ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብ ዓለም ሰላም ዘይተረኽበ ስለምንታይ እዩ፧

ንልቢ ሰባት ክትቅይር እትኽእል መንግስቲ ጥራይ እያ ኣብ ዓለም ሰላም ከተምጽእ እትኽእል

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ክልተ ቐንዲ ምኽንያት ተጠቒሱ ኣሎ። ቀዳማይ፡ ሰባት ዜደንቕ ነገራት እኳ እንተ ገበሩ፡ ስጕምቶም ኬቕንዑ ኸም ዚኽእሉ ዀይኖም ኣይተፈጥሩን። ካልኣይ፡ ‘ብዘላ ዓለም ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ እኩይ’ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ‘ብምህላዋ፡’ ሰባት ዚውጥንዎ ውጥን ይፈሽል እዩ። ስለዚ፡ ደቂ ሰብ ብጻዕሮም ኣብ ዓለም ሰላም ኬምጽኡ ኣይከኣሉን።—ኤርምያስ 10:23፣ 1 ዮሃንስ 5:19 ኣንብብ።

ኣብ ዓለም ሰላም ኪርከብ ዘይከኣለሉ ኻልእ ምኽንያት ከኣ፡ ሰባት ብዛዕባ ርእሶም ጥራይ ዚሓስቡን ንስልጣን ዚሃርፉን ምዃኖም እዩ። ስለዚ፡ ንሰባት ቅኑዕ ዘበለ ንኼፍቅሩን ንሓድሕዶም ንኺተሓላለዩን ክትምህር እትኽእል ዓለምለኻዊት መንግስቲ ጥራይ እያ ኣብ ዓለም ሰላም ከተምጽእ እትኽእል።—ኢሳይያስ 32:17፣ 48:18, 22 ኣንብብ።

ኣብ ምድሪ ሰላም ዜስፍን መን እዩ፧

እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ሓንቲ ንዅሎም ደቂ ሰብ እትገዝእ መንግስቲ ኸም ዚምስርት ተመባጺዑ እዩ። ንሳ ንዅለን መንግስታት ደቂ ሰብ ክትትክአን እያ። (ዳንኤል 2:44) እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ፡ ከም መስፍን ሰላም ኰይኑ ኺገዝእ እዩ። ንሱ ኻብ ኵላ ምድሪ እከይ ኬወግድ፡ ንሰባት ከኣ መገዲ ሰላም ኪምህሮም እዩ።—ኢሳይያስ 9:6, 7፣ 11:4, 9 ኣንብብ።

ዛጊት፡ ኣብ መላእ ዓለም ዚነብሩ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ብየሱስ ተመሪሖም፡ ንሰባት ምስ ካልኦት ብሰላም ንኺነብሩ በቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ገይሮም ይምህርዎም ኣለዉ። ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኸኣ፡ ኣብ ዓለም ሰላም ኪሰፍን እዩ።—ኢሳይያስ 2:3, 4፣ 54:13 ኣንብብ።