ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንገንዘብ ብዚምልከት ክትኣምና እትኽእል ሃይማኖት ኣላዶ፧

ንገንዘብ ብዚምልከት ክትኣምና እትኽእል ሃይማኖት ኣላዶ፧

ብዙሓት ቈልዑ ዘለውዋ፡ ኣዘውቲራ ድማ ቤተ ክርስትያን እትኸይድ ኤስተል ዝስማ * ኣደ፡ “ንቐሸይ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ክመሃር ከም ዝደሊ ነገርክዎ” በለት። ንሱ ግና ንኺምህራ ፍቓደኛ ኣይኰነን። ኣብ መወዳእታ፡ ናብ ቤተ ክርስትያን ምኻድ ኣቋረጸቶ። ከምዚ ድማ በለት፦ “እቶም ሓለፍቲ እታ ቤተ ክርስትያን፡ ክመጽእ እንተ ዘይክኢለ፡ ገንዘብ ጥራይ ክሰድደሎም፡ ብጽሑፍ ሓበሩኒ። ‘ናብ ቤተ ክርስትያን ምኻደይ ኣየገድሶምን እዩ፣ ገንዘበይ ጥራይ እዮም ዚደልዩ’ ኢለ ኸኣ ሓሰብኩ።”

ወትሩ ውፍይቲ ሃይማኖታዊት ዝዀነት ኣንጀሊና፡ ከምዚ በለት፦ “ኣብ ቤተ ክርስትያነይ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣምልኾ ሰለስተ ግዜ እዮም መአከብ ገንዘብ ዜዙሩ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዚዞረሉ እዋን ከኣ ክንህብ ትጽቢት ይግበረልና እዩ። ወትሩ እዮም ገንዘብ ዚሓትቱ። ስለዚ፡ ‘መንፈስ ኣምላኽ የብሎምን’ ኢለ ሓሰብኩ።”

ኣብ ከባቢኻ ዘለዋ ሃይማኖታት ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ገንዘብ ንኺረኽባ ጸቕጢ ይገብራ ድየን፧ እዚ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ይሰማማዕ ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህር፧

እቲ ክርስትና ዝመስረተ የሱስ፡ “ብናጻ ተቐቢልኩም ኢኹም እሞ፡ ብናጻ ሃቡ” በለ። (ማቴዎስ 10:8) መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዋጋ ዚሽነን ኣይኰነን፣ ንዝደለየ ዘበለ ከኣ ኪውሃቦ ኣለዎ።

እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ንወጻኢታት ጉባኤ ብኸመይ እዮም ዚሽፍንዎ ነይሮም፧

ነፍሲ ወከፎም ነቲ፡ “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሓለኖ ይሃብ” ዚብል መምርሒ ይስዕቡ ነበሩ። (2 ቈረንቶስ 9:7) ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ኣሕዋተየ፡ ነቲ ጻዕርናን ልፍዓትናንሲ ትዝክርዎ ኢኹም። ብስራት ኣምላኽ ክንሰብከልኩም ከለና፡ ንሓደ ኻባኻትኩም እኳ ጾር ከይንኸውን ኢልና፡ ለይትን መዓልትን ንዓዪ ነበርና” በለ። (1 ተሰሎንቄ 2:9) ጳውሎስ፡ ድንኳን እናሰፈየ ርእሱ ኽኢሉ የገልግል ነበረ።—ግብሪ ሃዋርያት 18:2, 3

ናይ የሆዋ መሰኻኽር በዚ መዳይ እዚ ኸመይ እዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ተባሂሉ ኣብ ዚጽዋዕ መጠነኛ ህንጻታት እዮም ዚእከቡ። ወጻኢታቶምከ ብኸመይ እዩ ዚሽፈን፧ ኣቕሓ እናዞሩ ወይ ከኣ ሰታሪት ብምልኣኽ ገንዘብ ኣይእክቡን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኵሎም እቶም ንመንፈሳዊ መደብ ዜማስዉሉ ሰባት ንገንዘቦም ብሜላ ኣብቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዘሎ ሳጹን ኬንብሩ ይኽእሉ እዮም።

ሓንቲ ሃይማኖት ብኸመይ እያ ኽትምወል ዚግባእ፧

እዛ መጽሔት እዚኣ ንኽትሕተምን ንኽትለኣኽን፡ ገንዘብ ከም ዚሓትት ፍሉጥ እዩ። ይኹን እምበር፡ ገንዘብ ንምእካብ ተባሂሉ ዚግበር ንግዳዊ መዋዓውዒ ወይ ልመና የለን። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንምዝርጋሕ እዩ ኣተኵሮ ዚግበር።

እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚኽተልዎ ስርዓት፡ ምስቲ የሱስ እተዛረቦ ቓላትን ምስቲ ቐዳሞት ክርስትያናት ዝገደፍዎ ኣብነትን ዚሰማማዕዶ ይመስለካ፧

^ ሕ.ጽ. 2 ኣብዚ ተኸታታሊ ዓንቀጻት ዘሎ ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።