ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር

ሕዱር ጭንቀት መንእሰያት—ስለምንታይ፧ እንታይ ኪሕግዝ ይኽእል፧

ሕዱር ጭንቀት መንእሰያት—ስለምንታይ፧ እንታይ ኪሕግዝ ይኽእል፧

ኣና፡ * “ጭንቀት ከሕድር ከለኹ፡ ዋላ ሓንቲ ኽገብር ኣይለዓዓልን እየ፣ ዋላ እውን ዝፈትዎ ነገር ይጽልኣኒ እዩ። ድቃስ ጥራይ እየ ዝደሊ። ብዙሕ ግዜ ዘይፍቶን ዘይረብሕን ጾርን ዝዀንኩ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ” ትብል።

ጁልያ ድማ፡ “ንርእሰይ ክቐትል ሓሲበ ነይረ። ከም ሓቂ፡ ክመውት ኣይደልን እየ ነይረ። ነቲ ሕማቕ ስምዒት ጥራይ እየ ኸጥፍኦ ደልየ ነይረ። ከም ንቡር፡ ሓላዪት እየ፣ ጭንቀት ከሕድር ከለኹ ግና፡ ብዛዕባ ዋላ ሓደ ኣይግድሰንን እዩ” ትብል።

ኣናን ጁልያን ገና ኣብ መጀመርታ ዕድመ ጕርዝውና ኸለዋ እየን ጭንቀት ኬሕድራ ጀሚረን። ካልኦት መንእሰያት ሓሓሊፎም ዚቓዝኑ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣናን ጁልያን ግና ንሰሙናት ወይ ንኣዋርሕ ዚቕጽል ጭንቀት እየን ዜሕድራ ነይረን። ኣና ነዚ ኽትገልጾ ኸላ፡ “መውጽኢ ኣብ ዘይብሉ ዓሚቝ ጕድጓድ ከም ዝኣቶኻ ኢኻ እትኸውን። ኣእምሮኻ ትስሕት ወይ መንነትካ ተጥፍእ ከም ዘለኻ ዀይኑ እዩ ዚስምዓካ” ትብል።

ኣናን ጁልያን ዘጋጠመን ኵነታት ዘይተለምደ ኣይኰነን። መንእሰያት ዜሕድርዎ ዘለዉ ጭንቀት ኣመና ይውስኽ ኣሎ፣ ብመሰረት ውድብ ጥዕና ዓለም ድማ ሕዱር ጭንቀት፡ “ካብ 10 ኽሳዕ 19 ዓመት ንዘለዉ ኣወዳትን ኣዋልድን ቀንዲ ጠንቂ ሕማምን ርማሰን” እዩ።

ምልክታት ጭንቀት ኣብ እዋን ብጽሕና ወይ ጕርዝውና ኪቕልቀል ይኽእል እዩ። እዚ ምልክታት እዚ ድማ ኣብ ድቃስን ሸውሃትን ክብደት ሰብነትን ለውጥታት ኬስዕብ ይኽእል እዩ። ቅብጸት፡ ተስፋ ምቝራጽ፡ ጓሂ፡ ዘይትረብሕ ከም ዝዀንካ ጌርካ ምሕሳብ እውን ገለ ኻብቲ ምልክታት እዩ። ካልእ ምልክታት ከኣ ካብ ሰብ ምርሓቕ፡ ናይ ምትኳር ወይ ናይ ምዝካር ጸገም፡ ርእሰ ቕትለት ንምግባር ምሕሳብ ወይ ምፍታን፡ ከምኡ ድማ ብሕክምና ዘይግለጽ ምልክታት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሰብ ሞያ ኣእምሮኣዊ ጥዕና፡ ሓደ ሰብ ጭንቀት ከም ዘሕደረ እንተ ጠርጢሮም፡ ንመዓልታዊ ህይወት እቲ ሰብ ዕንቅፋት ኪዀኖ ዚኽእል ንሰሙናት ዝቐጸለ ብዙሕ ምልክታት እዮም ዜናድዩ።

ጠንቂ ሕዱር ጭንቀት መንእሰያት

ብመሰረት ውድብ ጥዕና ዓለም፡ “ሕዱር ጭንቀት ብሰንኪ እተሓላለኸ ማሕበራውን ስነ ኣእምሮኣውን ስነ ህይወታውን ጽልዋ እዩ ዚኽሰት።” እዚ ኸኣ ነዚ ዚስዕብ ዜጠቓልል ኪኸውን ይኽእል።

ኣካላዊ ረቛሒታት። ብዙሕ ግዜ፡ ገሊኦም ስድራ ብጭንቀት ይጥቅዑ እዮም፣ ንጁልያ ኸምኡ ዓይነት ሽግር እዩ ነይርዋ። እዚ ድማ ካብ ወለድና እንወርሶ ጂን ጽልዋ ኺህልዎ ኸም ዚኽእል ይእምት፣ ምናልባት ነቲ ኣብ ሓንጎልና ዘሎ ከሚካላዊ ንጥፈታት ይጸልዎ ይኸውን። ካልእ ኣካላዊ ረቛሒታት ድማ ሕማም ልብን ምልውዋጥ መጠን ሆርሞንን ጐዳኢ ንጥረ ነገራት ምውሳድን ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ነዚ ጸገማት እዚ ንነዊሕ እዋን እተቓልዐ ሰብ፡ ዝነበሮ ጭንቀት ኪገድዶ ወይ ዘይነበሮ ጭንቀት ኬሕድር ይኽእል እዩ። *

ውጥረት። ቍሩብ ውጥረት ንጥዕና ኺጠቅም ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ሕዱር ወይ መጠኑ ዝሓለፈ ውጥረት ግና ኣካላውን ስነ ኣእምሮኣውን ጕድኣት ኬምጽእ፡ ሓድሓደ ግዜ እውን ንተኣፋፊ መንእሰይ ጭንቀት ኬሕድረሉ ይኽእል እዩ። ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ኣቐዲሙ ኸም እተጠቕሰ፡ ልክዕ ጠንቂ ሕዱር ጭንቀት ዘይንጹር ምዃኑ፡ ናይ እተፈላለየ ረቛሒታት ድምር እውን ኪኸውን ከም ዚኽእል ኪርሳዕ የብሉን።

ገለ ኻብቲ ናብ ሕዱር ጭንቀት ዚመርሕ ምስ ውጥረት እተተሓሓዘ ረቛሒታት፡ ፍትሕ ወይ ፍልልይ ወለዲ፡ ሞት ቤተ ሰብ፡ ኣካላዊ ወይ ጾታዊ ማህሰይቲ፡ ከቢድ ሓደጋ፡ ሕማም፡ ወይ ኣእምሮኣዊ ዝግመት ኪኸውን ይኽእል። ምናዳ ኸኣ እቲ ኣእምሮኣዊ ዝግመት ዘለዎ ቘልዓ ኸም ሳዕቤኑ እተደርበየ ዀይኑ እንተ ተሰሚዕዎ፡ ጭንቀት የሕድር እዩ። ምስዚ እተዛመደ ኻልእ ረቛሒ ኸኣ ካብ ክውንነት ዝረሓቐ ልዑል ትጽቢት ወለዲ፡ ንኣብነት ኣብ ትምህርቲ ዘለዎም ትጽቢት ኪጥቀስ ይከኣል። ድንደና፡ ብዛዕባ መጻኢ ዘሎ ስግኣት፡ ብሰንኪ ጭንቀት ዘሕደረ ወላዲ ዚኽሰት ስምዒታዊ ተነጽሎ፡ ተለዋዋጢ ባህርይ ወለዲ እውን ጠንቂ ጭንቀት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ መንእሰይ ጭንቀት ኬሕድር ከሎ፡ እንታይ ኪሕግዞ ይኽእል፧

ንኣእምሮኻን ንሰብነትካን ተኸናኸኖ

ካብ ማእከላይ ክሳዕ ልዑል መጠን ጭንቀት ኬጋጥም ከሎ፡ ሰብ ሞያ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ብዚእዝዝዎ ኣፋውስን ኣገልግሎት ምኽርን ጌርካ ሕክምና ይግበር እዩ። * የሱስ ክርስቶስ፡ “ሓኪም ንሕሙማት ደኣ እምበር፡ ንጥዑያት ኣየድልዮምን እዩ” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። (ማርቆስ 2:17) ሕማም ድማ ንዝዀነ ኽፋል ሰብነትና፡ እንተላይ ንሓንጎልና ኺጸልዎ ይኽእል እዩ። ኣእምሮናን ሰብነትናን ንሓድሕዱ ዚጸላሎ ብምዃኑ፡ ኣብ ኣነባብራ እንገብሮ ለውጢ ኺጠቕመና ይኽእል እዩ።

ጭንቀት እንተ ኣሕዲርካ፡ ንኣካላውን ንኣእምሮኣውን ጥዕናኻ ፍሉይ ክንክን ግበረሉ። ንኣብነት፡ ጽቡቕ ምግቢ ብላዕ፡ እኹል ድቃስ ደቅስ፡ ስሩዕ ኣካላዊ ምውስዋስ ግበር። ኣካላዊ ምውስዋስ ጽቡቕ ከም ዚስምዓካ ኺገብር ዚኽእል ከሚካላት ከም ዚፈሪ ይገብር፡ ንሓይልኻ ይውስኾ፡ ንድቃስካ እውን የመሓይሾ እዩ። እንተ ተኻኢሉ፡ ጭንቀት ዜለዓዕለልካ ነገራትን ኪልዓለካ ኸሎ ዘሎ ምልክታትን ኣለሊኻ ንዕኡ ፍታሕ ኣናድየሉ። ንእትኣምኖ ሰብ ናይ ልብኻ ንገሮ። ናይ ቀረባ ቤተ ሰብካን ፈተውትኻን ንጭንቀትካ ኽትኽእሎ፡ ምናልባት እውን ሳዕቤናቱ ምእንቲ ኺንኪ ሓገዝ ኪገብሩልካ ይኽእሉ እዮም። ሓሳባትካን ስምዒታትካን ኣብ መዝገብካ ኣስፍሮ፣ እዚ ልማድ እዚ ነታ ኣቐዲምና ዝጠቐስናያ ጁልያ ሓጊዝዋ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ዜድልየካ ዘበለ መንፈሳዊ ነገራት ክትረክብ ጽዓር። እዚ ድማ ነቲ ብዛዕባ ህይወት ዘሎካ ኣረኣእያ ኣጸቢቑ ኼመሓይሾ እዩ። የሱስ ክርስቶስ፡ “መንፈሳዊ ነገራት ዚሃርፉ፡ . . . ሕጉሳት እዮም” ኢሉ እዩ።—ማቴዎስ 5:3

ብግቡእ ተመገብ፡ ኣካላዊ ምውስዋስ ግበር፡ እኹል ድቃስ ደቅስ

ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልየካ ነገራት ምስ እትረክብ፡ ክትጸናናዕ ትኽእል ኢኻ

እዚ ቓላት የሱስ እዚ ሓቂ ምዃኑ ኣናን ጁልያን ይምስክራ እየን። ብዛዕባ እዚ ኣና፡ “መንፈሳዊ ነገራት ኣብ ጸገማተይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ካልኦት ሰባት ከተኵር ይሕግዘኒ። እዚ ቐሊል ኣይኰነን፣ ግናኸ ዝያዳ ሓጐስ እረክብ እየ” ትብል። ጁልያ ድማ ብጸሎትን ብንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ትጸናናዕ እያ። ከምዚ እውን ትብል፦ “ብጸሎት ኣቢለ ልበይ ናብ ኣምላኽ ከፍስስ ከለኹ እሃድእ እየ። መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ክቡር ዋጋ ኸም ዘሎኒ፡ ንሱ እውን ከም ዚሓልየለይ የረድኣኒ። ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኸም ዚህልወኒ ይገብር እዩ።”

የሆዋ ኣምላኽ ፈጣሪና ስለ ዝዀነ፡ ኣተዓባብያናን ኣብ ህይወትና ዘሕለፍናዮ ተመክሮታትን ዝወረሰናዮ ጂንን ንኣመለኻኽታና ዀነ ንስምዒትና ብኸመይ ከም ዚጸልዎ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ። ስለዚ፡ ዜድልየና ደገፍን መጸናንዕን ኪህበና ይኽእል እዩ፣ ምናልባት እውን ብርሕሩሓትን ብዚርድኡናን ሰባት ኣቢሉ እዩ ኸምኡ ዚገብር። ብዘይካዚ፡ ኣምላኽ ንዅሉ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ሕማም ዜሕውየሉ ግዜ ኺመጽእ እዩ። ኢሳይያስ 33:24፡ “ካብቶም ነበርቲ ሓደ እኳ፡ ‘ሓሚመ’ ኣይኪብልን እዩ” ትብል።

እወ፡ ኣምላኽ “ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ” ኢሉ መጽሓፍ ቅዱስ የተስፉ እዩ። (ራእይ 21:4) እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ! ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብን ንምድርን ዘለዎ ዕላማ ብዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ jw.org ርአ። ኣብኡ ኸኣ ብሉጽ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ክትረክብ፡ ብዛዕባ ሰፊሕ ጕዳያት፡ እንተላይ ብዛዕባ ጭንቀት ዚድህስስ ዓንቀጻት እውን ክትረክብ ኢኻ።

^ ሕ.ጽ. 3 ስማት ተቐዪሩ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 10 ብኣማእታት ዚቝጸር ሕማማትን ኣፋውስን ሓሽሽን ንኣእምሮኣዊ ጥዕና ሰብ ኪጸሉ ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ ግቡእ ሕክምናዊ ምርመራ ናይ ምግባር ኣገዳስነት የጕልሕ።

^ ሕ.ጽ. 14 ንቕሑ! ንዝዀነ ይኹን ሕክምና ፍሉይ ደገፍ ኣይትህብን እያ።