ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብልሽውና—ኽሳዕ ክንደይ እዩ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ፧

ብልሽውና—ኽሳዕ ክንደይ እዩ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ፧

“ትካልና ንሓደ መንግስታዊ ኣካል ኣገልግሎት ይህብ እዩ። መብዛሕትኡ እዋን፡ ነቲ እንህቦ ኣገልግሎት፡ ክልተ ወይ ሰለስተ ወርሒ ምስ ተጸበና እዩ ዚኽፈለና። ኣብ ቀረባ እዋን ግና፡ ሓደ ሰራሕተኛ መንግስቲ ደወለለይ። ካብቲ ዚኽፈለና ገንዘብ ጉቦ እንተ ሂብናዮ፡ ቀልጢፉ ኸም ዚኽፈለና ኺገብር ከም ዚኽእል ድማ ነገረኒ።”​—ጆን። a

ግዳይ ብልሽውና ዄንካዶ ትፈልጥ፧ ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ዓይነት ኵነታት እኳ እንተ ዘየጋጠመካ፡ ግዳይ ብልሽውና ዄንካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።

ብ2011 ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል ዚብሃል ትካል፡ መሐበሪ ደረጃ ብልሽውና b ኣውጺኡ ነበረ፣ “ብመሰረት እቲ ኻብ 0 (ኣዝዩ ብልሹው) ኽሳዕ 10 (ካብ ብልሽውና ናጻ) ኣብ ዘሎ መለክዒ ተመርኲስካ ኣብ 183 ሃገራትን ዞባታትን እተገብረ መጽናዕቲ፡ መብዛሕትኡ ሃገራትን ዞባታትን ትሕቲ ሓሙሽተ እዩ ዚርከብ።” ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል ቅድሚ ኽልተ ዓመት ብ2009 ኣብ ዘውጽኦ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ ብልሽውና ኣብ መላእ ዓለም ልሙድ ኰይኑ ኸም ዘሎ ገለጸ፣ “ኣብዛ ዓለም እዚኣ፡ ካብ ብልሽውና ናጻ ዝዀነ ዞባ ፈጺሙ የለን” ድማ በለ።

“ብልሽውና ኺብሃል ከሎ፡ ንውልቃዊ ጥቕምኻ ኢልካ ነቲ እተዋህበካ ስልጣን ብዘይ ግቡእ ምጥቃም ማለት እዩ። እዚ ተግባር እዚ፡ ነቶም ህይወቶም፡ ናብራኦም፡ ወይ ሓጐሶም ኣብ ሓቅነት ሰበ ስልጣን ዚምርኰስ ሰባት ይጐድኦም እዩ።”​—ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል

ሓድሓደ ግዜ፡ ሳዕቤን ብልሽውና ኣዝዩ ጐዳኢ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ መጽሔት ታይም ከም ዝገለጸቶ፡ ጠንቂ እቲ ብዙሓት ሰባት ዝሞቱሉ ብ2010 ኣብ ሀይቲ ዘጋጠመ ሓያል ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ብእተወሰነ ደረጃ ብሰንኪ “ብልሽውናን ሸለልትነትን” እዩ ነይሩ። እታ መጽሔት ኣስዕብ ኣቢላ፡ “ነቶም ብመንግስቲ ዚሽየሙ ተቘጻጸርቲ ብዙሕ ጉቦ ስለ ዚውሃቦም፡ ብመሃንድሳት ዘይተነድፈ ህንጻታት እዩ ዚስራሕ” በለት።

ንብልሽውና ምሉእ ብምሉእ ከተጥፍኦ ይከኣል ደዀን ይኸውን፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ፡ ፈለማ ንመሰረታዊ ጠንቂ ብልሽውና ኽንፈልጦ ኣሎና። ነዚ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንምርምሮ ኢና።

a ስም ተቐዪሩ እዩ።

b “መሐበሪ ደረጃ ብልሽውና፡ ኣብቲ ኣብ ህዝባዊ ጨንፈር ሃገራት ዚርአ መጠን ብልሽውና ተመርኲሱ እዩ ደረጃ ዜትሕዝ።”—ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል።