ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባ ዕቃበ ጸዓት ክትፈልጦ ዘሎካ ነገራት

ብዛዕባ ዕቃበ ጸዓት ክትፈልጦ ዘሎካ ነገራት

ቤትና ንሙማቕን ንምዝሓልን፡ ማካይንና ንምንቅስቓስ፡ ከምኡ እውን ካልእ ብዙሕ መዓልታዊ ንጥፈታትና ንምፍጻም፡ ጸዓት የድልየና እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ መላእ ዓለም ዚነብሩ ሰባት ምስ ጸዓት ዚተሓሓዝ ከቢድ ጸገማት የጋጥሞም ኣሎ።

ንኣብነት፡ እቲ “እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ዋጋ ነዳዲ” ነቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዚነብር ጋሪ ዓብዪ ጸገም ኰይንዎ ኣሎ። ነታ ኣብ ፊሊፒንስ እትነብር ጀኒፈር ድማ ዜተኣማምን ምንጪ ጸዓት እዩ ዜጨንቓ፣ ከመይሲ፡ ኣብቲ ንሳ እትነብረሉ ዓዲ “ምቍራጽ ሓይሊ ኤለክትሪክ ልሙድ ጸገም እዩ።” እቲ ኣብ ኤል ሳልቫዶር ዚነብር ፈርናንዶ ኸኣ፡ ጸዓት “ብዛዕባ ዜስዕቦ ኢኮሎጅያዊ ጽልዋ” ኸም ዜተሓሳስቦ ገሊጹ ኣሎ። ኣብ ብዙሕ ቦታታት ዓለምና፡ ምንጭታት ጸዓት ንኣከባቢ ይብክል እዩ።

‘ኣብዚ ምስ ጸዓት እተተሓሓዘ ጸገማት፡ ኣነ እንታይ ክገብር እኽእል፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን።

ኵላትና ንጸዓት ብቝጠባ ኽንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። ጸዓት ምዕቃብን ብግቡእ ምጥቃምን ጥቕምታት ኣለዎ። ጸዓት ዘይነባኽን እንተ ዄንና፡ ነቲ ኣብኡ እነውጽኦ ገንዘብ ኢና እነድሕን። ብዘይካዚ፡ ኣብቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ጠለብ ጸዓት ተወሳኺ ጸቕጢ ብዘይምፍጣር፡ ንኣከባቢ ኣብ ምዕቃብ እጃምና ኸነበርክት ንኽእል ኢና።

ንጸዓት ብቝጠባ ኽንጥቀመሉ እንኽእል ሰለስተ ሸነኽ እስከ ንርአ፣ ንሱ ድማ ኣብ ቤትናን ኣብ መጐዓዝያን ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትናን እዩ።

ቤት

መሞቕን መዝሓልን ክትጥቀም ከለኻ ኣይተባኽን። ኣብ ሓንቲ ኣብ ኤውሮጳ እትርከብ ሃገር እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዝሓበሮ፡ ኣብ ቈራሪ ወቕቲ ነቲ ሙቐት ንምምጣን ዜገልግል መሳርሒ (ተርሞስታት) ብኽልተ ዲግሪ ጥራይ ነኪኻ ነቲ ኻብኡ ዚወጽእ ሙቐት ምቍጽጻር፡ ኣብ ዓመት ብዙሕ ጸዓት ክትዕቅብ ይሕግዝ እዩ። ኣብ ካናዳ ዚነብር ደሪክ ምስዚ ይሰማማዕ እዩ። ንሱ፡ “ኣብ ቈራሪ ወቕቲ፡ ነቲ መሞቒ መጠኑ ኣብ ክንዲ እንውሰኾ፡ ጐልፎ ብምድራብ፡ ብስድራ ቤት ጸዓት ክንዕቅብ ንኽእል ኢና” ይብል።

ኣብ ወቕቲ ሙቐት ንመዝሓሊ ኣብ እንጥቀመሉ መገዲ እውን ከነባኽን ኣይግብኣናን እዩ። ኣብ ፊሊፒንስ ዚነብር ሮዶልፎ፡ ንመጠን እቲ ተርሞስታት ከከም ኵነታቱ ብምቍጽጻር ጥንቃቐ ይገብር እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኺገልጽ ከሎ፡ “ገንዘብ ንቝጥብ፡ ጸዓት ድማ ንዕቅብ” ይብል።

ንቤትካ ኸተምውቕ ወይ ከተዝሕል ከለኻ፡ መሳዅትን መዓጹን ዕጾ። * እቲ ዝሞቐ ወይ ዝዘሓለ ኣየር ብኸንቱ እንተ ዘይወጺኡ፡ ጸዓት ክንዕቅብ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ኣብ ቈራሪ ወቕቲ ንማዕጾ ምኽፋት፡ ነቲ ኽፍሊ ንሙማቕ ዚወጽእ መጠን ጸዓት ኣዝዩ ኸም ዚውስኽ እዩ ዚገብሮ።

ገሊኦም ሰባት ድማ፡ ሙቐት ዘየመሓላልፍን ጸዓት ዚቝጥብን መሳዅቲ ንቤቶም ገጢሞምሉ እዮም።

ጸዓት ቈጣቢ ዝዀነ መብራህቲ ተጠቐም። እታ ኣቐዲማ ተጠቒሳ ዝነበረት ጀኒፈር፡ “ነቲ ብብዝሒ ኣብ ጥቕሚ ዚውዕል እተለምደ ኣምፑል ኣብ ክንዲ እንጥቀም፡ ጸዓት ቈጣቢ ናብ ዝዀነ ሓድሽ ኣምፑል ቀዪርና” ትብል። ነቲ ጸዓት ዚቝጥብ መብራህቲ ኣብ ፈለማ ኽትዕድጎ ኸለኻ ኽቡር ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ጥቕሚ ኺውዕል ከሎ ግና ዝተሓተ መጠን ጸዓት ስለ ዚጥቀም፡ ነቲ ንጸዓት እተውጽኦ ዝነበርካ ገንዘብካ ኼድሕነልካ እዩ።

መጐዓዝያ

ትኽእል እንተ ዄንካ፡ ህዝባዊ መጐዓዝያ ተጠቐም። ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዚነብር ኣንድሪው፡ “ኣብ ዝኽእለሉ እዋናት፡ ብባቡር ወይ ብብሽክለታ እየ ዝጐዓዝ” ይብል። ኤነርጂ፦ ዋት ኤቭሪዋን ኒድስ ቱ ኖው ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ብደረጃ ሓደ ተጓዓዛይ ኪምዘን ከሎ፡ ማካይን ካብ ኣውቶቡሳትን ካብተን ሓጺር ርሕቀት ዚጕዓዛ ባቡራትን እንተ ወሓደ ብሰለስተ ዕጽፊ ዚዛይድ ጸዓት እየን ዜህልኻ” ትብል።

ብመደብ ተጕዓዝ። ኣቐዲምካ መደብ ብምውጻእ፡ ነቲ እትገብሮ ጕዕዞ ኽትንክዮ፡ በዚ ኸምዚ ድማ ግዜኻን ገንዘብካን ክትቍጥብን ነቲ ዚወጽእ ጸዓት ክትዕቅቦን ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ፊሊፒንስ ዚነብር ጀትሮ፡ ኣብ ወርሒ ንነዳዲ ማኪና ዜውጽኦ መጠን ገንዘብ ይምድብ እዩ። ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ከምኡ ምግባረይ፡ ጕዕዞይ ኣቐዲመ ኸም ዝምድብ ገይሩኒ” ይብል።

መዓልታዊ ንጥፈታት

ንመጠን እቲ እትጥቀመሉ ውዑይ ማይ ነክዮ። ሓደ እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዝሓበሮ፡ “ካብቲ ኣብ ከተማታት ኣውስትራልያ ኣብ ጥቕሚ ዚውዕል ጠቕላላ መጠን ጸዓት ብገምጋም 1.3 ሚእታዊት ዚኸውን፡ ወይ ከኣ ካብቲ ኣብ ኣባይቲ ኣብ ጥቕሚ ዚውዕል ጠቕላላ መጠን ጸዓት፡ እቲ 27 ሚእታዊት ዚኸውን፡ ማይ ኣብ ምውዓይ እዩ ዚሃልኽ።”

ምውዓይ ማይ ንባዕሉ ጸዓት ስለ ዜህልኽ፡ ብብዝሒ ውዑይ ማይ ዘይምጥቃም ጸዓት ይዕቅብ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዚነብር ቪክቶር፡ “ነብስና ኽንሕጸብ ከለና፡ ብእተኻእለና መጠን ሒደት ውዑይ ማይ ክንጥቀም ኢና እንጽዕር” ዝበለ። ስቲቨን ኬንወይ ዝስሙ ተመራማሪ ስነ ፍልጠት ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ውዑይ ማይ ብቝጠባ ምጥቃም ንዅሉ ዚጠቅም ተግባር እዩ፣” ከመይሲ፡ “ነቲ ተጠቀምቲ ዜውጽእዎ መጠን ጸዓትን ማይን ይንክዮ፡ ነቲ ንኣገልግሎት ማይን መብራህትን ዚኸውን ጠለብ ጸዓት ከም ዚጐድል ይገብሮ፡ ስድራ ቤታት ድማ . . . ገንዘበን ይቝጥባ” ይብል።

ኣጥፍኣዮ። መብራህቲ፡ መሳርሒታት፡ ከም ተሌቪዥንን ኮምፕዩተርን ዝኣመሰለ ኤለክትሮኒካዊ ናውቲ ኣጥፍእ። ገሊኡ መሳርሒታት ዋላ እውን ጠፊኡ ኸሎ፡ ጸዓት ኬህልኽ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ብመሰረት እቲ ገሊኦም ምሁራት ዚገልጽዎ፡ ንገመድ እቲ መሳርሒ ምሉእ ብምሉእ ካብ መስኵዒ ኤለክትሪክ ወይ ካብ ሶኬት ምውጻእ፡ ወይ ድማ ነቲ መሳርሒ ኣብ ዘይትጥቀመሉ እዋን ባዕሉ ኸም ዜጥፍእ ምግባር፡ ጸዓት ከይባኽን ኪሕግዝ ይኽእል እዩ። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ፈርናንዶ ኸምኡ እዩ ዚገብር፣ “ነቲ ዘይጥቀመሉ መብራህትን መሳርሒታትን አጥፍኦን ገመዱ ኻብ ሶኬት አውጽኦን እየ” ይብል።

ነቲ ንጸዓት ተባሂሉ ዚወጽእ ወጻኢታት፡ ወይ ድማ ነቲ ምምንጫው ጸዓት ኣብ ልዕሊ ኣከባቢ ዜሕድሮ ጽልዋ ብውልቅና ኽንቈጻጸሮ ኣይንኽእልን ንኸውን። ኰይኑ ግና፡ ንጸዓት ብቝጠባ ኽንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። ኣብ መላእ ዓለም ዚነብሩ ሰባት፡ ከምኡ ኺገብሩሉ ዚኽእሉ መገድታት ይረኽቡ ኣለዉ። ሓቂ እዩ፡ ጸዓት ምዕቃብ ዝያዳ ጻዕርን መደብን ዚሓትት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ነቲ ዜምጽኦ ጥቕሚ ሕሰበሉ። ኣብ መክሲኮ እትነብር ቫለሪያ ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ፡ “ገንዘበይ እቝጥብ፡ ንኣከባቢ ድማ እሕሉ” ትብል።

^ ሕ.ጽ. 10 ነቲ ንመሞቕን ንመዝሓልን ዚኸውን ናውቲ ብጥንቃቕ ምእንቲ ኽትጥቀመሉ፡ ነቲ ምስኡ ዚመጽእ መምርሒታት ብጥንቃቐ ስዓቦ። ንኣብነት፡ ገሊኡ መሳርሒታት ክትጥቀም ከለኻ፡ ኣብ ክፍልኻ ጽሩይ ኣየር ኪህሉ ናይ ግድን ስለ ዝዀነ፡ ማዕጾኻ ወይ መስኰትካ ኽትከፍቶ የድልየካ ይኸውን።