ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | መጽሓፍ ቅዱስ—ታሪኽ ዕቃበኡ

መጽሓፍ ቅዱስ ብሰንኪ ምምሽማሽ ኣይጠፍአን

መጽሓፍ ቅዱስ ብሰንኪ ምምሽማሽ ኣይጠፍአን

ዜስግእ ኵነታት፦ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስን ቀዳሕትን ንምጽሓፍ ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ቐንዲ ናውቲ ጳጲሮስን ብራናን እዩ ነይሩ። * (2 ጢሞቴዎስ 4:13) እዚ ናውቲ እዚ፡ ንዕቃበ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓደጋ ዘእተዎ ብኸመይ እዩ፧

ጳጲሮስ ብቐሊሉ እዩ ዚቕደድን ሕብሩ ዚኸይድን ዚኣርግን። ብዛዕባ ጥንታዊት ግብጺ ዜጽንዑ ሪቻርድ ፓርኪንሶንን ስቲቨን ኵወርክን፡ “እዚ መጽሓፊ እዚ ድሕሪ ግዜ ኺምሽምሽ፡ ናብ ጽሕግን ዕማኾ ሓመድን ድማ ኪቕየር ይኽእል እዩ። ሓደ ጥቕላል ምስ ዚኽዘን፡ ሰበባ ኺገብር ወይ ብሰንኪ ጠሊ ኺምሽምሽ፡ ምስ ዚቕበር ከኣ ብቐርጠፍቲ እንስሳታት ወይ ብሓሳኹ ብፍላይ ድማ ብፍልሖ ኺብላዕ ይኽእል እዩ” በሉ። ገሊኡ እተረኽበ ጳጲሮስ፡ መጠኑ ንዝሓለፈ ብርሃን ጸሓይን ጠልን ስለ እተቓልዐ ቐልጢፉ ኺበላሾ ጀመረ።

ብራና ኻብ ጳጲሮስ ዚድልድል እዩ፣ እንተዀነ ግና ብግቡእ እንተ ዘይተታሒዙ ወይ መጠኑ ንዝሓለፈ ሙቐትን ጠልን ብርሃን ጸሓይን እንተ ተቓሊዑ ኺበላሾ ይኽእል እዩ። * ብራና እውን ግዳይ ሓሸራ ይኸውን እዩ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ ከምቲ ኤቭሪደይ ራይቲን ኢን ዘ ግሬኮ-ሮማን ኢስት እትብሃል መጽሓፍ ዝገለጸቶ፡ ጥንታዊ መዛግብቲ ተዓቂቡ ዚጸንሕ ሳሕቲ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ መሽሚሹ እንተ ዚተርፍ፡ መልእኽቱ እውን ምስኡ ምጠፍአ ነይሩ።

መጽሓፍ ቅዱስ እተዓቀበሉ መገዲ፦ ብመሰረት ሕጊ ኣይሁድ ነፍሲ ወከፍ ንጉስ፡ ካብቲ ኣብተን ሓሙሽተ ቐዳሞት መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ‘ሕጊ ንዕኡ ዚኸውን ቀዲሑ ኣብ መጽሓፍ ኺጽሕፍ’ ነበሮ። (ዘዳግም 17:18) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ክኢላታት ቀዳሕቲ ብዙሕ ኢደ ጽሑፋት ስለ ዘዳለዉ፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ.፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ መላእ እስራኤል ኣብ ዝነበራ ምኵራባትን ኣብ ርሑቕ መቄዶንያን እውን ከይተረፈ ኺርከብ ይከኣል ነበረ። (ሉቃስ 4:16, 17፣ ግብሪ ሃዋርያት 17:11) ገሊኡ ኣዝዩ ጥንታዊ ኢደ ጽሕፋት ክሳዕ ሎሚ እተዓቀበ ደኣ ብኸመይ እዩ፧

ጥቕላላት ምዉት ባሕሪ ተባሂሉ ዚፍለጥ ኢደ ጽሑፋት፡ ደረቕ ኵነታት ኣየር ኣብ ዘለዎ ቦታታት፡ ኣብ በዓትታት ኣብ እተኸዘነ ሳርማታት ንዘመናት ተዓቂቡ ጸንሐ

ምሁር ሓድሽ ኪዳን ዝዀነ ፊሊፕ ኮምፈርት፡ “ኣይሁድ፡ ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዝሓዘ ጥቕላላት ምእንቲ ኺዕቅብዎ ኣብ ዕትሮታት ወይ ሳርማታት የቐምጥዎ ነበሩ” በለ። ክርስትያናት ነዚ ልምዲ እዚ ኸም ዝቐጸልዎ ኣየጠራጥርን እዩ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ ገሊኡ ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሳርማታትን ብርሃን ጸሓይ ኣብ ዘይኣትዎ መኽዘናትን በዓትታትን ኣብ ኣዝዩ ደረቕ ከባቢታትን ተረኺቡ እዩ።

እተረኽበ ውጽኢት፦ ኣሽሓት ክፋላት ኢደ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ሎሚ ተዓቂቡ ጸኒሑ እዩ፣ ገለ ኻብኡ ኸኣ ልዕሊ 2,000 ዓመት ዕድመ ኣለዎ። ቅድሚ ነዊሕ እዋን እተጻሕፈ ሓያሎ ኢደ ጽሑፋት ዘለዎ ኻልእ ጥንታዊ ጽሑፍ የልቦን።

^ ሕ.ጽ. 3 ጳጲሮስ፡ ካብ ጳጲሮስ ዚብሃል ኣብ ማያት ዚበቍል ተኽሊ እተሰርሐ ናውቲ ጽሕፈት እዩ። ብራና ኸኣ ካብ ቈርበት እንስሳታት እዩ ዚስራሕ ነይሩ።

^ ሕ.ጽ. 5 ንኣብነት፡ እቲ ወግዓዊ ኽታም ዝሓዘ ቕዳሕ ኣዋጅ ናጽነት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ ብራና እዩ ተጻሒፉ። 250 ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ኣዝዩ ስለ ዝሃሰሰ ግና፡ ኣብዚ ግዜና ዳርጋ ኺንበብ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ በጺሑ ኣሎ።