ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንህይወትና ዚጠቅምን ሓጐስ ዜምጽእን ጥበብ

ንህይወትና ዚጠቅምን ሓጐስ ዜምጽእን ጥበብ

“ኣብ ዓለም፡ ከም ውግእ፡ ድኽነት፡ ሕማም፡ ንቘልዑ ምግፋዕ፡ ዝኣመሰለ እከይ ክርኢ ኸለኹ እሓዝን እየ፣ እንተ ዀነ ግና፡ ሕጂ ተስፋ ኣሎኒ።”—ራኒ። *

ራኒ ንምንጪ እቲ ናይ ሓቂ ጥበብ ዝዀነ ፈጣሪና፡ ማለት ነቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ምስ ፈለጠት ናይ ሓቂ ሓጐስ ረኺባ እያ። ነዚ ዚስዕብ ዓንቀጻት ከተንብብ ከለኻ፡ ትምህርትታት ኣምላኽ ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ኣብ ዘሎ መዳያት ብኸመይ ከም ዚሕግዘካ ርአ።

  • ኣብ ስድራ ቤትካ ሓጐስ ኪህልወካ

  • ምስ ካልኦት ብሰላም ክትነብር

  • ዕግበት ክትረክብ

  • ቀንዲ ጠንቂ መከራን ሞትን እንታይ ከም ዝዀነ ኽትፈልጥ

  • ንመጻኢ ዜተኣማምን ተስፋ ኺህልወካ

  • ንፈጣሪና ኽትፈልጦን ናብኡ ኽትቀርብን

ብዘይካዚ፡ ጥበብ ፈጣሪ ዚረኽቡ እተወሰኑ እተመርጹ ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዚደልዩ ዘበሉ ዅሎም ብኸምኡ ኺረኽቡ ኸም ዚኽእሉ ኽትርኢ ኢኻ።

^ ሕ.ጽ. 2 ኣብዛ መጽሔት ዘሎ ስማት ተቐይሩ እዩ።