ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ባህርያዊ ሓደጋታት ካብ ኣምላኽ ዚወርድ መቕጻዕቲ ድዩ፧

ባህርያዊ ሓደጋታት ካብ ኣምላኽ ዚወርድ መቕጻዕቲ ድዩ፧

ሕቶታት ኣንበብትና፧

ባህርያዊ ሓደጋታት ካብ ኣምላኽ ዚወርድ መቕጻዕቲ ድዩ፧

ኣምላኽ ንንጹሃት ሰባት ባህርያዊ ሓደጋታት ብምውራድ ኣይቐጽዕን እዩ። ከምኡ ገይሩ ኣይፈልጥን: ኣይኪገብርን ድማ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ: መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 1 ዮሃንስ 4:8 “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ይብል።

ምንጪ ዅሉ እቲ ኣምላኽ ዚገብሮ ነገር ፍቕሪ እዩ። ፍቕሪ: ንጹሃት ሰባት ከም ዚጕድኡ ኣይትገብርን እያ። ከመይሲ: መጽሓፍ ቅዱስ: “ፍቕሪ ንብጻያ እከይ ኣይትገብሮን” እዩ ዚብል። (ሮሜ 13:10) ኣብ እዮብ 34:12 እውን “ብርግጽ: ኣምላኽ ዓመጻ ኣይገብርን” ዚብል ሓሳብ ነንብብ።

ሓቂ እዩ: መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግዜና ኸም “ምንቅጥቃጥ ምድሪ” ዝኣመሰለ ሓደጋታት ከም ዚኸውን ተነቢዩ እዩ። (ሉቃስ 21:11) እንተ ዀነ ግን: ልክዕ ከምቲ ሓደ ብዛዕባ ዅነታት ኣየር ዚንበ ሰብ ብርቱዕ ህቦብላ ኸም ዚኸውን ምንባዩ ንዚመጽእ ጉድኣት ተሓታቲ ዘይከውን: የሆዋ ድማ ብዛዕባ እቲ ብምኽንያት ሓደጋታት ዚመጸ ዕንወት ተሓታቲ ኣይኰነን። ኣምላኽ በቲ ኣብ ደቂ ሰብ ዚወርድ ባህርያዊ ሓደጋታት ተሓታቲ እንተ ዘይኰይኑ: መን ደኣ እዩ ጠንቂ እዚ ሽግር፧

መጽሓፍ ቅዱስ: “ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ:” ማለት ብሰይጣን ድያብሎስ ከም እተታሕዘት ይገልጽ። (1 ዮሃንስ 5:19) ሰይጣን ኣብ መጀመርታ ደቂ ሰብ ካብ ዚዓሉ ኣትሒዙ ኽሳዕ እዚ ግዜና ቐታሊ ነፍሲ እዩ። (ዮሃንስ 8:44) ንህይወት ደቂ ሰብ ከም ዋጋ ዘይብሉን ከም ዘይረብሕን ገይሩ እዩ ዚርእዮ። ብናይ ውልቂ ጥቕሚ ተደሪኹ ኺገዝእ ባህጊ ስለ ዘለዎ: ናይ ስስዐ ባህርይ ኣብታ ንሱ ዝወደባ ዓለም ምፍጣሩ ኣየገርምን እዩ። እዛ ሕጂ ዘለናላ ዓለም እትስዕቦ ስርዓት ንምዝመዛ ዕሽሽ ስለ ዚብሎ: ንመሳኪን ዘበሉ ተፈጥሮኣዊ ይኹን ሰብ ዜምጽኦም ሓደጋታት ኣብ ዜጥቅዖ ሓደገኛ ቦታታት ንኺነብሩ የገድዶም ኣሎ። (ኤፌሶን 2:2፣ 1 ዮሃንስ 2:16) ስለዚ እምበኣር: ብገለ ኻብቲ ንብዙሓት ሰባት ግዳያት እቲ ሓደጋ ኪዀኑ ዝገበረ ፍጻመታት: ተሓተትቲ ኪዀኑ ዚግብኦም እዞም ስሱዓት ሰባት እዚኣቶም እዮም። (መክብብ 8:9) ብኸመይ፧

እቲ ብዙሕ ግዜ ዜጋጥም ሓደጋታት እንተ ወሓደ ብኸፊል ሰብ ዜምጽኦ እዩ። ንኣብነት: እቲ ንነበርቲ ኸተማ ኒው ኦርሊየንዝ ሕ.መ.ኣ. ህቦብላ ብዘምጽኦ ምጥልቕላቕ ወይ ነቲ ኣብቲ ኣኽራን ዝበዝሖ ጥቓ ገምገም ባሕሪ ቨነዝወላ ንዝነበረ ኣባይቲ: ጭቃ ሒዙ ብዝመጸ ማይ ከም ዚጠፍእ ዝገበረ ምኽንያት ክንርኢ ንኽእል ኢና። ኣብዝን ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታትን: ከም ንፋስን ዝናብን ዝኣመሰለ ባህርያዊ ሓይልታት: ካብቲ ግቡእ ሓሊፉ ንኼዕኑ ዚገብሮ ነገር: እቲ ሰባት ብዛዕባ ኣከባቢ ዘለዎም ድንቍርና: ዝሰርሕዎ ሕሱር ምህንድስና: ዜውጽእዎ ሕማቕ መደብ: መጠንቀቕታታት ዘይምቕላቦም: ከምኡውን ቢሮክራሲያዊ ኣሰራርሓኦም እዩ።

እስከ እቲ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዘጋጠመ ሓደ ሓደጋ ንርኣ። ብግዜ የሱስ ሓደ ግንቢ ብሃንደበት ተደርሚሱ ን18 ሰባት ቀተለ። (ሉቃስ 13:4) እዚ ሓደጋ እዚ ኼጋጥም ዝኸኣለ ምናልባት ብሰንኪ ስሕተት ሰባት ወይ “ጊዜን ኣጋጣምን” ብዜምጽኦ ወይ እውን ብኽልቲኡ ምኽንያት ዘጋጠመ ኪኸውን ኣለዎ እምበር: ኣምላኽ ብዝገበሮ ፍርዲ ግን ኣይኰነን።—መክብብ 9:11

ካብ ኣምላኽ ዝወረደ ሓደጋታት ኣጋጢሙ ይፈልጥዶ፧ እወ: ከምቲ ብተፈጥሮኣዊ ይኹን ብሰብ ዚመጽእ ሓደጋታት ግን ብኣልማማ ዜጥፍእ ዘይኰነስ: ነቶም ኪድሕኑ ዚግብኦም ፈልዩ ዝገደፈ: ብዕላማ እተገብረ ኣዝዩ ውሑዱ እዩ ነይሩ። ነዚ ኣብነት ኪዀነልና ዚኽእል ክልተ ፍጻመ: ብግዜ እቲ ኣበው ዝዀነ ኖህ ዝወረደ ማይ ኣይህን ብግዜ ሎጥ እተፈጸመ ጥፍኣት ሶዶምን ጎሞራን እዩ። (ዘፍጥረት 6:7-9, 13፣ 18:20-32፣ 19:24) ኣምላኽ ነቶም መገዶም ዘየዐርዩ እኩያት ኣህዛብ ንኺጠፍኡ: ነቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጻድቃን ዝነበሩ ሰባት ግና ንኺድሕኑ ፈረዶም።

ከም ሓቂ እንተ ዀይኑ: የሆዋ ኣምላኽ ንዅሉ ስቓይ መወዳእታ ንምግባርን ካብቲ ባህርያዊ ሓደጋታት ዘምጽኦ ሳዕቤን ንምንጋፍን ክእለት: ባህጊ: ከምኡውን ሓይሊ ኣለዎ። መዝሙር 72:12 ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝሸሞ ንጉስ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ “ነቲ ዚጠርዕ ድኻን ነቲ ረዳኢ ዜብሉ መስኪንን ኬናግፎ እዩ” ኢላ ትንበ።