ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ግምቢ ዘብዐኛ ቍ. 1 2023 | ኣእምሮኣዊ ጥዕና—መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ሓገዝ

ኣብ መላእ ዓለም፡ ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ሰባት እምሮኣዊ ጸገም የጋጥሞም ኣሎ። እተፈላለየ ማሕበራዊ ቝጠባ፡ ደረጃ ትምህርቲ፡ ዓሌት፡ ሃይማኖታዊ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ዓበይቲ ዀኑ ንኣሽቱ ሰባት ጭንቀት የጋጥሞም እዩ። ኣእምሮኣዊ ሕማም እንታይ እዩ፧ ንሰባት ዚጸልዎምከ ብኸመይ እዩ፧ እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ኣገዳስነት ግቡእ ሕክምናን መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም በዚ ዚሳቐዩ ግብራዊ ብዝዀነ መገዲ ብኸመይ ከም ዚሕግዞምን ትገልጽ።

 

ዓለምለኻዊ ጸገም ኣእምሮኣዊ ጥዕና

ኣእምሮኣዊ ምዝንባል ኣብ እተፈላለየ ዕድመ ንዘለዉ ወይ እተፈላለየ ድሕረ ባይታ ንዘለዎም ሰባት ኬጥቅዕ ይኽእል እዩ። መምርሒ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣእምሮኣዊ ጥዕናኻ ብኸመይ ኪጠቕመካ ኸም ዚኽእል ርአ።

ኣምላኽ ይሓልየልካ እዩ

የሆዋ ኣምላኽ ካብ ማንም ንላዕሊ ንሓሳባትካን ንስምዒትካን ከም ዚርድኣልካ ርግጸኛ ኽትከውን እትኽእል ስለምንታይ ኢኻ፧

1 | ጸሎት—“ንዅሉ ጭንቀትኩም ናብኡ ደርብይዎ”

ብዛዕባ ዜተሓሳስበካ ወይ ዜጨንቐካ ናብ ኣምላኽ ክትጽሊ ትኽእል ዲኻ፧ ጸሎት ነቶም ብጭንቀት ዚሳቐዩ ኽሳዕ ክንደይ ጠቓሚ እዩ፧

2 | ‘ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ መጸናንዒ’

መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ስምዒታዊ ስቓይ ኣብ ቀረባ እዋን ነበረያ ነበረ ኸም ዚኸውን ተስፋ ይህብ እዩ።

3 | ካብ ኣብነታት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቐም

ምስ ዚርብሽ ስምዒታት ኣብ እንቃለሰሉ እዋን ናይቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከቡ ኸማና ዝስምዒቶም እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ታሪኽ፡ በይንና ዝዀንና ዀይኑ ኸይስምዓና ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።

4 | መጽሓፍ ቅዱስ ግብራዊ ምኽሪ ይህብ

ኣብ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስትንታንን ኪብጻሕ ዚኽእል ሸቶ ምውጻእን ምስ ኣእምሮኣዊ ጸገም ኣብ እትቃለሰሉ እዋን ብኸመይ ኪሕግዘካ ኸም ዚኽእል ርአ።

ነቶም ኣእምሮኣዊ ጸገም ዘለዎም ብኸመይ ንሕግዞም፧

ንኣእምሮኣዊ ጸገም ዘለዎ ፈታዊኻ ምሕጋዝ ለውጢ ኼምጽእ ይኽእል እዩ።