ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ምሃብ ዚርከብ ጥቕሚ

ካብ ምሃብ ዚርከብ ጥቕሚ

“እዛ አውቶቡስ ክትሓልፍ ትኽእል እያ፣ እዚ ቻይናዊ ሰብኣይ ግና ይጽናሕ!” እዚ፡ ኣለክሳንድራ ኣብ መንጎ ኽልተ ሃገራት ደቡብ ኣመሪካ ዚርከብ ዶብ ንኽትሰግር፡ ኣብ ኣውቶቡስ ኰይና እናተጸበየት ከላ ዝሰምዓቶ ዘረባ እዩ። እንታይ ከም ዘጋጠመ ንምርኣይ ምስ ወረደት፡ ሓደ ቻይናዊ ሰብኣይ፡ ጸገሙ ነቶም ሓለውቲ ዶብ ኪገልጸሎም ኢሉ በተን ዚፈልጠን እተወሰና ቓላት ስጳንኛ ዀልተፍተፍ ኪብል ከሎ ረኣየት። ኣለክሳንድራ ብቻይንኛ ኣብ ዚግበር ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ትካፈል ስለ ዝነበረት፡ ክትትርጕመሎም ፍቓደኛ ዀነት።

እቲ ሰብኣይ ሕጋዊ ነባሪ ኸም ዝዀነ፡ ገንዘቡን ሰነዳቱን ግና ከም እተሰርቀ ገለጸ። ኣብ ፈለማ፡ እቲ መኰነን ነቲ ምኽንያት ኣይተቐበሎን፣ ሕሉፍ ሓሊፉ ንኣለክሳንድራ፡ ሰባት ኣብ ናይ ምሻጥ ንግዲ ኸም እትነጥፍ ገይሩ ጠርጠራ። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ሰብኣይ ንዘቕረበሉ መረዳእታ ተቐበሎ፣ እንተዀነ ግና እቲ ተሳፋራይ ግቡእ ሰነዳት ሒዙ ብዘይምጽናሑ መቕጻዕቲ ኪኸፍል ነይርዎ። ገንዘብ ስለ ዘይነበሮ ድማ ኣለክሳንድራ 20 ዶላር ሃበቶ። እቲ ሰብኣይ ብዙሕ ኣመስገና፣ ካብ 20 ዶላር ዝያዳ ገይሩ ኸም ዚመልሰላ ኸኣ ነገራ። ኣለክሳንድራ፡ ዓስቢ ኽትረክብ ትጽቢት ገይራ ኸምኡ ኸም ዘይገበረትን ቅኑዕ ትገብር ከም ዘላ ስለ እተሰምዓ ተሓጒሳ ኸም ዝሓገዘቶን ገለጸትሉ። ነቲ ሰብኣይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፍ ሂባ ኸኣ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ተላበወቶ።

ሓደ ሰብ ንዘይፈልጦ ሰብ ልግሲ ኸም ዘርኣዮ ኽትሰምዕ ከለኻ ልቢ ዚትንክፍ እዩ፣ ኣብ ኵለን ሃይማኖታት ዚርከቡን ሃይማኖት ዘይብሎምን ሰባት እውን ተመሳሳሊ ተግባር ከም ዚፍጽሙ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ንስኻኸ፡ ንኻልኦት ብተገዳስነት ክትሕግዝ ፍቓደኛ ምዀንካዶ፧ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣገዳሲት እያ፣ ከመይሲ የሱስ፡ “ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ” ኢሉ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ምሃብ ጽቡቕ ምዃኑ ስለ ዝበጽሕዎ፡ ብስነ ፍልጠታዊ መዳይ እውን ኣገዳሲ እዩ። በየናይ መገድታት ጽቡቕ ከም ዝዀነ እስከ ንርአ።

“ሕጉስ ወሃቢ”

ምሃብን ሓጐስን ኣጸቢቑ ዚተኣሳሰር ምዃኑ ኻብ ተመክሮ ተራእዩ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ” ኢሉ ጸሓፈ። ብዛዕባ እቶም ኣብ ጸገም ንዝነበሩ ኣመንቲ ብጾቶም ምእንቲ ኺረድኡ ኢሎም ብልግሲ ወፈያታት ዝገበሩ ክርስትያናት እዩ ዚዛረብ ነይሩ። (2 ቈረንቶስ 8:4፣ 9:7) ጳውሎስ፡ እዞም ሰባት ሕጉሳት ስለ ዝነበሩ ኸም ዝሃቡ ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። የግዳስ፡ ኪህቡ ስለ ዝኸኣሉ እዮም ተሓጒሶም።

ብመሰረት ሓደ መጽናዕቲ፡ ምሃብ “ምስ ሓጐስን ማሕበራዊ ርክብን ምትእምማንን ምትሕሓዝ ንዘለዎ ኽፋል ሓንጐል ብምንቕቓሕ ‘ናይ ዕግበት ስምዒት’ ይፈጥር።” ኣብ ካልእ መጽናዕቲ ድማ፡ “ወሃብቲ ንኻልእ ሰብ ገንዘብ ኪህቡ ኸለዉ፡ ካብቲ ኣብ ጥቕሚ ርእሶም ኬውዕልዎ ኸለዉ ዚሕጐስዎ ንላዕሊ ኸም ዚሕጐሱ” ኰይኑ እዩ ተረኺቡ።

ብሰንኪ ዅነታትካ፡ ክትገብሮ እትኽእል ብዙሕ ነገራት ዘይብልካ ዀይኑ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ከም ሓቂ፡ ነፍሲ ወከፍና ‘ሕጉሳት ወሃብቲ’ ብምዃን ዚርከብ ሓጐስ ከነስተማቕር ንኽእል ኢና። ብቕኑዕ ድራኸ ጥራይ ደኣ ይኹን እምበር፡ ግድን ብዙሕ ክንህብ ኣየድልየናን እዩ። ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ናብ ኣሕተምቲ እዛ መጽሔት፡ ምስ ወፈያኣ ኣሰንያ ኣብ ዝለኣኸቶ ደብዳበ፡ “ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ሒደት ገንዘብ ጥራይ እየ ኽህብ ጸኒሐ። የሆዋ ኣምላኽ ግና ካብቲ ዝሃብክዎ ንላዕሊ እዩ ሂቡኒ። . . . ከምዚ ዝኣመሰለ ህያብ ክህብ ዘኽኣለኒ ምድላው ስለ ዝገበርኩም አመስግነኩም፣ እዚ ብሓቂ ኣጸናኒዑኒ እዩ” ብምባል ጸሓፈት።

ምሃብ ኣብ ገንዘብ ጥራይ እተሓጽረ ኣይኰነን። ክንህበሉ እንኽእል ብዙሕ ካልእ መገድታት ኣሎ።

ምሃብ ንጥዕናኻ ጽቡቕ እዩ

ምሃብ ንዓኻን ንኻልኦትን ጥቕሚ የምጽእ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሕያዋይ ሰብ ንርእሱ ይጠቅም፣ ጨካን ግና ኣብ ርእሱ ጭንቂ የምጽእ” ይብል። (ምሳሌ 11:17) ሕያዎት ሰባት ለጋሳት እዮም፣ ግዜኦምን ጕልበቶምን ሓልዮቶምን ካልእ ነገራትን ንምሃብ ድማ ፍቓደኛታት እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ልግሲ ብብዙሕ መገድታት ይጠቕሞም እኳ እንተዀነ፡ ብቐንዱ ግና ንጥዕናኦም ጽቡቕ እዩ።

መጽናዕትታት ከም ዚሕብሮ፡ እቶም ንኻልኦት ንምሕጋዝ ወለንተኛታት ዚዀኑ ሰባት፡ ዝወሓደ መጠን ቃንዛን ስቓይን ጭንቀትን እዩ ዚስምዖም። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ዝሓሸ ጥዕና ኣለዎም። ብልግሲ ምሃብ ንኸም ማልቲፕል ሰክሎሮሲስ ዚብሃል ከፊላዊ መልመስቲ ዜምጽእ ሕማምን ኤች.ኣይ.ቪን ዝኣመሰለ ሕዱር ሕማም ንዘለዎም ገሊኦም ሰባት እውን ከይተረፈ ጥዕናኦም የመሓይሸሎም እዩ። እቶም ካብ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ኺላቐቑ ዚጽዕሩ ሰባት ንኻልኦት ዚሕግዙ ምስ ዚዀኑ፡ ዝወሓደ ጭንቀት ከም ዚህልዎም፡ ተመሊሱ ኸይደግሶም ድማ ከም ዚሕግዞም ተራእዩ እዩ።

ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ “ናይ ድንጋጸን ለውሃትን ሕያውነትን ስምዒት ንኣሉታዊ ስምዒታት ብዙሕ ቦታ ስለ ዘይህብ” ምዃኑ እዩ ዚግለጽ። ምሃብ፡ ውጥረትን ጸቕጢ ደምን ከም ዚንኪ ኺገብር እውን ይኽእል እዩ። እቶም ብሰንኪ ሞት መጻምድቶም ዚሓዝኑ ሰባት እውን ንኻልኦት ዚድግፉ ምስ ዚዀኑ፡ ካብ ጭንቀቶም ኪገላገሉ ነዊሕ ኣይወስደሎምን እዩ።

ምሃብ ንዓኻ እውን ጥቕሚ ኸም ዜምጽኣልካ ዜጠራጥር ኣይኰነን።

ምሃብ ንኻልኦት ጽልዋ የሕድረሎም

የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ሃቡ፡ ኪህቡኹም እውን እዮም። ብእትሰፍሩሉ መስፈሪ ኺስፈረልኩም እዩ እሞ፡ እተሰጐደን እተነኽነኸን መሊኡ ዚፈስስን ጽቡቕ ስፍሪ ኣብ ሕቝፍኹም ኪህቡኹም እዮም” ኢሉ ተማሕጸኖም። (ሉቃስ 6:38) ምስ እትህብ፡ ልግስኻ ንሰባት ሞሳኦም ብምግላጽ ምላሽ ኪህቡን ንርእሶም ለጋሳት ኪዀኑን ኪድርኾም ይኽእል እዩ። ምሃብ እምበኣር ምትሕብባርን ምሕዝነትን ከም ዚህሉ እዩ ዚገብር።

ምሃብ ምትሕብባርን ምሕዝነትን ከም ዚህሉ ይገብር

ብዛዕባ ሰብኣዊ ርክባት ዜጽንዑ ተመራመርቲ፡ “እቶም ኣዘውቲሮም ልግሲ ዜርእዩ ሰባት፡ ንኻልኦት እውን ንዕኦም ኪመስሉ ምትብባዕ ከም ዚዀንዎም” ይገልጹ እዮም። ከም ሓቂ፡ “ብዛዕባ ዜደንቕ ተግባራት ሕያውነት ምንባብ ጥራይ እኳ ንሰባት ዝያዳ ለጋሳት ከም ዚዀኑ ይገብሮም እዩ።” ሓደ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ “ሓደ ሰብ ንዓሰርተታት ወይ ኣማእታት ሰባት፡ እንተላይ ንዘይፈልጦምን ርእይዎም ንዘይፈልጥን ሰባት ኪጸሉ ይኽእል እዩ።” ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ሓደ ናይ ልግሲ ተግባር ዘለዎ ጽልዋ፡ ካብ ሓደ ሰብ ናብ ካልእ እናተመሓላለፈ ናብ ምሉእ ሕብረተ ሰብ ኬስፋሕፍሕ ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ቦታ ኽትነብር ኣይምደለኻንዶ፧ እወ፡ ብዙሓት ሰባት ዚህቡ እንተ ዀይኖም፡ ብዙሕ ጥቕሚ እዩ ዚርከብ።

ካብ ፍሎሪዳ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እተረኽበ ተመክሮ ነዚ ኣወንታዊ ጽልዋ እዚ ዜብርህ እዩ። ኣዕናዊ ህቦብላ ምስ ኣጋጠመ፡ እተወሰኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዕዮ ረድኤት ኪካፈሉ ወለንተኛታት ኰኑ። ነቲ ኺጽግንዎ ዚሓስቡ ዝነበሩ ቤት ዜድሊ ናይ ጽገና ኣቕሑ ኺመጾም እናተጸበዩ ኸለዉ፡ ሓጹር ናይ ሓደ ኻብቶም ጐረባብቲ ኸም ዝፈረሰ ስለ ዘስተብሃሉ ጸገንዎ። እቲ ጐረቤት፡ እተወሰነ እዋን ጸኒሑ ናብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዝጸሓፋ ደብዳበኡ፡ “ወትሩ እየ ዘመስግነኩም፣ ከምዚኣቶም ዝበሉ ኣዝዮም ሕያዎት ሰባት ርእየ ኣይፈልጥን እየ” በለ። ብሞሳ ተደሪኹ ድማ ኣብቲ ንሱ ‘ዜደንቕ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር’ ኢሉ ዝጸውዖ ዕዮ ዚውዕል ወፈያ ገበረ።

ነቲ ብምሃብ ዝመጸ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ ኣብነት ዝገደፈ ምሰሎ

ካብ ስነ ፍልጠታዊ ምርምር እተረኽበ ኣገዳሲ ርኽበት ከም ዚሕብሮ፡ ‘ደቂ ሰብ ንኻልኦት ናይ ምሕጋዝ ዝንባለ ኣለዎም። ቈልዑ፡ ገና ምዝራብ እውን ከይጀመሩ ኸለዉ ብኻልኦት ይግደሱ እዮም።’ ስለምንታይ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ደቂ ሰብ “ብመልክዕ ኣምላኽ” ከም እተፈጥሩ እዩ ዚነግረና፣ እዚ ድማ እቲ ቐንዲ ባህርያት ኣምላኽ ኣለዎም ማለት እዩ።—ዘፍጥረት 1:27

ልግሲ፡ ሓንቲ ኻብተን ዜደንቓ ባህርያት እቲ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ እያ። ንሱ ህይወትን ክንሕጐስ ዜድልየና ዅሉ ነገራትን ሂቡና እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 14:17፣ 17:26-28) ነቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ ንሰማያዊ ኣቦና ኽንፈልጦን ነቲ ንዓና ዘለዎ ፍቕራዊ ዕላማኡ ኽንርድኦን ንኽእል ኢና። እዚ መጽሓፍ እዚ፡ ኣምላኽ ኣብ መጻኢ ምእንቲ ኽንሕጐስ ምድላው ከም ዝገበረ እውን ይገልጸልና እዩ። * (1 ዮሃንስ 4:9, 10) የሆዋ ኣምላኽ ምንጪ ልግሲ ስለ ዝዀነ፡ ንስኻ እውን ብምስሉ ስለ እተፈጠርካ፡ ንዕኡ ብምምሳል ንኻልኦት ምስ እትህብ ንጽቡቕካ ኸም ዝዀነን ሞገሱ ኸም እትረክብን ኣየጠራጥርን እዩ።—እብራውያን 13:16

ነታ ኣብ መእተዊ እዛ ዓንቀጽ ዝጠቐስናያ ኣለክሳንድራ ትዝክራዶ፧ ተመክሮኣ ብኸመይ እዩ ተዛዚሙ፧ ኣብ ኣውቶቡስ ዝነበረ መጓዕዝታ ገንዘባ ንኸንቱ ኸም ዘባኸነቶ እኳ እንተ ተዛረባ፡ እቲ ንሳ ዝሓገዘቶ ሰብኣይ ግና እታ ኣውቶቡስ ኣብ ከተማ ምስ በጽሐት ናብ ኣዕሩኹ ደዊሉ ነተን ዝሃበቶ 20 ዶላር ኸፊሉወን እዩ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ኣለክሳንድራ ዝሃበቶ ሓሳብ ብምቕባል መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረ። ኣለክሳንድራ፡ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ፡ ነቲ ሰብኣይ ኣብ ፔሩ ብቛንቋ ቻይና ኣብ እተገብረ ኣኼባ ዞባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንደገና ምስ ረኸበቶ ኣዝያ እያ ተሓጒሳ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ንዅሉ እቲ ኣለክሳንድራ ንዕኡ ዝገበረትሉ ነገራት ሞሳኡ ንምግላጽ፡ ንዓኣን ነቶም ምስኣ ናብቲ ኣኼባ ዞባ ዝመጹን፡ ናብ ቤት ምግቡ ዓደሞም።

ንኻልኦት ሰባት ምሃብን ምሕጋዝን ብዙሕ ሓጐስ እዩ ዜምጽእ። ብዝያዳ ድማ፡ ሰባት ነቲ ምንጪ ዅሉ ጽቡቕ ውህበት ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ዝያዳ ምእንቲ ኺፈልጥዎ ኽትሕግዞም ትኽእል ኢኻ። (ያእቆብ 1:17) ከምዚ ዓይነት ምሃብ ዜምጽኦ ጥቕሚ ትረክብዶ ኣለኻ፧

^ ሕ.ጽ. 21 ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ርአ። ኣብ www.ps8318.com/ti እውን ትርከብ እያ። ኣብ ትሕቲ ሕታማት > መጻሕፍትን ብሮሹራትን ርአ።