ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እብራይስጥን ግሪኽኛን ክትመሃር የድልየካ ድዩ፧

እብራይስጥን ግሪኽኛን ክትመሃር የድልየካ ድዩ፧

እብራይስጥን ግሪኽኛን ክትመሃር የድልየካ ድዩ፧

መብዛሕትኡ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ፈለማ ብኽልተ ቛንቋታት፡ ማለት ብእብራይስጥን ብግሪኽኛን እዩ ተጻሒፉ። * እቶም ነዚ ቛንቋታት እዚ ዚጥቀሙ ዝነበሩ ጸሓፍቲ፡ ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ እዮም ዚምርሑ ነይሮም። (2 ሳሙኤል 23:2) ስለዚ፡ እቲ ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ፡ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ” ኺበሃል ይከኣል እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17

ይኹን እምበር፡ ኣብዚ እዋን እዚ መጽሓፍ ቅዱስ ዜንብቡ መብዛሕትኦም ሰባት፡ እብራይስጢ ወይ ግሪኽኛ ኣይፈልጡን እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ናብ ቋንቋኦም እተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስ ኪጥቀሙ ኣለዎም። ንስኻ እውን ከምኡ ኽትገብር የድልየካ ይኸውን። እዚ ትርጕማት እዚ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ስለ ዘይኰነ፡ ‘ነቲ ትርጕማት ብምጥቃም ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ክርድኦ እኽእል ድየ፡ ወይስ እብራይስጥን ግሪኽኛን ክመሃር ኣሎኒ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን።

ኪሕሰበሉ ዘለዎ ረቛሒታት

ነዛ ሕቶ እዚኣ ቕድሚ ምምላስካ፡ ክትሓስበሉ ዘሎካ ሓያሎ ረቛሒታት ኣሎ። ቀዳማይ፡ ንጥንታዊ እብራይስጢ ወይ ግሪኽኛ ምፍላጥ፡ ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብተኣምራዊ መገዲ ኸም እትርድኦ ኣይገብረካን እዩ። የሱስ ነቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ “ናይ ዘለኣለም ህይወት በተን ጽሑፋት እትረኽቡ እናመሰለኩምሲ ትምርምርወን አሎኹም፡ ንሳተን ከኣ ብዛዕባይ እየን ዚምስክራ። ህይወት ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ ናባይ ክትመጹ ኣይትደልዩን ኢኹም” በሎም። (ዮሃንስ 5:39, 40) ጸገሞም እንታይ እዩ ነይሩ፧ እብራይስጢ ስለ ዘይፈልጡ ድዩ፧ ኣይፋሉን፣ ነቲ ቛንቋ እሞ ኣጸቢቖም ይፈልጥዎ ነበሩ። ይኹን እምበር፡ የሱስ ቀጺሉ፡ “ፍቕሪ ኣምላኽ ከም ዜብልኩም ግና እፈልጠኩም አሎኹ” በሎም።—ዮሃንስ 5:42

ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ነቶም ኣብ ጥንታዊት ከተማ ቈረንቶስ ዝነበሩ ግሪኽኛ ዚዛረቡ ክርስትያናት፡ “ኣይሁድ ምልክታት ይልምኑ፡ ጽርኣውያን ድማ ጥበብ ይደልዩ፡ ንሕና ግና ነቲ ንኣይሁድን መዓንቀፊ፡ ነህዛብን ዕሽነት ዝዀነ እተሰቕለ ክርስቶስ ንሰብኽ አሎና” በሎም። (1 ቈረንቶስ 1:22, 23) ስለዚ እምበኣር፡ እብራይስጢ ወይ ግሪኽኛ ምዝራብ ጥራይ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ መልእኽቲ ንኽትቅበል ዚሕግዝ መፍትሕ ኣይኰነን።

እቲ ኻልኣይ ኪሕሰበሉ ዘለዎ ረቛሒ ድማ፡ ሎሚ ዘለዉ ገሊኦም ሰባት ዘመናዊ እብራይስጢ ወይ ግሪኽኛ ይዛረቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ ግን ኣዝዩ እተፈልየ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ መብዛሕትኦም ግሪኽኛ ዚዛረቡ ሰባት፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ ግሪኽኛ ብልክዕ ኪርድእዎ የጸግሞም እዩ። ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ነቲ ናይ ቀደም ዚትክእ ሓድሽ ቃላት ስለ እተወሰኸን ሓያሎ ቐደም ዝነበረ ቓላት ኣብዚ እዋን እዚ እተፈልየ ትርጕም ስለ ዘለዎን እዩ። ንኣብነት፡ እታ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 7:20 ከምኡውን ኣብ እብራውያን 11:23 እትርከብ “ጽቡቕ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል፡ ብዘመናዊ ግሪኽኛ “መስሓቕ” ማለት እያ። ብዘይካዚ፡ ሰዋስውን ኣቃውማ ምሉእ ሓሳባትን ኣጸቢቑ ተቐዪሩ እዩ።

ዘመናዊ እብራይስጢ ወይ ግሪኽኛ እውን እንተ ተመሃርካ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ በቲ ፈለማ እተጻሕፈሉ ቛንቋታት ብትኽክል ክትርድኦ ትኽእል ኢኻ ማለት ኣይኰነን። እዚ ቛንቋታት እዚ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መጻሕፍቲ ኺጸሓፍ ከሎ ብኸመይ ኣብ ጥቕሚ ኸም ዝወዓለ ዚሕብረካ መዝገበ-ቓላት ወይ መጻሕፍቲ ሰዋስው የድልየካ እዩ።

እቲ ሳልሳይ ረቛሒ፡ ሓድሽ ቋንቋ ኽትመሃር ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ኣብ ፈለማ ብኻልእ ቋንቋ ሒደት ሓረጋት ክትመሃር ቀሊል እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ዜመሓላልፎ ትርጕም ንኽትርድኦ ግን ዓመታት ኪወስድ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ እቲ “ሒደት ፍልጠት ሓደገኛ እዩ” ዚብል ጥንታዊ ናይ እንግሊዝኛ ብሂል ኣብዚ ይዓዪ እዩ። ብኸመይ፧

ትርጕም ሓንቲ ቓል ኪፈላለ ይኽእል እዩ

ሓደ ንቛንቋኻ ዚመሃር ዘሎ ሰብ ብዛዕባ ትርጕም ሓንቲ ቓል ሓቲቱካዶ ይፈልጥ፧ ተሓቲትካ ትፈልጥ እንተ ደኣ ዄንካ፡ መልሲ ምሃብ ኵሉ ሳዕ ቀሊል ከም ዘይኰነ ይርድኣካ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ሓንቲ ቓል እተፈላለየ ትርጕም ኪህልዋ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ነታ ቓል ኣብ ሓንቲ ምሉእ ሓሳባት ሰዂዑ ኣብነት ኪህበካ ሓቲትካዮ ትኸውን። ነቲ እታ ቓል ኣትያትሉ ዘላ መገዲ እንተ ዘይተረዲእካዮ፡ ትርጕማ ፈሊኻ ንምንጋር ኬጸግመካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ትርጕም እታ “ጠዓመ” እትብል ናይ ትግርኛ ቓል ተሓቲትካ ትኸውን። እዛ ቓል እዚኣ ከከም ኣተኣታትዋኣ እተፈላለየ ትርጕም ኪህልዋ ይኽእል እዩ። ሓደ ዚብላዕ ወይ ዚስተ ነገር ከም ዝመቀረ ንምሕባር ከተመልክት ትኽእል እያ። ሓደ ሰብ ካብ ሓደ ዚብላዕ ወይ ዚስተ ነገር ቍሩብ ከም ዝጠዓመ ወይ ከም ዝቐመሰ ንምግላጽ እውን ትውዕል እያ። ብዘይካዚ፡ ናብራ ንዝጠዓሞ ወይ ንዝመሸዎ ሰብ እተመልክተሉ ግዜያት ኣሎ። ሕያዋይ ወይ ለዋህ ንዝዀነ ሰብ ንምግላጽ እውን ክንጥቀመላ ንኽእል ኢና። ካብዚ ዅሉ እቲ ቕኑዕ ትርጕማ ኣየናይ እዩ፧

ሓደ መዝገበ-ቓላት እተፈላለየ ትርጕም ሓንቲ ቓል ይህበካ ይኸውን። ገሊኡ መዝገበ-ቓላት እሞ ኸኣ ከከም ኣጠቓቕማኡ ይዝርዝረልካ ይኸውን። ኰይኑ ግን፡ ናይ ሓንቲ ቓል ንጹር ትርጕም ንኽትፈልጥ ዚሕግዘካ፡ እቲ ዝኣተወትሉ መገዲ እዩ። ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፦ ብዛዕባ ሕክምና ብዙሕ ፍልጠት የብልካን ንበል፣ ጠንቂ እቲ ዜጋጥመካ ዘሎ ምልክት ሕማም ንኽትፈልጥ ግን ብዛዕባ ሕክምና ዚገልጽ መዝገበ-ቓላት ትውከስ ትኸውን። እቲ ዚስምዓካ ዘሎ ምልክት ሕማም፡ 90 ሚእታዊት ናይ ሓደ ዓይነት ሕማም ምልክት ከም ዝዀነ፡ 10 ሚእታዊት ከኣ ናይ ካልእ ዓይነት ሕማም ምልክት ከም ዝዀነ ትፈልጥ። ስለዚ፡ ምርመራ ቕድሚ ምግባርካ ዝያዳ ብዛዕባኡ ኽትፈልጥ የድልየካ። ብተመሳሳሊ፡ ሓንቲ ቓል ኣብ 90 እተፈላለየ ኣብነታት ሓደ ዓይነት ትርጕም ኪህልዋ ይኽእል እዩ፣ ኰይኑ ግን፡ ካልኣይ ትርጕም እታ ቓል ዚጥቀም ኣገዳሲ ጽሑፍ ተንብብ እንተ ኣሊኻ፡ በቲ ቐዳማይ ትርጕማ ጥራይ ኪርድኣካ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ፡ እታ ቓል ምእንቲ ኽትርድኣካ ነቲ ኣብ ከባቢኣ ዘሎ ሓሳባት ኣጸቢቕካ ኽትፈልጦ ኣሎካ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ቃላት ከተጽንዕ ከለኻ እውን፡ ነቲ ዝኣተወሉ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሓሳባት ክትፈልጦ ኣሎካ። ንኣብነት፡ እተን መብዛሕትኡ እዋን “መንፈስ” ተባሂለን ዚትርጐማ በዅሪ ቓላት፡ ከከም ኣተኣታትዋአን እተፈላለየ ትርጕም ኪህልወን ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ “ንፋስ” ተባሂለን ብልክዕ ኪትርጐማ ይኽእላ እየን። (ዘጸኣት 10:13፣ ዮሃንስ 3:8) ኣብ ካልእ ቦታ ድማ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሰባት ይኹን እንስሳታት ዚርከብ ሓይሊ ህይወት ኬመልክታ ይኽእላ እየን። (ዘፍጥረት 7:22፣ መዝሙር 104:29፣ ያእቆብ 2:26) ብዓይኒ ዘይርኣዩ ሰማያውያን ፍጡራት እውን ከም መናፍስቲ ጌርካ ተገሊጾም ኣለዉ። (1 ነገስት 22:21, 22፣ ማቴዎስ 8:16) ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ እውን መንፈስ ቅዱስ ተባሂሉ ኣሎ። (ዘፍጥረት 1:2፣ ማቴዎስ 12:28) ሓደ ሰብ ገለ ዓይነት ኣረኣእያ፡ ጠባይ፡ ወይ ስምዒት ከም ዚስምዖ ዚገብር ሓይሊ ኸምኡውን ጕጅለ ሰባት ዜንጸባርቕዎ ዝንባለ ምዃኑ እውን ተገሊጹ ኣሎ።—እያሱ 2:11፣ ገላትያ 6:18

መዝገበ-ቓላት እብራይስጢ ወይ ግሪኽኛ ነዚ እተፈላለየ ትርጕማት ዚዝርዝር እኳ እንተ ዀነ፡ ኣየናይ ትርጕም ግቡእ ከም ዝዀነ ንኽትውስን ዚሕግዘካ ግን እቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሓሳባት እዩ። * ንመጽሓፍ ቅዱስ በቲ በዅሪ ቛንቋ ዀነ ብቛንቋኻ ኸተንብቦ ኸለኻ እዚ ሓሳብ እዚ ሓቅነት ኣለዎ።

እተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስ ምጥቃም ጌጋ ድዩ፧

ገሊኦም ሰባት ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ እብራይስጢ ወይ ግሪኽኛ ወይ ከኣ ንኽልቲኡ ኺመሃሩ ብዙሕ ጽዒሮም እዮም። ምሉእ ብምሉእ ኪርድእዎ እኳ እንተ ዘይከኣሉ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ በቲ ፈለማ እተጻሕፈሉ ቛንቋ ምንባብ ባህ እዩ ዚብሎም፣ እቲ ዚገብርዎ ጻዕሪ ኸኣ ዚኽሕስ ኰይኑ እዩ ዚስምዖም። ይኹን እምበር፡ ከምኡ ኽትገብር ብዘይ ምኽኣልካ ተስፋ ብምቝራጽ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ንምርካብ እትገብሮ ጻዕሪ ኸተቋርጾ ኣሎካ ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን። ከምኡ ዘይትገብረሉ ሓያሎ ምኽንያታት ኣሎ።

ቀዳማይ፡ እተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስ ምጥቃም ግቡእ እዩ። ጸሓፍቲ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ (ብልምዲ ሓድሽ ኪዳን ዚበሃል) እውን እንተ ዀኑ፡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኺጠቕሱ ኸለዉ፡ መብዛሕትኡ እዋን ናብ ግሪኽኛ ኻብ እተተርጐመ ጽሑፍ እዮም ዚወስዱ ነይሮም። * (መዝሙር 40:6፣ እብራውያን 10:5, 6) እብራይስጢ ኺዛረቡን ካብቲ በዅሪ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኺጠቕሱን ይኽእሉ እኳ እንተ ነበሩ፡ ነቲ ኣብ እተተርጐመ ጽሑፍ ዚርከብ ጥቕስታት ኪጥቀሙ መረጹ፣ ኣንበብቶም ከኣ ነዚ ጽሑፍ እዚ ብቐሊሉ ኺረኽብዎ ይኽእሉ ነበሩ።—ዘፍጥረት 12:3፣ ገላትያ 3:8

ካልኣይ፡ ሓደ ሰብ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ ቛንቋታት እኳ እንተ ተረድኦ፡ ንቓላት የሱስ ብእተተርጐመ ቛንቋ ጥራይ እዩ ኼንብቦ ዚኽእል። ከምዚ ዚዀነሉ ምኽንያት፡ ጸሓፍቲ ወንጌላት ነቲ የሱስ ብእብራይስጢ እተዛረቦ ብግሪኽኛ ስለ ዝጸሓፍዎ እዩ። * ንቓላት እቶም ብግዜ ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ በቲ በዅሪ ቛንቋ ምንባብ ገለ ዓይነት ፍሉይ ጥበብ ከም ዚህብ ገይሩ ዚሓስብ ሰብ፡ እንታይ ዚብል መልእኽቲ ኸም ዜመሓላልፍ ኪርዳእ ኣለዎ። የሆዋ ነቲ ዝዓበየ ኣገልጋሊኡ እተዛረቦ ቓላት፡ በቲ ሽዑ ብሰፊሑ ዚዕየየሉ ዝነበረ ቛንቋ ተተርጒሙ ብመንፈሱ ኸም ዚዕቀብ ምግባሩ፡ እቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ እነንብበሉ ቛንቋ ኣገዳሲ ኸም ዘይኰነ ዜርኢ እዩ። እቲ ቐንዲ ዜገድስ፡ እቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ መልእኽቲ ምእንቲ ኽትንክፈና ብእንርድኦ ቛንቋ ምንባብና እዩ።

ሳልሳይ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ “ወንጌል” ወይ ብስራት “ንዅሎም [ትሑታት] ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን” እዩ ዚስበኽ። (ራእይ 14:6፣ ሉቃስ 10:21፣ 1 ቈረንቶስ 1:27-29) ምስዚ ብዚሰማማዕ መገዲ፡ ሎሚ ዘለዉ ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ካልእ ቋንቋ ኺመሃሩ ኸየድለዮም፡ ካብቲ ብቛንቋኦም እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽ ኪመሃሩ ይኽእሉ እዮም። ብእተፈላለየ ቛንቋታት እተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዘሎ፡ ሓደ ኣንባቢ ዝደለዮ ኺመርጽ ይኽእል እዩ። *

ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ኸም እተረዳእካዮ ኸተረጋግጽ እትኽእል ደኣ እሞ ብኸመይ ኢኻ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መልእኽቲ ንምርዳእ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ በብኣርእስቲ ጌርካ ምጽናዕ ሓጋዚ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም። ንኣብነት፡ ከም “መውስቦ” ዝኣመሰለ ሓደ ኣርእስቲ ብምውሳድ፡ ነቲ ንዕኡ ዚምልከት ጥቕስታት ይምርምርዎ። በዚ ኸምዚ ሓደ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኻልእ ንኺገልጾ ይፈቕዱሉ። ንምንታይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብናጻ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ዘይትገብር፧ እትዛረቦ ቛንቋ ብዘየገድስ፡ ኣምላኽ፡ “ኵሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ” እዩ ዚደሊ።—1 ጢሞቴዎስ 2:4፣ ራእይ 7:9

[እግረ-ጽሑፋት]

^ ሕ.ጽ. 2 ገሊኡ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ብኣረማይስጢ እዩ ተጻሒፉ፣ እዚ ቛንቋ እዚ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ እብራይስጢ ይመሳሰል እዩ። በዚ ቛንቋ እዚ እተጻሕፈ ገለ ኣብነታት ኣብ እዝራ 4:8 ኽሳዕ 6:18፣ 7:12-26፣ ኣብ ኤርምያስ 10:11፣ ከምኡውን ኣብ ዳንኤል 2:4ለ ኽሳዕ 7:28 ይርከብ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 14 ገሊኡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ-ቓላት፡ ኣብ ክንዲ ንትርጕም ሓንቲ ቓል ዚገልጽ፡ ኣብ ከም ኪንግ ጀምስ ቨርሽን ዝኣመሰለ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እተዓየየላ ጥራይ እዩ ዚጠቅስ።

^ ሕ.ጽ. 17 ብግዜ የሱስ ክርስቶስን ሃዋርያቱን ብምሉኡ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ናብ ግሪኽኛ ተተርጒሙ ነበረ። እዚ ኸኣ ትርጕም ሰብዓ ሊቃናት ተባሂሉ ተጸውዐ፣ እቶም ግሪኽኛ ዚዛረቡ ኣይሁድ ድማ ብሰፊሑ ይጥቀሙሉ ነበሩ። መብዛሕትኡ ኻብቲ ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ዚርከብ ብቐጥታ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እተወስደ ብኣማእታት ዚቝጸር ጥቕስታት፡ ካብ ትርጕም ሰብዓ ሊቃናት እተወስደ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 18 ሃዋርያ ማቴዎስ ንወንጌል ማቴዎስ ፈለማ ብእብራይስጢ ኸም ዝጸሓፋ እዩ ዚእመን። ይኹን እምበር፡ ዋላ እውን ኣብ ፈለማ ብእብራይስጢ ትጸሓፍ፡ እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዚርከብ ግን ናብ ግሪኽኛ እተተርጐመ ጽሑፍ እዩ፣ እዚ ኸኣ ምናልባት ማቴዎስ ባዕሉ ዘዳለዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

^ ሕ.ጽ. 19 ብዛዕባ እተፈላለየ ዓይነት ኣተራጕማን ብኸመይ ቅኑዕ ትርጕም ክትመርጽ ከም እትኽእልን ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ነታ ኣብ ናይ 1 ግንቦት 2008 ሕታም እዛ መጽሔት ዝወጸት “ጽቡቕ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ክትመርጽ ትኽእል፧” እትብል ዓንቀጽ ርአ።

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ትርጕም ሰብዓ ሊቃናት

ብግዜ የሱስን ሃዋርያቱን ዝነበሩ ግሪኽኛ ዚዛረቡ ኣይሁድ ንትርጕም ሰብዓ ሊቃናት ብሰፊሑ ይጥቀሙሉ ነበሩ። እዚ ትርጕም እዚ ናብ ግሪኽኛ እተተርጐመ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዝሓዘ እዩ። ካብ ካልእ ፍሉይ ዚገብሮ ኸኣ፡ ንቕዱሳት ጽሑፋት ናብ ካልእ ቋንቋ ንምትርጓም እተገብረ ናይ መጀመርታ ፈተነ ብምዃኑ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ዕዮ ምትርጓም እተኻፈሉ ሰባት ኣዝዮም ብዙሓት ብምዃኖም እውን እዩ። ኣብ ሳልሳይ ዘመን ቅ.ክ. ጕጅለ ተርጐምቲ ነቲ ዕዮ ጀመርዎ፣ ሚእቲ ዓመት ጸኒሑ ኸኣ ካልኦት ጕጅለ ዛዘምዎ።

ቀዳሞት ክርስትያናት፡ የሱስ እቲ ተስፋ እተገብረሉ መሲሕ ወይ ክርስቶስ ምዃኑ መርትዖ ንምቕራብ ብኡንብኡ ነቲ ትርጕም ሰብዓ ሊቃናት ኪጥቀሙሉ ጀመሩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ውጽኢታውያን ስለ ዝነበሩ፡ ገሊኦም ሰባት ንትርጕም ሰብዓ ሊቃናት ከም ናይ “ክርስትያናት” ትርጕም ገይሮም ይርእይዎ ነበሩ። እዚ ኸኣ ኣብ መንጎ ኣይሁድ ተፈላጥነቱ ኸም ዚስእንን ካልእ ሓያሎ ትርጕማት ግሪኽኛ ኸም ዚዳሎን ገበረ። ሓደ ኻብዚ ትርጕማት፡ እቲ ኣብ መበል ካልኣይ ዘመን ድ.ክ. በቲ ናብ ኣይሁድነት እተቐየረ ኣኪላ ዚበሃል ሰብ እተዳለወ እዩ። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር፡ ኣብዚ ትርጕም እዚ “ፈጺምካ ዘይትጽበዮ ነገር” ከም ዘሎ ገለጸ። ኣብ ሓያሎ እቲ ኣኪላ ዘዳለዎ ናይ ግሪኽኛ ትርጕም፡ በተን ጥንታዎት ፊደላት እብራይስጢ እተጻሕፈ “የሆዋ” ዚብል መለኮታዊ ስም ኣሎ።

[ምንጪ ስእሊ]

Israel Antiquities Authority

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ነቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብእንርድኦን ኣብ ግብሪ ብእነውዕሎን መገዲ ምንባብና ኣገዳሲ እዩ