ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጽሩይ ኣየርን ብርሃን ጸሓይን—ባህርያዊ “ጸረ ነፍሳት”

ጽሩይ ኣየርን ብርሃን ጸሓይን—ባህርያዊ “ጸረ ነፍሳት”

ኣብ መፋርቕ መበል 20 ዘመን፡ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ከሚካዊ ጸረ ነፍሳት ምስ ረኸቡ፡ እቲ ሓድሽ መድሃኒት ንገሊኡ ሕማም ከም ዜጥፍኦ፡ ሓካይም ተስፋ ገይሮም ነበሩ። ኣብ ፈለማ ድማ፡ እቲ መድሃኒት ከምቲ ተስፋ እተገብሮ ዀይኑ ተረኺቡ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ካብቲ እዋን እቲ ንነጀው ብብዝሒ ኣብ ጥቕሚ ስለ ዝወዓለ፡ ነቲ መድሃኒት ኪጻወርዎ ዚኽእሉ ባክተርያ ኺምዕብሉ ኽኢሎም እዮም።

ገሊኦም ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ካብ ሕማም ዚከላኸል ሓድሽ መድሃኒት ንምርካብ፡ ነቲ ቕድሚ ሕጂ ንሕማማት ንምቍጽጻር ዚውሰድ ዝነበረ ሜላታት እንደገና ኼጽንዕዎ ጀሚሮም ኣለዉ። ሓደ ኻብኡ ኸኣ፡ ካብ ብርሃን ጸሓይን ካብ ጽሩይ ኣየርን ዚርከብ ጥዕናዊ ጥቕሚ እዩ።

ካብቲ ዝሓለፈ ምምሃር

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ብርሃን ጸሓይን ጽሩይ ኣየርን ካብ ሕማም ናይ ምሕዋይ ዓቕሚ ኸም ዘለዎ ንዚገልጽ ሓሳብ ዚድግፉ ሓያሎ ሰባት ነይሮም እዮም። ጆን ለትሶም ዝስሙ ሓኪም (1744-1815)፡ ብዓባይ ሰዓል (ቲቢ) ይሳቐዩ ንዝነበሩ ቘልዑ፡ ኣብ ከባቢ ባሕሪ ዘሎ ኣየርን ብርሃን ጸሓይን ይእዝዘሎም ነበረ። ብ1840 ጆርጅ ቦዲንግተን ዝስሙ ኽኢላ መጥባሕቲ ኸም ዝገለጾ፡ ከም ሓረስቶትን ጓሶትን ዝኣመሰሉ ኣብ ግዳም ዚዓይዩ ሰባት፡ ካብ ዓባይ ሰዓል ናጻ እዮም፣ እቶም ኣብ ቤት ዚውዕሉ ግና ነቲ ሕማም እተቓልዑ እዮም።

ፍሎረንስ ናይቲንገል (1820-1910) ነቶም ኣብ ውግእ ክራይሚያ ዝቘሰሉ ወተሃደራት ብሪጣንያ ኽትከናኸን ከላ ብእተጠቕመትሉ ሓድሽ ሜላ ህብብቲ ዀነት። “ንግሆ መሳዅቲ ቤት ቅድሚ ምኽፋቱ ወይ ከኣ ምሸት ናብ መደቀሲ ሓደ ሰብ ምስ ኣቶኹም፡ እቲ ኣየር እተዓብዓበን ሕማቕ ዝጨኑን ኰይኑዶ ጸኒሕኩም ይፈልጥ፧” ኢላ ድማ ሓተተት። በዚ ምኽንያት እዚ፡ መደቀሲ ሓደ ሕሙም፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ግዳም ዘሎ ዓይነት ጽሩይ ኣየር ኪህልዎ ግናኸ እቲ ሕሙም ከይቈርር ክንጥንቀቕ ከም ዘሎና ገለጸት። ኣስዕብ ኣቢላ እውን፡ “ምስ ሕሙማን ኣብ ዘሕለፍክዎ ነዊሕ እዋን ዝረኸብክዎ ተመክሮ ኸም ዚሕብሮ፡ ሕሙማን ኣብ ርእሲ እቲ ዚረኽብዎ ጽሩይ ኣየር፡ ብርሃን እውን የድልዮም እዩ። . . . እዚ ኸኣ ብርሃን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብቐጥታ ኻብ ጸሓይ ዚርከብ ብርሃን እዩ” በለት። ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት፡ ንኣንሶላን ንኽዳንን ኣብ ጸሓይ ምስጣሕ ንጥዕና ጽቡቕ ከም ዝዀነ ይኣምኑ ነበሩ።

ካብ 1800ታት ንነጀው፡ ስነ ፍልጠት እናማዕበለ ኸይዱ እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ዘመናዊ መጽናዕትታት እውን እንተ ዀነ፡ ኣብቲ ሽዑ እተበጽሐ መደምደምታ እዩ ዚበጽሕ ዘሎ። ንኣብነት፡ ብ2011 ኣብ ቻይና እተገብረ መጽናዕቲ፡ ኣብ ኮለጅ ዚርከብ ብዙሕ ሰብ ዘለዎ ግናኸ ዘይናፈስ መንበሪ ኽፍልታት፡ “ብዝያዳ ምስቲ ኣብ መተንፈሲ ኣካላት ዜጋጥም ሕማም ከም ዚተሓሓዝ” ገለጸ።

ናብ ሓደ ቤት ብባህርያዊ መገዲ ዚኣቱ ኣየር፡ ሕማም ኣብ ምቍጽጻር ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ብ2009 እተሓትመ መምርሒታት ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣየር ኣብ ትካላት ጥዕና ብባህርያዊ መገዲ ኸም ዚኣቱን ከም ዚወጽእን ብምግባር ንሕማማት ክትቈጻጸሮ ኸም ዚክኣል ገለጸ። *

‘እዚ ዅሉ ጽቡቕ ሓሳብ እዩ። ብስነ ፍልጠት ግና እተረጋገጸ ድዩ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ብርሃን ጸሓይን ጽሩይ ኣየርን ካብ ሕማም ዚከላኸል ብኸመይ እዩ፧

ባህርያዊ ጸረ ነፍሳት

ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ዩናይትድ ኪንግደም እተገብረ መጽናዕቲ፡ ነቲ ሕቶ ብእተወሰነ ይምልሰልና እዩ። ኣብኡ ዘለዉ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ጐዳኢ ባክተርያ ዝሓዘ ባዮሎጅያዊ ኣጽዋር ኣብ ልዕሊ ለንደን እንተ ተተኵሱ፡ እቲ ኣየር ንኽንደይ ዚኣክል እዋን ሓደገኛ ኸም ዚኸውን እዮም ኪፈልጡ ዚጽዕሩ ነይሮም። እቶም ተህዋስያን ኣብ ኣየር ክንደይ ከም ዚጸንሑ ንምፍላጥ፡ እቶም ተመራመርቲ ኢ. ኮላይ ንዚብሃሉ ተህዋስያን ኣብ ዓለባ ሳሬት ገይሮም ኣብ ግዳም ኣቐመጥዎም። እቶም ባክተርያ ብብርሃን ጸሓይ ከም ዚሞቱ ስለ ዚፍለጥ፡ እቲ ፈተነ ብለይቲ እዩ ተኻዪዱ። እሞኸ ውጽኢቱ እንታይ ኰነ፧

ድሕሪ ኽልተ ሰዓት ኣቢሉ፡ ዳርጋ ዅሎም እቶም ባክተርያ ሞቱ። ኰይኑ ግና፡ እቶም ባክተርያ ኣብ ተመሳሳሊ ቦታን ኣብ ተመሳሳሊ መጠን ሙቐትን ራህድን ዘለዎ ዕጹው ሳጹን ምስ ተቐመጡ፡ መብዛሕትኦም ንልዕሊ ኽልተ ሰዓት ብህይወት ቀጸሉ። ስለምንታይ፧ እኹል ኣየር ነቶም ተህዋስያን ይቐትሎም እዩ። ኣብ ግዳም ዘሎ ኣየር ስለምንታይ ነቶም ተህዋስያን ከም ዚቐትሎም ብርግጽ ኣይተፈልጠን። ይኹን እምበር፡ ተመራመርቲ ኸም ዚሕብርዎ፡ እቲ ኣብ ግዳም ዚርከብ ኣየር ብባህርያዊ መገዲ ዚርከብ ውሁድ ዝሓዘ እዩ፣ እዚ ውሁድ እዚ ኸኣ፡ “ነቶም ኣብ ከባብያዊ ኣየር ዚርከቡ ተህዋስያን ወይ ጀርም ዚቐትል ባህርያዊ ጸረ ነፍሳት እዩ።”

ብርሃን ጸሓይ እውን፡ ባህርያዊ ጸረ ተህዋስያን ኰይኑ የገልግል እዩ። ጆርናል ኦቭ ሆስፒታል ኢንፈክሽን፡ “መብዛሕትኦም እቶም ጠንቂ እቲ ብኣየር ዚመጽእ ሕማማት ዝዀኑ ማይክሮብ፡ ንብርሃን ጸሓይ ኪጻወርዎ ኣይክእሉን እዮም” በለት።

ንስኻኸ ኻብዚ ጥቕሚ ኽትረክብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ካብ ቤትካ ወጺእካ፡ ንእተወሰነ ግዜ ኣብ ጸሓይ ክትጽሎን ጽሩይ ኣየር ከተስተንፍስን ኣሎካ። እዚ ንጥዕናኻ ኺጠቕመካ ይኽእል እዩ።

^ ሕ.ጽ. 8 ብሰንኪ ገሊኡ ረቛሒታት፡ መስኰት ምኽፋት ዘይምረጸሉ ኣጋጣሚ ኺህሉ ይኽእል እዩ። እዚ ኸኣ፡ ጕድለት ጽሬት ኣየርን ዚርብሽ ድምጽን ሓደጋ ሓውን ድሕንነትን ዜጠቓልል ኪኸውን ይኽእል እዩ።