ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ድያብሎስ ጠንቂ ዅሉ መከራ ድዩ

ድያብሎስ ጠንቂ ዅሉ መከራ ድዩ

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰይጣን ድያብሎስ ናይ ሓቂ ኣካል ከም ዝዀነ ይገልጽ እዩ፣ ልክዕ ከም ሓደ ሓያል ሓለቓ ገበነኛታት ከኣ፡ ዝደለዮ ዘበለ ነገራት “ብናይ ሓሶት ትእምርትታትን” ‘ብጥበራን’ ይፍጸም እዩ። ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ፡ “ንርእሱ ኸም መልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ” ይብል። (2 ተሰሎንቄ 2:9, 10፣ 2 ቈረንቶስ 11:14) በቲ ዜውርዶ ጕድኣት ከኣ፡ ብሓቂ ኸም ዘሎ ኽንፈልጥ ንኽእል ኢና።

 ይኹን እምበር፡ ድያብሎስ ብዅሉ መከራ ተሓታቲ እዩ ማለት ኣይኰነን። ስለምንታይ፧ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ፡ ጽቡቕ ወይ ከኣ ሕማቕ ኪሓርዩ ኸም ዚኽእሉ ገይሩ እዩ ፈጢርዎም። (እያሱ 24:15) ስለዚ፡ ሕማቕ ምርጫ ኽንገብር ከለና፡ ሕማቕ ኢና እንዓጽድ።—ገላትያ 6:7, 8