ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣምላኽ ንዅሉ ጸሎት ይምልሶ ድዩ፧

ናይ መን ጸሎት ዚምልስ ይመስለካ፧

  • ናይ ኵሉ

  • ናይ ገሊኦም

  • ናይ ዋላ ሓደ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“የሆዋ . . . ንዅሎም እቶም ብሓቂ ዚጽውዕዎ ቐረባኦም እዩ።”—መዝሙር 145:18

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ተወሳኺ ነገር ንምሃር፧

  • ኣምላኽ ንጸሎት እቶም ኣንጻሩ ዚዓልዉ ሰባት ኣይሰምዖን እዩ። (ኢሳይያስ 1:15) ኰይኑ ግና፡ መገድታቶም ብምቕያር፡ ምስኡ ‘ነገሮም ኬቕንዑ’ ይኽእሉ እዮም።—ኢሳይያስ 1:18

  • ኣምላኽ ንጸሎት ኪምልሶ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ጸሎት ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ፡ ኣምላኽ ከነማልኦ ዚሓትተና ብቕዓታት ዚሰማማዕ ኪኸውን ኣለዎ።—1 ዮሃንስ 5:14

ክንጽሊ ኸለና ፍሉይ ኣካላዊ ኣቃውማ ኺህልወና ኣለዎ ድዩ፧

ገሊኦም ሰባት ኪጽልዩ ኸለዉ ዅሉ ግዜ ኺምብርከኹ፡ ርእሶም ኬድንኑ ወይ ኣእዳዎም ብሓደ ኼጣምሩ ዘለዎም ኰይኑ ይስምዖም። ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣምላኽ ነቲ ኣገልገልቱ ‘ተቐሚጦም’ ወይ “ደው ኢሎም” ወይ ‘ተደፊኦም’ ወይ ከኣ ‘ተምበርኪኾም’ ዘቕረብዎ ጸሎት ተቐቢልዎ እዩ። (1 ዜና መዋእል 17:16፣ 2 ዜና መዋእል 30:27፣ እዝራ 10:1፣ ግብሪ ሃዋርያት 9:40) ስለዚ እምበኣር፡ ክንጽሊ ኸለና ፍሉይ ኣካላዊ ኣቃውማ ኺህልወና ኣይሓትትን እዩ።

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ተወሳኺ ነገር ንምሃር፧

ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ በጃኹም ስደዱለይ

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብዛ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ እዚኣ፡ ኣብ ምዕራፍ 17 ርአ