ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 99

ኣእላፋት ኣሕዋት

ኣእላፋት ኣሕዋት

(ራእይ 7:9, 10)

  1. 1. ኣእላፋት ኣሽሓት ኣሕዋት፡

    ወረግ’ውን ሚልዮናት፡

    ኣለዉና እሙናት፡

    ኣብ ሓቂ ጽኑዓት።

    እልፊ ኣእላፋት ኢና፡

    ስሙር ሓድነትና፣

    ካብ ኵሉ ህዝቢ፡ ነገድ፡ ቋንቋ፡

    ኣምላኽ ዘውጽኣና።

  2. 2. ኣእላፋት ኣሽሓት ኣሕዋት፡

    ኣብ ኵሉ ነበስር፣

    ‘ዝሓሸ ብስራት’ውን’

    ንህዝቢ ንነግር።

    ጸገም ’ተ ’ጋጢሙና፡

    ኣብ ዕዮ ስብከትና፡

    ክርስቶስ የበርትዓና’ዩ፣

    ሰላም ይህበና።

  3. 3. ኣእላፋት ኣሽሓት ኣሕዋት፡

    ኣምላኽ ዚመርሓና፣

    ኣብ ቤተ መቕደሱ’ውን፡

    ነገልግሎ ’ለና።

    እልፊ ኣእላፋት ኢና፡

    ’ወ መሰኻኽሩ፣

    ንኣምላኽ መዓይይቱ ኢና፡

    እነምልኾ ወትሩ።