ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ሰነ 2017

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 31 ሓምለ-27 ነሓሰ 2017 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ብጥንቃቐ ኣንቢብካዮዶ፧ ክንደይ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሕቶታት ክትምልስ ከም እትኽእል ርአ።

የሆዋ ኣብ ኵሉ ጸበባና የጸናንዓና

ገለ ኻብቲ ሎሚ ንክርስትያናት ኣብ ሓዳሮም ወይ ኣብ ናብራ ስድራ ቤቶም ኬጋጥሞም ዚኽእል ጸገማት እንታይ እዩ፧ ከምዚ ዝበለ ጸገማት የጓንፈካ እንተ ኣልዩ፡ ካብ ኣምላኽ ከመይ ጌርካ ምጽንናዕ ክትረክብ ትኽእል፧

ልብኻ ኣብ መንፈሳዊ መዛግብቲ ግበር

እንታይ መዛግብቲ ኢና ኣኽቢርና ኽንርኢ ዘሎና፧ ከመይ ጌርናኸ ኢና ኸምኡ እንገብር፧

ክንየው ደጋዊ ትርኢት ክትርኢ ትኽእልዶ፧

ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ንሓደ ምስ ሰብ ዘይቀርብን ስግንጢርን ግዳም ሓደር ብትዕግስቲ ምስ ኣዘራረቦ እንታይ ኰይኑ፧

ክትዕረቕን ሰላም ከተስፍንን ዲኻ፧

ሰላም ዘይደሊ ሰብ የሎን። ግናኸ፡ ብዙሓት ሰባት ክብሪ ዘይተዋህቦም ኰይኑ ምስ ተሰምዖም ወይ ብትዕቢት ተላዓዒሎም ሰላም ይዘርጉ እዮም። ነዚ ብኸመይ ከተወግዶ ትኽእል፧

‘ልብምናኺ ይባረኽ!’

እዘን ቃላት እዚአን፡ እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት ንኣቢጋይል ኪንእዳ ኢሉ እተዛረበን እየን። እሞ ደኣ ዳዊት ከምኡ ኢሉ ዝነኣዳ ስለምንታይ እዩ፧ ካብ ኣብነታኸ እንታይ ጥቕሚ ኽንረክብ ንኽእል፧

ኣብቲ ዓብዪ ጕዳይ ኣተኵር

ሕጂ ንዅሎም ደቂ ሰብ ዚምልከት እንታይ ዓብዪ ጕዳይ ኣሎ፧ ነቲ ጕዳይ እቲ ምግንዛብና ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ፧

ንልዑላውነት የሆዋ ደግፍ!

የሆዋ ንዩኒቨርስ ከም ዚግብኦ ምቕባልካ፡ ኣብ ህይወትካ እንታይ ለውጢ የምጽእ፧

ትፈልጥዶ፧

የሱስ ነቶም ኣብ ቤተ መቕደስ እንስሳታት ዚሸጡ ዝነበሩ ነጋዶ፡ “ጐሓሉት” ዝበሎም ስለምንታይ እዩ፧