ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ሓምለ 2014

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 1 መስከረም ክሳዕ 28 መስከረም 2014 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

ፈትዮም ይመጹ—ማይክሮነዥያ

ኣብተን ኣብ ፓሲፊክ ዚርከባ ደሴታት ዜገልግሉ ኻብ ካልኦት ሃገራት ዝመጹ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሰለስተ ብድሆታት የጋጥሞም እዩ። እሞኸ እዞም ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ እዚኦም፡ ነቲ ብድሆታት ብኸመይ እዮም ዚዋጽኡሉ፧

“የሆዋ ነቶም ናቱ ዘበሉ ይፈልጦም እዩ”

እቲ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 2:19 ተጠቒሱ ዘሎ ‘መሰረትን’ ‘ማሕተምን፡’ ነቶም ናይ የሆዋ ዘበሉ ንኸነለልዮም ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

ህዝቢ የሆዋ ‘ኻብ ዓመጻ ይርሕቑ’

እታ ‘ኻብ ዓመጻ ምርሓቕ’ እትብል ሓረግ፡ ምስቲ ብግዜ ሙሴ ዘጋጠመ ፍጻመታት እትተሓሓዝ ብኸመይ እያ፧ ንሕናኸ ኻብቲ ፍጻመታት እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

ታሪኽ ህይወት

ኣቦ ስኢነ፡ ኣቦ ረኺበ

ታሪኽ ህይወት እቲ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ገርት ሎሽ ኣንብብ።

‘ንስኻትኩም ምስክረይ ኢኹም’

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተባሂልና ምጽዋዕና እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧

“መሰኻኽር ክትኰኑኒ ኢኹም”

የሱስ፡ “መሰኻኽር የሆዋ ኽትኰኑ ኢኹም” ዘይኰነስ፡ “መሰኻኽር ክትኰኑኒ ኢኹም” ዝበለ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ ዕዮ ምስክርነት ቅንኣትና ኸየጥፋእና ኽንመላለስ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧