ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መከራ—ካብ ኣምላኽ ዚወርድ መቕጻዕቲ ድዩ፧

መከራ—ካብ ኣምላኽ ዚወርድ መቕጻዕቲ ድዩ፧

ሉዚያ ብጸጋማይ እግራ ትሕንክስ እያ። ቈልዓ ኸላ እያ ንስርዓተ መትኒ ሰብነት ብዜጥቅዕ ተመሓላላፊ ሕማም ፖልዮ ተጠቒዓ። ጓል 16 ዓመት ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ፡ ሓንቲ ንሉዚያ እተስርሓ ዝነበረት ሰበይቲ፡ “ንኣዴኺ ዘይትእዘዝን ሕስምትን ስለ ዝነበርኪ እዩ ኣምላኽ ብፖልዮ ቐጺዑኪ” በለታ። ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት እኳ፡ ሉዚያ እዚ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዝደቘሳ ገና ትዝክሮ እያ።

ደማሪስ መንሽሮ ሓንጐል ከም ዘለዋ ምስ ፈለጠት፡ ኣቦኣ፡ “እንታይ ስለ ዝገበርኪ ኢኺ እዚ ኣጋጢሙኪ፧ ገለ ዝገበርክዮ ሕማቕ ነገርሲ ኣሎ። ስለዚ እዩ ኣምላኽ ዚቐጽዓኪ ዘሎ” በላ። ደማሪስ በቲ ኣቦኣ ዝበላ፡ መንፈሳ ተደቝሰ።

ሰባት ንኣሽሓት ዓመታት፡ ሕማም ካብ ኣምላኽ ዚወርድ መቕጻዕቲ ኸም ዝዀነ ገይሮም ኣሚኖም እዮም። ማነርስ ኤንድ ካስተምስ ኦቭ ባይብል ላንድስ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ብግዜ ክርስቶስ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት፡ “ሕማም ብሰንኪ ሓጢኣት እቲ ሕሙም ወይ ሓጢኣት ቤተ ሰቡ ኸም ዚመጽእ፡ መቕጻዕቲ እቲ ሓጢኣት ድማ ከም ዝዀነ ይኣምኑ” ምንባሮም ትገልጽ። ኣብ ማእከላይ ዘመን ከኣ፡ “ገሊኦም ሰባት፡ ኣምላኽ ብሰሪ ሓጢኣቶም ኪቐጽዖም ኢሉ ተላጋቢ ሕማም ከም ዘምጸኣሎም ይኣምኑ” ኸም ዝነበሩ መዲቫል መዲስን ኤንድ ዘ ፕሌግ ዘርእስታ መጽሓፍ ገሊጻ ኣላ። እሞ ደኣ፡ ኣብ መበል 14 ዘመን ኣብ መላእ ኤውሮጳ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ብተላጋቢ ሕማም ኪሞቱ ኸለዉስ፡ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እኩያት ሰባት ፍርዲ ይፍጽም ነይሩ ማለት ድዩ፡ ወይስ ከምቲ ተመራመርቲ ሕክምና ዝገለጽዎ፡ እቲ ተላጋቢ ሕማም ብባክተርያ ዝሰዓበ ሕማም ጥራይ እዩ ነይሩ፧ ገሊኦም ሰባት፡ ‘ብሓቂዶ ኣምላኽ ንሰባት ብሰንኪ ሓጢኣቶም ኪቐጽዖም ኢሉ ሕማም ይጥቀም እዩ፧’ ኢሎም ይሓስቡ ይዀኑ። *

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ሕማምን መከራን ካብ ኣምላኽ ዚወርድ መቕጻዕቲ እንተ ዀይኑ፡ የሱስ ንዝሓመሙ ዜሕዊ ዝነበረ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ፧ ከምኡ ምግባር፡ ምስ ፍትሕን ጽድቅን ኣምላኽ ከም ምጽራርዶ ኣይምተቘጽረን፧ (ማቴዎስ 4:23, 24) የሱስ ኣንጻር እቲ ኣምላኽ ዝወሰዶ ስጕምቲ ኪኸይድ ዘይሕሰብ እዩ። የግዳስ፡ ‘ኵሉ ሳዕ ንኣምላኽ ባህ ዜብሎ ኸም ዚገብርን’ ‘ከምታ ኣቦኡ ዝኣዘዞ ኸም ዚገብርን’ ገሊጹ እዩ።—ዮሃንስ 8:29፣ 14:31

መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ኣምላኽ “ከቶ ዘይዕምጽ” ኸም ዝዀነ ብንጹር ይገልጽ እዩ። (ዘዳግም 32:4) ንኣብነት፡ ኣምላኽ ንሓደ ኣብ ነፋሪት ዘሎ ሰብ ኪቐጽዕ ኢሉ ንኣማእታት ንጹሃት ሰባት ዚቐትል ሓደጋ ነፋሪት ከቶ ኣየስዕብን እዩ። እቲ እሙን ኣገልጋሊ ኣምላኽ ዝነበረ ኣብርሃም፡ ምስ ጽድቂ ኣምላኽ ብእተተሓሓዘ፡ ኣምላኽ ‘ንጻድቕ ምስ እኩይ ኪዅስትሮ ዘይሕሰብ’ ከም ዝዀነ ተዛሪቡ እዩ። (ዘፍጥረት 18:23, 25) ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ እከይ ኪገብር” ወይ “ኪዕምጽ” ከም ዘይክእል ይገልጽ እዩ።—እዮብ 34:10-12

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መከራ እንታይ ይምህረና፧

እቲ ዜጋጥመና መከራ፡ ካብ ኣምላኽ ዚወርድ መቕጻዕቲ ሓጢኣትና ኣይኰነን። የሱስ እውን ነዚ ብንጹር ገሊጽዎ እዩ። ንሱን ደቀ መዛሙርቱን ብዕዉሩ እተወልደ ሰብኣይ ምስ ረኣዩ፡ ደቀ መዛሙርቱ፡ “መምህር፡ ዕዉር ኰይኑ ዚውለድሲ፡ መን እዩ ዝሓጥአ፧ ንሱ ድዩ ወይስ ወለዱ፧” ኢሎም ሓተትዎ። የሱስ ከኣ፡ “ግብሪ ኣምላኽ ኣብኡ ምእንቲ ኺግሃድ ደኣ እዩ እምበር፡ ንሱ ኣይሓጥአ፡ ወለዱ ኣይሓጥኡ” ኢሉ መለሰሎም።—ዮሃንስ 9:1-3

ኣብቲ ግጉይ ምርዳእ ኣስፋሕፊሑሉ ዝነበረ እዋን፡ የሱስ እቲ ሰብኣይ ኰነ እቶም ወለዱ ጠንቂ እቲ መከራ ዝዀነ ሓጢኣት ከም ዘይገበሩ ንደቀ መዛሙርቱ ምስ ነገሮም፡ ተገሪሞም ኪዀኑ ኣለዎም። የሱስ ንዑረት እቲ ሰብኣይ ኣሕውዩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ መከራ ኻብ ኣምላኽ ከም ዚወርድ መቕጻዕቲ ጌርካ ዚሕሰብ ዝነበረ ግጉይ እምነት እውን ኣሪምዎ እዩ። (ዮሃንስ 9:6, 7) እቶም ሎሚ ብኸቢድ ጸገማት ጥዕና ዚሳቐዩ ዘለዉ ሰባት፡ ኣምላኽ ምንጪ መከራኦም ከም ዘይኰነ ምፍላጦም፡ እዚ ኼጸናንዖም ይኽእል እዩ።

ኣምላኽ ንሕሙማት ብሰሪ ኽፉእ ግብሮም ይቐጽዖም ነይሩ እንተ ዚኸውን፡ የሱስ ዜሕውዮም ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

ዜጸናንዓና ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ

  • “ኣምላኽሲ ብእከይ ኣይፍተንን፡ ባዕሉ እውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ።” (ያእቆብ 1:13) እቲ ኸም ሕማምን ስቓይን ሞትን ዝኣመሰለ ንደቂ ሰብ ንዘመናት መከራ ዘጽገቦም “እከይ፡” ኣብ ቀረባ እዋን ኪውገድ እዩ።

  • የሱስ ክርስቶስ፡ “ንዅሎም እቶም ዝሓመሙ . . . ኣሕወዮም።” (ማቴዎስ 8:16) ወዲ ኣምላኽ ንዅሎም እቶም ናብኡ ዝመጹ ብምሕዋይ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መጻኢ ብደረጃ ዓለምለኸ እንታይ ከም እትዓምም ኣርኣየ።

  • “[ኣምላኽ] ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ። እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ።”—ራእይ 21:3-5

መን እዩ ተሓታቲ፧

ደቂ ሰብ ብዙሕ ስቓይን መከራን ዜሕልፉ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዮም፧ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ንደቂ ሰብ ንዘመናት ኣተሓሳሲባቶም እያ። ኣምላኽ ተሓታቲ ኻብ ዘይኰነ፡ መን ደኣ እዩ ተሓታቲ፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ኪግለጽ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 4 ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ኣምላኽ ንሰባት ብሰንኪ ዝገበርዎ ሓጢኣት ዝቐጽዓሉ ኣጋጣሚታት እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ የሆዋ ንሰባት ብሰንኪ ሓጢኣቶም ንምቕጻዕ ሕማም ወይ ሓደጋ ኸም ዚጥቀም መጽሓፍ ቅዱስ ኣይገልጽን እዩ።