ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት

ምስ ኣባጽሕ ምዝርራብ

ምስ ኣባጽሕ ምዝርራብ

“ምስ ወደይ ብቐሊሉ እዘራረብ ነይረ: ሕጂ ግን ወዲ 16 ዀይኑ ስለ ዘሎ: ንዓይ ኰነ ንብዓል ቤተይ ሓሳባቱ ኽንፈልጥ የሸግረና እዩ። ኣብ ክፍሉ ንበይኑ ይዕጾ: ብዙሕ እውን ኣየዘራርበናን እዩ!”—ሚርያም: ካብ መክሲኮ

“ደቀይ ዝነግሮም ዘበለ ዅሉ ብሃንቀውታ ዚሰምዑሉ እዋን ነይሩ። ኣፎም ከፊቶም እዮም ዚሰምዑኒ ነይሮም! ምስ ጐበዙ ግን ዘይርድኣሎም እዩ ዚመስሎም።”—ስኮት: ካብ ኣውስትራልያ

ዝባጽሐ ውሉድ እንተ ኣልዩካ: ከምዞም ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ ወለዲ ተሰሚዑካ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ቀደም ምስ ውሉድካ ብዘይ ገለ ዕንቅፋት ትዘራረቡ ኔርኩም። ሕጂ ግን ርክብኩም እተበትከ ይመስል። ኣብ ኢጣልያ እትነብር ኣንጀላ ዝስማ ኣደ: “ወደይ ንእሽቶ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ብሕቶታት ልበይ የጥፍኣለይ ነይሩ። ሕጂ ግን ኣነ እየ ኸዛርቦ ዝፍትን። ከምኡ እንተ ዘይገይረ: ዚረብሕ ዘረባ ኸይተዛራረብና መዓልትታት ይሓልፍ” በለት።

ንስኻ እውን ከም ኣንጀላ: እቲ ኸም ልቡ ሓሳቡ ዚገልጽ ዝነበረ ውሉድካ: ምስ ባጽሐ ኺስጕደም ርኢኻ ትኸውን። ንኸተዘራርቦ ዝገበርካ እኳ እንተ ገበርካ: ሓጺር መልሲ ጥራይ ይህበካ። “ትምህርቲ ኸመይ ነይሩ፧” ኢልካ ምስ ሓተትካዮ: “ደሓን” ጥራይ ኢሉ ይምልሰልካ። “ኣብ ቤት ትምህርቲ እንታይ ሓድሽ ነገር ኣሎ፧” ዚብል ሕቶ ምስ እተቕርብ እውን: “ዋላ ሓንቲ” ዚብል መልሲ ይወሃበካ። “እንታይ ኢኻ ነዚ ዘረባ ቝርጽ ቍርጽ ተብሎ፧” እንተ ኢልካዮ ኸኣ: መሊሱ እዩ ዚገዶ።

ገሊኦም ኣባጽሕ ሓሳባቶም ናይ ምግላጽ ጸገም የብሎምን። ዘረባኦም ግን ወለዶም ኪሰምዕዎ ዚደልዩ ዓይነት ኣይኰነን። ኢድና እትበሃል ኣብ ናይጀርያ እትነብር ኣደ: “ንጓለይ ሓደ ነገር ክትገብር እንተ ሓቲተያ: መብዛሕትኡ ግዜ ‘ሕደግናዶ’ ዚብል መልሲ እያ እትህብ ነይራ” በለት። ኣብ መክሲኮ ዚነብር ራሞን: ኣብ ወዲ 16 ዓመት ወዱ ተመሳሳሊ ነገር እዩ ተዓዚቡ። “መዓልታዊ ንከራኸር ኢና። ሓደ ነገር ኪገብር ብዝሓተትክዎ መጠን: ነታ ዕዮ ንኸይገብራ መመኽነይታታት የብዝሕ” በለ።

ንሓደ ጽቡቕ ምላሽ ዘይህብ ዝባጽሐ ውሉድ ከተዘራርቦ ምህቃን: ትዕግስቲ ወለዲ ዚፍትን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ኣብቲ ምኽሪ ዜብሉ: ህቃኔታት ከንቱ ይኸውን” ይብል። (ምሳሌ 15:22) ኣና እትበሃል ኣብ ሩስያ እትነብር ንጽል ወላዲት: “ወደይ ዚሓስቦ ዘሎ ምርዳእ እንተ ኣብዩኒ: ኣመና ስለ ዝበሳጮ ኽውጭጭ እደሊ” በለት። ኣብቲ ምዝርራብ ኣመና ዜድልየሉ እዋን: ውሉዳትን ወለዶምን ምዝርራብ ዜጸግሞም ስለምንታይ እዩ፧

ነቲ ዕንቅፋታት ምልላዩ

ኣብዚ ምዝርራብ ኪበሃል ከሎ: ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ እውን የጠቓልል። የሱስ: “ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ እዩ ዚዛረብ” በለ። (ሉቃስ 6:45) ስለዚ: ጽቡቕ ጌርና ሓሳብ ንሓሳብ ክንለዋወጥ ከለና: ብዛዕባ ካልኦት ንፈልጥ: ብዛዕባና እውን ንገልጽ። መንእሰያት ናብ ዓቕመ-ኣዳም ወይ ዓቕመ-ሄዋን ኣብ ዚበጽሑሉ እዋን: እቶም ሕዉሳት ዝነበሩ እኳ ኸይተረፉ ብሃንደበት ሓፋራት ስለ ዚዀኑ: ብዛዕባ ርእሶም ምግላጽ በዳሂ ኪዀኖም ይኽእል እዩ። ኣባጽሕ ልክዕ ከም ኣብ መድረኽ ዘለዉ: ኵሉ ሰብ ዚብልዎን ዚገብርዎን ከም ዚከታተሎም ኰይኑ ኸም ዚስምዖም ክኢላታት ይሕብሩ። ስኩፋት ብምዃኖም ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ነቲ መጋረጃ ይዓጽውዎ: ማለት ናብቲ ወለዲ ብቐሊሉ ኺኣትውዎ ዘይክእሉ ናይ ብሕቶም ዓለም የንሳሕቡ።

ንምዝርራብ ዕንቅፋት ኪኸውን ዚኽእል ካልእ ረቛሒ: ኣባጽሕ ናጽነቶም ንምርካብ ዘለዎም ባህጊ እዩ። ውሉድካ ይዓቢ እዩ ዘሎ: እናዓበየ ምስ ከደ ድማ ካብ ስድራ ቤቱ ኺፍለ ኣለዎ: ስለዚ እዚ ኺስገር ዚከኣል ኣይኰነን። ከምዚ ኺበሃል ከሎ: ካብ ቤት ኪወጽእ ተዳልዩ ማለት ኣይኰነን። ብብዙሕ መዳያት ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ሓገዝካ የድልዮ እዩ። ኰይኑ ግን: እቲ ናይ ምፍላይ መስርሕ: ዓብዪ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ቕድሚ ዓመታት እዩ ዚጅምር። ብዙሓት ኣባጽሕ እናበሰሉ ምስ ከዱ: ሓሳባቶም ንኻልእ ቅድሚ ምግላጾም በይኖም ኣጸቢቖም ኪሓስቡሉ እዮም ዚደልዩ።

ኣባጽሕ ካብ መዛኑኦም ኣይግለሉን ይዀኑ። ሓንቲ ኣብ መክሲኮ እትነብር ጀሲካ እትበሃል ኣደ ብዛዕባ እዚ ዘለዋ ትዕዝብቲ ኽትገልጽ ከላ: “ጓለይ ንእሽቶ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን: ወትሩ ጸገማታ ትነግረኒ ነበረት። ሕጂ ግን ናብ መሓዙታ እያ እትኸይድ” በለት። ዝባጽሐ ውሉድካ ኸምዚ እንተ ገይሩ: ከም ወላዲ ኸም ዘይተቐበለካ ጌርካ ኣይትሕሰብ። መጽናዕትታት ከም ዚሕብሮ: ኣባጽሕ ዋላ እኳ እንተ ዘይተኣመኑሉ: ንምኽሪ ወለዶም ካብ ናይ ኣዕሩኾም ኣብሊጾም ይርእዩ እዮም። እቲ ምዝርራብኩም ቀጻሊ ንኪኸውን ግን እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

መፍትሕ ዓወት—ነቲ ዕንቅፋታት ምስጋሩ

ኣብ ሓደ ሰፊሕ ጐደና ንነዊሕ ርሕቐት ማኪና ትዝውር ከም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ንሓያሎ ኪሎ ሜተራት: ቍሩብ ምትዕርራይ ጥራይ እናገበርካ: ከይተጠዋወኻ ተጓዒዝካ። ብሃንደበት ግን እቲ ጐደና ተጠውየ። እታ ማኪናኻ ኻብቲ መገዲ ምእንቲ ኸይትወጽእ: ካብ ምጥዋያ ሓሊፉ ኻልእ ኣማራጺ የብልካን። ውሉድካ ምስ ባጽሐ እውን ተመሳሳሊ እዩ። ንእተወሰነ ዓመታት: ከም ወላዲ መጠን ቍሩብ ምትዕርራይ ጥራይ ኣድልዩካ ይኸውን። ሕጂ ግን ህይወት ውሉድካ ኣጸቢቑ ተጠውዩ እዩ: ንስኻ እውን ሜላታትካ ብምትዕርራይ ‘ነቲ መገዲ ሓሊኻ ኽትጥወ’ ኣሎካ። ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ንርእስኻ ሕተት:-

‘ውሉደይ ኪዛረበኒ ኣብ ዚደልየሉ እዋን: ኣነኸ ንኸዘራርቦ ድሉው ድየ፧’ መጽሓፍ ቅዱስ: “ብግቡእ ጊዜ እተዘርበ ቓል ከም ሮማን ወርቂ ኣብ ጻሕሊ ብሩር እዩ” ይብል። (ምሳሌ 25:11) ከምቲ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ብንጹር ዝሓበረቶ: ግዜ ምሕላው ኣገዳሲ እዩ። ነዚ ብምሳሌ እስከ ንርኣዮ:- ሓረስታይ ንእዋን ቀውዒ ኼፋጥኖ ወይ ኬደናጕዮ ኣይክእልን እዩ። ቀውዒ ምስ ኣኸለ: ኪጥቀመሉ ጥራይ እዩ ዘለዎ። ዝባጽሐ ውላድካ እውን ኪዛረበካ ዚደልየሉ እዋን ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቐመሉ። ፍራንሰስ እትበሃል ኣብ ኣውስትራልያ እትነብር ንጽል ኣደ: “ብዙሕ ግዜ ጓለይ ለይቲ ናብ መደቀስየይ ትመጽእ: ሓድሓደ እዋን ንሰዓታት ምሳይ ትጸንሕ። ለይቲ ነቒሐ ኽጸንሕ ዘይደሊ ብምዃነይ: እዚ ቐሊል ኣይነበረን። ኣብተን ዝመጸትለን ለይቲ ግን: ዘይተዘራረብሉ ጕዳይ የለን” በለት።

ነዚ ፈትኖ:- ዝባጽሐ ውሉድካ ኺዛረበካ እንተ ዘይደልዩ: ምስኡ ሓቢርካ ሓደ ነገር ግበር። ንኣብነት: ብሓባር ብእግሪ ኽትዛወሩ: ብማኪና ኽትዛወሩ: ሓደ ጸወታ ኽትጻወቱ: ወይ ኣብ ገዛ ሓደ ዕዮ ኽትዓዩ ትኽእሉ ኢኹም። መብዛሕትኡ ግዜ: ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚ: ንኣባጽሕ ሓሳባቶም ንኺገልጹ መገዲ ይኸፍተሎም እዩ።

‘ነቲ ብድሕሪ እቲ ቓላት ዘሎ መልእኽቲ አስተውዕሎ ድየ፧’ እዮብ 12:11 “ከምቲ ትንሓግ ንምግቢ ዘስተማቕሮ: ከምኡዶ እዝኒ ንቓላት ኣይለልዮን እዩ፧” ትብል። ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ: ውሉድካ ዚብሎ ‘ኸተለልዮ’ የድልየካ። ኣባጽሕ መብዛሕትኡ ግዜ ንዅሉ ነገራት ውድእ ኣቢሎም እዮም ዚዛረቡ። ንኣብነት: ውሉድካ: “ወትሩ ኸም ቈልዓ ኢኻ እትርእየኒ!” ወይ “ፈጺምካ ኣይትሰምዓንን ኢኻ!” ይብል ይኸውን። ኣብተን “ወትሩ” ወይ “ፈጺምካ” ዚብላ ቓላት ብምትኳር ልክዕ ከም ዘይኰነ ኣብ ክንዲ እትዛረብ: ውሉድካ ቓል ብቓሉ ይዛረብ ከም ዘየሎ ኣስተብህል። ንኣብነት: “ወትሩ ኸም ቈልዓ ኢኻ እትርእየኒ” ዚብል ዘረባ: “ከም ዘይትኣምነኒ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ” ማለት ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ “ፈጺምካ ኣይትሰምዓንን ኢኻ” ዚብል ዘረባ እውን: “ናይ ሓቂ ስምዒተይ ክነግረካ እደሊ እየ” ማለት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብድሕሪ እቲ ቓላት ዘሎ መልእኽቲ ኸተስተውዕሎ ጽዓር።

ነዚ ፈትኖ:- ዝባጽሐ ውሉድካ ሓያል ዘረባ ምስ ተዛረበካ: “ዘጕሃየካ ነገር እንታይ ምዃኑ ኽሰምዓካ እደሊ እየ። ከም ቈልዓ ገይረ ኸም ዝርእየካ ዀይኑ እተሰምዓካ ስለምንታይ ምዃኑ እስከ ግለጸለይ” ክትብሎ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ ኸይኰለፍካ ስምዓዮ።

‘ንዝባጽሐ ውሉደይ ከም ዚዛረብኒ ንኽገብር ክብል: ከይተፈለጠኒ ንምዝርራብ ዕንቅፋት እኸውን ድየ፧’ መጽሓፍ ቅዱስ: “ነቶም ሰላም ዚገብሩውን እቲ ፍረ ጽድቂ ብሰላም ይዝርኦም እዩ” ይብል። (ያእቆብ 3:18) ዝባጽሐ ውሉድካ ንኺዛረበካ መገዲ ንምኽፋት: ብቓላትካን ብጠባይካን “ሰላም” ከም ዚሰፍን ግበር። ደጋፊ ውሉድካ ምዃንካ ኣይትረስዕ። ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ክትመያየጡ ኸለኹም: ከም ሓደ ንዝቐረበ ምስክር ናይ ሓሶት ምዃኑ ኼርኢ ዚጽዕር ኣኽባር ሕጊ ኸይትኸውን ተጠንቀቕ። ኣሃን ዚበሃል ኣብ ኮሪያ ዚነብር ኣቦ: “ሓደ ጥበበኛ ወላዲ: ከም ‘መዓስ ኢኻ ስራሕ ቈልዓ እትሓድጎ፧’ ወይ ‘ክንደይ ሳዕ እየ ኽነግረካ፧’ ዝኣመሰለ ዘረባ ኣይዛረብን እዩ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ: “ኣብዚ መዳይ እዚ ብዙሕ ጌጋታት ድሕሪ ምግባረይ: ደቀይ በቲ ዝዛረበሉ መገዲ ጥራይ ዘይኰነስ: በቲ ዝዛረቦም ነገራት እውን ከም ዚበሳጨዉ ኣስተብሂለ እየ” በለ።

ነዚ ፈትኖ:- ውሉድካ ንእተቕርበሉ ሕቶታት ከምቲ ዚድለ ምላሽ ዘይህብ እንተ ዀይኑ: ካልእ መገዲ ተጠቐም። ንኣብነት: ንጓልካ ብዛዕባ በታ መዓልቲ ዘጋጠማ ነገር ኣብ ክንዲ እትሓታ: ንዓኻ ብዛዕባ ዘጋጠመካ ነገር ንገራ: ድሕሪኡ ንሳ እትነግረካ ስማዕ። ወይ ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ዘለዋ ርእይቶ ንምፍላጥ: ኣብኣ ዘየተኵር ሕቶ ሕተታ። መሓዛኣ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ከመይ ከም ዚስምዓ ሕተታ። ድሕሪኡ እንታይ ኢላ ኸም እትመኽራ ሕቶ ኣቕርበላ።

ምስ ኣባጽሕ ምዝርራብ ዘይከኣል ኣይኰነን። ከከም ኣድላይነቱ ሜላታትካ ቐያይር። ኣብዚ መዳይ እዚ ኣሳልጦ ንዝረኸቡ ኻልኦት ወለዲ ኣዘራርቦም። (ምሳሌ 11:14) ምስ ውሉድካ ኽትዘራረብ ከለኻ: “ንምስማዕ ቅልጡፍ: ንምዝራብ ደንጓዪ: ንዅራ ደንጓዪ” ኹን። (ያእቆብ 1:19) ልዕሊ ዅሉ ኸኣ: ንዝባጽሑ ውሉዳትካ ‘ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ብምዕባይ’ ዝመጸ ኸቶ ኣይትተሓለል።—ኤፌሶን 6:4.

ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት:-

  •   ውሉደይ ኣብ ዕድመ ብጽሕና ኻብ ዚኣቱ ንነጀው: ኣብኡ እንታይ ለውጥታት ተዓዚበ፧

  •   ናይ ምዝርራብ ክእለተይ ብኸመይ ከመሓይሾ እኽእል፧