዚ ርድኢት እዚ ምስቲ ኣብ ሮሜ 6:7 ዘሎ ሓሳብ ይሰማማዕ እዩ። እታ ጥቕሲ፡ “እቲ ዝሞተስ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ እዩ” ትብል። ስለዚ፡ እቶም ጻድቃን ዝፈጸምዎ ሓጢኣት ኪስረዝ እዩ፣ እቲ ተኣማንነቶም ግና ኣይኪርሳዕን እዩ። (እብ. 6:10) ኰይኑ ግና፡ እዞም ካብ ምዉታት ዝተንስኡ ጻድቃን ስማቶም ኣብ መጽሓፍ ህይወት ምእንቲ ኪቕጽል፡ እሙናት ኰይኖም ኪቕጽሉ ኣለዎም።

16. “ትንሳኤ ፍርዲ” ንምንታይ የመልክት፧

16 እቶም ቅድሚ ሙማቶም ክፉእ ዝገበሩ ደኣኸ፧ ምስ ሞቱ ሓጢኣቶም እኳ እንተ ተሰረዘ፡ ብተኣማንነት ግና ዘገልገሉ ኣይኰኑን። ስማቶም ከኣ ኣብ መጽሓፍ ህይወት ኣይተጻሕፈን። ስለዚ፡ ትንሳኤ እቶም “ክፉእ ዝገበሩ” ሰባት ምስ ትንሳኤ እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 24:15 “ሓጥኣን” እተባህሉ ሰባት ሕደ እዩ። እቲ ትንሳኤኦም ከኣ “ትንሳኤ ፍርዲ” እዩ ዚብሃል። * ኣብዚ መዳይ እዚ፡ እቶም ሓጥኣን ይፍረዱ ኺብሃል ከሎ፡ ይግምገሙ ማለት እዩ። (ሉቃ. 22:30) ድሕሪ ግዜ ድማ፡ ስማቶም ኣብ መጽሓፍ ህይወት ኪጽሓፍ ዚበቕዑ እንተ ዀይኖም ወይ እንተ ዘይኰይኖም ኪፍረዱ እዮም። እቶም ሓጥኣን ነቲ ናይ ቀደም እኩይ መገዶም እንተ ሓዲጎምን ርእሶም ንየሆዋ እንተ ወፍዮምን ጥራይ እዮም ስማቶም ኣብ መጽሓፍ ህይወት ዚጽሓፍ።

17-18. ኵሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዚትንስኡ ሰባት እንታይ ኪገብሩ እዩ ዜድልዮም፧ እቲ ኣብ ራእይ 20:12, 13 ተጠቒሱ ዘሎ “ግብሪ” ንምንታይ እዩ ዜመልክት፧

17 ኣብተን 1,000 ዓመት፡ ሓደስቲ ጥቓላላት መጻሕፍቲ ኪቕላዕ እዩ። እቶም ካብ ምዉታት ዚትንስኡ ሰባት ከኣ፡ ኣብ ሕሉፍ ህይወቶም ጻድቃን ዝነበሩ ይኹኑ ወይስ ሓጥኣን ነቲ ኣብቲ ጥቕላላት መጻሕፍቲ ዚርከብ ሕግታት ኪሕልዉ ኣለዎም። ሃዋርያ ዮሃንስ ነቲ ኣብ ራእይ ዝረኣዮ ኸምዚ ዚስዕብ ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ፦ “ምዉታት ድማ፡ ዓበይትን ንኣሽቱን፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው ኢሎም ረኣኹ፣ ጥቕላላት መጻሕፍቲ እውን ተቐልዐ። ካልእ ጥቕልልቲ መጽሓፍ እውን ተቐልዐት፣ እዚኣ፡ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ህይወት እያ። እቶም ምዉታት ድማ፡ ከምቲ ኣብቲ ጥቕላላት መጻሕፍቲ እተጻሕፈ፡ ከከም ግብሮም ተፈርዱ።”—ራእ. 20:12, 13

18 እሞ ደኣ እቶም ካብ ምውታት ዚትንስኡ ሰባት በየናይ “ግብሮም” እዮም ዚፍረዱ፧ በቲ ቕድሚ ሙማቶም ዝገበርዎ ግብሪ ድዮም ዚፍረዱ፧ ኣይፋልን! ምስ ሞቱ ኻብቲ ሕሉፍ ሓጢኣቶም ሓራ ኸም ዚዀኑ ኽንርስዕ የብልናን። ኣብዚ “ግብሮም” ተባሂሉ ዘሎ ነቲ ኣብ ሕሉፍ ህይወቶም ዝገበርዎ ግብሪ ኼመልክት ኣይክእልን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም ስልጠና ምስ ተዋህቦም ዚገብርዎ ግብሪ ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ። ከም እኒ ኖህ፡ ሳሙኤል፡ ዳዊት፡ ዳንኤል ዝኣመሰሉ እሙናት ሰባት እኳ፡ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ኪምሃሩን ብመስዋእቱ ኺኣምኑን ኬድልዮም እዩ። እቶም ሓጥኣን ደኣኸ ክንደይ ብዝያዳ ኸምኡ ኺገብሩ ዘየድልዮም!

19. እቶም ነዚ ዜደንቕ ኣጋጣሚ እዚ ዚነጽግዎ፡ መወዳእታኦም እንታይ ኪኸውን እዩ፧

19 እቶም ነዚ ዜደንቕ ኣጋጣሚ እዚ ዚነጽግዎ፡ መወዳእታኦም እንታይ ኪኸውን እዩ፧ ራእይ 20:15፡ “ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጻሒፉ ዘይተረኽበ ዘበለ ኸኣ፡ ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበየ” ኢላ ትነግረና። እወ፡ ንዘለኣለም ኪጠፍኡ እዮም። ስለዚ፡ ስምና ኣብ መጽሓፍ ህይወት ምእንቲ ኺጽሓፍን ንሓዋሩ ኣብኡ ምእንቲ ኪቕጽልን ዚከኣለና ኽንገብር ኣሎና!

ሓደ ሓው ኣብቲ ኣብ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ዚዕመም ዓብዪ መደብ ትምህርቲ ይሳተፍ (ሕጡብ ጽሑፍ 20 ርአ)

20. ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት እንታይ ልቢ ዚሰልብ ዕዮ እዩ ኺዕየ፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)

20 እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣትሲ ኸመይ ዝበለ ልቢ ዚሰልብ እዋን ኰን እዩ ኪኸውን! ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ምድሪ ኻብ እተገብረ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ መደብ ትምህርቲ ኺካየድ እዩ። እንተዀነ ግና፡ እቶም ጻድቃንን እቶም ሓጥኣንን ዚግምገሙሉ እዋን እውን ኪኸውን እዩ። (ኢሳ. 26:9፣ ግብ. 17:31) እሞ ደኣ እዚ መደብ ትምህርቲ እዚ ብኸመይ እዩ ኺፍጸም፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ነዚ ዜደንቕ መሰናድዎ እዚ ኽንርድኦን ከነማስወሉን ኢና።

መዝሙር 147 ተስፋ ህይወት ዘለኣለም

^ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኣብቲ ኣብ ዮሃንስ 5:28, 29 የሱስ ብዛዕባ “ትንሳኤ ህይወት”ን “ትንሳኤ ፍርድ”ን እተዛረቦ ቓላት ዘሎና ርድኢት እተገብረ ምትዕርራይ ሒዛ ኣላ። እዚ ኽልቲኡ ትንሳኤ ንምንታይ ከም ዜመልክት፡ ኣብ ክልቲኡ ድማ መነመን ከም ዚጠቓለሉ ኽንምሃር ኢና።

^ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ “ካብ ምስራት ዓለም” ኣትሒዙ እዩ ኺጽሓፍ ተጀሚሩ፣ ኣብዚ “ዓለም” ኪብሃል ከሎ፡ ነቲ ንሓጢኣቶም ካብ እተኸፍለ በጃ ኺጥቀሙ ናይ ዚኽእሉ ሰባት ዓለም የመልክት። (ማቴ. 25:34፣ ራእ. 17:8) ስለዚ፡ ስም እቲ ጻድቕ ኣቤል ኣብታ መጽሓፍ ህይወት እተጻሕፈ ቐዳማይ ስም ኪኸውን ኣለዎ።

^ ኣቐዲምና እዛ “ፍርዲ” እትብል ቃል፡ ንኣሉታዊ ፍርዲ ወይ ንዅነኔ ኸም እተመልክት ጌርና ንገልጻ ኔርና ኢና። ልክዕ እዩ፡ እታ “ፍርዲ” እትብል ቃል ከምኡ ዓይነት ትርጉም ኪህልዋ ይኽእል እዩ። ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ግና፡ የሱስ ነዛ “ፍርዲ” እትብል ቃል ብዝስፍሐ ትርጉማ፡ ማለት ነቲ መስርሕ ግምገማን ትዕዝብትን ከም እተመልክት ገይሩ እተጠቕመላ እዩ ዚመስል። ሓደ መዝገበ ቓላት ግሪኽኛ ኸም ዚብሎ፡ “መርመራ” እያ እተመልክት።