መዝሙር 118
“እምነት ወስኸና”
(ሉቃስ 17:5)
-
1. ዘይፍጽምና ስለ ዝወረስና፡
ናብ ክፍኣት ይዘዙ’ዩ ልብና፣
ኦ የሆዋ፡ ብኣኻ ዘይምእማን’ውን፡
ብቐሊሉ ይሓላልኸና።
(ኣዝማች)
ኦ የሆዋ፡ እምነት ’ባ ወስኸና፣
ሓግዘና ኽትድልድል እምነትና፣
ኬኽብረካ ቓልና ዀነ ተግባርና፣
ፈቃር ኣቦ፡ እምነት ወስኸና።
-
2. ብዘይ እምነት የሎን ባህ ዜብለካ፣
ንዚኣምኑ ግን ትህቦም ዓስቦም።
እምነት ሒዝና፡ ከቶ ኣይንሻቐልን፣
ነሰንፎ ንፍርሂ ንጸገም።
(ኣዝማች)
ኦ የሆዋ፡ እምነት ’ባ ወስኸና፣
ሓግዘና ኽትድልድል እምነትና፣
ኬኽብረካ ቓልና ዀነ ተግባርና፣
ፈቃር ኣቦ፡ እምነት ወስኸና።