ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብሒደት ሰባት ንብዙሓት ምምጋብ

ብሒደት ሰባት ንብዙሓት ምምጋብ

“[የሱስ]ቈሪሱ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ዓደሎም፣ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ነቶም ህዝቢ ሃብዎም።”—ማቴ. 14:19

1-3. የሱስ ኣብ ከባቢ ቤት-ሳይዳ ንብዙሓት ሰብ ብኸመይ ከም ዝመገበ ግለጽ። (ኣብዛ ገጽ እዚኣ ዘሎ ስእሊ ርአ።)

ነቲ ዅነታት ብኣእምሮኻ ስኣሎ። (ማቴዎስ 14:14-21 ኣንብብ።) እዋኑ፡ ቀቅድሚ እቲ ብ32 ድ.ክ. ዝወዓለ በዓል ፋስጋ እዩ ነይሩ። ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን፡ ኣስታት 5,000 ዚዀኑ ሰባት፡ ኣብ ከባቢ እታ ኣብ ሰሜናዊ ገምገም ባሕሪ ገሊላ እትርከብ ቤት-ሳይዳ እትብሃል ቍሸት፡ ኣብ ጽምውቲ ቦታ፡ ምስ የሱስን ምስ ደቀ መዛሙርቱን ተኣኪቦም ነበሩ።

2 የሱስ ነቶም ህዝቢ ምስ ረኣዮም ደንገጸሎም፣ ነቶም ኣብ ማእከሎም ዝነበሩ ሕሙማት ከኣ ኣሕወዮም፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ሓያሎ ነገራት መሃሮም። ኪመሲ ምስ ጀመረ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንየሱስ፡ ነቶም ህዝቢ፡ ኣብቲ ኸባቢ ናብ ዝነበራ ኣቝሻት ከይዶም ምግቦም ምእንቲ ኺዕድጉ፡ ኬሰናብቶም ተማሕጸንዎ። የሱስ ግና ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ንስኻትኩም ዚብላዕ ሃብዎም” በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ሒዞምዎ ዝነበሩ ስንቂ፡ ኣዝዩ ሒደት፡ ማለት ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ጥራይ ስለ ዝነበረ፡ ደንጽይዎም ኪኸውን ኣለዎ።

3 የሱስ ብድንጋጽ ተላዒሉ፡ ተኣምር ገበረ፣ ኣብ ኣርባዕቲኡ ወንጌል እተመዝገበ ተኣምር፡ እዚ ጥራይ እዩ። (ማር. 6:35-44፣ ሉቃ. 9:10-17፣ ዮሃ. 6:1-13) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ነቶም ህዝቢ በብሓምሳን በብሚእትን ገይሮም ኣብቲ ለምለም ሳዕሪ ኾፍ ኬብልዎም ኣዘዞም። ባሪኹ ድማ፡ ነቲ እንጌራ ኪቘርሶ፡ ነቲ ዓሳ ድማ ኪመቕሎ ጀመረ። ድሕሪኡ፡ ነቶም ህዝቢ ባዕሉ ኣይሃቦምን፡ ኣብ ክንዳኡስ፡ “ንደቀ መዛሙርቱ ዓደሎም፣ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ነቶም ህዝቢ ሃብዎም።” ብተኣምራዊ መገዲ፡ ንዅሉ ሰብ ኣኺሉ ዚተርፍ ምግቢ እዩ ተዳልዩ። ሕስብ እሞ ኣብሎ! የሱስ ብሒደት ሰባት፡ ማለት ብደቀ መዛሙርቱ ኣቢሉ፡ ንኣሽሓት ሰባት እዩ መጊቡ። *

4. (ሀ) የሱስ እንታይ ዓይነት ምግቢ ንኺህብ እዩ ብዝያዳ ዚግደስ ነይሩ፧ ስለምንታይከ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧ ኣብታ እትቕጽልከ፧

4 የሱስ ንሰዓብቱ መንፈሳዊ ምግቢ ንኺህቦም እዩ ብዝያዳ ዚግደስ ነይሩ። ከመይሲ፡ መንፈሳዊ ምግቢ፡ ማለት እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቅታት ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዚመርሕ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 6:26, 27፣ 17:3) ከምቲ ነቶም ህዝቢ ብርሕራሐ ተደሪኹ እንጌራን ዓሳን ዝመገቦም፡ በዚ ባህርይ እዚ ተደሪኹ ንሰዓብቱ ንምምሃር ብዙሕ ሰዓታት ወሲዱ እዩ። (ማር. 6:34) ኰይኑ ግና፡ ኣብ ምድሪ ንሓጺር እዋን ጥራይ ከም ዚጸንሕ፡ ናብ ሰማይ ድማ ከም ዚምለስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 16:21፣ ዮሃ. 14:12) ናብ ሰማይ ምስ ዓረገ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ሰዓብቱ ብመንፈስ ዚምግቦም ብኸመይ እዩ፧ ከምቲ ቕድሚ ሕጂ ዝገበሮ፡ ብሒደት ሰባት ኣቢሉ እዩ፡ ንብዙሓት ዚምግብ። እቶም ሒደት ግና መን እዮም፧ የሱስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ብዙሓት ቅቡኣት ሰዓብቱ ንምምጋብ፡ ብኸመይ ሒደት ሰባት ከም እተጠቕመ ንርአ። ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ ከኣ፡ ‘ነቶም ሎሚ የሱስ ንኺምግቡና ዚጥቀመሎም ዘሎ ሒደት ሰባት ብኸመይ ከነለልዮም ንኽእል፧’ ንእትብል ንነፍሲ ወከፍና እተገድስ ሕቶ ኽንመያየጠላ ኢና።

ብሒደት ሰባት፡ ኣሽሓት ተመጊቦም (ሕጡብ ጽሑፍ 4 ርአ)

የሱስ፡ ሒደት መረጸ

5, 6. (ሀ) የሱስ፡ ሰዓብቱ ድሕሪ ሞቱ እውን ብመንፈሳዊ መዳይ ብግቡእ ምእንቲ ኺምገቡ፡ እንታይ ከቢድ ውሳነ እዩ ገይሩ፧ (ለ) የሱስ ንሃዋርያቱ ድሕሪ ሞቱ ኣገዳሲ ሓላፍነት ምእንቲ ኺስከሙ ብኸመይ እዩ ኣዳልይዎም፧

5 ሓደ ሓላፍነት ዚስምዖ ርእሲ ስድራ ቤት፡ ስድራ ቤቱ ድሕሪ ሞቱ እውን ምእንቲ ኺናበዩ፡ ኣቐዲሙ መሰናድዎ ይገብር እዩ። ብተመሳሳሊ፡ እቲ ርእሲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝዀነ የሱስ፡ ሰዓብቱ ድሕሪ ሞቱ እውን ብመንፈሳዊ መዳይ ምእንቲ ኺናበዩ፡ ኣቐዲሙ መሰናድዎ ገይሩ እዩ። (ኤፌ. 1:22) ንኣብነት፡ ካብቲ ዝሞተሉ እዋን ክልተ ዓመት ኣቐዲሙ፡ ከቢድ ውሳነ ገበረ። ካብቶም ንብዙሓት ንምምጋብ ዚጥቀመሎም ሒደት፡ ነቶም ቀዳሞት መረጾም። ነዚ ብኸመይ ከም ዝገበሮ ንርአ።

6 የሱስ ምሉእ ለይቲ ኺጽሊ ምስ ሓደረ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኣከቦም እሞ፡ ካባታቶም 12 ሃዋርያት ሓረየ። (ሉቃ. 6:12-16) ብድሕሪኡ፡ ንኽልተ ዓመት ዚኣክል፡ ብዝያዳ ምስቶም 12 ብምቅርራብ፡ ብቓልን ብኣብነትን መሃሮም። ኪመሃርዎ ዜድልዮም ብዙሕ ነገራት ከም ዝነበረ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። “ደቀ መዛሙርቲ” ተባሂሎም ድማ እዮም ዚጽውዑ ነይሮም። (ማቴ. 11:1፣ 20:17) ጠቓሚ ዝዀነ ብሕታዊ ምኽሪ ለጊሱሎም፡ ኣብ ኣገልግሎት ከኣ ብዙሕ ስልጠና ሂብዎም እዩ። (ማቴ. 10:1-42፣ 20:20-23፣ ሉቃ. 8:1፣ 9:52-55) ነቲ ድሕሪ ሞቱን ናብ ሰማይ ድሕሪ ምዕራጉን ዚስከምዎ ኣገዳሲ ሓላፍነት እዩ ዜዳልዎም ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ።

7. የሱስ ብዛዕባ እቲ ንሃዋርያቱ ብቐዳምነት ዜገድሶም ጕዳይ ዚሕብር ኣንፈት ዝሃበ ብኸመይ እዩ፧

7 ሃዋርያት እንታይ ሓላፍነት እዩ ነይርዎም፧ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. እናቐረበ ምስ መጸ፡ ሃዋርያት ‘ሓላውቲ’ ዀይኖም ኪዓይዩ የድልዮም ከም ዝነበረ ፍሉጥ እዩ። (ግብ. 1:20) ብቐዳምነት ዜገድሶም ጕዳይ ግና እንታይ እዩ ነይሩ፧ የሱስ ኣብቲ ደድሕሪ ትንሳኤኡ ምስ ሃዋርያ ጴጥሮስ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ነዚ ዚሕብር ኣንፈት ሂቡ ኣሎ። (ዮሃንስ 21:1, 2, 15-17 ኣንብብ።) ኣብ ቅድሚ ገሊኦም ሃዋርያት ኰይኑ ድማ ንጴጥሮስ፡ “ዕያውተይ ኣብልዕ” በሎ። በዚ ኸምዚ፡ ሃዋርያቱ ኻብቶም ንብዙሓት መንፈሳዊ ምግቢ ንኺምግቡ ዚጥቀመሎም ሒደት ከም ዚዀኑ እዩ ዚሕብር ነይሩ። የሱስ፡ በዚ ልቢ ዚትንክፍን ንጹርን መገዲ ገይሩ፡ ብዛዕባ ‘ዕያውቱ’ ወይ ኣባጊዑ ኸመይ ከም ዚስምዖ ሓቢሩ ኣሎ። *

ካብ ጴንጠቆስጠ ንነጀው ንብዙሓት ምምጋብ

8. እቶም ብጰንጠቈስጠ ክርስትያን ዝዀኑ ሓደስቲ ኣመንቲ፡ ነቲ ሽዑ ክርስቶስ ዚጥቀመሉ ዝነበረ መትረብ ብንጹር ከም ዘለለይዎ ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧

8 እቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ ክርስቶስ፡ ካብ 33 ድ.ክ. ጀሚሩ፡ ንሃዋርያቱ፡ ነቶም ካልኦት ቅቡኣት ደቀ መዛሙርቱ ዚምግቡ መትረብ ገይሩ ተጠቒሙሎም እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:41, 42 ኣንብብ።) እቶም ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ብመንፈስ ተቐቢኦም ክርስትያናት ዝዀኑ ኣይሁድን ጵሮሰሊትን ነቲ መትረብ እቲ ብንጹር ኣለልዮምዎ እዮም። ስለ ዝዀነ ድማ፡ “ብትምህርቲ ሃዋርያት . . . ጸኒዖም ነበሩ።” እቶም ሓደስቲ ኣመንቲ፡ መንፈሳዊ ምግቢ ንኺረኽቡ ሃረር ይብሉ ነይሮም እዮም፣ ኣበይ ከም ዚረኽብዎ ድማ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ብዛዕባ ቓላትን ተግባራትን የሱስ ዚገልጹሎም፡ ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ብዛዕባ የሱስ ዚገልጽ ሓሳባት ድማ ዜብርሁሎም፡ ሃዋርያት ከም ዝዀኑ ምሉእ ብምሉእ ይተኣማመኑ ነይሮም እዮም። *ግብ. 2:22-36

9. ሃዋርያት ነቲ ንኣባጊዕ የሱስ ንኺምግቡ እተዋህቦም ሓላፍነት ዕሽሽ ከም ዘይበልዎ ብኸመይ ኣርኣዩ፧

9 ሃዋርያት ነቲ ንኣባጊዕ የሱስ ንኺምግቡ እተዋህቦም ሓላፍነት ዕሽሽ ኣይበልዎን። ንኣብነት፡ ኣብታ ሓዳስ ጉባኤ ንእተላዕለ ተኣፋፍን ምክፍፋል ኬምጽእ ዚኽእልን ዝነበረ ጕዳይ ብኸመይ ከም ዝሓዝዎ ነስተብህል። እቲ ዜገርም ድማ፡ እቲ ጕዳይ ብዛዕባ ስጋዊ ምግቢ እዩ ነይሩ። እተን ግሪኽኛ ዝቛንቍአን መበለታት ኣብቲ ዕለታዊ ምዕዳል ምግቢ ሸለል ኪብሃላ ኸለዋ፡ እተን እብራይስጢ ዝቛንቍአን መበለታት ግና ሸለል ኣይተባህላን። ሃዋርያት ነዚ ተኣፋፊ ጕዳይ እዚ ብኸመይ ፈትሕዎ፧ “እቶም ዓሰርተው ክልተ፡” ኣብቲ “ጕዳይ፡” ማለት ኣብቲ ምዕዳል ምግቢ ዚዓይዩ ሸውዓተ ብቑዓት ኣሕዋት ሸሙ። ሃዋርያት—መብዛሕትኦም፡ የሱስ ነቶም ህዝቢ ብተኣምራዊ መገዲ ኺምግቦም ከሎ፡ ኣብ ምዕዳል ምግቢ እጃሞም ኣበርኪቶም ኪዀኑ ዚኽእሉ—መንፈሳዊ ምግቢ ኣብ ምምጋብ ከተኵሩ ዝያዳ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ተረድኡ። ስለዚ፡ ኣብ “ኣገልግሎት እቲ ቓል” ኣተኰሩ።—ግብ. 6:1-6

10. ክርስቶስ ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን ብኸመይ እዩ ተጠቒሙሎም፧

10 ብ49 ድ.ክ. ነቶም ብህይወት ዝነበሩ ሃዋርያት፡ ካልኦት ብቑዓት ሽማግለታት ተወሰኽዎም። (ግብሪ ሃዋርያት 15:1, 2 ኣንብብ።) እቶም “ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን፡” ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኖም ኣገልጊሎም እዮም። ክርስቶስ፡ ርእሲ እታ ጉባኤ ብምዃኑ፡ ነዛ ብብቑዓት ሰብኡት ዝቘመት ንእሽቶ ጕጅለ፡ ንጕዳይ ሰረተ እምነት ንምፍታሕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዚውሃብ ስብከት ኰነ ትምህርቲ ንምሕላውን ንምምራሕን እውን ተጠቒሙላ እዩ።—ግብ. 15:6-29፣ 21:17-19፣ ቈሎ. 1:18

11, 12. (ሀ) የሆዋ ነቲ ወዱ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ንዝነበራ ጉባኤታት ንምምጋብ ዚጥቀመሉ ዝነበረ መሰናድዎ ኸም ዝባረኾ ዚሕብር እንታይ እዩ፧ (ለ) እቲ ክርስቶስ መንፈሳዊ ምግቢ ንምምጋብ ዚጥቀመሉ ዝነበረ መትረብ፡ ብንጹር ኪልለ ዚኽእል ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

11 የሆዋ ነቲ ወዱ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ንዝነበራ ጉባኤታት ንምምጋብ ዚጥቀመሉ ዝነበረ መሰናድዎ ባሪኽዎ ድዩ፧ እወ፡ ባሪኽዎ እዩ። ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ነዚ ዚስዕብ ጸብጻብ ትህበና፦ “[ሃዋርያ ጳውሎስን መጋይሽቱን] ብኸተማታት ኪሓልፉ ኸለዉ፡ ነቶም ኣብአን ዚነብሩ፡ ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን ዝወሰንዎ ትእዛዛት ኪሕልዉ ይነግርዎም ነበሩ። ስለዚ፡ እተን ጉባኤታት ብእምነት ይጸንዓ፡ መዓልቲ መዓልቲ ድማ ብቝጽሪ ይውስኻ ነበራ።” (ግብ. 16:4, 5) እተን ጉባኤታት ኪብልጽጋ ዝኸኣላ፡ ምስቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል ብተኣማንነት ይተሓባበራ ስለ ዝነበራ ምዃኑ ነስተብህል። እዝስ፡ የሆዋ ነቲ ወዱ ንጉባኤታት ንምምጋብ ዚጥቀመሉ ዝነበረ መሰናድዎ ኸም ዝባረኾ ዚሕብር መርትዖዶ ኣይኰነን፧ መንፈሳዊ ብልጽግና ኺርከብ ዚኽእል ብበረኸት የሆዋ ጥራይ ምዃኑ ኣይንረስዕ።—ምሳ. 10:22፣ 1 ቈረ. 3:6, 7

12 ክሳዕ ሕጂ፡ ብዛዕባ እቲ የሱስ ንሰዓብቱ ንምምጋብ ዚጥቀመሉ መገዲ፡ ማለት ብሒደት ሰባት ንብዙሓት ይምግብ ከም ዝነበረ ርኢና ኣሎና። መንፈሳዊ ምግቢ ንምምጋብ ዚጥቀመሉ ዝነበረ መትረብ፡ ብንጹር ኪልለ ዚኽእል እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ እቶም ቀዳሞት ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ዝነበሩ ሃዋርያት፡ ሰማያዊ ድጋፍ ከም ዘለዎም ዚሕብር፡ ዚርአ መርትዖ ኺህቡ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ግብሪ ሃዋርያት 5:12፡ “ኣብ መንጎ እቲ ህዝቢ ድማ ብኢድ ሃዋርያት ብዙሕ ትእምርትታትን ተኣምራትን ይግበር ነበረ” ትብል። * ስለዚ፡ እቶም ሓደስቲ ክርስትያን፡ ‘የሱስ ንኣባጊዑ ንምምጋብ ዚጥቀመሎምሲ መን ኰን እዮም፧’ ኢሎም ዚሓትቱሉ ምኽንያት ኣይነበሮምን። ኣብ መወዳእታታት ቀዳማይ ዘመን ግና፡ ኵነታት ተቐየረ።

ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ የሱስ ነታ ጉባኤ ንምምጋብ ብመን ይጥቀም ከም ዝነበረ ዚሕብር ንጹር መርትዖ ነይሩ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ)

ክርዳድ ብዙሕ፡ ስርናይ ከኣ ሒደት ዝነበረሉ እዋን

13, 14. (ሀ) የሱስ ብዛዕባ መጥቃዕቲ እንታይ መጠንቀቕታ እዩ ሂቡ፧ ቃላቱኸ መዓስ እዩ ኺፍጸም ጀሚሩ፧ (ለ) እቲ መጥቃዕቲ ኻበየናይ ክልተ ዅርናዕ እዩ ዚመጽእ ነይሩ፧ (ሓበሬታ ርአ።)

13 የሱስ፡ ንክርስትያናዊት ጉባኤ መጥቃዕቲ ኸም ዜጋጥማ ተንበዩ ነይሩ እዩ። ኣብቲ ብዛዕባ ስርናይን ክርዳድን ዝሃቦ ትንቢታዊ ምሳሌ፡ ስርናይ (ቅቡኣት ክርስትያናት) ኣብ ሓደ ግራት ምስ ተዘርአ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኽርዳድ (ናይ ሓሶት ክርስትያናት) ከም ዚዝራእ ኣጠንቂቑ ኸም ዝነበረ ኣይንረስዕ። የሱስ፡ እቶም ጕጅለ፡ ክሳዕ ቀውዒ፡ ማለት ክሳዕ “መደምደምታ ስርዓት ዓለም” ብሓንሳእ ከም ዚዓብዩ እውን ገሊጹ እዩ። (ማቴ. 13:24-30, 36-43) ቃላት የሱስ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ኺፍጸም ጀመረ። *

14 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ክሕደት ተቐልቂሉ እኳ እንተ ነበረ፡ እቶም እሙናት ሃዋርያት የሱስ፡ እታ ጉባኤ ብናይ ሓሶት ትምህርትታት ምእንቲ ኸይትብከልን ከይትጽሎን ‘ይኽልክሉ’ ነበሩ። (2 ተሰ. 2:3, 6, 7) እቲ ናይ መወዳእታ ሃዋርያ ምስ ሞተ ግና፡ ክሕደት ሱር ሰዲዱ፡ ኣስፋሕፍሐ፣ ስርናይን ክርዳድን ከኣ ንብዙሕ ዘመናት ብሓንሳእ ዓበየ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ክርዳድ በዝሐ፡ ስርናይ ከኣ ወሓደ። መንፈሳዊ ምግቢ ዜመሓላልፍ ስሩዕን እተወደበን መትረብ ኣይነበረን። ይኹን እምበር፡ ዚቕየረሉ ግዜ ነይሩ እዩ። ግናኸ፡ መዓስ፧

ብግዜ ቐውዒ፡ መጋቢ መን እዩ፧

15, 16. እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብትግሃት ቅዱሳት ጽሑፋት ምጽናዖም እንታይ ፍረ ኣፍርዩ፧ እንታይ ሕቶኸ እዩ ዚብገስ፧

15 እቲ ስርናይን ክርዳድን ብሓንሳእ ዚዓብየሉ እዋን ኪውዳእ ምስ ቀረበ፡ ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ሓያል ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ተቐልቀሉ። ብ1870ታት ደለይቲ ሓቂ ዝዀኑ ሒደት ኣባላት ዘለውዋ ጕጅለ ኻብቶም ብኽርዳድ እተመሰሉ ኣባላት ህዝበ ክርስትያን ዝዀኑ ናይ ሓሶት ክርስትያናት ተፈልያ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀመረት። እዞም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዚጽውዑ ቕኑዓት ሰባት፡ ብትሑት ልብን ብሰፊሕ ኣእምሮን ብጥንቃቐን ብጸሎትን ቅዱሳት ጽሑፋት ይምርምሩ ነበሩ።—ማቴ. 11:25

16 እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብትግሃት ቅዱሳት ጽሑፋት ብምጽናዖም፡ ጽቡቕ ፍረ ረኺቦም እዮም። እዞም እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን እዚኦም፡ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ብምሕታምን ክሳዕ ርሑቕ ቦታታት ብስፍሓት ብምዝርጋሕን ንናይ ሓሶት ሰረተ እምነታት ኣቃሊዖም፡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ድማ ዘርጊሖም እዮም። በዚ ዕዮኦም እዚ ኸኣ መንፈሳዊ ሓቂ ንምርካብ ዚጸምኡን ዚጠምዩን ንዝነበሩ ሓያሎ ሰባት ኣእሚንዎም እዮም። ስለዚ፡ ‘እቶም ቀቅድሚ 1914 ኣብ ዝነበረ ዓመታት ዝነበሩ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ክርስቶስ ንኣባጊዑ ንምምጋብ ዚጥቀመሉ መትረብ ድዮም ነይሮም፧’ ዚብል ኣቓልቦና ዚስሕብ ሕቶ ኺብገስ ይኽእል እዩ። መልሱ ድማ፡ ‘ኣይነበሩን’ ዚብል እዩ። ከመይሲ፡ ሽዑ ስርናይን ክርዳድን ብሓንሳእ ይዓቢ እዩ ነይሩ፡ እቲ መንፈሳዊ ምግቢ ዚህብ መትረብ እውን ገና ኣይተዳለወን እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ እቶም ብኽርዳድ እተመሰሉ ናይ ሓሶት ክርስትያናት፡ ካብቶም ብስርናይ እተመሰሉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዚፍለይሉ ግዜ ኣይኣኸለን ነይሩ።

17. ብ1914 እንታይ ኣገዳሲ ምዕባለታት እዩ ኺርአ ጀሚሩ፧

17 ኣብታ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም እተመሃርናዮ፡ ግዜ ቐውዒ ብ1914 እዩ ጀሚሩ። ኣብታ ዓመት እቲኣ፡ ኣገዳሲ ዝዀነ ሓያሎ ምዕባለታት ኪርአ ጀሚሩ እዩ። የሱስ ነገሰ፡ ዳሕሮት መዓልትታት ከኣ ጀመራ። (ራእ. 11:15) ካብ 1914 ክሳዕ መጀመርታታት 1919 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ የሱስ ኣዝዩ ኣገዳስነት ዝነበሮ ዕዮ ንኺዓዪ፡ ማለት ንኺቈጻጸርን ንኼጽርን ንኣቦኡ ኣሰንዩ፡ ናብታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ኣተወ። * (ሚል. 3:1-4) ካብቲ ግዜ እቲ፡ ማለት ካብ 1919 ንነጀው ድማ፡ ስርናይ ዚእከበሉ ግዜ ጀመረ። ክርስቶስ፡ መንፈሳዊ ምግቢ ዜመሓላልፍ ሓደ እተወደበ መትረብ ዝሸመሉ ግዜኸ ሽዑ ድዩ ነይሩ፧ እወ፡ ብርግጽ!

18. የሱስ ንመን ከም ዝሸይም እዩ ተንብዩ ነይሩ፧ ኣብቲ እተን ዳሕሮት መዓልታት ዝጀመራሉ እዋንከ እንታይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕቶ እዩ ተላዒሉ፧

18 የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ ግዜ መወዳእታ ዝሃቦ ትንቢት፡ መንፈሳዊ ምግቢ “በብግዜኡ” ዚህብ መትረብ ከም ዝሸይም ተዛሪቡ እዩ። (ማቴ. 24:45-47) ነየናይ መትረብከ እዩ ዚጥቀም፧ ኣብዚ ግዜ እዚ እውን፡ ነቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን እተጠቕመሉ መገዲ ብምስዓብ፡ ብሒደት ሰባት ኣቢሉ እዩ ንብዙሓት ዚምግብ፧ ይኹን እምበር፡ ኣብቲ እተን ዳሕሮት መዓልታት ዝጀመራሉ እዋን፡ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝነበረ ሕቶ፡ ‘እቶም ሒደት ሰባት መን እዮም፧’ ዚብል እዩ ነይሩ። እዝን ብዛዕባ ትንቢት የሱስ ዝለዓል ካልእ ሕቶታትን ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንመያየጠሉ ኢና።

 

^ ሕ.ጽ. 3 ሕጡብ ጽሑፍ 3፦ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ እውን፡ የሱስ ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን ን4,000 ሰብኡት ብተኣምራዊ መገዲ ኣብ ዝመገበሉ እዋን፡ ነቲ ምግቢ “ንደቀ መዛሙርቱ ዓደሎም፣ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ነቶም ህዝቢ ሃብዎም።”—ማቴ. 15:32-38

^ ሕ.ጽ. 7 ሕጡብ ጽሑፍ 7፦ ብግዜ ጴጥሮስ፡ ኵሎም ኣባላት እተን ዚምገባ “ዕያውቲ” ወይ “ኣባጊዕ” ሰማያዊ ተስፋ እዩ ነይርዎም።

^ ሕ.ጽ. 8 ሕጡብ ጽሑፍ 8፦ እቲ ሓደስቲ ኣመንቲ “ብትምህርቲ ሃዋርያት . . . ጸኒዖም ነበሩ” ዚብል ሓሳብ፡ እቶም ሃዋርያት ብስሩዕ ይምህሩ ኸም ዝነበሩ ይሕብር። ገለ ኻብቲ ትምህርትታት ሃዋርያት፡ ኣብቲ ሕጂ ኽፍሊ እቲ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ዝዀነ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ መጻሕፍቲ ተመዝጊቡ ኣሎ።

^ ሕ.ጽ. 12 ሕጡብ ጽሑፍ 12፦ ሃዋርያትን ካልኦት ደቀ መዛሙርትን ተኣምራዊ ውህበት መንፈስ ይቕበሉ እኳ እንተ ነበሩ፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ እዚ ተኣምራዊ ውህበት እዚ ንኻልኦት ዚመሓላለፈሎም ዝነበረ ግና ብሃዋርያ ኣቢሉ፡ ወይ ከኣ ንሱ ኣብ ዚህልወሉ እዋን ጥራይ እዩ ዚመስል።—ግብ. 8:14-18፣ 10:44, 45

^ ሕ.ጽ. 13 ሕጡብ ጽሑፍ 13፦ እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30 እተዛረቦ ቓላት፡ እታ ጉባኤ ኻብ ክልተ ዅርናዕ፡ መጥቃዕቲ ኸም ዜጋጥማ ይሕብር። ቀዳማይ፡ ናይ ሓሶት ክርስትያናት (“ክርዳድ”) ኣብቶም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ‘ዚኣትዉ’። ካልኣይ፡ ገለ ኻብቶም ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ “ቄናን ነገር ዚዛረቡ” ኸሓድቲ ኸም ዚዀኑ።

^ ሕ.ጽ. 17 ሕጡብ ጽሑፍ 17፦ ኣብዛ ሕታም እዚኣ እትርከብ፡ “እንሆ ድማ፡ ኣነ . . . ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ ኣብ ገጽ 11፡ ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ።