ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብመንነትካ እትሕበን እንተ ዄንካ፡ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ዝኣመሰለ ጸገማት ክትጻወር ኢኻ

ንመንእሰያት

9፦ መንነት

9፦ መንነት

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧

መንነትካ ኺብሃል ከሎ፡ ስምካን ትርኢትካን ጥራይ ኣይኰነን። ንመትከልካን ንእምነትካን ንባህርያትካን እውን የጠቓልል እዩ። ስለዚ፡ መንነትካ ኺብሃል ከሎ፡ ንውሽጣዊ ዀነ ንደጋዊ እንታይነትካ የጠቓልል።

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ብመንነትካ እትሕበን እንተ ዄንካ፡ መዛኑኻ ኺቈጻጸሩኻ ኣብ ክንዲ እትፈቅድ፡ ኣብ እምነትካ ጸኒዕካ ትቐውም ኢኻ።

“ብዙሓት ሰባት ኣብ ድኳናት ንመርኣዪ ኸም ዚቕመጡ ባምቡላ እዮም። እቲ ዚኽደንዎ ኽዳውንቲ ባዕላቶም ኣይኰኑን ዚመርጽዎ፣ ካልኦት እዮም ዚመርጹሎም።”—ኤድርያን።

“ኣጸጋሚ ኣብ ዚዀነሉ እዋን እኳ ኸይተረፈ፡ ቅኑዕ ንዘበለ ብኸመይ ኣብ መርገጸይ ከም ዝቐውም ተማሂረ እየ። ንናይ ሓቂ መሓዙተይ ብተግባራተንን ኣነ ምሳታተን ክኸውን ከለኹ ብዝገብሮ ተግባራትን አለልየን እየ።”—ኮርትኒ።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ እምበር፡ ደጊም በዚ ስርዓት እዚ ኣይትቀረጹ።”—ሮሜ 12:2

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ብርታዐኻን ድኽመትካን እምነትካን ብምግምጋም፡ ሕጂ መን ምዃንካን ኣብ መጻኢ መን ክትከውን ከም እትደልን ፍለጥ። ነዚ ምግባር ክትጅምረሉ እትኽእል ጽቡቕ መገዲ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ብምምላስ እዩ።

ብርታዐኻ፦ እንታይ ተውህቦን ክእለትን ኣሎኒ፧ እንታይ ሓያል ጐድኒ ኣሎኒ፧ (ንኣብነት፡ ሰዓተይ ዘኽብር፡ ገዛእ ርእሰይ ዝቈጻጸር፡ ትጉህ፡ ወይ ለጋስ ድየ፧) እንታይ ኣወንታዊ ነገራት እየ ዝገብር፧

ምኽሪ፦ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ኣወንታዊ ነገራት ምልላይ እንተ ኸቢዱካ፡ ንወላዲኻ ወይ ንእትኣምኖ ዓርክኻ ኣባኻ እንታይ ብርታዐን ኣብ ምንታይ መዳያትን ከም ዚርኢ ሕተቶ።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ነፍሲ ወከፍ ገግብሩ ይመርምር እሞ፡ ምስ ካልእ ከይተነጻጸረ፡ ብርእሱ ዜሐጕሶ ነገር ኪህልዎ እዩ።”—ገላትያ 6:4

ድኽመትካ፦ ኣብ ምንታይ ባህርያተይ እየ ብዙሕ ክዓዪ ዘሎኒ፧ መዓስ እየ ብሕልፊ ንፈተና ዝቃላዕ፧ ኣብ ምንታይ መዳያት እየ ብዝያዳ ርእሰይ ክገትእ ዘሎኒ፧

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “‘ሓጢኣት የብልናን’ እንተ ኢልና፡ ንርእስና ነስሕታ ኣለና።”—1 ዮሃንስ 1:8

እምነትካ፦ እንታይ ስነ ምግባራዊ ስርዓት እየ ዝስዕብ፧ ስለምንታይከ፧ ብኣምላኽ እኣምን ድየ፧ ብዛዕባ ህልውናኡ እንታይ መርትዖ ኣሎኒ፧ እንታይ ተግባራት እየ ኸም ዘይፍትሓዊ ገይረ ዝርእዮ፧ ስለምንታይከ፧ ብዛዕባ መጻኢ እንታይ እምነት እዩ ዘሎኒ፧

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ምምዝዛን ክትሕልወካ፡ ምስትውዓል ከኣ ከተዕቍበካ እያ።”—ምሳሌ 2:11