ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | መወዳእታ ቐሪቡ ድዩ፧

ብዙሓት ካብ ጥፍኣት ኪድሕኑ እዮም—ንስኻ እውን ክትድሕን ትኽእል ኢኻ

ብዙሓት ካብ ጥፍኣት ኪድሕኑ እዮም—ንስኻ እውን ክትድሕን ትኽእል ኢኻ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ካብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሕጂ ዘይኰነ፡ . . . ብርቱዕ ጸበባ ኪኸውን እዩ። እተን መዓልትታት እቲአን እንተ ዘይሓጽራስ፡ ስጋ ዘበለ ኣይምደሓነን” ይብል። እዚ ኸኣ፡ መወዳእታ ኺብሃል ከሎ፡ ጥፍኣት እውን ከም ዜጠቓልል ዚሕብር እዩ። (ማቴዎስ 24:21, 22) ይኹን እምበር፡ ‘ዓለም ትሓልፍ እያ ዘላ፡ እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር’ ብምባል፡ ብዙሓት ሰባት ኪድሕኑ ምዃኖም ኣምላኽ ኣተስፍዩና ኣሎ።—1 ዮሃንስ 2:17

ካብዛ ትሓልፍ ዘላ ዓለም ድሒንካ፡ ‘ንዘለኣለም ክትነብር’ እንተ ደሊኻ፡ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧ ኣቐዲምካ ስንቅኻ ኽትእክብ ወይ ኣካላዊ ምድላዋት ክትገብር ድዩ ዘሎካ፧ ኣይፋልን። መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልእ ቀዳምነት ክንህብ እዩ ዚምሕጸነና። “እዚ ዅሉ በዚ ኸምዚ ዚጠፍእ ካብ ኰነ፡ ብቕዱስ ኣነባብራን ብግብርታት ኣምላኻዊ ተወፋይነትን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም! . . . ነቲ መዓልቲ የሆዋ ኣብዚ እትህልወሉ እዋን ተጸበይዎ፡ ብሓሳብኩም እውን ኣቐልጥፍዎ” ዚብል ነንብብ። (2 ጴጥሮስ 3:10-12) ኣብ ከባቢ እታ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት ከም ዚሕብሮ፡ እቲ ዚጠፍእ “ኵሉ፡” ንምምሕዳር እዛ ብልሽውቲ ዓለምን ንዅሎም እቶም ኣብ ክንዲ ንምምሕዳር የሆዋ ነዚ ምምሕዳር እዚ ዚመርጹን ዜጠቓልል እዩ። ብንጹር እምበኣር፡ ንዋታዊ ነገራት ምእካብ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጥፍኣት ዜድሕነና ኣይኰነን።

ብሓቂ እምበኣር፡ ክንድሕን እንተ ዄንና ንየሆዋ ኣምላኽ ውፉያት ክንከውን፡ ብዛዕባ እቲ ንዕኡ ዜሐጕስ ኣካይዳን ተግባራትን ድማ ክንመሃር የድልየና። (ጸፎንያስ 2:3) ሎሚ፡ ኣብ ክንዲ ንብዙሓት ሰባት እንስዕብን ነቲ ኣብ ኣገዳሲ ግዜ ንነብር ከም ዘለና ዜርኢ ንጹር ምልክታት ዕሽሽ እንብሎን፡ ‘ነቲ መዓልቲ የሆዋ ኣብዚ እትህልወሉ እዋን ብሓሳብና ኸነቐልጥፎ’ ይግብኣና። ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ካብዚ ዚመጽእ ዘሎ ጥፍኣት ብኸመይ ክትድሕን ከም እትኽእል ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኬርእዩኻ ይኽእሉ እዮም