ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 66

ብስራት ኣበስሩ

ብስራት ኣበስሩ

(ራእይ 14:6, 7)

  1. 1. ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ሓቂ ምስጢር ነይሩ፣

    ኣይቀጸለን ስዉር ኰይኑ ንሓዋሩ።

    ኣምላኽ ግና ብምሕረቱ ደንጊጹልና፣

    መገዲ ኣዳልዩ ኺድምስስ ሓጥያትና።

    ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኺነግስ ወዱ ሸይሙ፣

    ኣብ ግዜኡ ድማ ንመንግስቱ ኣቚሙ።

    ብዘይካዚ ንወዱ መርዓት ኣዳልዩ፣

    ካብ መንጎና’ውን ሒደት መጓሰ ሓርዩ።

  2. 2. ካብ ግዜ ጥንቲ ዝነበረ ብስራት፡

    ፍቓድ የሆዋ’ዩ ኺንገር ንሰባት።

    መላእኽቲ ኣብቲ ዕዮ ይሓብሩና፣

    ሓቂ መታን ክንእውጅ’ውን ይረድኡና።

    ኪፍጸም ዘለዎ ኽቡር ዕዮ ’ሎና፣

    ክንቅድስን ክንውድስን ንስም ኣምላኽና፣

    ቅዱስ ስሙ’ውን ኣብዛ ምድሪ ኽንጸውር፣

    ዘልኣለማዊ ብስራት ከነበስር።