ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ

‘ብግብሪ ጸደቐት’

‘ብግብሪ ጸደቐት’

ብርሃን ወጋሕታ ኣብቲ ንያሪኮ ኸቢብዋ ዚርከብ ጐላጉል ኪርአ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ረሃብ ብመስኰት ኣማዕድያ ትርኢ ነበረት። ኣብቲ ሜዳ፡ እቶም ንያሪኮ ኺወሩዋ ዝመጹ ሰራዊት እስራኤል ተኣኪቦም ነበሩ። ነታ ኸተማ ኺዞሩዋ ምስ ጀመሩ ድማ፡ ዶሮና በዀዅ ኪብልን እቲ ዓው ዝበለ ድምጺ ቐርኒ መለኸት ኪስማዕን ጀመረ።

ረሃብ ኣብ ያሪኮ እያ እትነብር ነይራ፣ ነቲ ኣብ ያሪኮ ዝነበረ ጐደናታትን ኣባይትን ሰብ ዝበዝሖ ዕዳጋታትን ሹቓትን እውን ትፈልጦ እያ። ብዝበለጸ ድማ ነቶም ተቐማጦ ትፈልጦም እያ። እስራኤላውያን ፍልይ ዝበለ ነገር ኪገብሩ ኸለዉ፡ ማለት ንኸተማ ያሪኮ ሓንሳእ ኣብ መዓልቲ ኺዞሩዋ ኸለዉን ከምኡ ዚገብሩሉ መዓልትታት ኪውስኽ ከሎን፡ ፍርሂ ተቐማጦ ያሪኮ ማዕሪኡ ይውስኽ ነበረ። ረሃብ ግና በቲ ኣብ ጐደናታትን ኣደባባያትን ያሪኮ ዚስማዕ ዝነበረ ቐርኒ መለኸት እስራኤላውያን ብፍርሂ ኣይተዋሕጠትን።

ረሃብ፡ ሰራዊት እስራኤል በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኣንጊሆም ምረሻኦም ኪጅምሩ ኸለዉ ረኣየቶም። ኣብ መንጎ ወተሃደራት እስራኤላውያን ድማ፡ መለኸት ዚነፍሑን ነቲ ንህላወ የሆዋ ኣምላኽ ዜመልክት ቅዱስ ታቦት ዝጾሩን ካህናት ነበሩ። ረሃብ ነቲ ኣብ መስኰት ቤታ ተንጠልጢሉ ዝነበረ ቐይሕ ገመድ ሒዛቶ ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ፣ ቤታ ድማ ኣብቲ ዓብዪ መካበብያ መንደቕ ያሪኮ እያ ነይራ። እታ ገመድ፡ ረሃብን ስድራ ቤታን ካብ ጥፍኣት ከተማ ያሪኮ ኸም ዚድሕኑ እተተስፉ እያ ነይራ። እሞኸ ረሃብ ከዳዕ ድያ ነይራ፧ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸምኡ ኣይነበረትን፣ ከመይሲ፡ ንሱ፡ እተደንቕ እምነት ከም ዘላታ ሰበይቲ ገይሩ እዩ ዚርእያ ነይሩ። ናብ መጀመርታ ዛንታ ረሃብ ምልስ ኢልና፡ ካብኣ እንታይ ክንመሃር ከም እንኽእል እስከ ንርአ።

ረሃብ ዝስማ ኣመንዝራ

ረሃብ ኣመንዝራ እያ ነይራ። እዚ ዜገርም ሓቂ እዚ ንገሊኦም ወሃብቲ ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ ኣመና ስለ ዜሰክፎም፡ ከም ኣካያዲት መዕረፍ ኣጋይሽ ገይሮም እዮም ዚጠቕስዋ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ ንጹርን ዘየማትእን ሓበሬታ እዩ ዚህብ። (እያሱ 2:1፣ እብራውያን 11:31፣ ያእቆብ 2:25) ኣብ ሕብረተ ሰብ ከነኣን፡ ስራሕ ረሃብ ምናልባት ቅቡል ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣመንዝራ ምዃን ኣብ ባህሊ ከነኣን ቅቡል ይንበር ብዘየገድስ፡ ነቲ የሆዋ ንዅላትና፡ እንተላይ ንረሃብ ዝሃባ ሕልና ንምጥሓስ ከም መመኽነይታ ኪቐርብ ኣይክእልን እዩ። (ሮሜ 2:14, 15) ምናልባት ረሃብ፡ ናብራኣ ዜሕስር ምዃኑ ተገንዚባ ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። ከምተን ሎሚ ዘለዋ ብተመሳሳሊ ዓይነት ስራሕ ዚመሓደራ ደቂ ኣንስትዮ፡ ንስድራ ቤታ ምእንቲ ኽትኣሊ፡ ኣመንዝራ ዀይና ኽትሰርሕ ተገዲዳ ትኸውን።

ረሃብ ዝሓሸ ናብራ ኽትነብር ትምነ ኸም ዝነበረት ኣየጠራጥርን እዩ። እቲ እትነብረሉ ዓዲ፡ ዓመጻን ርኽሰትን ዝመልኦ እዩ ነይሩ፣ እቶም ተቐማጦ ምስ ናይ ቀረባ ዘመድን ምስ እንስሳን ጾታዊ ርክብ ይፍጽሙ ነበሩ። (ዘሌዋውያን 18:3, 6, 21-24) እዚ ዅሉ እኩይ ተግባራት ድማ፡ ምስ ሃይማኖቶም እተተሓሓዘ እዩ ነይሩ። ኣብ ኣብያተ መቓድሶም፡ ምንዝር ዝመልኦ ጽምብል ይግበር ነበረ፣ ነቶም በዓልን ሞሌኽን ዚብሃሉ ጨካናት ኣማልኽቲ ተባሂሉ ድማ፡ ሕጻናት ብህይወቶም ከለዉ ብሓዊ ይስውኡ ነበሩ።

የሆዋ ነቲ ኣብ ከነኣን ዚግበር ዝነበረ ነገራት ርእዩ፡ ዓይኑ ኣይዓመተን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ብዙሕ እከይ ዝመልኦ ተግባራት ከነኣናውያን ምስ ረኣየ፡ “እታ ምድሪ በዚ ረኸሰት፡ ኣነ ኸኣ ሓጢኣታ ኣብ ርእሳ ኽመልስ እየ፡ እታ ምድሪ ድማ ነቶም ዚነብርዋ ኽትተፍኦም እያ” ኢሉ ነይሩ እዩ። (ዘሌዋውያን 18:25) ምድሪ ከነኣናውያን ብምኽንያት “ሓጢኣታ” እንታይ እዩ ኼጋጥማ፧ ንእስራኤላውያን፡ “ነዞም ህዝብታት እዚኦም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ በብሒደት ኪሰጎም እዩ” ዚብል መለኮታዊ መብጽዓ ተኣትዩሎም ነይሩ እዩ። (ዘዳግም 7:22) ዘመናት ኣቐዲሙ፡ የሆዋ ንዘርኢ ኣብርሃም፡ ምድሪ ከነኣናውያን ከም ዚህቦም ተመባጺዑሎም ነይሩ እዩ፣ “ኪሕሱ ዘይክእል ኣምላኽ” ድማ እዩ።—ቲቶስ 1:2፣ ዘፍጥረት 12:7

ይኹን እምበር፡ የሆዋ፡ ገሊኦም ኣህዛብ ምሉእ ብምሉእ ኪጠፍኡ ኸም ዘለዎም ወሲኑ ነይሩ እዩ። (ዘዳግም 7:1, 2) “ፈራድ ኵላ ምድሪ” ኸም ምዃኑ መጠን፡ ልቢ ኼንብብ ይኽእል እዩ፣ እቲ እቶም ኣህዛብ ዚገብርዎ ዝነበሩ እከይን ርኽሰትን ኣዕሚቑ ሱር ዝሰደደ ምንባሩ እውን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ዘፍጥረት 18:25፣ 1 ዜና መዋእል 28:9) ረሃብ እሞ ኸመይ ኢላ እያ ኣብ ከምዚኣ ዝበለት ንኽትጠፍእ እተፈርዳ ኸተማ ኽትነብር እትኽእል፧ ብዛዕባ እስራኤላውያን ዚገልጽ ጸብጻብ ምስ ሰምዐት፡ እንታይ ከም እተሰምዓ ኽንግምቶ ንኽእል ኢና። ኣምላኽ እስራኤል ነቶም ብባርነት ተጨቊኖም ዝነበሩ ህዝቡ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብቲ እዋን እቲ ሓያላት ተዋጋእቲ ዝነበሩ ሰራዊት ግብጻውያን ዓወት ከም ዝሃቦም ሰምዐት። ሕጂ ድማ ንያሪኮ ኼጥቅዕዋ ቝሩብ እዩ ተሪፍዎም። ኰይኑ ግና፡ ተቐማጦ ያሪኮ ንእኩይ ተግባሮም ኣየቋረጽዎን። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ደቂ ዓዳ ንረሃብ ዝነበሩ ከነኣናውያን ኪገልጽ ከሎ፡ “ዘይተኣዘዙ” ዚብል።—እብራውያን 11:31

ረሃብ ግና እተፈልየት እያ ነይራ። ኣብቲ ቕድሚኡ ዝነበረ ዓመታት፡ ብዛዕባ እቲ ንእስራኤላውያንን ነቲ ኣምላኾም ዝዀነ የሆዋን ዚምልከት ጸብጻብ ኣስተንቲናትሉ ኽትከውን ትኽእል እያ። የሆዋ ኻብቶም ኣማልኽቲ ከነኣናውያን ምሉእ ብምሉእ እተፈልየ እዩ ነይሩ። እዚ ኣምላኽ እዚ፡ ንህዝቡ ዜሳቕን ዜዋርድን ዘይኰነስ፡ ምእንታኦም ዚዋጋእን ልዑል ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ዚህቦምን ዓይነት ኣምላኽ እዩ። ንደቂ ኣንስትዮ፡ ኪዕደጋን ኪሽየጣን ኣብ ነውራም ኣምልኾ ኪዋረዳን ከም ዚኽእላ መርወዪ ጾታዊ ስምዒት ዘይኰነስ፡ ከም ክቡራት ገይሩ እዩ ዚርእየን። ረሃብ፡ እስራኤላውያን ክንዮ ሩባ ዮርዳኖስ ሰፊሮም ከም ዘለዉ፡ መጥቃዕቲ ንምፍናው ድማ ተዳልዮም ከም ዘለዉ ምስ ፈለጠት፡ እቲ ንህዝባ ኼጋጥሞም ዚኽእል ነገራት ኣጨኒቕዋ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እሞኸ የሆዋ ንረሃብን ነቲ ኣብ ውሽጣ ዝነበረ ጽቡቕ ነገርን ኣስተብሂሉሉዶ፧

ሎሚ ኸም ረሃብ ዝኣመሰሉ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ። ምናልባት ክብረቶም ኣብ ዚትንክፍን ሓጐሶም ኣብ ዜጥፍእን ስራሕ ስለ ዚሰርሑ፡ መውጽኢ ኣብ ዘይብሉ ናብራ ዚነብሩ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም፣ ሰብ ዘይግደሰሎምን ዘይረብሑን ኰይኑ እውን ይስምዖም ይኸውን። ዛንታ ረሃብ፡ የሆዋ ንዅላትና ኸም ዜስተብህለልና ዚገልጽ ዜጸናንዕ መዘኻኸሪ እዩ። ዋላ እውን እተደቘስና ዀይኑ እንተ ተሰምዓና፡ የሆዋ “ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ” እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:27) ነቶም ኣብኡ እምነት ዜሕድሩ ሰባት፡ ተስፋ ኺህቦም ይደልን ይህንጠን እዩ፣ ቀረባኦም ድማ እዩ። እሞኸ ረሃብ ኣብ የሆዋ እምነት ኣሕዲራዶ፧

ነቶም ሰለይቲ ተቐበለቶም

ሓደ መዓልቲ፡ እስራኤላውያን ንያሪኮ ኺዞሩዋ ቕድሚ ምጅማሮም፡ ክልተ ኣጋይሽ ናብ ቤት ረሃብ መጹ። እዞም ክልተ ሰብኡት እዚኦም፡ ሰብ ከየስተብሃለሎም ስራሖም ኪሰርሑ እዮም ሓሲቦም ነይሮም፣ ኰይኑ ግና፡ እታ ኸተማ ኣብ ውጥረት ስለ ዝነበረት፡ ብዙሓት ሰባት ካብ ሰፈር እስራኤል ኪመጹ ንዚኽእሉ ሰለይቲ ይጸናጸንዎም እዮም ነይሮም። ረሃብ ንመንነት እቶም ሰብኡት ብኡብኡ ፈለጠቶ። ከመይሲ፡ ዘይትፈልጦም ሰብኡት ናብ ቤታ ኺመጹ ሓድሽ ነገር እኳ እንተ ዘይኰነ፡ እቶም ክልተ ሰብኡት ግና፡ መሕደሪ ጥራይ ደኣ እምበር፡ ኣመንዝራ እትህቦ ኣገልግሎት ኣይደለዩን።

እቶም ክልተ ሰብኡት፡ ካብ ሰፈር እስራኤላውያን ዝመጹ ሰለይቲ እዮም ነይሮም። እቲ ኣዛዚኦም ዝነበረ እያሱ፡ ብርታዐን ድኽመትን ያሪኮ ንኺስልዩ እዩ ልኢኽዎም። ያሪኮ፡ ካብተን እስራኤላውያን ዚሕዝወን ከተማታት ከነኣን ናይ መጀመርታ፡ ምናልባት እውን ዝሓየለት እያ ነይራ። እያሱ ድማ፡ ንዕኡን ንሰራዊቱን እንታይ ከም ዜጋጥሞም ኪፈልጥ እዩ ደልዩ ነይሩ። እቶም ሰለይቲ፡ ደይመደይ ኢሎም እዮም ናብ ቤት ረሃብ ኪኸዱ መሪጾም። ከመይሲ፡ ናብ ቤት ኣመንዝራ ምምጻኦም፡ ኣቓልቦ ሰባት ዚስሕብ ኣይነበረን። ብዕላል ዕላል ንዚርከብ ሓበሬታ ኺኣርዩ ኢሎም እውን ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ረሃብ ‘ነቶም ልኡኻት ከም እተቐበለቶም’ ይገልጽ እዩ። (ያእቆብ 2:25) መንነቶምን ኣመጻጽኣኦምን እኳ እንተ ኣጠራጠራ፡ ናብ ቤታ ተቐበለቶም። ምናልባት ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዚብሃል ኣምላኾም ብዝያዳ ኽትፈልጥ ደልያ ትኸውን።

ብሃንደበት ግና፡ ካብ ንጉስ ያሪኮ እተላእኩ መልእኽተኛታት ናብ ቤት ረሃብ መጹ። ካብ ሰፈር እስራኤላውያን ዝመጹ ሰለይቲ፡ ኣብ ቤት ረሃብ ከም ዘለዉ ተወርዩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እሞኸ ረሃብ እንታይ እያ ኽትገብር እትኽእል፧ ነዞም ክልተ ኣጋይሽ እንተ ኣዕቊባቶም፡ ንርእሳን ንስድራ ቤታን ኣብ ሓደጋ ደይኰነትን እተእትዎም፧ ጸላእቲ ሒዛ እንተ ተረኺባ፡ ተቐማጦ ያሪኮ ንዓኣን ንስድራ ቤታን ኣይሓርድዎምንዶ፧ ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ንመንነት እቶም ሰብኡት ብዘይ ጥርጥር ስለ ዝፈለጠቶ፡ የሆዋ ድማ ካብቶም ኣማልኽታ ዚበልጽ ኣምላኽ ምዃኑ ስለ እተገንዘበት፡ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ተጠቒማ ኣብ ጐድኒ የሆዋ ደው ትብልዶ ትኸውን፧

ረሃብ እትሓስበሉ ብዙሕ ግዜ እኳ እንተ ዘይነበራ፡ ብልሓተኛ ስለ ዝነበረት፡ ቅልጡፍ ስጕምቲ ወሰደት። ነቶም ሰለይቲ ኣብቲ ኣብ ናሕሲ ቤታ ተሰጢሑ ዝነበረ ሓሰር እንጣጢዕ ሓብኣቶም። ሽዑ ነቶም መልእኽተኛታት ንጉስ፡ “እወ፡ ሰባትሲ አትዮምኒ ነይሮም፡ ካበይ ምዃኖም ግና ኣይፈለጥኩን። ኰነ ኸኣ እቶም ሰባት እቲኦም ደገ እትዕጸወላ ጊዜ ብጸልማት ወጹ፡ ናበይ ከም ዝኸዱ ኣይፈለጥኩን። ቀልጢፍኩም ደድሕሪኦም ስዐቡ እሞ ክትረኽብዎም ኢኹም” በለቶም። (እያሱ 2:4, 5) ንገጽ እቶም መልእኽተኛታት ክትርኢ ኸላ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ልባ ነጢራ ኽትወጽእ ደልያ ኸም ዝነበረት ዝፈለጡ ዀይኑዶ ተሰሚዕዋ ይኸውን፧

ረሃብ ንህይወታ ኣብ ሓደጋ ብምእታው፡ ንኽልተ ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብ ሓሰር እንጣጢዕ ሓብኣቶም

ዝዀነ ዀይኑ፡ ረሃብ ፈተነኣ ተዓወተ። እቶም መልእኽተኛታት ንጉስ ናብ መሳገሪታት ዮርዳኖስ ገጾም ብቕልጡፍ ከዱ። (እያሱ 2:7) ረሃብ፡ እቶም መልእኽተኛታት ምስ ከዱ፡ እፎይ ኢላ ኽትከውን ኣለዋ። ብቐሊል መገዲ፡ ነቶም ብዛዕባ እቶም ሰለይቲ እቲ ሓቂ ኺፈልጡ ዘይግብኦም ቀተልቲ ኣጋግያ፡ ነቶም ንጹሃት ኣገልገልቲ የሆዋ ኣድሓነቶም።

ረሃብ ብቕልጡፍ ናብቲ ናሕሲ ተመሊሳ፡ ነቶም ክልተ ሰለይቲ ብዛዕባ እቲ ዝገበረቶ ገለጸትሎም። ሓደ ኣገዳሲ ሓቂ እውን ነገረቶም፣ እወ፡ ህዝባ ጎቦ ልቦም ከም ዝዀኑን ኣመና ኸም ዝፈርሁን ሓበረቶም። እዚ ብስራት እዚ ነቶም ሰለይቲ ኣሐጒስዎም ኪኸውን ኣለዎ። እቶም እኩያት ከነኣናውያን ብሓይሊ እቲ ኣምላኽ እስራኤል ዝዀነ የሆዋ ርዒዶም እዮም። ኰይኑ ግና፡ ረሃብ ኣስዕብ ኣቢላ፡ ንዓና እውን ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ሓሳባት ተዛሪባ እያ። “እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ንሱ ኣብ ሰማይ ኣብ ላዕሊ፡ ኣብ ምድሪ ኸኣ ኣብ ታሕቲ ኣምላኽ እዩ” በለት። (እያሱ 2:11) እቲ ብዛዕባ የሆዋ ዝሰምዓቶ ጸብጻብ፡ ኣምላኽ እስራኤል ትውክልቲ ኺግበሮ ዚኽእል ምዃኑ ምሂርዋ እዩ። በዚ ኸምዚ እምንቶኣ ኣብ የሆዋ ገበረት።

ረሃብ፡ የሆዋ ንህዝቡ ዓወት ከም ዚህቦም ርግጸኛ ስለ ዝነበረት፡ ንሳን ስድራ ቤታን ከይቅተሉ ብምሕታት፡ ምሕረት ለመነት። እቶም ሰለይቲ በዚ ተሰማምዑ፣ ኰይኑ ግና፡ ንዓኣን ንስድራ ቤታን ምእንቲ ኼዕቍብዎም፡ ምስጢሮም ንኻልእ ከይትነግርን ነታ ቐያሕ ገመድ ኣብታ ኣብ መንደቕ መካበብያ ዝነበረት መስኰት ቤታ ኸተንጠልጥላን ነገሩዋ።—እያሱ 2:12-14, 18

ካብ ረሃብ፡ ንእምነት ዚምልከት ኣገዳሲ ትምህርቲ ኽንምሃር ንኽእል ኢና። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ፡ “እምነት ካብ ምስማዕ እያ።” (ሮሜ 10:17) ረሃብ ብዛዕባ ሓይልን ፍትሕን የሆዋ ኣምላኽ ዜተኣማምን ጸብጻብ ስለ ዝሰምዐት፡ እምንቶኣ ኣብኡ ኽትገብርን ብእኡ ኽትውከልን ከኣለት። ሎሚ ብዛዕባ የሆዋ ዚገልጽ ዝያዳ ፍልጠት ኣሎና። እሞኸ በቲ ኻብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እንምሃሮ ትምህርቲ ተደሪኽና፡ ንኽንፈልጦን ብእኡ ንኽእመንን ክንጽዕር ዲና፧

ድልዱል መንደቕ ወደቐ

እቶም ክልተ ሰለይቲ ነቲ ረሃብ ዝሃበቶም ምኽሪ ብምስማዕ፡ በታ ኣብ መስኰት ቤታ ተንጠልጢላ ዝነበረት ገመድ ገይሮም ወረዱ፣ ሰላሕ ኢሎም ድማ ብቕልጡፍ ናብ ኣኽራን ገጾም ሃደሙ። ኣብቲ ኣብ ሰሜናዊ ሸነኽ ያሪኮ ዝነበረ ዓቐብን ቍልቍለትን ዝበዝሖ ቦታታት ብዙሕ በዓቲ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ሰለይቲ፡ ኵነታት ደሓን ክሳዕ ዚኸውን ኣብኡ ተሓብኡ፣ ድሕሪኡ፡ ናብ ሰፈር እስራኤላውያን ብምምላስ፡ ነቲ ኻብ ረሃብ ዝሰምዕዎ ብስራት ነገርዎም።

ረሃብ ኣብ ኣምላኽ እስራኤላውያን እምነት ኣሕደረት

ጸኒሑ፡ ተቐማጦ ያሪኮ፡ የሆዋ ንዋሕዚ ሩባ ዮርዳኖስ ብተኣምራዊ መገዲ ደው ኣቢሉ፡ ንእስራኤላውያን ብንቑጽ መሬት ከም ዘሳገሮም ምስ ሰምዑ፡ ብፍርሂ ተዋሒጦም ኪዀኑ ኣለዎም። (እያሱ 3:14-17) ይኹን እምበር፡ እዚ ፍጻመ እዚ ንረሃብ፡ እምንቶኣ ኣብ የሆዋ ምግባራ ቕኑዕ ከም ዝነበረ ዜረጋግጽ እዩ ነይሩ።

ድሕርዚ፡ እቲ እስራኤላውያን ንሽዱሽተ መዓልቲ፡ ኣብ መዓልቲ ሓንሳእ፡ ዝገበርዎ ምረሻ ተጀመረ። ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና፡ እቲ ምረሻ ፍልይ ዝበለ እዩ ነይሩ። ከምቲ ኣብ መእተዊ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ እተገልጸ፡ እቲ ምረሻ ብጊሓቱ እዩ ጀሚሩ፣ ሰራዊት እስራኤል ድማ ንኸተማ ያሪኮ ሓንሳእ ዘይሮምዋ ኣየቋረጹን፣ የግዳስ፡ ብተደጋጋሚ እዮም ዘይሮምዋ። (እያሱ 6:15) እስራኤላውያን እንታይ እዮም ዚገብሩ ነይሮም፧

ኣብ መወዳእታኡ፡ እስራኤላውያን በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ፡ ነታ ኸተማ ሸውዓተ ሳዕ ምስ ዞሩዋ፡ እቶም ሰራዊት ደው በሉ። ድምጺ እቲ ቐርኒ መለኸት እውን ኣቋረጸ። ኣብቲ ኸባቢ ስቕታ ሰፈነ። ተቐማጦ ያሪኮ ብፍርሂ ተዋሒጦም ከም ዝነበሩ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ድሕሪኡ፡ እያሱ ነቶም ሰራዊት ምልክት ምስ ሃቦም፡ ንፈለማ እዋን ዓው ኢሎም ጨደሩ። እቶም ኣብ መንደቕ መካበብያ ያሪኮ ዝነበሩ ወተሃደራት፡ ‘እዚኸ እንታይ ዓይነት መጥቃዕቲ እዩ፡ ብድምጺ ጥራይ፧’ ኢሎም ሓሲቦም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እዚ ሓሳቦም ግና ነዊሕ ኣይጸንሐን። እቲ ዓበይቲ መናድቕ ያሪኮ ናብ ትሕቲኡ ኣቢሉ ኺወድቕ ጀመረ። እናኣንቀጥቀጠን እናነቕዐን ሃደሽደሽ ኢሉ ኺፈርስ ጀመረ። እቲ መንደቕ ኪፈርስ ከሎ እተላዕለ ዶሮና ኺእለ ምስ ጀመረ ግና፡ ሓደ ኽፋል እቲ መንደቕ ኣይፈረሰን። ቤት ረሃብ ከም ዘላታ እያ ዘላ፣ እወ፡ ብምኽንያት እታ ዝነበረታ እምነት፡ ቤታ ኣይፈረሰትን። የሆዋ ኸም ዘዕቈባ ኽትርኢ ኸላ፡ እንታይ ተሰሚዕዋ ኪኸውን ከም ዚኽእል እሞ ሕስብ ኣብሎ! * ንሳን ስድራ ቤታን ዋላ ሓንቲ ኣይተጐድኡን።—እያሱ 6:10, 16, 20, 21

እቶም ህዝቢ የሆዋ ዝነበሩ እስራኤላውያን፡ ንረሃብ ብምኽንያት እታ ዝነበረታ እምነት ኣኽቢሮም እዮም ርእዮምዋ። ከመይሲ፡ ቤት ረሃብ ኣብ መንጎ እቲ ዅሉ ፍርስራስ፡ ሓንቲ ኸም ሓሙስ ኰይና በይና ደው ኢላ ኺርእዩ ኸለዉ፡ የሆዋ ምስ ረሃብ ከም ዝነበረ ተገንዚቦም ኪዀኑ ኣለዎም። ንሳን ስድራ ቤታን ካብቲ ኣብታ እክይቲ ኸተማ ዝወረደ መቕጻዕቲ ድሒኖም እዮም። ድሕሪ እቲ ውግእ፡ ረሃብ ኣብ ጥቓ ሰፈር እስራኤላውያን ክትነብር ተፈቕደላ። ጸኒሓ ድማ፡ ኣባል ህዝቢ ኣይሁድ ኰነት። ሰልሞን ምስ ዚብሃል ሰብኣይ ከኣ ሓዳር ገበረት። ወዶም ቦኣዝ ዓብዩ፡ እተደንቕ እምነት ዘላቶ ሰብኣይ ኰነ። ነታ ሩት ዝስማ ሞኣባዊት ድማ ተመርዓዋ። * (ሩት 4:13, 22) ንጉስ ዳዊትን እቲ ጸኒሑ መሲሕ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስን፡ ዘርኢ እዞም ዜደንቑ ስድራ ቤት እዮም ነይሮም።—እያሱ 6:22-25፣ ማቴዎስ 1:5, 6, 16

ዛንታ ረሃብ፡ ኵላትና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዋጋ ኸም ዘሎና ዜርኢ እዩ። የሆዋ ንዅላትና ይርእየናን ንልብና የንብቦን እዩ፣ ኣብ ውሽጥና ኸምታ ረሃብ ዝነበረታ ዓይነት እምነት እንተ ረኺቡ ድማ፡ ይሕጐስ እዩ። ረሃብ ብእምነታ ተደሪኻ ስጕምቲ ወሲዳ እያ። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ፡ ‘ብግብሪ ጸዲቓ እያ።’ (ያእቆብ 2:25) ኣስኣሰር እታ ረሃብ ዝነበረታ እምነት ክንስዕብሲ፡ ክሳዕ ክንደይ ጥበባዊ ዀን እዩ!

^ ሕ.ጽ. 27 እቲ ዜገርም፡ የሆዋ ነቲ እቶም ክልተ ሰለይቲ ምስ ረሃብ ዝገበርዎ ስምምዕ ኣኽቢርዎ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 28 ብዛዕባ ሩትን ቦኣዝን ብዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብተን ኣብ ናይ 1 ሓምለን 1 ጥቅምትን 2012 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ትሕቲ “ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ” ዚብል ዓምዲ ዝወጻ ዓንቀጻት ርአ።