ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዕሽር እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዕሽር እንታይ ይብል፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 ጥንቲ ዝነበሩ እስራኤላውያን ንናይ ሓቂ ኣምልኾ እጃሞም ምእንቲ ኺውፍዩ፡ ካብ ዓመታዊ ኣታዊኦም ዕሽር a ወይ ሓደ ዕስሪት ኪህቡ ትእዛዝ ተዋሂብዎም ነይሩ እዩ። ኣምላኽ ንዓታቶም፡ “ካብቲ ዓመት ዓመት ዘርእኻ ኣብ ግራት ዜፍርዮ ዅሉ፡ ብርግጽ ዕሽር ሃብ” ኢሉ ኣዚዝዎም ነይሩ እዩ።—ዘዳግም 14:22

 ዕሽር ንምሃብ ዝወጸ ትእዛዝ ክፍሊ እቲ ኣምላኽ ንጥንታውያን እስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ ሙሴ እዩ ነይሩ። ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ኣይኰኑን፣ ስለዚ፡ ዕሽር ኪህቡ ግዴታ የብሎምን። (ቈሎሴ 2:13, 14) ኣብ ክንዳኡስ፡ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን “ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሓለኖ” ኺህብ ኣለዎ።—2 ቈረንቶስ 9:7

 ዕሽር ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ—“ብሉይ ኪዳን”

 ዕሽር ኣብቲ ብልምዲ ብሉይ ኪዳን ተባሂሉ ዚፍለጥ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ተጠቒሱ ይርከብ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ኣብቲ ብሙሴ ኣቢሉ ንእስራኤላውያን እተዋህበ ሕጊ እዩ ተጠቒሱ ዚርከብ። ኣብ ሒደት ኣጋጣሚታት ግና ቅድሚኡ እውን ተጠቒሱ ኣሎ።

ቅድሚ ሕጊ ሙሴ

 ዕሽር ከም ዝሃበ ተጠቒሱ ዘሎ ቐዳማይ ሰብ፡ ኣብራም (ኣብርሃም) እዩ። (ዘፍጥረት 14:18-20፣ እብራውያን 7:4) ኣብቲ ዛንታ ኸም እተገልጸ፡ ኣብራም ንንጉስን ካህንን ሳሌም ሓንሳእ ጥራይ ዕሽር ዝሃቦ እዩ ዚመስል። ኣብርሃም ወይ ዘርኡ መሊሶም ዕሽር ከም ዝሃቡ ዚገልጽ ነገር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ የልቦን።

 ዕሽር ከም ዝሃበ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ኻልኣይ ሰብ፡ ወዲ ወዱ ንኣብርሃም ዝዀነ ያእቆብ እዩ። ንሱ ድማ፡ ኣምላኽ እንተ ባሪኽዎ፡ ‘ካብቲ ዚህቦ ዘበለ ዅሉ ዕሽር’ ከም ዚህቦ ተመባጺዑ እዩ። (ዘፍጥረት 28:20-22) ብመሰረት ገሊኦም ምሁራት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ያእቆብ ነዚ ዕሽር እዚ ብመስዋእቲ እንስሳታት ኣቢሉ ኸም ዝኸፈለ ይእመነሉ እዩ። ያእቆብ ነዚ መብጽዓኡ እኳ እንተ ፈጸመ፡ ንስድራ ቤቱ ግና በዚ መብጽዓ እዚ ኣይኣሰሮምን።

ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ

 ጥንቲ ዝነበሩ እስራኤላውያን ንሃይማኖታዊ ንጥፈታት ንምድጋፍ፡ ዕሽር ኪህቡ ትእዛዝ ተዋሂብዎም ነይሩ እዩ።

  •   እቲ ዕሽር ነቶም ዚሕረስ መሬት ዘይነበሮም ብምሉእ ግዜኦም ኣብ ሃይማኖታዊ ዕዮ ዚነጥፉ ሌዋውያንን ካህናትን ዚኸውን እዩ ነይሩ። (ዘሁልቍ 18:20, 21) እቶም ካህናት ዘይኰኑ ሌዋውያን ካብቲ ህዝቢ ዕሽር ይውሃቦም ነይሩ እዩ፣ ንሳቶም ከኣ ብሉጽ ክፋል እቲ ዕሽር፡ ማለት “ካብቲ ዕሽርሲ ዕሽር” ንኻህናት ይህቡ ነይሮም እዮም።—ዘሁልቍ 18:26-29

  •   ንሌዋውያንን ሌዋውያን ንዘይኰኑ ህዝብን ዚጠቅም ካልኣይ ዓመታዊ ዕሽር እውን ዝነበረ እዩ ዚመስል። (ዘዳግም 14:22, 23) እስራኤላውያን ነዚ መሰናድዎ እዚ ምስ ፍሉይ በዓላት ብእተኣሳሰረ እዮም ዚጥቀሙሉ ነይሮም፣ ኣብ ገሊኡ ዓመታት ከኣ ነቲ ዕሽር ምስቶም ኣመና ድኻታት ይማቐልዎ ነይሮም እዮም።—ዘዳግም 14:28, 29፣ 26:12

 ነቲ ዕሽር ብኸመይ ይቕምርዎ ነይሮም፧ እስራኤላውያን ዓስራይ ኣፍ ዓመታዊ እቶት ምድሮም ይፈልዩ ነይሮም እዮም። (ዘሌዋውያን 27:30) ነዚ ዕሽር እዚ ብፍርያት ዘይኰነስ ብገንዘብ ኪህቡ እንተ ደልዮም፡ ካብቲ ዋጋኡ 20 ሚእታዊት ይውስኹሉ ነይሮም እዮም። (ዘሌዋውያን 27:31) “ዕሽር ኵለን ከብትን ጤለ በጊዕን” ኪህቡ እውን ትእዛዝ ተዋሂብዎም ነይሩ እዩ።—ዘሌዋውያን 27:32

 እስራኤላውያን ካብ ማሎም ዕሽር ንምሃብ፡ ካብ ደምበኦም ዝወጽእ ዘበለ ዓስራይ እንስሳ እዮም ዚፈልዩ ነይሮም። ብመሰረት እቲ ሕጊ ኸኣ፡ ነቶም እተፈልዩ እንስሳታት ኪምርምርዎም ወይ ኪልውጥዎም ኣይክእሉን እዮም ነይሮም፣ ንዕሽር ማሎም እውን ብገንዘብ ኪልውጥዎ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። (ዘሌዋውያን 27:32, 33) እቲ ንዓመታዊ በዓላት ተባሂሉ ዚውሃብ ዕሽር ግና ብገንዘብ ኪልወጥ ይከኣል ነይሩ እዩ። እዚ መሰናድዎ እዚ ነቶም ናብቲ በዓላት ንምእካብ ነዊሕ ርሕቀት ዚጐዓዙ ዝነበሩ እስራኤላውያን የቕልለሎም ነይሩ እዩ።—ዘዳግም 14:25, 26

 መዓስ እዮም እስራኤላውያን ዕሽር ዚህቡ ነይሮም፧ እስራኤላውያን ኣብ ዓዓመት እዮም ዕሽር ዚህቡ ነይሮም። (ዘዳግም 14:22) ኣብ ሸሸውዓተ ዓመት ግና ዕሽር ኣይህቡን እዮም ነይሮም። በታ ዓመት ሰንበት ወይ ዓመት ዕረፍቲ እቲኣ፡ እስራኤላውያን ምህርቲ ኣየፍርዩን እዮም ነይሮም። (ዘሌዋውያን 25:4, 5) ነዚ ፍሉይ ኵነታት ኣብ ግምት ብምእታው ከኣ፡ ኣብ ቀውዒ ዕሽር ኣይእከብን እዩ ነይሩ። ካብቲ ሸውዓት ዓመት ዚወስድ ዑደት ሰንበት ድማ ኣብ ሳልሰይትን ኣብ ሻድሸይትን ዓመት፡ እስራኤላውያን ነቲ ኻልኣይ ዕሽር ንድኻታትን ንሌዋውያንን የማቕልዎም ነይሮም እዮም።—ዘዳግም 14:28, 29

 ዕሽር ዘይምሃብ እንታይ መቕጻዕቲ የስዕብ ነይሩ፧ ኣብ ሕጊ ሙሴ፡ ዕሽር ዘይምሃብ ብዛዕባ ዜስዕቦ መቕጻዕቲ ዚገልጽ የልቦን። ዕሽር፡ ስነ ምግባራዊ ግዴታኦም እዩ ነይሩ። እስራኤላውያን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቀሪቦም ዕሽር ከም ዝሃቡ ይገልጹን ከምኡ ብምግባሮም በረኸቱ ይልምኑን ነይሮም እዮም። (ዘዳግም 26:12-15) ኣምላኽ ድማ ዕሽር ዘይምሃብ፡ ንዕኡ ኸም ዝሰረቕዎ ገይሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ።—ሚልክያስ 3:8, 9

 ዕሽር ከቢድ ጾር ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋልን። ኣምላኽ ነቶም ህዝቢ፡ ዕሽር እንተ ኣምጺኦም፡ ሓንቲ እኳ ኽሳዕ ዘይጐድሎም በረኸት ከም ዜፍስሰሎም ቃል ኣትዩሎም ነይሩ እዩ። (ሚልክያስ 3:10) እቶም ህዝቢ ዕሽር እንተ ዘየምጺኦም ግና፡ ይሽገሩ ነይሮም እዮም። በረኸት ኣምላኽ ይስእኑ፡ ካብቶም ዕሽሽ እተባህሉ ኻህናትን ሌዋውያንን እውን ኣይጥቀሙን እዮም ነይሮም።—ነህምያ 13:10፣ ሚልክያስ 3:7

 ዕሽር ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ—“ሓድሽ ኪዳን”

 የሱስ ሰብ ኰይኑ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ህዝቢ ኣምላኽ ዕሽር ኪህቡ ነይርዎም እዩ። ድሕሪ ሞት የሱስ ግና እዚ ሕጊ ተሳዒሩ እዩ።

ብግዜ የሱስ

 ኣብቲ ብልምዲ ሓድሽ ኪዳን ተባሂሉ ዚጽዋዕ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እስራኤላውያን ዕሽር ይህቡ ምንባሮም ተገሊጹ ኣሎ። የሱስ ከኣ ዕሽር ምሃብ ግዴታ ምዃኑ እኳ እንተ ገለጸ፡ ነቶም “ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ዝኸበደ ነገር፡ ማለት ፍትሕን ምሕረትን ተኣማንነትን . . . ሸለል” ዚብሉ ፈሪሳውያን ግና ኰኒንዎም ኣሎ።—ማቴዎስ 23:23

ድሕሪ ሞት የሱስ

 ድሕሪ ሞት የሱስ፡ ዕሽር ኣየድለየን። መስዋእታዊ ሞት የሱስ ንሕጊ ሙሴ፡ እንተላይ ነቲ ‘ዕሽር ንምእካብ እተዋህበ ትእዛዝ’ ሰሪዝዎ ወይ ደምሲስዎ እዩ።—እብራውያን 7:5, 18፣ ኤፌሶን 2:13-15፣ ቈሎሴ 2:13, 14

a ዕሽር “ንፍሉይ ዕላማ ኻብ እቶት ዚፍለ ዓስራይ ኣፍ እዩ። . . . መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ዕሽር ንሃይማኖታዊ ዕላማ እዩ ነይሩ።”—ሃርፐርስ ባይብል ዲክሽነሪ፡ ገጽ 765።