ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | ብዛዕባ መጻኢ ኺፈልጥ ዚኽእል ኣሎዶ፧

ገሊኡ ተፈጸመ፡ መብዛሕትኡ ግና ፈሸለ

ገሊኡ ተፈጸመ፡ መብዛሕትኡ ግና ፈሸለ

ብዛዕባ መጻኢኻ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ሓያሎ ሰባት ብዛዕባ መጻኢኦም ኪፈልጡ ይደልዩ እዮም። ዚንበዩ ሓያሎ ሰባት ድማ ኣለዉ። ብዛዕባ ውጽኢት ትንቢታቶም ግና ቀጺሉ ዘሎ ኣብነታት ንርአ፦

  • ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት እተራቐቐ መሳርሒ ተጠቒሞም፡ ብዙሕ ገንዘብ ድማ ኣውጺኦም፡ ብዛዕባ እተፈላለየ ነገራት ይንበዩ እዮም። ንኣብነት፡ ብከላ ንምድርና ብኸመይ ከም ዜበላሽዋን ጽባሕ ኣብ ከባቢኻ ዚዘንም እንተ ዀይኑን ይንበዩ እዮም።

  • ሞያውያን ተንተንቲ ብዛዕባ ኣንፈት ንግድን ፖለቲካን ይንበዩ እዮም። ዋረንት ባፈት ዝስሙ፡ ኣብ ዓለም ሓደ ኻብቶም ሃብታማት ዝዀኑ ሰባት፡ ብዛዕባ ኣንፈት ንግዲ እተነበዮ ነገራት፡ ብትኽክል ስለ እተፈጸመ፡ ነብዪ ዚብል ሳጓ ተዋህቦ። ነይት ሲልቨር ዚብሃል ካልእ ተንታኒ ድማ ኣሃዛዊ ጸብጻብ ብምትርጓም፡ ካብ ፖለቲካ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣትሒዙ ኽሳዕ ተሸለምቲ ፊልምታት ሆሊዉድ ዚምልከት እተፈላለየ ነገራት ተነብዩ እዩ።

  • ጥንታዊ ምንጭታት ከም ትንቢት ጌርካ ኺትርጐም ጸኒሑ እዩ። ገሊኦም ሰባት ነቲ ኣብ መበል 16 ዘመን ብሚሸል ዴ ኖትራዳም (ኖስትራዳመስ) እተጻሕፈ ዘይንጹር ጽሑፋት፡ ዘመናዊ ፍጻመ ዘለዎ ዀይኑ ይስምዖም እዩ። ገሊኣቶም ነቲ ብ21 ታሕሳስ 2012 እተዛዘመ ዓወደ ኣዋርሕ ማያ፡ መዓት ከም ዚወርድ ገይሮም ተርጒሞምዎ እዮም።

  • መራሕቲ ሃይማኖት ንሰባት ንኼጠንቅቑን ሰዓብቲ ንኼፍርዩን ኢሎም፡ ኣብ ዓለም ዜሕዝን ነገራት ከም ዜጋጥም ዚንበዩሉ ግዜያት ኣሎ። ነብዪ ምጽኣተ ዓለም እተባህለ ሃሮልድ ካምቢንግ ዝስሙ ሰብኣይን ደቀ መዛሙርቱን፡ ‘ዓለም ብ2011 ክትጠፍእ እያ’ እናበሉ ንብዙሓት ሰባት ነጊሮም እዮም። ዓለም ግና ኣይጠፍአትን።

  • ሳይክያተኛታት ንኺንበዩ ፍሉይ ክእለት ከም ዘለዎም ይገልጹ እዮም። ኤድጋር ከይሲን ጂኒ ዲክሶንን ገለ ኻብቲ ብዛዕባ መበል 20 ዘመን እተነበይዎ ነገራት ብትኽክል ተፈጺሙ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ነፍሲ ወከፎም፡ ዝፈሸለ ብዙሕ ነገራት እውን ተነብዮም ነይሮም እዮም። ንኣብነት፡ ዲክሶን ብ1958 ሳልሳይ ውግእ ዓለም ከም ዜጋጥም ተነብያ ነይራ እያ፡ ከይሲ ድማ ኒው ዮርክ ኣብ መፋርቕ 1970ታት ኣብ ውቅያኖስ ከም እትጥሕል ተንብዩ ነይሩ እዩ።

እሞኸ፡ ብዛዕባ ዚመጽእ ክንፈልጠሉ እንኽእል ዜተኣማምን መገዲ ኣሎ ድዩ፧ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣገዳሲት እያ። ብዛዕባ ዚመጽእ ምፍላጥካ፡ ኣብ ህይወትካ ዓብዪ ጽልዋ ኣለዎ።