ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብሓቂዶ ንኣምላኽ ከነሐጕሶ ንኽእል ኢና፧

ብሓቂዶ ንኣምላኽ ከነሐጕሶ ንኽእል ኢና፧

ብዛዕባ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከቡ ኣዝዮም እተናእዱ ሰባት ከተንብብ ከለኻ፡ ‘ከምኣቶም ክኸውን ኣይክእልን እየ!’ ዝበልካሉ እዋን ኣሎዶ፧ ምናልባት ‘ኣነ ፍጹምን ጻድቕን ኣይኰንኩን፣ ቅኑዕ ዘበለ ዝገብር ከኣ ኵሉ ግዜ ኣይኰንኩን’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን።

እዮብ “ፍጹምን ቅኑዕን” ነበረ።—እዮብ 1:1

ሓደ ኻብቶም ኣበዋት ዝነበረ እዮብ፡ “ፍጹምን ቅኑዕን” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (እዮብ 1:1) ሎጥ ድማ “ጻድቕ” ተባሂሉ እዩ። (2 ጴጥሮስ 2:8) ዳዊት እውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ‘ቅኑዕ ዘበለ ጥራይ ዚገብር’ ተባሂሉ ኣሎ። (1 ነገስት 14:8) ይኹን እምበር፡ እዞም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ሰባት ንዘሕለፍዎ ህይወት እስከ ቐጺልና ንመርምሮ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ (1) እቶም ሰባት ጌጋታት ከም ዝገበሩ፡ (2) ካብ ኣብነቶም እንታይ ክንመሃር ከም እንኽእል፡ ከምኡ እውን (3) ዘይፍጹማት ሰባት ብሓቂ ንኣምላኽ ኬሐጕስዎ ኸም ዚኽእሉ ኽንርኢ ኢና።

ጌጋታት ገበሩ

‘ኣምላኽ ነቲ ብንውርምና እቶም ጠሓስቲ ሕጊ ኣመና ዚጕሂ ዝነበረ ጻድቕ ሎጥ ኣድሓኖ።’—2 ጴጥሮስ 2:7

እዮብ ዘይፍትሓዊ ዚመስል ከቢድ ዝዀነ ተኸታታሊ ሽግራት ኣጋጠሞ። ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮ እምነት ይሓሉ ኣይሓሉ ብዘየገድስ፡ ኣምላኽ ከም ዘይግደሰሉ ገይሩ ብምሕሳብ፡ ኣብ ግጉይ መደምደምታ በጺሑ ነበረ። (እዮብ 9:20-22) ካብ ኣምላኽ ንላዕሊ ንርእሱ ኸም ዘጽደቐ ኽሳዕ ዚመስል፡ እዮብ ብጽድቁ ይተኣማመን ነበረ።—እዮብ 32:1, 2፣ 35:1, 2

ሎጥ ቀሊልን ንጹርን ዝዀነ ውሳነ ኻብ ምግባር ኣድሓርሓረ። በቲ ብዕሉግን ዘይስነ ምግባራውን ኣነባብራ ሰብ ሰዶምን ጎሞራን፡ ኣመና ይጕሂ ነይሩ እዩ። ብሰንኪ ግብርታቶም ከኣ፡ “እታ ጻድቕ ነፍሱ ትስቀ ነበረት።” (2 ጴጥሮስ 2:8) ኣምላኽ፡ ነተን እኩያት ከተማታት ኬጥፍአን ከም ዝሓሰበ ኣዊጁ፡ ንሎጥን ስድራ ቤቱን ከኣ ኪድሕኑ ኣጋጣሚ ኸፈተሎም። እቲ ኣብ ጭንቂ ዝነበረ ሎጥ፡ ብቕልጡፍ ካብታ ኸተማ ኸም ዝወጸ ትሓስብ ትኸውን። እንተዀነ ግና ሎጥ፡ ኣብቲ ዘየላቡ እዋን ተደናጐየ። እቶም ንሎጥን ንስድራ ቤቱን ኬድሕንዎም እተላእኩ መላእኽቲ፡ ብኢዶም ሒዞም ካብታ ኸተማ ናብቲ ዕቝባ ዚረኽቡሉ ቦታ ኼውጽእዎም ተገዲዶም እዮም።—ዘፍጥረት 19:15, 16

ዳዊት ‘ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ ዘበለ ጥራይ ኪገብር፡ ብምሉእ ልቡ ንኣምላኽ ሰዓበ።’—1 ነገስት 14:8

ዳዊት ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ርእሱ ስለ ዘይገትአ ምስ ሰበይቲ ኻልእ ዘመወ። እቲ ዜሕዝን ከኣ ነቲ ዝገበሮ ንምሽፋን፡ ሰብኣይ እታ ሰበይቲ ኸም ዚቕተል ገበረ። (2 ሳሙኤል፡ ምዕራፍ 11) መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ዳዊት ዝገበሮ “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ኰይኑ ተራእየ” ይብለና።—2 ሳሙኤል 11:27

እዮብን ሎጥን ዳዊትን ጌጋታት ገይሮም እዮም፣ ገሊኡ ጌጋታት እሞ ኸኣ ኣዝዩ ኸቢድ እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ ቀጺልና ኸም እንርእዮ፡ ኵላቶም ብምሉእ ልቦም ንኣምላኽ ብተኣዛዝነት ኬገልግልዎ ይደልዩ ነበሩ። ጣዕሳኦም ኪገልጹን መገዶም ኬዐርዩን ከኣ ፍቓደኛታት እዮም ነይሮም። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣምላኽ ስምረቱ ኣርእይዎም እዩ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ብሓፈሻ ኸም እሙናት ሰብኡት ገይሩ እዩ ዚገልጾም።

እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

ዘይፍጹማት ብምዃንና፡ ካብ ምግጋይ ዓዲ ኣይንውዕልን ኢና። (ሮሜ 3:23) ምስ እንጋገ ግና ከም እተጠዓስና ኸነርእን ጌጋና ንምዕራይ ከኣ ዚከኣለና ኽንገብርን ኣሎና።

እዮብን ሎጥን ዳዊትን ጌጋታቶም ኬዐርዩ ዝጸዓሩ ብኸመይ እዮም፧ እዮብ ንጽህናኡ ዚሕሉ ሰብ እዩ ነይሩ። ኣምላኽ ምስ ኣረድኦ ድማ ነቲ ኣቐዲሙ እተዛረቦ ነገራት ተጣዒሱሉን ነቲ ዝነበሮ ግጉይ ኣተሓሳስባ ኣሪሙን እዩ። (እዮብ 42:6) እቲ ሎጥ ብዛዕባ ዘይስነ ምግባራዊ ኣካይዳ ህዝቢ ሶዶምን ጎሞራን ዝነበሮ ኣረኣእያ ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ዚሰማማዕ እዩ ነይሩ። እቲ ጸገም፡ ኣብቲ እዋን እቲ ናይ ህጹጽነት ስምዒት ኣጕዲሉ ምንባሩ እዩ። ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ካብተን ንጥፍኣት እተመጠዋ ኸተማታት ብምውጻእ ካብ ፍርዲ ኣምላኽ ኣምለጠ። ናብቲ ብድሕሪኡ ሓዲግዎ ዚኸይድ ዝነበረ ነገራት ቍሊሕ ኢሉ ብዘይ ምጥማት ከኣ ተኣዛዝነቱ ኣርኣየ። ዳዊት፡ ሕጊ ኣምላኽ ብምጥሓስ ከቢድ ሓጢኣት እኳ እንተ ፈጸመ፡ ልባዊ ነስሓ ብምርኣይን ምሕረት ኣምላኽ ብምልማንን ኣብ ልቡ ዘሎ ብሓቂ እንታይ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ።—መዝሙር 51

ኣምላኽ ነዞም ሰባት እዚኦም ሞገሱ ዝሃቦም፡ ካብ ዘይፍጹማት ሰባት ኣብ ዚጽበዮ ነገራት ሚዛናዊ ስለ ዝዀነ እዩ። ኣምላኽ “ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ።” (መዝሙር 103:14) ኣምላኽ ጌጋ ምግባር ከነወግድ ከም ዘይንኽእል ዚፈልጥ ካብ ኰነ እምበኣር፡ ካባና እንታይ እዩ ዚጽበ፧

ኣምላኽ “ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ።” —መዝሙር 103:14

ዘይፍጹማት ሰባት ንኣምላኽ ኬሐጕስዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

እቲ ዳዊት ንወዱ ሰሎሞን ዝሃቦ ምኽሪ፡ ብኸመይ ንኣምላኽ ከነሐጕሶ ኸም እንኽእል ይገልጸልና እዩ። ዳዊት ንወዱ ሰሎሞን፡ “ነቲ ኣምላኽ ኣቦኻ ፍለጦ፡ ብፍጹም ልብን ብፍታው ነፍስን ከኣ ኣገልግሎ” በሎ። (1 ዜና መዋእል 28:9) ፍጹም ልቢ እንታይ እዩ፧ ንኣምላኽ ዜፍቅርን ፍቓድ ኣምላኽ ኺፈልጥን ኬተግብርን ድማ ዚጽዕርን ልቢ ማለት እዩ። ስለዚ፡ ቃል ብቓሉ ፍጹም ማለት ዘይኰነስ፡ ንኣምላኽ ብተኣዛዝነት ኬገልግል ዚደልን ኪእረም ፍቓደኛ ዝዀነን ልቢ እዩ። ኣምላኽ ንእዮብ ከም “ፍጹም፡” ንሎጥ ከም “ጻድቕ፡” ንዳዊት ከኣ ከም “ቅኑዕ ዘበለ ጥራይ ዚገብር፡” ገይሩ ዝረኣዮም፡ ሰለስቲኦም ንዕኡ ስለ የፍቅርዎን እዙዛት ኪዀኑ ይጽዕሩን ስለ ዝነበሩ እዩ። ዋላ እኳ ጌጋታት እንተ ገበሩ፡ ንኣምላኽ ኬሐጕስዎ ኽኢሎም እዮም።

ፍጹም ልቢ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኺገብር ዚጽዕርን ንኣምላኽ ብተኣዛዝነት ኬገልግል ብዘለዎ ሓያል ድሌት ከኣ ዚድረኽን እዩ

ጸኒሑ ዜጣዕሰና ኽፉእ ሓሳባት ናብ ኣእምሮና ምስ ዝመጸና ወይ ዜሕፍረና ነገር ምስ እንዛረብ ወይ ጌጋ ምዃኑ ጸኒሑ ዚርድኣና ነገራት ምስ እንገብር፡ ካብዚ ዝረኣናዮ ኣብነታት ምትብባዕ ክንረክብ ንኽእል ኢና። ኣምላኽ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ፍጹማት ክንከውን ከም ዘይንኽእል ይፈልጥ እዩ። ይኹን እምበር፡ ከነፍቅሮን እዙዛት ንምዃን ክንጽዕርን እዩ ዚጽበየና። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ፍጹም ልቢ እንተ ኣልዩና፡ ንኣምላኽ ከነሐጕሶ ኸም እንኽእል ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።