ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

Oleh_Slobodeniuk/E+ via Getty Images

ፕላነትና ኻብ ጥፍኣት ከም እተምልጥ ኣምላኽ ኣተስፍዩ

ፕላነትና ኻብ ጥፍኣት ከም እተምልጥ ኣምላኽ ኣተስፍዩ

“ምድሪ ኻብቲ እንሓስቦ ንላዕሊ ተጻዋሪት እያ።”

ኣህጉራዊ ጕጅለ ተመራመርቲ ብዛዕባ ለውጢ ዅነታት ኣየር መጽናዕቲ ድሕሪ ምግባር፡ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ መደምደምታ እዩ ሂቡ። ብዛዕባ ደቂ ሰብ ዚሓሊ ፈጣሪ ኸም ዘሎ ትኣምን እንተ ዄንካ፡ እዚ ስነ ፍልጠታዊ መደምደምታ እዚ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ፕላነትና ዝሃነጾ ብተፈጥሮ ገዛእ ርእሳ ናይ ምሕዋይ መስርሕ የዘኻኽረካ ይኸውን።

ኰይኑ ግና፡ መጠን እቲ ወዲ ሰብ ኣብ ምድሪ ዘውረዶ ጕድኣት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ፕላነትና ኻብ ጥፍኣት ንምምላጥ ካብቲ ተፈጥሮኣዊ መስርሕ ንላዕሊ የድሊ። እሞ ደኣ ኣምላኽ ስጕምቲ ኸም ዚወስድ ስለምንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

ምድርና ኻብ ጥፍኣት ከም እተምልጥን ከም ዚርህዋን ዜረጋግጽ ኣብዛ ሳጹን ዘሎ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ እስከ ንርአ።

  • ፕላነትና ብኣምላኽ እያ ተፈጢራ። “ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማያትን ምድርን ፈጠረ።”—ዘፍጥረት 1:1

  • ኣምላኽ ወናኒ ፕላነትና እዩ። “ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን . . . ናይ የሆዋ a እዮም።”—መዝሙር 24:1

  • ኣምላኽ ንምድርና፡ ንዘለኣለም ከም እትነብር ገይሩ እዩ ነዲፍዋ። “ንምድሪ ኣብ መሰረታታ ሰረታ፣ ንዘለኣለመ ኣለም ካብ ቦታኣ ኣይትነቓነቕን እያ።”—መዝሙር 104:5

  • ህይወት ኣብ ፕላነትና ንዘለኣለም ከም ዚስስን ኣምላኽ ቃል ኣትዩ ኣሎ። “እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ እቲ ንምድሪ ዝደኰና . . . እቲ ኺንበረላ እምበር፡ ንኸንቱ ኢሉ ዘይፈጠራ የሆዋስ ከምዚ ይብል።”—ኢሳይያስ 45:18

  • ደቂ ሰብ ኣብ ፕላነትና ንዘለኣለም ከም ዚነብሩ ኣምላኽ ኣተስፍዩ ኣሎ። “ጻድቃን ንምድሪ ኺርስተይዋ፡ ኣብኣ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።”—መዝሙር 37:29

ኣምላኽ ንምድርና፡ ንንጥፈታት ደቂ ሰብ ኪጻወር ዚኽእል ስርዓታት ዘርጊሑ እዩ ፈጢርዋ። የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ምዱብ ግዜኡ ነቲ ንፕላነትና ዚጐድእ ህስያን ምዝመዛን ደው ከም ዜብሎ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ።—ራእይ 11:18

ሽዑ፡ ኣምላኽ ንፕላነትና ናብ ጥዕይትን ውቅብትን ገነት ከም ዚቕይራ፡ ኢዱ ኸፊቱ ድማ ‘ትምኒት ህያው ዘበለ ዅሉ ኸም ዜዕግብ’ መጽሓፍ ቅዱስ የተስፍወና።—መዝሙር 145:16

a የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ።—መዝሙር 83:18