ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጽሬት ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ጽሬት ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ጽሬት ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ደቂ ሰብ ንኣሽሓት ዓመታት ብፌራን ብተላጋቢ ሕማምን ተጠቒዖም እዮም። ገሊኦም ሰባት እዚ ምልክት ቍጥዓ ኣምላኽ ምዃኑን ንገበርቲ ኽፉእ ንምቕጻዕ ከም እተላእከን ይኣምኑ ነበሩ። ንነዊሕ ዘመናት እተገብረ ኽትትልን ምርምራትን ግን፡ ጠንቂ እዚ ሕማማት ኣብ ከባቢና ዚነብሩ ደቀቕቲ ፍጡራት ምዃኑ ኣቃልዐ።

ተመራመርቲ ሕክምና፡ ኣናጹን ድድዕን ሃመማን ጣንጡን ሕማማት ከም ዜመሓላልፉ ፈሊጦም እዮም። ሰባት ብሰንኪ ጕድለት ጽሬት ባዕሎም ተላጋቢ ሕማም ከም ዚዕድሙ እውን ኣስተውዒሎም እዮም። ጽሬት ናይ ህይወትን ሞትን ጕዳይ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ደረጃታት ጽሬት ከከም ልምድታትን ኵነታትን ከም ዚፈላለ ንጹር እዩ። ኣብቲ ማይ ቡንባ ወይ ረሳሕ ፈሳሲ ዚውገደሉ ብቑዕ ኣገባብ ዘይብሉ ኸባቢ፡ ጽሬትካ ምሕላው ኣዝዩ በዳሂ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ንጥንታውያን እስራኤላውያን ኣብቲ ጽሬት ንምሕላው ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዝዀነሉ በረኻ እናተጓዕዙ ኸለዉ፡ ብዛዕባ ሓለዋ ጽሬት መምርሒታት ሃቦም።

ጽሬት ንኣምላኽ ዜገድሶ ስለምንታይ እዩ፧ ብዛዕባ ጽሬት ግቡእ ዝዀነ ኣረኣእያ እንታይ እዩ፧ ንስኻን ስድራ ቤትካን ብሕማም ንኸይትጥቅዑ እንታይ ቀሊል ጥንቃቐታት ክትገብሩ ትኽእሉ፧

ማክስ a ኣብ ካመሩን እዩ ዚነብር። ሓደ መዓልቲ ኻብ ትምህርቲ ተፈዲሱ ናብ ገዛ ተመልሰ። ጠምዩን ጸሚኡን ናብ ገዛ ምስ በጽሐ፡ ንኸልቦም ደራሪዙ፡ ቦርሳኡ ኣብቲ ዚምገቡሉ ሰደቓ ኣንቢሩ፡ ምግቢ ኪቐርበሉ ብሃንቀውታ ኺጽበ ጀመረ።

ኣዲኡ ኣብ ክሽነ እያ ነይራ፣ ማክስ ከም ዝመጸ ምስ ሰምዐት ከኣ፡ ውዑይ ሩዝን ባልደንጓን ኣብ ብያቲ ገይራ ሒዛ መጸት። ቦርሳኡ ኣብቲ ጽሩይ ሰደቓ ኮፍ ኢሉ ምስ ረኣየቶ ግን፡ ገጻ ተቐያየረ። ናብ ወዳ እናጠመተት፡ “ማ—ክስ!” እትብል ቃል ጥራይ ኣውስአት። ወዳ ሓሳባ ተረድኦ፡ ቦርሳኡ ቐልጢፉ ኣልዓሎ፡ ኣእዳዉ ንኺሕጸብ ድማ ተቐላጢፉ ወጸ። ነዊሕ ከይጸንሐ ምግቡ ኺበልዕ ተመልሰ። ብዝገበሮ እናተጣዕሰ፡ ብትሑት ደሃይ፡ “ረሲዐዮ ኣደ። ኣይትሓዝለይ” በላ።

ሓንቲ ሓላዪት ኣደ ኻብ ኵሎም ኣባላት ስድራ ቤታ ምትሕብባር ዜድልያ እኳ እንተ ዀነ፡ ጥዕናን ጽሬትን ስድራ ቤታ ብምሕላው ዝመጸ ብዙሕ ኣበርክቶ ኽትገብር ትኽእል እያ። እዚ ብዛዕባ ማክስ ዚገልጽ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ ጽሬት ቀጻሊ ጻዕሪ ስለ ዚሓትትን ቈልዑ ወትሩ መዘኻኸሪ ኺወሃቦም ስለ ዜድልዮምን፡ ንነዊሕ እዋን ዚቕጽል ስልጠና የድሊ እዩ።

ኣደ ማክስ፡ ምግቢ ብእተፈላለየ መገዲ ኺብከል ከም ዚኽእል ትፈልጥ እያ። ስለዚ ድማ ምግቢ ቕድሚ ምትንካፋ ኣእዳዋ ትሕጸብ፡ እቲ ምግቢ ብሃመማ ኸይብከል እውን ትኸድኖ። ምግቢ ብእተፈላለየ ነገራት ንኸይብከል ብምጥንቃቕን ጽሬት ቤታ ብምሕላውን፡ ካብ ኣናጹን ድድዕን ኪመጽእ ዚኽእል ዝነበረ ብዙሕ ጸገማት ከተወግድ ክኢላ እያ።

ኣደ ማክስ ክሳዕ ክንድዚ ኽትጥንቀቕ ዚድርኻ ሓደ ኣገዳሲ ምኽንያት፡ ንኣምላኽ ከተሐጕሶ ስለ እትደሊ እዩ። ነዚ ምኽንያት እዚ ኽትገልጽ ከላ፡ “ኣምላኽ ቅዱስ ስለ ዝዀነ፡ ህዝቡ ቕዱሳት ኪዀኑ ኸም ዘለዎም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ” በለት። (1 ጴጥሮስ 1:16) ኣስዕብ ኣቢላ ድማ፡ “ቅድስና ምስ ንጽህና ተመሳሳሊ እዩ። ስለዚ፡ ቤተይ ጽሩይ ኪኸውን፡ ስድራ ቤትና እውን ጽሩያት ኪዀኑ እየ ዝደሊ። ልክዕ እዩ፡ እዚ ኪኸውን ዚኽእል፡ ኵሎም ኣባላት ስድራ ቤትና እንተ ሓጊዞምኒ እዩ” በለት።

ምትሕብባር ስድራ ቤት ኣገዳሲ እዩ

ኣደ ማክስ ከም ዝገለጸቶ፡ ሓንቲ ስድራ ቤት ጽሬታ ኽትሕሉ እንተ ዀይና፡ ኵሎም ኣባላታ እጃሞም ኬበርክቱ ኣለዎም። ገሊአን ስድራ ቤታት ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ቤተን እንታይ ከም ዜድልየንን እንታይ ምምሕያሽ ኪገብራ ኸም ዚኽእላን፡ ብሓባር ኮፍ ኢለን ይመያየጣሉ እየን። እዚ ንስድራ ቤት ሓድነት ከም ዚህልዋ ይገብራ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ከኣ እጃሙ የዘኻኽሮ። ንኣብነት፡ ኣደ ነቶም ዓበይቲ ደቃ ሽቓቕ ድሕሪ ምጥቃሞምን ከም ገንዘብ ዝኣመሰለ ነገራት ድሕሪ ምሓዞምን ቅድሚ ምብላዖምን ስለምንታይ ኣእዳዎም ኪሕጸቡ ኸም ዘለዎም ክትገልጸሎም ትኽእል እያ። ንሳቶም እውን ነቶም ካባታቶም ዚንእሱ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ነቲ ጕዳይ ኣርዚኖም ንኺርእይዎ ኺሕግዝዎም ይኽእሉ እዮም።

እቶም ኣባላት ስድራ ቤት ነቲ ዕዮ ቤት ኪመቓቐልዎ ይኽእሉ እዮም። ሓንሳእ ኣብ ሰሙን ንቤቶም ፍዅስ ዝበለ ጽሬት ንኺገብሩን ሓንሳእ ወይ ክልተ ሳዕ ኣብ ዓመት ከኣ ንዅሉ እቲ ኣብ ቤቶም ዘሎ ኣለዓዒሎም ንኼጽርዩን ኪውስኑ ይኽእሉ እዮም። ካብ ቤቶም ወጻኢኸ፧ ስቲዋርት ኤል. ኡዳል ዚበሃል ንተፈጥሮ ብዛዕባ ምዕቃብ ዚጣበቕ ውልቀ-ሰብ፡ ብዛዕባ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኸምዚ በለ፦ “ጽባቐ እናጠፍአ፡ ክፉእ ነገራት እናበዝሐ፡ ቃልዕ ቦታታት እናጸበበ፡ ኣከባቢ ብሓፈሻ ኸኣ እናተበከለን ጫውጫው እናበዝሖን እናተበላሸወን ኣብ ዚኸደላ ዓዲ ኢና እንነብር ዘለና።”

ብዛዕባ ኸባቢኻ ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ድዩ ዘሎካ፧ ከምዚ ሎሚ ኣብ ገሊኡ ኸተማታት ማእከላይ ኣፍሪቃ ዚግበር፡ ቀደም ሓደ ኣዋጂ፡ ዜጋታት ከተማኦም ኬጽርዩ፡ ነቲ ረሳሕ ፈሳሲ ዚኸደሉ ትቦ ዚዓብሶ ነገር ኬውጽኡ፡ ኣእዋም ኪቕምቅሙ፡ ጻህያይ ኪምንቍሱ፡ ጐሓፎም ከኣ ብዚግባእ ኬወግድዎ ብዓብዪ ድምጺ ይነገር ነይሩ።

ጐሓፍ ዚውገደሉ ኣገባብ፡ ዓለምለኻዊ ጸገም ይኸውን ኣሎ፡ ንብዙሓት ሰበ-ስልጣን እውን ሕማም ርእሲ ዀይንዎም ኣሎ። ገሊኡ ምምሕዳራት ከተማ ጐሓፍ ኬወግድ ብዘይምኽኣሉ፡ እቲ ጐሓፍ ኣብ ጐደናታት ይእከብ ኣሎ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ዜጋታት ሓገዝ ኪገብሩ ጻውዒት ይቐርብ ይኸውን። ክርስትያናት ንፉዓት ዜጋታት ከም ምዃኖም መጠን፡ ከየማረሩ ንሕግታት ቄሳር ኣብ ግብሪ ብምውዓል ዝመጸ ቐዳሞት እዮም። (ሮሜ 13:3, 5-7) ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ዝያዳ ኣበርክቶ ንምግባር ፍቓደኛታት እዮም። ጽሩይ ኣከባቢ ኺህልዎም ስለ ዚደልዩ፡ ኣዋጂ ኽሳዕ ዜዘኻኽሮም ከይተጸበዩ ብተበግሶኦም ከባቢኦም የጽርዩ እዮም። ጽሬት፡ ጽቡቕ ስልጠና ኸም እተዋህቦምን ሓላፍነት ከም ዚስምዖምን ዚሕብር ምዃኑ ይርድኡ እዮም። ጽሬት ካብ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብን ካብ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤትን እዩ ዚጅምር። ኣብ ከባቢ ቤት ንጽህናን ጽሬትን ምሕላው፡ ዝሓሸ ጥዕና የምጽእ፡ ኣብቲ ኸባቢ ጽቡቕ ትርኢት ከም ዚህሉ ድማ ይገብር።

ብሕታዊ ጽሬት ነቲ እነምልኾ ኣምላኽ የኽብሮ

ጽሬትን ግቡእ ኣከዳድናን ክፍሊ ኣምልኾና እዩ፡ ንኣቓልቦ ሰባት ከኣ ይስሕብ እዩ። ዳርጋ 15 ዚዀኑ መንእሰያት ኣወዳትን ኣዋልድን ኣብ ቱሉዝ፡ ፈረንሳ፡ ኣብ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ድሕሪ ምክፋሎም፡ ናብ ሓንቲ ቤት ምግቢ ኣተዉ። ኣብታ ቤት ምግቢ፡ ኣብ ጥቓኦም ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብ ሓዳር፡ ወኻዕካዕን ጫውጫውን ኪብሉ ተጸብዮምዎም ነይሮም። ኰይኑ ግን፡ በቲ እቶም ብግቡእ እተኸድኑ መንእሰያት ዘርኣይዎ ስርዓትን ባህ ዜብል ዕላልን ተገረሙ። እቶም መንእሰያት ካብቲ ቤት ምግቢ ኺወጹ ምስ ተንስኡ፡ እቶም ሰብ ሓዳር ስለቲ ጽቡቕ ጠባዮም ነኣድዎም፡ ንሓደ ኻብቶም መንእሰያት ከኣ ኣብዚ ግዜና ኸምዚ ዓይነት ጽቡቕ ኣደብ ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ ኸም ዘይርከብ ነገርዎ።

ናብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚውንንዎ ኣብያተ-ጽሕፈት ጨንፈርን ኣብያተ-ሕትመትን ኣብ ቤትኤል ዚርከብ መንበርን ዚበጽሑ በጻሕቲ፡ መብዛሕትኡ ግዜ በቲ ዚርእይዎ ጽሬት ይድነቑ እዮም። ኣብዚ ቦታታት እዚ ዚሰርሑን ዚነብሩን ወለንተኛታት፡ ጽሩይ ክዳውንቲ ኪኽደኑን ኣዘውቲሮም ኪሕጸቡን ኣለዎም። ዴዶራንትን ጨናመናን ንጽቡቕ ኣካላዊ ጽሬት መተካእታ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። እዞም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዝዀኑ ወለንተኛታት ምሸትን ኣብ ቀዳመ-ሰናብትን ንጐረባብቶም ኪሰብኩ ኸለዉ፡ ጽሬቶም ነቲ ዜብጽሕዎ መልእኽቲ ይድግፎ እዩ።

“ንኣምላኽ ምሰሉ”

ንክርስትያናት፡ “ንኣምላኽ ምሰሉ” ዚብል ምሕጽንታ ተዋሂብዎም ኣሎ። (ኤፌሶን 5:1 ትርጕም 1990) ነብዪ ኢሳይያስ ኣብ ዝረኣዮ ራእይ፡ መላእኽቲ ንፈጣሪ፡ “ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ” ኢሎም ከም ዝገለጽዎ መዝጊቡ ኣሎ። (ኢሳይያስ 6:3) እዚ መግለጺ እዚ ነቲ ብሉጽ ንጽህናን ጽሬትን ኣምላኽ እዩ ዜጕልሕ። ከምኡ ኻብ ኰነ፡ ኣምላኽ ንዅሎም ኣገልገልቱ ቕዱሳት ወይ ንጹሃት ኪዀኑ እዩ ዚደልዮም። “ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ” ድማ ኢልዎም ኣሎ።—1 ጴጥሮስ 1:16

መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት፡ “ግቡእ ክዳውንቲ” ኪኽደኑ እዩ ዜተባብዖም። (1 ጢሞቴዎስ 2:9) ኣብ ራእይ ዮሃንስ፡ “ብን ዝበለ ጻዕዳ ሻሽን ጽሩይ ክዳንን” ንጽድቂ እቶም ኣምላኽ ከም ቅዱሳት ገይሩ ዚርእዮም ከም ዜመልክት ተገሊጹ ምህላዉ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። (ራእይ 19:8) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ሓጢኣት መብዛሕትኡ ግዜ ብርስሓት ተመሲሉ ንረኽቦ።—ምሳሌ 15:26፣ ኢሳይያስ 1:16፣ ያእቆብ 1:27

ሎሚ ዘለዉ ሚልዮናት ሰባት፡ ኣካላውን ስነ-ምግባራውን መንፈሳውን ንጽህናኦም ምሕላው ኣጸጋሚ ኣብ ዝዀነ ቦታ እዮም ዚነብሩ። ኣምላኽ ‘ንዅሉ ምስ ኣሐደሶ፡’ ነዚ ጸገም እዚ ናይ መወዳእታ ፍታሕ ኪገብረሉ እዩ። (ራእይ 21:5) እቲ መብጽዓ እቲ ምስ ተፈጸመ፡ ኵሉ ዓይነት ርስሓትን ርኽሰትን ንሓዋሩ ኺጠፍእ እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ስማት ተቐዪሩ እዩ።

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ሳጹን]

ኣምላኽ ጽሩያት ክንከውን ይደልየና

እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ኣብ ዚጐዓዙሉ ዝነበሩ እዋን፡ ቀልቀሎም ብግቡእ ኬወግዱ መምርሒ ተዋሂብዎም ነበረ። (ዘዳግም 23:12-14) ነቲ ሰፈሮም ኣብ ግምት ምስ እነእትዎ፡ እዚ ተግባር እዚ ቐሊል ኣይነበረን፣ እዚ ግን ካብ ከም ፌራን ሸሮኽን ዝኣመሰለ ሕማማት ከም ዘዕቈቦም ኣየጠራጥርን እዩ።

ነቶም ህዝቢ፡ ዝዀነ ይኹን ምስ ሬሳ እተተናኸፈ ኣቕሓ ኺሓጽብዎ ወይ ክሰባብርዎ ትእዛዝ ተዋሂብዎም ነይሩ። ከምኡ ዚገብሩሉ ምኽንያት እኳ እንተ ዘይተረድኦም፡ በዚ ኸምዚ ግን ካብ ተላጋቢ ሕማማት ኪርሕቁ ኽኢሎም እዮም።—ዘሌዋውያን 11:32-38  

እቶም ካህናት ኣብ ማሕደር ዚገብርዎ ዕዮ ቕድሚ ምፍጻሞም፡ ክልቲኡ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ኪሕጸቡ ነበሮም። ነቲ ንመሕጸቢ ኪኸውን ተባሂሉ እተዳለወ ብኣስራዚ እተሰርሐ ገበራ፡ ማይ ምምላኡ ቐሊል ከይኸውን ይኽእል እዩ፣ ኰይኑ ግን፡ እቶም ካህናት ግድን ኪሕጸቡ ነይርዎም።—ዘጸኣት 30:17-21

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ሳጹን]

ሓደ ሓኪም ዝሃቦ መዘኻኸሪ

ማይ ንህይወት ኣድላዪ እዩ፡ ኰይኑ ግን እተበከለ ማይ ጠንቂ ሕማምን ሞትን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓላፊ ኽፍሊ ሕክምና እታ ኣብ ካመሩን እትርከብ ወደብ ዱዋላ ዝዀነ ዶ/ር ጀፍተ ምባንጒ ሎቤ ኣብ ዝገበሮ ቓለ-መጠይቕ እተወሰነ ግብራዊ ሓሳባት ሂቡ ኣሎ። 

እዚ ሓኪም እዚ፡ “ዜጠራጥር እንተ ዀይኑ፡ እትሰትዮ ማይ ኣፍልሓዮ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ ከምዚ ኢሉ ኣጠንቀቐ፦ “በረኪና ወይ ካልእ ከሚካላት ምጥቃም ዚከኣል እኳ እንተ ዀነ፡ ብግቡእ እንተ ዘይተጠቒምካሉ ግን ሓደገኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምግቢ ቕድሚ ምብላዕካን ሽቓቕ ድሕሪ ምጥቃምካን ወትሩ ኣእዳውካ ብሳሙናን ብማይን ተሓጸብ። ሳሙና ኽቡር ኣይኰነን፡ ንድኻታት እውን ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ኣይኰነን። ክዳውንትኻ ኣዘውቲርካ ሕጸቦ፡ ናይ ቈርበት ጸገም ወይ ሕማም እንተ ኣልዩካ ኸኣ፡ ብውዑይ ማይ ጌርካ ሕጸቦ።”

እቲ ሓኪም ቀጺሉ፡ “ኵሎም ኣባላት ስድራ ቤት፡ ጽሬት ውሽጥን ከባብን ቤቶም ኪሕልዉ ኣለዎም። መብዛሕትኡ ግዜ ሽቓቕን ዓይኒ ምድርን ዕሽሽ ይበሃል እሞ፡ ድድዕን ሃመማን ይስሕብ” በለ። ብዛዕባ ቘልዑ ኸምዚ ዚስዕብ ኢሉ መጠንቀቕታ ሃበ፦ “ኣብ ገዛውትኹም ኣብ ዚርከብ ንእሽቶ ዛራ ኣይትተሓጸቡ። ሓደገኛታት ደቀቕቲ ነፍሳት ዝመልኦ እዩ። ምሸት ቅድሚ ምድቃስኩም ኣብ ቤትኩም ተሓጸቡ፡ ኣስናንኩም መውጹ፡ ኣብ ውሽጢ ንጣንጡ ዚከላኸል ሻሽ ድማ ደቅሱ።” ብሓፈሻኡ፡ ኣቐዲምካ ሕሰብ፡ ስጕምቲ ውሰድ፡ ካብ ሽግር ድማ ርሓቕ እዩ ዚበሃል ዘሎ።

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ክዳውንትኻ ምሕጻብ፡ ናይ ቈርበት ጸገማትን ሕማማትን ንኽትከላኸል የኽእለካ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያናት ብተበግሶኦም ከባቢኦም የጽርዩ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ሓንቲ ሓላዪት ኣደ፡ ጽሬት ስድራ ቤታ ብምሕላው ዝመጸ ብዙሕ ኣበርክቶ ኽትገብር ትኽእል እያ