ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | መጸናንዒ ኻበይ ክትረክብ ትኽእል፧

ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዜጸናንዕ

ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዜጸናንዕ

ሃዋርያ ጳውሎስ፡ የሆዋ * ‘ኣብ ኵሉ ጸበባና ዜጸናንዓና ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ’ ከም ዝዀነ ገለጸ። (2 ቈረንቶስ 1:3, 4) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ኪሕግዞ ዘይክእል ሰብ ከም ዘየለ፡ ሓደ ዜሕዝን ፍጻመ ድማ ዓብዪ ኻብ ምዃኑ እተላዕለ ንሰማያዊ ኣቦና ኼጸናንዓና ኸም ዘይክእል ዚገብሮ ኸም ዘየለ እዩ ዜረጋግጸልና።

ርግጽ እዩ፡ ካብ ኣምላኽ ምጽንናዕ ክንረክብ እንተ ደሊና ኽንገብሮ ዘሎና ነገር ኣሎ። ምስ ሓኪም ቈጸራ እንተ ዘይጌርና፡ ከመይ ገይሩ ኺሕግዘና ይኽእል፧ ነብዪ ኣሞጽ፡ “ክልተ ብቘጸራ እንተ ዘይተራኺቦምዶ ብሓደ ይኸዱ እዮም፧” ብምባል ሓቲቱ እዩ። (ኣሞጽ 3:3፡ እግረ ጽሑፍ) ስለዚ ኸኣ እዩ ቕዱሳት ጽሑፋት፡ “ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ እውን ኪቐርበኩም እዩ” ብምባል ዚምሕጸነና።—ያእቆብ 4:8

ኣምላኽ ከም ዚቐርበና ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧ ቅድም ቀዳድም፡ ኪሕግዘና ኸም ዚደሊ ብተደጋጋሚ ስለ ዚነግረና እዩ። (ኣብ  እትቕጽል ገጽ ዘላ ሳጹን ርአ።) እቲ ኻልኣይ ምኽንያት ድማ፡ ኣብዚ ግዜና ዚርከቡን ቀደም ዝነበሩን ኣምላኽ ዘጸናንዖም ሰባት ዝሃብዎ ዜእምን ምስክርነት ስለ ዘሎና እዩ።

ልክዕ ከምቶም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ኻብ ኣምላኽ ሓገዝ ዚደልዩ ሰባት፡ ንጉስ ዳዊት እውን ዜሕዝን ፍጻመታት ኣጋጢምዎ እዩ። ሓደ እዋን፡ “ከእዊ ኸለኹ፡ ልማኖይ ስማዕ” ብምባል ንየሆዋ ለመኖ። እሞኸ፡ ኣምላኽ መሊሱሉዶ፧ እወ። ከመይሲ፡ ዳዊት ቀጺሉ፡ “ረድኤቱ ተቐቢለ እየ፡ ልበይ እውን ተሓጒሱ” ኢሉ እዩ።—መዝሙር 28:2, 7

የሱስ ንዅሎም ሕዙናት ኣብ ምጽንናዕ ዘለዎ ግደ

ኣምላኽ፡ የሱስ ንኻልኦት ኣብ ምጽንናዕ ኣገዳሲ ግደ ኺህልዎ እዩ ዓሊሙ። ገለ ኻብቲ ኣምላኽ ንየሱስ ዝሃቦ ዕዮታት፡ ‘ስቡር ንዝልቦም ኪዝንንን ንዅሎም ሕዙናት ኬጸናንዕን’ እዩ ነይሩ። (ኢሳይያስ 61:1, 2) ከምቲ ብትንቢት እተነግረ ድማ የሱስ ኣብቶም ‘ዚጽዕሩን ጾር ዝኸበዶምን’ ሰባት ፍሉይ ተገዳስነት ኣርእዩ እዩ።—ማቴዎስ 11:28-30

የሱስ፡ ንኻልኦት ሰባት ጥበብ ዝመልኦ ምኽሪ ብምሃብ፡ ብለውሃት ብምሓዝ፡ ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት እውን ካብ ሕማሞም ብምሕዋይ ኣጸናኒዕዎም እዩ። ሓደ መዓልቲ ሓደ ድዉይ ንየሱስ፡ “እንተ ደሊኻስ፡ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ” ብምባል ለመኖ። የሱስ ድማ ካብ ድንጋጽ ተላዒሉ፡ “እደሊ እየ። ንጻህ” በሎ። (ማርቆስ 1:40, 41) እቲ ድዉይ ከኣ ሓወየ።

ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ወዲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ የለን፣ ስለዚ፡ ብኣካል መጺኡ ኣየጸናንዓናን እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቲ “ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ” ዝዀነ ኣቦኡ የሆዋ፡ ሓገዝ ንዜድልዮም የጸናንዖም እዩ። (2 ቈረንቶስ 1:3) ኣምላኽ ንሰባት ዜጸናንዓሉ ኣርባዕተ ቐንዲ መገድታት እስከ ርአ።

  • መጽሓፍ ቅዱስ። “ብተጻዋርነትናን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዚርከብ መጸናንዕን ተስፋ ምእንቲ ኺህልወናስ፡ እቲ ኣቐዲሙ እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ፡ ንትምህርትና እዩ እተጻሕፈ።”—ሮሜ 15:4

  • ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ። የሱስ ካብ ዚመውት ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ብምልእታ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሰላም ረኺባ ነበረት። ስለምንታይ፧ ‘ብፍርሃት የሆዋን ብምጽንናዕ መንፈስ ቅዱስን ትመላለስ’ ስለ ዝነበረት እያ። (ግብሪ ሃዋርያት 9:31) እቲ ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ኣዝዩ ሓያል እዩ። ኣምላኽ፡ ነዚ ሓይሊ እዚ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ንዘሎ ሰብ ንምጽንናዕ ኪጥቀመሉ ይኽእል እዩ።

  • ጸሎት። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብዛዕባ ገለ እኳ ኣይትጨነቑ” ብምባል ይምዕደና እዩ። ቀጺሉ ኸኣ፡ ‘ልማኖኹም ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ፣ እቲ ኻብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ንኣእምሮኹምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ’ ይብል።—ፊልጲ 4:6, 7

  • ክርስትያን ብጾት ኣብ ኣጸጋሚ እዋናት ዜጸናንዑና ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ እዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ብጾቱ ‘ኣብ ኵሉ ጭንቀቱን ጸበባኡን፡’ “ምንጪ ዓብዪ ምጽንናዕ” ከም ዝዀንዎ ገሊጹ እዩ።—ቈሎሴ 4:11፣ 1 ተሰሎንቄ 3:7

እንተዀነ ግና፡ እዚ ዅሉ ብግብሪ ብኸመይ ኪዓዪ ኸም ዚኽእል የተሓሳስበካ ይኸውን። ተመክሮታት እቶም ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ እተፈላለየ ጸገማት ዘጋጠሞም ሰባት እስከ ንመርምር። ንስኻ እውን ልክዕ ከምኦም፡ ኣምላኽ ነቲ “ኸምቲ ኣደ ንውሉዳ እተጸናንዕ፡ ከምኡ ኣነ ኸጸናንዓኩም እየ” ብምባል ዝሃቦ ልቢ ዜረስርስ ተስፋ ይፍጽሞ ምዃኑ ኽትግንዘብ ኢኻ።—ኢሳይያስ 66:13

^ ሕ.ጽ. 3 የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም ኣምላኽ እዩ።