ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጽርግያታት ሮማ ቅርሲ ጥንታዊ ህንደሳ

ጽርግያታት ሮማ ቅርሲ ጥንታዊ ህንደሳ

ጽርግያታት ሮማ ቅርሲ ጥንታዊ ህንደሳ

ካብ ቅርስታት ሮማ እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ኣየናይ እዩ፧ እቲ ሎሚ ኣብ ከተማ ሮማ ዚርከብ ኮለስየም እዩ ትብል ትኸውን፧ ብዛዕባ እቲ ሮማውያን ዝሃነጽዎ እሞ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ወይ ንታሪኽ ብምጽላው ግደ ዘለዎ ኽንሓስብ እንተ ዄንና ግን: መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ጽርግያታት እዩ ኪኸውን ዘለዎ።

በቲ ሮማውያን ዝሰርሕዎ ጐደናታት: ኣቝሑን ሰራዊትን ጥራይ ኣይኰነን ሓሊፉ። ተመራማሪ እተቐርጸ ጽሑፋት ዝዀነ ሮሞሎ ስታቾሊ ኸም ዝበሎ: ብጽርግያታት ሮማ ኣቢሉ “ሓሳባት: ስነ-ጥበባዊ ጽልዋታት: ከምኡውን ፍልስፍናውን ሃይማኖታውን ሰረተ-እምነታት:” እንተላይ ሰረተ-እምነታት ክርስትና ተጓዒዙ እዩ።

ብግዜ ጥንቲ: ጽርግያታት ሮማ ኸም ቅርሲ ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ። ሮማውያን ኣብ ውሽጢ ሓያሎ ዘመናት: ሕጂ ልዕሊ 30 ሃገራት ኣብ ዚርከባኦ ቦታ ኻብ 80,000 ኪሎ ሜተር ዚዛይድ ስሉጥ መርበብ መገድታት ሃኒጾም ነይሮም።

እቲ ናይ መጀመርታ ኣገዳሲ ቪያ ፓብሊካ ወይ በዚ ናይ ሕጂ ኣጸዋውዓ ጐደና: እቲ መገዲ ኣጵዮስ ተባሂሉ ዚጽዋዕ እዩ ነይሩ። እዚ ንግስቲ ጽርግያታት ተባሂሉ ዚፍለጥ ዝነበረ: ንሮማ ምስታ ናብ ምብራቕ ዚጐዓዙላ ወደባዊት ከተማ ብሩንዲስዩም (ሕጂ ብሪንድሲ) ዜራኽብ ነበረ። እዚ ጽርግያ እዚ በቲ ኣጵዩስ ቅላውዴዎስ ቀይቀስ ዚበሃል ብ312 ቅ.ክ. ዝነበረ ሮማዊ ብዓል ስልጣን እዩ ተሰምዩ። መገዲ ሳላሪያን መገዲ ፍላሚኒያን እውን ካብ ሮማ ተበጊሱ ናብ ምብራቕ ገጹ ናብ ባሕሪ ኣድርያ ዚወስድ ነበረ: እዚ ኸኣ ንባልካናውያንን ንዞባታት ራይንን ዳንዩብን መገዲ ዚኸፍተሎም ነበረ። መገዲ ኣውሬልያ ንሰሜን ገጹ ናብ ጎልን ሓውሲ ደሴት ኣይበርያን ይመርሕ: መገዲ ኦስተንሲስ ከኣ ናብታ ሮማውያን ናብ ኣፍሪቃ ንምጋሽ ዚመርጽዋ ወደብ ኦስቲያ ዚመርሕ ነበረ።

እቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ፕሮጀክት ህንጸት ሮማ

ሮማውያን ሓደስቲ ጽርግያ ቕድሚ ምስራሖም እውን ከይተረፈ: ኣብ ሮማ ጽርግያታት ኣገዳስነት ነበሮ። እታ ኸተማ ኣብቲ ጥንታዊ መገድታት ዚራኸበሉ እሞ እንኮ መሳገሪ ታሕተዋይ ፈለግ ቲበር ዚርከቦ ቦታ እያ ተደኲና። ብመሰረት ጥንታዊ ምንጭታት: ሮማውያን ነቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ መገድታት ንምምሕያሽ ካብ ካርታጂናውያን ቀዲሖም እዮም። ከም ሓቂ ግን: ሮማውያን: ህንጸት ጽርግያታት ካብ ኢትሩርያውያን ቀዲሖምዎ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ገለ ኣሰር እቲ ጽርግያታት ክሳዕ ሕጂ ይርአ ኣሎ። ብዘይካዚ: ቅድሚ እቲ ሮማውያን ዝነበሩሉ ግዜ ኣብቲ ኸባቢ እቲ ብዙሕ ተጠቃሚ ዝነበሮ ሓያሎ መገድታት ነይሩ እዩ። እዚ መገድታት እዚ ኸኣ እንስሳታት ካብ ሓደ መገሃጫ ናብ ካልእ ንምውሳድ ዜገልግል ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ መገድታት ጸሓይ ኣብ ዚዀነሉ ወቕቲ ደሮና: ዝናም ኣብ ዚዘንመሉ ወቕቲ ኸኣ ጭቃ ብምንባሩ ንጕዕዞ ኣሸጋሪ እዩ ነይሩ። ሮማውያን ኣብ ልዕሊ እዚ ኣሰር መገድታት እዚ እዮም ጽርግያታት ሃኒጾም።

ጽርግያታት ሮማውያን ድልዱልን ጠቓምን ውቁብን ንኪኸውን ተባሂሉ ብጥንቃቐ እዩ ተኒዲፉን ተሃኒጹን። እቲ ጽርግያታት ካብ መበገሲ ኽሳዕ መዓርፎ በቲ ዝሓጸረ ዚበሃል መገዲ እዩ ዚስራሕ ነይሩ: ስለዚ ኸኣ እዩ ሓያሎ ነዊሕ ቀጥ ዝበለ ጽርግያታት እተሃንጸ። መብዛሕትኡ ግዜ ግን: እቲ ጽርግያታት ነቲ ተፈጥሮኣዊ ኣቀማምጣ መሬት ስዒቡ ኪኸይድ ኣለዎ። ሮማውያን መሃንድሳት ኣብቲ ዅድዅዶታትን ኣኽራንን ዚበዝሖ ቦታታት: ዚከኣል እንተ ዀይኑ: ኣብ መንጎ ጎቦ: ማለት በቲ ጸሓይ ዚበጽሖ ሸነኽ እቲ ኸረን ጽርግያ ይሃንጹ ነበሩ። እዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ድማ እቲ ሕማቕ ኵነታት ኣየር ኬስዕቦ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ጸገም ነቶም ተጠቀምቲ ብዙሕ ንኸየሸግሮም ይሕግዝ ነበረ።

ሮማውያን ንጽርግያታቶም ብኸመይ እዮም ሃኒጾምዎ፧ እተፈላለየ ሜላታት እኳ እንተ ነበሮም: ኵዕታ ስነ-ጥንታዊ ምርምር ግን ነዚ ዚስዕብ መሰረታዊ ነገር ይገልጽ።

ፈለማ እቲ መስመር እቲ መገዲ ይንደፍ። እዚ ዕዮ እዚ ነቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ቐየስቲ እዩ ዚወሃብ ነይሩ። ድሕሪኡ: እቲ ኣዝዩ ኸቢድ ዝዀነ ናይ ምዅዓት ዕዮ ንለጌዎናት: ንሸቃሎ: ወይ ንባሮት ይሕደግ ነበረ። ክልተ ተማዓደውቲ ካናለ ይኰዓት። እቲ ኣብ መንጎ እዚ ካናለታት ዝነበረ ዝጸበበ ርሕቐት 2.4 ሜተር ኪኸውን ከሎ: መብዛሕትኡ ግዜ ግን 4 ሜተር ዚኸውን ርሕቀት ነበሮ: ኣብ መጥወዪ ቦታታት ድማ ዝሰፍሐ ነበረ። እተወድአ ጽርግያ ነቲ ብኽልቲኡ ጐድኒ ዚርከብ መገዲ ኣጋር ሓዊስካ 10 ሜተር ኣቢሉ ኺበጽሕ ይኽእል ነበረ። እቲ ኣብ መንጎ ኽልተ ካናለ ዘሎ ሓመድ ይእለ እሞ: ሃጓፍ ይፍጠር። ኣብ ድልዱል መሬት ምስ በጽሑ: እቲ ሃጓፍ ብእተፈላለየ ዓይነት ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ቐጸላታት ይምላእ። ፈለማ ኣእማን ወይ ስብርባር ኣእማን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ድሕሪኡ ጸጸር ወይ ጸፋሕቲ ኣእማን ይንጸፎ: ምናልባት ኣብ መንጎ እዚ እውን ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ካሻስትሩስ ይፈሶ ነበረ። ድሕሪ እዚ ብኻልእ ዓይነት ጸጸር ወይ እተሰባበረ እምኒ ይስገድ።

ዝባን ገሊኡ ጽርግያታት ሮማውያን እተሰገደ ጸጸር እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግን: እቲ እተጸርገ መገድታት እዩ ንብዙሓት ጥንታውያን ሰባት ዜደንቖም ነይሩ። ኣብ ልዕሊ ዝባን እቲ ጽርግያታት ዓበይቲ ጽላት ኣእማን ይንጸፈሉ ነበረ: መብዛሕትኡ ግዜ እዚ ኻብቲ ኣብቲ ኸባቢ ኺርከብ ዚኽእል ኣኻውሕ እዩ ዚዳሎ ነይሩ። እቲ ጽርግያታት ዝናም ኣብ ማእከሉ ምእንቲ ኸይዓቍር: የግዳስ ናብቲ ብኽልቲኡ ሸነኹ ዚርከብ መትረብ ምእንቲ ኺፈስስ: ኣብ ማእከሉ ብርኽ ዝበለ ዀይኑ ይስራሕ ነበረ። እዚ ዓይነት ኣተሃናንጻ እዚ ነቲ ቕርስታት ድልዱል ንኪኸውንን ገሊኡ ኽሳዕ ሕጂ ንኺህሉን ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።

መገዲ ኣጵዮስ ካብ ዚህነጽ 900 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ: ፕሮኮፕዩስ ዚበሃል ቢዛንትዩማዊ ጸሓፍ ታሪኽ “መስተንክር” ብምባል ገሊጽዎ እዩ። ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ዝባን እቲ ጽርግያ እተነጽፈ ጽላት ኣእማን: “ብዙሕ ግዜ እኳ እንተ ተቘጽረ: ሓያሎ ሰረገላታት እውን መዓልታዊ ብእኡ እኳ እንተ ሓለፈ: ኣይተበላሸወን: ገና ብጽቡቕ እዩ ተሰሪዑ ዘሎ” ኢሉ ጸሓፈ።

እዚ ጽርግያታት እዚ ንኸም ኣፍላግ ዝኣመሰለ ተፈጥሮኣዊ ዕንቅፋት ብኸመይ ይሰግሮ ነበረ፧ ሓደ ኣገዳሲ መዳይ: ድልድላት እዩ ነይሩ። ገሊኡ ድልድላት ክሳዕ ሕጂ ኣሎ: እዚ ኸኣ ነቲ ዜደንቕ ተክኒካዊ ኽእለት ጥንታውያን ሮማውያን ዚምስክር እዩ። ኣብቲ ሮማውያን ዚሰርሕዎ ዝነበረ ጽርግያታት: ገለርያታት ብዙሕ ኣይፍለጥን እዩ ነይሩ፣ ኰይኑ ግን: ነቲ ሽዑ ዝነበረ ተክኒክ ኣብ ግምት ብምእታው ምህናጹ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ነበረ። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ: “ህንደሳ ሮማውያን . . . ንዘመናት መወዳድርቲ ዘይተረኽቦ ፍረ እዩ ኣፍርዩ” በለ። ሓደ ኣብነት: እቲ ናብ መገዲ ፍላሚኒያ ዜሕልፍ ኣብ ፉርሎ ዚርከብ ገለርያ እዩ። ብ78 ድ.ክ. መሃንድሳት ተጠንቂቖም ንድፊ ድሕሪ ምውጻኦም: 40 ሜተር ዝንውሓቱ: 5 ሜተር ዝምግፋሑ: 5 ሜተር ዝቝመቱ ገለርያ ኣብ ዓብዪ ኸውሒ ተዃዕተ። እዚ ነቲ ሽዑ ዝነበረ መሳርሒታት ኣብ ግምት ብምእታው ብሓቂ ዜደንቕ ዕማም እዩ ነይሩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጽርግያታት ምህናጽ: ሓደ ኻብቲ ወድሰብ ዝፈጸሞ ዓብዪ ዕማማት እዩ ነይሩ።

ተጐዓዝትን ኣስፋሕቲ ሓሳባትን

ወተሃደራትን ነጋዶን: ሰበኽትን በጻሕቲ ሃገርን: ተዋሳእትን ተቓለስትን ነዚ ጽርግያታት እዚ ተጠቒሞምሉ እዮም። እቶም ብእግሪ ዚጐዓዙ እውን ኣብ መዓልቲ ኻብ 25 ክሳዕ 30 ኪሎ ሜተር ኪጐዓዙ ይኽእሉ ነበሩ። ተጐዓዝቲ ኻብቲ ሓባር ማይል ዚበሃል ኣብ ጐድኒ እቲ ጽርግያ ዚትከል ርሕቀት ዜመልክት እምኒ ኽንደይ ርሕቀት ከም እተጓዕዙ ኺፈልጡ ይኽእሉ ነበሩ። እዚ ኣእማን እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ሲሊንደራዊ ቕርጺ ዘለዎ ዀይኑ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ 1,480 ሜተር ይቕመጥ ነበረ፣ እዚ ድማ ብሮማውያን ሓደ ማይል እዩ። ተጓዓዝቲ ኣፍራስ ዚቕይሩሉ: ዚብላዕ ዚዕድጉሉ: ወይ ኣብ ገሊኡ መዳያት ለይቲ ዚሓድሩሉ መዕረፊ ቦታታት እውን ነይሩ እዩ። ገለ ኻብዚ ኣገልግሎት ዚህብ ቦታታት: ናብ ንኣሽቱ ኸተማታት ዓበየ።

ክርስትና ቐቅድሚ ምምስራቱ: ቄሳር ኣውጉስጦስ ጽርግያታት ናይ ምጽጋን መደብ ጀመረ። ንሓደ ወይ ንዝያዳ ጽርግያታት ዚከታተሉ ሰበ-ስልጣን ሸመ። እቲ ሚለያርዩም ኣውሬዩም ማለት ወርቃዊ ሓባር ማይል ዚበሃል ኣብ መጋባእያ ሮማውያን ከም ዚትከል ገበረ። እዚ ብብሮንዞ እተጠምዐ ፊደላት ዘለዎ ዓንዲ ኣብ ኢጣልያ ዚርከብ ኵሉ ጽርግያታት ሮማውያን ዜብቅዓሉ ቦታ እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ: “ኵሉ ጽርግያታት ናብ ሮማ ይመርሕ” ዚብል ምስላ ተፈጥረ። ኣውጉስጦስ ነቲ ኣብቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ዝነበረ ጽርግያታት ዜርኢ ካርታ ንምርኢት ኣቕሪቡ እዩ። እቲ ጽርግያታት በቲ ሽዑ ዝነበረ ዅነታት ንድሌት ሰባት ዜማልእን ደረጃኡ ዝሓለወን እዩ ነይሩ።

ገለ ጥንታውያን ተጓዓዝቲ ንመገሻታቶም ንምቅልጣፍ ብጽሑፍ ዝሰፈረ መሐበሪ ይጥቀሙ ነበሩ። እዚ መሐበሪታት እዚ ኣብ መንጎ እተፈላለየ መዕረፊ ቦታታት ዚርከብ ርሕቀት ከምኡውን ኣብቲ ቦታታት ኪርከብ ዚኽእል ኣገልግሎታት ይገልጽ ነበረ። ኰይኑ ግን: እዚ መሐበሪታት እዚ ኽቡር ስለ ዝነበረ: ኵሉ ኺረኽቦ ዚኽእል ኣይነበረን።

ይኹን እምበር: ክርስትያን ወንጌላውያን መደብ ብምግባር ሓያሎ ነዊሕ መገሻታት ገይሮም እዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ: ከምቲ ብግዜኡ ዝነበሩ ሰባት ዚገብርዎ ዝነበሩ: ናብ ምብራቕ ገጹ ኪኸይድ ከሎ: ነቲ ዓብላሊ ንፋሳት ምእንቲ ኺጥቀመሉ ኢሉ ብባሕሪ ይጐዓዝ ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 14:25, 26፣ 20:3፣ 21:1-3) ኣብ መዲተራነያን እዚ ንፋሳት እዚ ኣብ እዋን ክረምቲ ኻብ ምዕራብ ናብ ምብራቕ እዩ ዚነፍስ። ጳውሎስ ናብ ምዕራብ ኪጐዓዝ ከሎ ግን: መብዛሕትኡ ግዜ በቲ ጽርግያታት ሮማውያን ኣቢሉ ብምድሪ እዩ ዚጐዓዝ። በዚ ሜላ እዚ ኸኣ እዩ ነቲ ኻልኣይን ሳልሳይን ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ዝወደቦ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:36-41፣ 16:6-8፣ 17:1, 10፣ 18:22, 23፣ 19:1) a ብ59 ድ.ክ. ኣቢሉ ጳውሎስ በቲ መገዲ ኣጵዮስ ኣቢሉ ናብ ሮማ ተጓዕዘ: ኣብቲ ኻብ ሮማ ብደቡባዊ ምብራቕ 74 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ርሒቑ ዚርከብ ሰብ ዚበዝሖ ኣጵዮስ ፎሩስ: ወይ ዕዳጋ ኣጵዮስ ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾት ተራኸበ። ካልኦት ከኣ ኣብቲ ሰለስተ መሓድር ዚበሃል ካብ ሮማ 58 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዚርከብ ቦታ ዀይኖም ተጸበይዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 28:13-15) ብ60 ድ.ክ. ኣቢሉ: ጳውሎስ እቲ ብስራት “ኣብ ኵላ ዓለም”—ማለት ኣብታ ሽዑ እትፍለጥ ዝነበረት ዓለም—ተሰቢኹ ኺብል ክኢሉ እዩ። (ቈሎሴ 1:6, 23) እቲ ጽርግያታት ነዚ ኣብ ምፍጻም ግደ ነይርዎ እዩ።

እምበኣር ጽርግያታት ሮማ ፍሉይን ነባርን ቅርስታት እዩ። ንምዝርጋሕ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ እውን ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።—ማቴዎስ 24:14

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት “ሲ ዘ ጉድ ላንድ” ዘርእስታ ብሮሹር ኣብ ገጽ 33 ዚርከብ ካርታ ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

ሓባር ማይል ሮማውያን

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ጥንታዊት ኦስቲያ: ኢጣልያ: ዚርከብ ጽርግያ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ጥንታዊ ሰረገላታት ኣብ ኦስትርያ ዝገደፎ ኣሰር መንኰርኰር

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ዮርዳኖስ ዚርከብ ጽርግያ ሮማውያንን ሓበርቲ ማይልን

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ወሰናስን ከተማ ሮማ ዚርከብ መገዲ ኣጵዮስ

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ወጻኢ ኸተማ ሮማ ጥቓ መገዲ ኣጵዮስ ዚርከብ ዑናታት መቓብር

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ዞባ ማርሽ: ኣብ መገዲ ፍላሚኒያ ዚርከብ ገለርያ ፉርሎ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ሪሚኒ: ኢጣልያ: ዚርከብ ኣብ መገዲ ኢሚሊያ እተሃንጸ ድልድል ጢቤርዮስ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ጳውሎስ ምስቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ኣብቲ ሰብ ዚበዝሖ ኣጵዮስ ፎሩስ: ወይ ዕዳጋ ኣጵዮስ ተራኸበ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Far left, Ostia: ©danilo donadoni/Marka/age fotostock; far right, road with mileposts: Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.