ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቶራህ እንታይ እዩ፧

ቶራህ እንታይ እዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 እታ “ቶራህ” እትብል ናይ እንግሊዝኛ ቃል ካብታ “ትምህርቲ” ወይ “ሕጊ” ዝትርጕማ ቶህራህ እትብሃል ናይ እብራይስጢ ቓል ዝመጸት እያ። a (ምሳሌ 1:8፣ 3:1፣ 28:4) እዚ ስዒቡ ዘሎ ኣብነታት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እዛ ቓል እዚኣ ብኸመይ ኣትያ ኸም ዘላ የርኢ።

  •   ቶህራህ ብዙሕ ግዜ ነተን ኦሪት ዚብሃላ ናይ መጀመርታ ሓሙሽተ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ የመልክት እዩ። ንሳተን ከኣ፡ ዘፍጥረት፡ ዘጸኣት፡ ዘሌዋውያን፡ ዘሁልቍ፡ ዘዳግም ይብሃላ። በቲ “ሓሙሽተ ጥራዝ” ዝትርጕሙ ጰንጠጤቝ ዚብል ቃል ግሪኽኛ እውን ይጽወዓ እየን። ንቶራህ ዝጸሓፎ፡ ሙሴ ስለ ዝዀነ፡ “መጽሓፍ ሕጊ ሙሴ” ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ። (እያሱ 8:31፣ ነህምያ 8:1) መርትዖታት ከም ዚሕብሮ፡ መጀመርታ ኸም ሓንቲ መጽሓፍ ተጻሒፈን እኳ እንተ ነበራ፡ ደሓር ግና ንምሓዘን ምእንቲ ኺጥዕም ተኸፋፊለን እየን።

  •   ቶህራህ ኣብ ውሱን ጕዳይ ንእስራኤላውያን ንእተዋህበ ሕግታት እውን የመልክት ነይሩ እዩ፣ ንኣብነት፡ “ሕጊ [ቶህራህ] መስዋእቲ ሓጢኣት፡” “ሕጊ ደዌ፡” “ሕጊ ናዝራዊ” ኪጥቀስ ይከኣል።—ዘሌዋውያን 6:25፣ 14:57፣ ዘሁልቍ 6:13

  •   ቶህራህ ሓድሓደ ግዜ ነቲ ወለዲ፡ ጥበበኛታት ሰባት፡ ኣምላኽ ዚህብዎ ትምህርቲ የመልክት እዩ።—ምሳሌ 1:8፣ 3:1፣ 13:14፣ ኢሳይያስ 2:3፡ እግረ ጽሑፍ።

ትሕዝቶ ቶራህ ወይ ጰንጠጤቝ እንታይ እዩ፧

  •   ካብ ፍጥረት ክሳብ ሞት ሙሴ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣምላኽ ምስ ሰባት ዝነበሮ ርክብ ዝሓዘ ታሪኽ።—ዘፍጥረት 1:27, 28፣ ዘዳግም 34:5

  •   ስርዓታት ሕጊ ሙሴ። (ዘጸኣት 24:3) ሕጊ ሙሴ ልዕሊ 600 ሕግታት ዝሓዘ እዩ። ሸማዕ ተባሂሉ ዚጽዋዕ መግለጺ እምነት ኣይሁድ ድማ ኣብኡ ዚርከብ ሓደ ፍሉጥ ሕጊ እዩ። ሓደ ኽፋል እቲ ሸማዕ፡ “ንየሆዋ ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ኣፍቅሮ” ይብል። (ዘዳግም 6:4-9) የሱስ ከኣ፡ “እዚኣ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ” ኢሉ ኣሎ።—ማቴዎስ 22:36-38

  •   እቲ የሆዋ ዚብል መለኮታዊ ስም ኣስታት 1,800 ግዜ ኣብኡ ተጠቒሱ ኣሎ። ቶራህ ንስም ኣምላኽ ከይትጥቀመሉ ዚኽልክል ኣይኰነን፣ የግዳስ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ስም ኪጥቀሙሉ ኸም ዘለዎም ይእዝዝ እዩ።—ዘሁልቍ 6:22-27፣ ዘዳግም 6:13፣ 10:8፣ 21:5

ብዛዕባ ቶራህ ዘሎ ግጉይ ርድኢት

 ግጉይ ርድኢት፦ ሕግታት ቶራህ ፈጺሙ ዘይስዓር ዘለኣለማዊ እዩ።

 ሓቂ፦ ገለ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ንሰንበትን ንኽህነትን ንመዓልቲ ዕርቅን ዚምልከት ሕግታት ናይ “ዘለኣለም” ከም ዝዀነ ይጠቅስ እዩ። (ዘጸኣት 31:16፣ 40:15፣ ዘሌዋውያን 16:33, 34፡ ትርጉም 1956) እንተዀነ ግና፡ እታ ኣብዘን ጥቕስታት እዚአን ዘላ ናይ እብራይስጢ ቃል ንዘለኣለም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዘይተወሰነ መጻኢ ወይ እውን ተመልክት እያ። b ሕጊ ሙሴ ን900 ዓመታት ኪሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ “ብሓድሽ ኪዳን” ከም ዚትክኦ ኣምላኽ ኣቐዲሙ ሓቢሩ ነይሩ እዩ። (ኤርምያስ 31:31-33) ኣምላኽ “‘ሓድሽ ኪዳን’ ብምባሉ፡ ነቲ ቐዳማይ ኣእሪግዎ እዩ።” (እብራውያን 8:7-13) ኣስታት 2000 ዓመት ይገብር ብመሰረት ሞት የሱስ ክርስቶስ ተተኪኡ እዩ።—ኤፌሶን 2:15

 ግጉይ ርድኢት፦ ብኣፍ ዚመሓላለፍ ስርዓት ኣይሁድን ታልሙድን ማዕረ እቲ ኣብ ጽሑፍ ዚሰፈረ ቶራህ ስልጣን ኣለዎ።

 ሓቂ፦ ኣምላኽ ምስቲ ኣብ ጽሑፍ ዚሰፈረ ቶራህ ሓቢሩ ዚሰርሕ፡ ብኣፍ ዚመሓላለፍ ሕጊ ንሙሴ ኸም ዚሃቦ ዘረጋግጽ ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ የሎን። እኳ ደኣስ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ . . . ‘ነዚ ቓላት እዚ ጽሓፎ’” ኸም ዝበሎ እዩ ዚገልጽ። (ዘጸኣት 34:27) እቲ ብኣፍ እተመሓላለፈ ሕጊ፡ ጸኒሑ ኣብ ጽሑፍ ምስ ሰፈረ ሚሽናህ ተባህለ፡ ኣብ መወዳእታ ብዝያዳ ሰፊሑ ታልሙድ ተባህለ። እዚ ድማ ብፈሪሳውያን እተጀመረ ስርዓት ኣይሁድ ዝሓዘ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ምስ ቶራህ ይጋጮ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ የሱስ ነቶም ፈሪሳውያን “ምእንቲ ስርዓትኩም፡ ንቓል ኣምላኽ ከንቱ ጌርኩምዎ ኣለኹም” ዝበሎም።—ማቴዎስ 15:1-9

 ግጉይ ርድኢት፦ ኣንስቲ፡ ቶራህ ኪምሃራ የብለንን።

 ሓቂ፦ ብምሉኡ እቲ ሕጊ፡ ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል፡ እንተላይ ንኣንስትን ንቘልዑን ኪንበብ ከም ዘለዎ ሕጊ ሙሴ ይእዝዝ እዩ። ስለምንታይ፧ “ምእንቲ ኺሰምዑን ንየሆዋ ኣምላኽኩም ምፍራህ ምእንቲ ኺምሃሩን ኵሉ ቃላት እዚ ሕጊ እዚ ተጠንቂቖም ምእንቲ ኺገብሩን።”—ዘዳግም 31:10-12 c

 ግጉይ ርድኢት፦ ቶራህ ሕቡእ መልእኽቲ ዝሓዘ እዩ።

 ሓቂ፦ እቲ ንቶራህ ዝጸሓፈ ሙሴ፡ እቲ ሕጊ ንጹርን ኵሉ ኪረኽቦ ዚኽእልን ደኣ እምበር፡ ሕቡእ መልእኽቲ ኸም ዘይብሉ ገሊጹ ኣሎ። (ዘዳግም 30:11-14) ‘ቶራህ ሕቡእ መልእኽቲ ኣለዎ’ ዚብል ክልሰ ሓሳብ፡ ኣብቲ ትርጉም ቅዱሳት ጽሑፋት ንምግላጽ “ብጥበብ እተማህዘ” ሜላ ዚጥቅም ካባላህ ዚብሃል ሃይማኖታዊ ስርዓት ኣይሁድ እተመስረተ እዩ። d2 ጴጥሮስ 1:16

a ነታ ዘ ስትሮንገስት ስትሮንግስ ኤክሶስቲቭ ኮንኮርዳንስ ኦፍ ዘ ባይብል እትብሃል እተኸለሰት ሕታም፡ ኣብ ትሕቲ “ሄብሪው ኣራማይክ ዲክሸነሪ-ኢንዴክስ ቱ ዘ ኦልድ ተስታመንት” ዚብል ክፋል፡ እታው 8451 ርአ።

b ቲኦሎጂካል ዎርድቡክ ኦቭ ዘ ኦልድ ተስታመንት፡ 2ይ ጥራዝ፡ ገጽ 672-673 ርአ።

c ሕጋዊ ስርዓት ኣይሁድ ኣንጻር ትምህርቲ ቶራህ ብምኻድ፡ ኣንስቲ ቶራህ ኬጽንዓ ይኽልክል እዩ። ንኣብነት፡ ረቢ ኤልኤዘር ቤን ሂርካኑስ፡ “ንጓሉ ቶራህ ዚምህር ሰብ፡ ጽያፍ ከም ዚምህራ እዩ” ኸም ዝበለ ኣብ ሚሽናህ ተጠቒሱ ኣሎ። (ሶታህ 3:4) ታልሙድ የሩሳሌም ከኣ፡ “ቃላት ቶራህ ንኣንስቲ ኻብ ምንጋር፡ እቲ ቓላት ብሓዊ ኺነድድ ይሓይሽ” ዚብል ሓሳብ ኣለዎ።—ሶታህ 3:19ሀ።

d ንኣብነት፡ ኢንሳይክሎፔድያ ጁዳይካ፡ ካባላህ ብዛዕባ ቶራህ ዘለዎ ኣረኣእያ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ ይብል፦ “ቶራህ ዋላ እኳ ኣብ እተፈላለየ ደረጃታት ብዙሕ እተፈላለየ ትርጉም እንተ ኣለዎ፡ እዚ እዩ ዚብሃል ብዙሕ ግምት ዚወሃቦ ግና ኣይኰነን።”—ካልኣይ ሕታም፡ መበል 11 ጥራዝ፡ ገጽ 659።