ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 60

ህይወት ነድሕን

ህይወት ነድሕን

(ህዝቅኤል 3:17-19)

  1. 1. ከየብቅዐ ዓመት

    ጽቡቕ ፍቓድ ኣምላኽና፡

    ጥፍኣት ከየርከበ

    ንኣውጅ ከሎ ገና።

    (ኣዝማች)

    ህይወት ነድሕን፡ ነጠንቅቆም፡

    ሓልዮት ነርኢ ንዅሎም፣

    ከነድሕና ንህይወትና፡

    ንዅሎም ኣህዛብ ንንገሮም፡

    ንንገሮም።

  2. 2. ብትግሃት ንስበኸሎም

    መታን ኪጥንቀቑ፡

    ሃየ ንለምኖም

    ምስ ኣምላኽ ኪዕረቑ።

    (ኣዝማች)

    ህይወት ነድሕን፡ ነጠንቅቆም፡

    ሓልዮት ነርኢ ንዅሎም፣

    ከነድሕና ንህይወትና፡

    ንዅሎም ኣህዛብ ንንገሮም፡

    ንንገሮም።

    (መሰጋገሪ)

    ህጹጽ’ዩ፡ ኣገዳሲ፡

    ወሳኒ ንድሕነት ሰባት፣

    ንንገሮም፡ ነስተምህሮም፡

    ኪድሕኑ፡ ኪረኽቡ ህይወት።

    (ኣዝማች)

    ህይወት ነድሕን፡ ነጠንቅቆም፡

    ሓልዮት ነርኢ ንዅሎም፣

    ከነድሕና ንህይወትና፡

    ንዅሎም ኣህዛብ ንንገሮም፡

    ንንገሮም።