ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቃለ መጠይቕ | ኣንቶንዮ ደላ ጋታ

ሓደ ኻህን ንቤተ ክርስትያኑ ዝሓደገሉ ምኽንያት

ሓደ ኻህን ንቤተ ክርስትያኑ ዝሓደገሉ ምኽንያት

ኣንቶንዮ ደላ ጋታ ኣብ ሮም ንትሽዓተ ዓመት ምስ ኣጽንዐ፡ ብ1969 መዓርገ ኽህነት ተቐበለ። ጸኒሑ ድማ፡ ኣመሓዳሪ እቲ ኣብ ጥቓ ኔፕልስ፡ ኢጣልያ ዚርከብ ሃይማኖታዊ ቤት ትምህርቲ ዀይኑ ኣገልገለ። ኣብኡ ኸሎ ኸኣ፡ ድሕሪ ብዙሕ መጽናዕትን ምስትንታንን፡ እምነት ካቶሊክ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኸም ዘይኰነ ደምደመ። ብዛዕባ መንፈሳዊ ጕዕዞኡ ምስ ንቕሑ! ተዘራሪቡ ኣሎ።

ብዛዕባ እዋን ቍልዕነትካ እስከ ንገረና።

ብ1943 ኣብ ኢጣልያ እየ ተወሊደ። ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ቝሸት ምስ ኣሕዋተይን ኣሓተን እየ ዓብየ፣ ኣቦይ ድማ ሓረስታይን ጸራባይን እዩ ነይሩ። ወለድና፡ ንፉዓት ካቶሊክ ከም እንኸውን ገይሮም እዮም ኣዕብዮምና።

ካህን ክትከውን ዝደለኻ ስለምንታይ ኢኻ፧

ቈልዓ ኸለኹ፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ነቶም ካህናት ምስማዕ ባህ ይብለኒ ነይሩ። ድምጺ እቶም ካህናትን እቲ ዜደንቕ ሃይማኖታዊ ጽምብልን ኣዝዩ ይምስጠኒ ነይሩ። ስለዚ፡ ካህን ክኸውን ደለኹ። ወዲ 13 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ኣደይ ኣብ ሓደ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ኣእተወትኒ፣ እቲ ቤት ትምህርቲ ንደቂ ተባዕትዮ፡ ነቲ ኣብ መጻኢ ዚመሃርዎ ዝለዓለ ትምህርቲ ኽህንነት ዜዳሉ እዩ ነይሩ።

እቲ ዝወሰድካዮ ስልጠና፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዜጠቓልል ድዩ ነይሩ፧

ኣይፋሉን። ወዲ 15 ዓመት ከለኹ፡ ሓደ ኻብቶም መምህራነይ፡ ብዛዕባ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ እተዘንቱ ሓንቲ ቕዳሕ ወንጌላት ሃበኒ፣ ደጋጊመ ድማ ኣንበብክዋ። ወዲ 18 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ኣብ ሓያሎ ጳጳሳዊ ዩኒቨርሲቲ ምእንቲ ኸጽንዕ፡ ናብ ሮም ከድኩ፣ ብቐጥታ በቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድማ እዩ ዚመሓደር ነይሩ። ኣብኡ ድማ ላቲንን ግሪኽኛን ታሪኽን ፍልስፍናን ስነ ኣእምሮን ስነ ሃይማኖትን ኣጽናዕኩ። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ንጠቅስን ኣብቲ ሰንበት ዚቐርብ ስብከት ካብኡ ኺንበብ ከሎ ንሰምዕን እኳ እንተ ነበርና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ኣይነጽንዕን ኢና ኔርና።

ድሕሪኡ፡ ኣመሓዳሪ ሃይማኖታዊ ቤት ትምህርቲ ዄንካ። እዚ ንኻልኦት ምምሃር ዜጠቓልል ድዩ ነይሩ፧

ስራሐይ ብቐንዱ ኣብ ምምሕዳር ዘተኰረ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ካልኣይ ዋዕላ ቫቲካን እተገብረ ውሳነታት እውን እምህር ነይረ እየ።

ብትምህርቲ እታ ቤተ ክርስትያን ክትጠራጠር ዝጀመርካ ስለምንታይ ኢኻ፧

ሰለስተ ዚርብሸኒ ነገራት ነይሩ። እታ ቤተ ክርስትያን ኣብ ፖለቲካ ኢዳ ተእቱ ነበረት። ነቲ በቶም ካህናትን ምእመናንን ዚግበር ዝነበረ ሕማቕ ጠባይ ድማ ሸለል ትብሎ ነበረት። ገሊኡ ትምህርትታት ካቶሊክ ከኣ ቅኑዕ ኰይኑ ኣይተሰምዓንን። ንኣብነት፡ እቲ ፍቕሪ ዝዀነ ኣምላኽ ንሰባት፡ ከመይ ኢሉ እዩ ድሕሪ ሞት ንዘለኣለም ዚቐጽዖም፧ ብዘይካዚ፡ ኣምላኽ ብመቝጸርያ ጌርና ንጸሎትና ኣማእታት ሳዕ ክንደጋግሞ ይደልየና ድዩ፧ *

እሞኸ እንታይ ጌርካ፧

መምርሒ ምእንቲ ኺህበኒ፡ እናነባዕኩ ናብ ኣምላኽ ጸለኹ። ነቲ ብጣልያንኛ ኻብ ዚሕተም ነዊሕ ዘይገበረ ብካቶሊክ እተዳለወ ጀሩሳሌም ባይብል ዓዲገ ድማ ከንብቦ ጀመርኩ። ሽዑ ሓደ ሰንበት ንግሆ ድሕሪ ቕዳሴ ነቲ ተኸዲነዮ ዝነበርኩ ልብሰ ተኽህኖ ኽሰቕሎ ኸለኹ፡ ክልተ ሰብኡት ናብቲ ሃይማኖታዊ ቤት ትምህርቲ መጹ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃኖም ድማ ነገሩኒ። ንልዕሊ ሓደ ሰዓት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስን መለለዪ ምልክታት ናይ ሓቂ ሃይማኖት እንታይ ምዃኑ ብዛዕባ ዚገልጾ ሓሳባትን ተዘራረብና።

ብዛዕባ እቶም ኣጋይሽ እንታይ ተሰሚዑካ፧

እምነቶምን ካብቲ ናይ ካቶሊክ መጽሓፍ ቅዱስ ብቐሊሉ ዚጠቕሱሉ መገድን ኣዝዩ ኣደነቐኒ። ጸኒሑ፡ ማሪዮ ዝስሙ ኻልእ ናይ የሆዋ ምስክር ኪበጽሓኒ ጀመረ። ዕጉስን እሙንን እዩ ነይሩ፣ ነፍሲ ወከፍ ቀዳም ንግሆ፡ ዝናም ይኹን ጸሓይ ብዘየገድስ፡ ኣብቲ ሃይማኖታዊ ቤት ትምህርቲ ልክዕ ሰዓት ትሽዓተ ደወል ማዕጾ ይድውል ነበረ።

ካልኦት ካህናት በቲ ዚግበረልካ ዝነበረ ምብጻሕ እንታይ ይስምዖም ነይሩ፧

ኣብቲ ምይይጥ ምሳና ኺሓብሩ እኳ እንተ ሓተትክዎም፡ ዋላ ሓደ ኻባታቶም ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርዚኑ ዝረኣዮ ኣይነበረን። ኣነ ግና ባህ ኢሉኒ እየ ዘጽንዕ ነይረ። ብዛዕባ እቲ ንነዊሕ እዋን ዜደናግረኒ ዝነበረ ጕዳይ፡ ማለት ኣምላኽ፡ እከይን መከራን ኪህሉ ብዛዕባ ዝፈቐደሉ ምኽንያትን ብዛዕባ ኻልእ ዜደንቕ ጕዳያትን እመሃር ነበርኩ።

ሓለፍትኻ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኸተቋርጾ ኼእምኑኻ ፈቲኖምዶ፧

ብ1975 ብዛዕባ እምነተይ ንምግላጽ ብተደጋጋሚ ናብ ሮም ከይደ እየ። ሓለፍተይ ንኣተሓሳስባይ ኪቕይርዎ እኳ እንተ ጸዓሩ፡ ዋላ ሓደ ኻባታቶም ግና መጽሓፍ ቅዱስ ኣይተጠቕመን። ኣብ መወዳእታኡ፡ ብ9 ጥሪ 1976፡ ካብኡ ንደሓር ካቶሊክ ከም ዘይኰንኩ ዚገልጽ ደብዳበ ናብ ሮም ጸሓፍኩ። ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ፡ ካብቲ ሃይማኖታዊ ቤት ትምህርቲ ወጻእኩ፣ ንመጀመርታ እዋን ኣብ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምእንቲ ኽእከብ ድማ ብባቡር ከድኩ፣ ሓያሎ ጉባኤታት ብሓባር ኣብ ዚገብራኦ ዓብዪ ኣኼባ ድማ ተኣከብኩ። ኵሉ እቲ ኣብኡ ዝረኣኽዎ፡ ካብቲ ኣነ ዝለመድክዎ ኣዝዩ እተፈልየ እዩ ነይሩ። ነፍሲ ወከፍ ናይ የሆዋ ምስክር መጽሓፍ ቅዱሱ ሒዙ፡ እቶም ተዛረብቲ ብዛዕባ እተፈላለየ ርእሰ ነገራት ኪዛረቡ ኸለዉ ይከታተል ነበረ።

ስድራ ቤትካ ብዛዕባ እዚ ዅሉ ነገራት እንታይ ተሰሚዕዎም፧

መብዛሕትኦም ኣዝዮም ተጻሪሮምኒ እዮም። ሓደ ኻብ ኣሕዋተይ ግና፡ ኣብታ ሎምባርዲ እትብሃል ኣብ ሰሜናዊ ኢጣልያ እትርከብ ዞባ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዜጽንዕ ፈለጥኩ። ናብኡ ድማ ከድኩ፣ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ስራሕን ቤትን ንኽረክብ ሓጊዞምኒ እዮም። ኣብታ ዓመት እቲኣ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ተጠመቕኩ።

ኣብ መወዳእታኡ፡ ንኣምላኽ ብሓቂ ዝቐረብክዎ ዀይኑ ተሰምዓኒ

ዜጣዕሰካ ነገር ኣሎዶ፧

ብፍጹም! ኣብ መወዳእታኡ፡ ንኣምላኽ ብሓቂ ዝቐረብክዎ ዀይኑ ተሰምዓኒ፣ ምኽንያቱ፡ እቲ ብዛዕባኡ ዝፈልጦ ነገራት ኣብ ፍልስፍና ወይ ኣብ ወግዒ ቤተ ክርስትያን ዘይኰነስ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እዩ። ንኻልኦት ሰባት ድማ ብተኣማንነትን ብቕንዕናን ክምህሮም እኽእል እየ።

^ መጽሓፍ ቅዱስ ነዝን ንኻልእ ብዙሕ ሕቶታትን ንጹር መልሲ ይህበሉ እዩ። ። ብእንግሊዝኛ ዚርከብ፣ ኣብ ትሕቲ BIBLE TEACHINGS > BIBLE QUESTIONS ANSWERED ርአ