ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ርእይቶታት ብዛዕባ መበቈል ህይወት

ስለምንታይ እዩ እምነት ዘሎካ፧—ኣብ ህልውና ኣምላኽ

ኣብ ተፈጥሮ ዘሎ ሕልኽላኻት ንሓደ ፕሮፌሰር ኣብ ሓደ መደምደምታ ኺበጽሕ ሓገዞ።

ሓደ ተመራማሪ ሓንጐል ብዛዕባ እምነቱ ዝገለጾ

ፕሮፌሰር ራጀሽ ካላርያ ብዛዕባ ስራሑን እምነቱን ይገልጽ። ብስነ ፍልጠት ከም ዚግደስ ዝገበሮ እንታይ እዩ፧ ነቲ ብዛዕባ መበቈል ህይወት ዝነበሮ ኣረኣእያ ዳግመ ግምት ዝገበረሉ ስለምንታይ እዩ፧

ኢሪን ሆፍ ሎራንሶ፦ ሓንቲ ኽኢላ መጥባሕቲ ዓጽሚ ብዛዕባ እምነታ ዝገለጸቶ

ኣብ ሕክምና እግሪ ኽትዓዪ ኸላ፡ ነቲ ብዛዕባ ፍልቀት ዝነበራ እምነት ኣብ ሕቶ ኣእተወቶ።

ሓደ ኽኢላ ስነ ድቂ ብዛዕባ እምነቱ ዝገለጾ

ፕሮፌሰር ያን-ደ ሱ ፈለማ ኣብ ፍልቀት እዩ ዚኣምን ነይሩ፣ ጸኒሑ ተመራማሪ ስነ ፍልጠት ምስ ኰነ ግና ኣተሓሳስባኡ ቐየረ።

ሓደ ኣማኻሪ ሕክምና መጥባሕቲ ብዛዕባ እምነቱ ዝገለጾ

ንብዙሕ ዓመታት፡ ዶክተር ጊየርሞ ፐረስ ኣብ ፍልቀት ይኣምን ነይሩ፣ ሕጂ ግና ሰብነትና ብኣምላኽ ከም እተነድፈ እዩ ዚኣምን። ኣረኣእያኡ ኸም ዚቕይር ዝገበሮ እንታይ እዩ፧

ሓንቲ ኽኢላ ሕክምና ዅሊት ብዛዕባ እምነታ ዝገለጸቶ

ሓንቲ ቐደም ብህልውና ኣምላኽ ዘይትኣምን ዝነበረት ሓኪም፡ ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ ትርጕም ህይወትን ክትሓስብ ዝጀመረት ስለምንታይ እያ፧ ብዛዕባ እዚ ጕዳያት እዚ ዝነበራ ኣረኣእያ ኸም እትቕይር ዝገበራ እንታይ እዩ፧

ሓደ ነዳፊ ሶፍትዌር ብዛዕባ እምነቱ ዝገለጾ

ዶ/ር ፋን ዩ ከም ተመራማሪ ስነ ሕሳብ ኰይኑ ዕዮኡ ኽጅምር ከሎ፡ ብፍልቀት ይኣምን ነበረ። ሕጂ ግና ህይወት ከም እተነድፈትን ብኣምላኽ ከም እተፈጥረትን እዩ ዚኣምን። ስለምንታይ፧

‘ፈጣሪ ኸም ዘሎ ኣሚነ እየ’

ፍረደሪክ ዲሙላ ንሃይማኖት ስለ ዝጸልኦ፡ ኣብ ህልውና ኣምላኽ ዘይኣምን ኢዘሀራዊ ዀነ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ብዛዕባ ንድፊ ህያዋን ነገራት ዝገበሮ ምርምርን፡ ፈጣሪ ኸም ዘሎ ዘእመኖ ብኸመይ እዩ፧

ሓደ ኽኢላ ባዮተክኖሎጂ ብዛዕባ እምነቱ ዝገለጾ

ዶክተር ሃንስ ክሪስቲያን ኮትላር ብዛዕባ ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ ብዛዕባ መበቈል ህይወት ከም ዚሓትት ገበሮ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንሕቶታቱ ዝመለሰሉ ብኸመይ እዩ፧

ሓንቲ ኽኢላ ማይክሮባዮሎጂ ብዛዕባ እምነታ ዝገለጸቶ

ከሚስትሪ ዋህዮታት እተሓላለኸ ምዃኑ፡ ነታ ኣብ ጃፓን እትነብር ፌንግ-ሊንግ ያንግ ዝስማ ተመራማሪት ስነ ፍልጠት፡ ብዛዕባ ፍልቀት ዝነበራ እምነት ከም እትቕይር ገይሩዋ። ስለምንታይ፧

ሓንቲ ባዮከሚከኛ ብዛዕባ እምነታ ዝገለጸቶ

ብዛዕባ እቲ ምርምር ዝገበረትሉ ስነ ፍልጠታዊ ሓቅታትን ስለምንታይ ኣብ ቃል ኣምላኽ ከም እትኣምንን ኣንብብ።

ሓደ ባዮከሚከኛ ብዛዕባ እምነቱ ዝገለጾ

ነዚ ተመራማሪ እዚ፡ ብዛዕባ መበቈል ህይወት እንደገና ንኺሓስብ ዝደረኾን መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጸ ዘእመኖን እንታይ እዩ፧

ክኢላ ስነ ሕሳብ ብዛዕባ እምነቱ ዝገለጾ

ፕሮፌሰር ጂን ህዋንግ ንሃይማኖታዊ እምነቱ ምስ ዓለማዊ መጽናዕትታቱ ዘይጋጮ ዀይኑ ዝረኸቦ ስለምንታይ እዩ፧

ሓደ ህቡብ ወቓዕ ፕያኖ ብዛዕባ እምነቱ ዝገለጾ

ሙዚቃ ነዚ ኢዘሀራዊ ዝነበረ ሰብ፡ ብፈጣሪ ንኺኣምን ደረኾ። መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ዚኣምን ዝገበሮ እንታይ እዩ፧

ሓደ ተመራማሪ ኢኮሎጂ ብዛዕባ እምነቱ ዝገለጾ

ሓደ ተመራማሪ ስነ ፍልጠት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስን ፍልቀትን መበቈል ህይወትን ዘለዎ ርእይቶ ስለምንታይ ከም ዝቐየረ ኣንብብ።