ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ናብ ዓወት ዚመርሓና” ኺብል ከሎ እንታይ እዩ ኣብ ኣእምሮኡ ሒዙ ነይሩ፧

ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ነቲ ብክርስቶስ ኵሉ ሳዕ ናብ ዓወት ዚመርሓና፡ ብኣናውን መኣዛ ፍልጠቱ ኣብ ኵሉ ቦታ ዚገልጽ ኣምላኽ፡ ስብሓት ይኹኖ። ማለት፤ ኣብ ማእከል እቶም ዚድሕኑን እቶም ዚጠፍኡን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ መኣዛ ክርስቶስ ኢና፡ ነዚኣቶም ካብ ሞት ናብ ሞት፡ ነቲኣቶም ግና ካብ ህይወት ናብ ህይወት ዜብጽሕ ሽታ ኢና።”—2 ቈረንቶስ 2:14-16

ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ነቲ ሮማውያን ንጸላእቲ መንግስቲ ንዝሰዓረ ዕዉት ጀነራል ኬኽብሩ ኢሎም ብልምዲ ዚገብርዎ ዝነበሩ ዓጀባ እዩ ኣብ ኣእምሮኡ ሒዙ ነይሩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት፡ እቲ ዕዉት ጀነራልን ሰራዊቱን ክብሪ ኺወሃቦም ከሎ፡ ኵሉ እቲ እተማረኸ ነገራትን ኵሎም እሱራትን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ይቐርቡ፡ ኣብዑር ከኣ ንመስዋእቲ ይዅብከቡ ነበሩ። እቲ ዓጀባ ኺዛዘም ከሎ፡ እቶም ኣብዑር ይሕረዱ፡ መብዛሕትኦም እሱራት ከኣ ይቕተሉ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

ብመሰረት ዘ ኢንተርናሽናል ስታንዳርድ ባይብል ኢንሳይክሎፔድያ፡ እቲ ንገሊኦም ህይወት ንገሊኦም ከኣ ሞት ዜመልክት “መኣዛ ክርስቶስ” ዚብል ምሳልያዊ ኣዘራርባ፡ “ካብቲ ሮማውያን ዓጀባ ኺገብሩ ኸለዉ ብልምዲ ዜዘውትርዎ ዝነበሩ ዕጣን ናይ ምንዳድ ተግባር እተወሰደ ኪኸውን ይኽእል እዩ።” ብዘይካዚ፡ “እቲ ንዓወት እቶም ሰዓርቲ ዜመልክት መኣዛ፡ ነቶም ምሩኻት ብዛዕባ እቲ ዚጽበዮም ሞት የዘኻኽሮም ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።” a

ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብተደጋጋሚ ዚጥቀስ “በረኽቲ ቦታ” እንታይ እዩ፧

የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ ናብ ምድሪ ተስፋ ቐቅድሚ ምእታዎም ንዅሉ ቦታታት ኣምልኾ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ከነኣናውያን ኬወግድዎ ነገሮም። “ኵሉ ምስልታቶም ሰባብሩ፡ ኵሉ ዝፈሰሰ ምስልታቶም ድማ ሰባብሩ፡ ኵሉ በረኽቲ ቦታኦም ኣፍርሱ” ኢሉ ኣዘዞም። (ዘሁልቍ 33:52) እዚ ማእከል ናይ ሓሶት ኣምልኾ እዚ፡ ቅሉዕ ዝዀነ በረኽቲ ቦታታት፡ ወይ ከኣ ኣብ ከም ትሕቲ ኣግራብ ወይ ኣብ ከተማታት እተሃንጸ መድረኽ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (1 ነገስት 14:23፣ 2 ነገስት 17:29፣ ህዝቅኤል 6:3) ብመሰውኢታትን ቅዱስ ኣዕኑድን ምስልታትን መዕጠንን ብኻልእ ነገራትን እውን ዝመልአ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

እስራኤላውያን፡ እታ ኣብ የሩሳሌም እትርከብ ቤተ መቕደስ ቅድሚ ምህናጻ፡ ኣብቲ ቕዱሳት ጽሑፋት በረኽቲ ኢሉ ዚጽውዖ ቕቡል ቦታታት እዮም ንየሆዋ ዜምልኽዎ ነይሮም። እቲ ነብዪ ኣምላኽ ዝነበረ ሳሙኤል፡ ኣብ ምድሪ ጹፍ ኣብ እትርከብ ስማ ዘይተጠቕሰ ኸተማ፡ ናብ “በሪኽ” ደይቡ መስዋእቲ ኣቕሪቡ እዩ። (1 ሳሙኤል 9:11-14) እታ ቤተ መቕደስ ምስ ተሃንጸት ግን፡ ንየሆዋ እሙናት ዝዀኑ ሓያሎ ነገስታት፡ ኣብታ ምድሪ ንዝነበረ “በረኽቲ” ቦታታት ኬወግዱ ጻዕሪ ገይሮም እዮም።—2 ነገስት 21:3፣ 23:5-8, 15-20፣ 2 ዜና መዋእል 17:1, 6

[እግረ-ጽሑፍ]

a እቲ ጳውሎስ እተጠቕመሉ ምሳሌ እንታይ መንፈሳዊ ትርጕም ከም ዘለዎ ንኽትርዳእ፡ ናይ 15 ሕዳር 1990 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ)፡ ኣብ ገጽ 27 ርአ።

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ሮማውያን ናይ ዓወት ዓጀባ ኺገብሩ ኸለዉ ብኸፊል ዜርኢ ቕርጺ፡ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ.

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Photograph taken by courtesy of the British Museum

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ጌዘር ዚርከብ ፍርስራስ ቅዱስ ኣዕኑድ