ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

ንደቂ ኣንስትዮን ንርእሰይን ምኽባር ተማሂረ

ንደቂ ኣንስትዮን ንርእሰይን ምኽባር ተማሂረ
  • ዓመተ ልደት፦ 1960

  • መበቈል ሃገር፦ ፈረንሳ

  • ታሪኽ፦ ዓማጽን ውሉፍ ሓሽሽን ንደቂ ኣንስትዮ ዚንዕቕን

ሕሉፍ ህይወተይ፦

ኣብ ሙልሃውስ፡ ሰሜናዊ ምብራቕ ፈረንሳ፡ ብዓመጻ ኣብ ዚፍለጥ ሸቃሎ ዚነብሩሉ ቦታ እየ ተወሊደ። ካብቲ ኻብ ግዜ ቝልዕነተይ ትዝ ዝብለኒ ነገር፡ እቲ ኣብ መንጎ እቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝነበሩ ስድራ ቤታት ዚግበር ዝነበረ ባእሲ እዩ። ኣብ ስድራ ቤትና፡ ደቂ ኣንስትዮ ይንዓቓ እየን ነይረን፣ ስለዚ፡ ሰብኡት ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ፡ ምኽሪ ኣይሓትትወንን እዮም ነይሮም። ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ክሽነ ተዓጽያ ንሰብኡትን ንቘልዑን ክትከናኸን ከም ዘለዋ እዩ ተነጊሩኒ።

ቍልዕነተይ ቀሊል ኣይነበረን። ወዲ ዓሰርተ ምስ ኰንኩ፡ ኣቦይ ብሰንኪ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ሞተ። ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት፡ ሓደ ዓብዪ ሓወይ ርእሱ ቐተለ። በታ ዓመት እቲኣ ኸኣ፡ ኣብ ሞንጎ ስድራ ቤታት ብዝነበረ ጽልኢ፡ ሰብ ኪቕተል ከሎ ምስ ረኣኹ፡ ብዙሕ እዩ ኣሰምቢዱኒ። ኣባላት ስድራ ቤትና፡ ከመይ ገይረ ኻራሩን ሸጓጕጥን ክጥቀም ከም ዝኽእል ኣርእዮምኒ እዮም፣ ንባእሲ ድሕር ክብል ከም ዘይብለይ እውን ምሂሮምኒ እዮም። ሰላም ዝሰኣንኩ መንእሰይ ብምንባረይ፡ ንነብሰይ ብውቃጦ ኽመልኦን ብዙሕ ክሰትን ጀመርኩ።

ወዲ 16 ዓመት ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ መዓልቲ መዓልቲ ኻብ 10 ኽሳዕ 15 ጥርሙዝ ቢራ እሰቲ ነበርኩ፣ ነዊሕ ከይጸናሕኩ ድማ ሓሽሽ ክወስድ ጀመርኩ። ነዚ ወልፍታተይ ዜድሊ ገንዘብ ንምርካብ ከኣ፡ እተጓሕፈ ሓጻውን እሸይጥን እሰርቕን ነበርኩ። ወዲ 17 ምስ ኰንኩ፡ ተኣሲረ ነበርኩ። ብሰንኪ ስርቅን ዓመጻን፡ ብድምር 18 ሳዕ ተፈሪዱኒ እዩ።

ኣብ መጀመርታ 20ታት ዕድመይ፡ ኵነታተይ እናገደደ ኸደ። ኣብ መዓልቲ ኽሳዕ 20 ሽጋራ ማሪዋና አትክኽ ነበርኩ፣ ሄሮይንን ካልእ ዓይነት ሓሽሽን እውን እወስድ ነበርኩ። ብተደጋጋሚ ብሰንኪ ብዝሒ ሓሽሽ ጥቓ ሞት ቀሪበ ነይረ እየ። ሓሽሽ ክሸይጥ እውን ብምጅማረይ፡ ወትሩ ኻራሩን ሸጓጕጥን ተዓጢቐ እመላለስ ነበርኩ። ሓደ ግዜ፡ ንሓደ ሰብኣይ ተኰስኩሉ፣ ብኣጋጣሚ ግና እታ ጥይት ኣብቲ ኣብ ቍልፉ ዘሎ መቘለፊ ወቒዓ ነጠረት። ወዲ 24 ምስ ኰንኩ፡ ኣደይ ሞተት፣ ቍጥዓይ ድማ እናገደደ ኸደ። ብኣይ ዝፈርሁ ኣጋር፡ ብማዕዶ ርእዮምኒ መገዶም ይቕይሩ ነበሩ። ብዙሕ ሳዕ እብኣስ ብምንባረይ፡ ቀዳመ ሰንበት ወይ ኣብ መደበር ፖሊስ ወይ ኣብ ሆስፒታል ዝቘሰለ ኣካለይ ክስፈ እየ ዘሕልፎ ነይረ።

ወዲ 28 ምስ ኰንኩ፡ ተመርዓኹ። ከም እትግምትዎ፡ ንሰበይተይ ብኣኽብሮት ኣይኰንኩን ዝሓዛ ነይረ። እጸርፋን እወቕዓን ነይረ እየ። ከም ሰብ ሓዳር ብሓንሳእ ኴንና ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይንገብርን ኢና ኔርና። እተሰርቀ ስልማታት እንተ ኣምጺአላ እኹል ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ ነይሩ። ድሕሪኡ ግና ሓደ ዘይተጸበኽዎ ነገር ኰነ። ሰበይተይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይና መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀመረት። ድሕሪ እቲ ናይ መጀመርታ መጽናዕታ፡ ሽጋራ ምትካኽን እተሰርቀ ገንዘብ ምቕባልን ሓደገት፣ ነቲ ስልማታ እውን መለሰትለይ። በዚ፡ ኣዝየ ተቘጣዕኩ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከይትገብር እጻረራ ነበርኩ፣ ሽጋራ እናኣትከኽኩ ኸኣ፡ ነቲ ትኩ ኣብ ገጻ ኡፍ እብሎ ነበርኩ። ኣብ ኵሎም ጐረባብትና እውን መላገጺ እገብራ ነበርኩ።

ሓደ ምሸት፡ ሰኺረ ኸለኹ፡ ንኣፓርታማና ብሓዊ ኣንደድክዎ። ሰበይተይ ግና ንዓይን ነታ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኣ ጓልናን ካብ ሓዊ ኣድሓነትና። ስኽራነይ ምስ ሓደገኒ፡ በቲ ዝገበርክዎ ነገር ተጣዓስኩ። ብውሽጠይ፡ ኣምላኽ ከቶ ይቕረ ኸም ዘይብለለይ ተሰምዓኒ። ሓደ ግዜ፡ ሓደ ቐሺ፡ እኩያት ናብ ገሃነም እሳት ከም ዚኣትዉ እተዛረቦ ነገር ትዝ በለኒ። እቲ ዚሕክመኒ ዝነበረ ሓኪም ኣእምሮ እኳ፡ “ንዓኻስ ኣኺሉኻ እዩ! ክትጥዒ ማለት ዘበት እዩ” በለኒ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦

ድሕሪ እቲ ባርዕ፡ ምስ ወለዲ ሰበይተይ ተጸጋዕና። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰበይተይ ኪበጽሕዋ ምስ መጹ፡ “ኣምላኽ ንዅሉ ሓጢኣተይ ይቕረ ኺብለለይ ይኽእል ድዩ፧” ኢለ ሓተትክዎም። ንሳቶም ከኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ገንጺሎም፡ 1 ቈረንቶስ 6:9-11 ኣርኣዩኒ። እታ ጥቕሲ እቲኣ፡ ኣምላኽ ዚዅንኖ ተግባራት እያ እትዝርዝር፣ ኣስዕብ ኣቢላ ግና፡ “ገሌኻትኩም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም ኢኹም” ትብል። እዘን ቃላት እዚአን፡ ለውጢ ኺግበር ከም ዚከኣል ኣረጋገጻለይ። ድሕሪኡ፡ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ 1 ዮሃንስ 4:8 ኣርእዮም ኣምላኽ ከም ዜፍቅረኒ ኣረጋገጹለይ። በዚ ስለ እተተባብዕኩ፡ ኣብ ሰሙን ክልተ ሳዕ ምሳታቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ሓተትክዎም፣ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታቶም ድማ ክእከብ ጀመርኩ። ኣዘውቲረ እውን ናብ የሆዋ እጽሊ ነበርኩ።

ኣብ ውሽጢ ወርሒ፡ ሓሽሽን ኣልኮላዊ መስተን ክሓድግ ወሰንኩ። ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ኣብ ሰብነተይ ውግእ ከም እተወልዐ ተሰምዓኒ። ወልፈይ ስለ ዘቋረጽክዎ፡ ሕማቕ ሃተፍተፍን ቃንዛ ርእስን ምዅምታር ጭዋዳታትን ካልእ ስቓይን ነበረኒ። እዚ ኪኸውን ከሎ ግና፡ የሆዋ ብኢደይ ሒዙ የበርትዓኒ ኸም ዘሎ ይስምዓኒ ነበረ። ከምቲ ንሃዋርያ ጳውሎስ እተሰምዖ እዩ ተሰሚዑኒ። ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝረኸቦ ሓገዝ፡ “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” ኢሉ እዩ። (ፊልጲ 4:13) ድሕሪ ግዜ፡ ሽግራ ምትካኽ እውን ከቋርጾ ኽኢለ እየ።—2 ቈረንቶስ 7:1

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ክቈጻጸር ኣብ ርእሲ ምሕጋዙ፡ ንናብራ ስድራ ቤትና ኸም ዚመሓየሽ እውን ገይሩ እዩ። ንሰበይተይ ዝነበረኒ ኣረኣእያ ተቐዪሩ እዩ። ብዝያዳ ከኽብራን “በጃኺ” ወይ “የቐንየለይ” ክብላን እውን ጀሚረ እየ። ንጓለይ እውን ናይ ሓቂ ኣቦ ክዀና ኽኢለ እየ። ንሓደ ዓመት መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ምጽናዐይ፡ ኣብነት ሰበይተይ ብምስዓብ፡ ህይወተይ ንየሆዋ ወፍየ ተጠመቕኩ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦

ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ከም ዘድሓና እኣምን እየ። እንተ ብሓሽሽ ወይ ብባእሲ ናይ ሙማት ዕድለይ ሰፊሕ ምንባሩ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ኣባላት ቤተ ሰበይ እኳ ይኣምኑሉ እዮም።

ናብራ ስድራ ቤተይ ድማ በቲ ኸም ሰብኣይን ኣቦን መጠን ዘሎኒ ሓላፍነታት ዚሕብር ትምህርታት መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ተቐዪሩ እዩ። (ኤፌሶን 5:25፣ 6:4) ሕጂ፡ ብስድራ ቤት ሓቢርና እንገብሮ ነገራት ኣሎና። ንሰበይተይ ኣብ ክሽነ ዓጽየያ ኣብ ክንዲ እትነብር፡ ኣብቲ ኸም ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላዊት መጠን እትገብሮ ንጥፈታት ተሓጒሰ እድግፋ ኣለኹ። ንሳ እውን ኣብቲ ኣነ ሽማግለ ጉባኤ ዀይነ ዝዓይዮ ዕዮ ተሓጒሳ ትድግፈኒ እያ።

የሆዋ ኣምላኽ ዘርኣየኒ ፍቕርን ምሕረትን ንህይወተይ ኣጸቢቑ ተንክይዎ እዩ። ብዛዕባ ባህርያቱ ነቶም ተስፋ ዘይብሎም ዚብሃሉ ሰባት ናይ ምንጋር ሓያል ባህጊ ኣሎኒ፣ ከመይሲ፡ ኣነ እውን ተስፋ ዘይብለይ ጌርካ እየ ዝርአ ነይረ። መጽሓፍ ቅዱስ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ንጹህን ዕላማ ዘለዎን ህይወት ምእንቲ ኺህልዎ ናይ ምሕጋዝ ሓይሊ ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልኦት ሰባት፡ ማለት ንደቂ ተባዕትዮ ዀነ ንደቂ ኣንስትዮ ብዘይ ኣፈላላይ ክፈቱን ከኽብርን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንገዛእ ርእሰይ ከኽብር እውን ኣኽኢሉኒ እዩ።