ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 134

ውሉዳት ካብ ኣምላኽ እተዋህቡ ሕድሪ እዮም

ውሉዳት ካብ ኣምላኽ እተዋህቡ ሕድሪ እዮም

(መዝሙር 127:3-5)

  1. 1. ንሰብኣይ ምስ ተወልደሉ፡

    ሰበይቲ’ውን ውሉድ ምስ ወለደት፡

    ሕድሪ ’ለዎም፡ ሕድሪ ኻብ ኣምላኽ፡

    እተዋህቦም ሓላፍነት።

    እቲ ውህበት’ዩ ኻብ የሆዋ፡

    ካብቲ ምንጪ ፍቕሪ ዀነ ህይወት፣

    ንወለዲ ይህቦም ስርዓት፡

    ውሉዶም ኬዕብዩ ብሓልዮት።

    (ኣዝማች)

    ኣምላኽ እዩ ሕድሪ ሂቡካ፡

    ክቡር ህይወት ኣብ ኣእዳውካ፣

    ’ሞ ምሃሮ ትእዛዝ ኣምላኽካ፡

    መታን ጽቡቕ ኪዓብየልካ።

  2. 2. ኵሉ’ቲ ያህ ዝኣዘዞ፡

    ኣቐምጦ ኣብ ውሽጢ ልብኻ፣

    ቅረጸሎም’ውን ንደቅኻ፣

    ’ዚ’ዩ ሕድሪ ’ተባህለልካ።

    ኣብ መገዲ ዀነ ኣብ ቤትካ፡

    ኣብ ድቃስካ ዀነ ምትንሳእካ፡

    ተዛረቦም ብቓል ኣምላኽካ፡

    መታን ወትሩ ኺባረኹልካ።

    (ኣዝማች)

    ኣምላኽ እዩ ሕድሪ ሂቡካ፡

    ክቡር ህይወት ኣብ ኣእዳውካ፣

    ’ሞ ምሃሮ ትእዛዝ ኣምላኽካ፡

    መታን ጽቡቕ ኪዓብየልካ።