ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 118

“እምነት ወስኸና”

“እምነት ወስኸና”

(ሉቃስ 17:5)

  1. 1. ዘይፍጽምና ስለ ዝወረስና፡

    ናብ ክፍኣት ይዘዙ’ዩ ልብና፣

    ኦ የሆዋ፡ ብኣኻ ዘይምእማን’ውን፡

    ብቐሊሉ ይሓላልኸና።

    (ኣዝማች)

    ኦ የሆዋ፡ እምነት ’ባ ወስኸና፣

    ሓግዘና ኽትድልድል እምነትና፣

    ኬኽብረካ ቓልና ዀነ ተግባርና፣

    ፈቃር ኣቦ፡ እምነት ወስኸና።

  2. 2. ብዘይ እምነት የሎን ባህ ዜብለካ፣

    ንዚኣምኑ ግን ትህቦም ዓስቦም።

    እምነት ሒዝና፡ ከቶ ኣይንሻቐልን፣

    ነሰንፎ ንፍርሂ ንጸገም።

    (ኣዝማች)

    ኦ የሆዋ፡ እምነት ’ባ ወስኸና፣

    ሓግዘና ኽትድልድል እምነትና፣

    ኬኽብረካ ቓልና ዀነ ተግባርና፣

    ፈቃር ኣቦ፡ እምነት ወስኸና።

(ዘፍ. 8:21፣ እብ. 11:6፣ 12:1 እውን ርአ።)