ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ገለ ኻብ እምነታቶም ዝቐየሩ ስለምንታይ እዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ገለ ኻብ እምነታቶም ዝቐየሩ ስለምንታይ እዮም፧

 ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም እንኮ ምንጪ እምነታትና ጌርና ኢና እንጥቀመሉ፣ ስለዚ፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘሎና ምርዳእ ኪንጽር ከሎ፡ ነቲ ዝነበረና እምነታት ነተዓራሪ ኢና። a

 እዚ ለውጥታት እዚ፡ ምስቲ ኣብ ምሳሌ 4:18 ዘሎ፡ “መገዲ ጻድቃን ግና ከም ብሩህ ብርሃን ወጋሕታ እያ፣ ኣጸቢቑ ኽሳዕ ዚቐትር ከኣ እናበርሀት ትኸይድ” ዚብል ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዚሰማማዕ እዩ። ከምቲ ጸሓይ በብቝሩብ በሪቓ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ነገራት እትቐልዓልካ፡ ኣምላኽ እውን መለኮታዊ ሓቂ በብቝሩብ ኣብ ግዜኡ እዩ ዚቐልዕ። (1 ጴጥሮስ 1:10-12) ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚንበዮ፡ ኣምላኽ ኣብዚ “ግዜ መወዳእታ” ነዚ መስርሕ እዚ የስልጦ ኣሎ።—ዳንኤል 12:4

 እቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘሎና ምርዳእ እንገብሮ ምትዕርራይ ኬሰምብደና ወይ ኪርብሸና የብሉን። ብግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ንኣምላኽ ዜምልኹ ሰባት እውን፡ ግጉይ ሓሳባትን ትጽቢትን ነይርዎም እዩ፣ ኣረኣእያኦም ድማ ኣዐርዮም እዮም።

  •   ሙሴ ኻብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ 40 ዓመት ኣቐዲሙ፡ ንህዝቢ እስራኤል ኬድሕን ፈቲኑ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 7:23-25, 30, 35

  •   ሃዋርያት ነቲ ብዛዕባ ሞትን ትንሳኤን መሲሕ ዚገልጽ ትንቢት ኣይተረድእዎን ነይሮም።—ኢሳይያስ 53:8-12፣ ማቴዎስ 16:21-23

  •   ገለ ኻብ ቀዳሞት ክርስትያናት ብዛዕባ “መዓልቲ የሆዋ” እትመጸሉ እዋን ግጉይ ኣረኣእያ ነይርዎም።—2 ተሰሎንቄ 2:1, 2

 ኣምላኽ ነቲ ግጉይ ኣረኣእያኦም ኣዐርይዎ እዩ፣ ሕጂ እውን ከምኡ ኺገብር ንጽሊ ኢና።—ያእቆብ 1:5

a ነዚ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዝነበረና ምርዳእ እንገብሮ ለውጥታት ክንሓብኦ ኣይንፍትንን ኢና። እኳ ደኣስ፡ ንምዝግቦን ኣብ ሕታማትና ነውጽኦን ኢና። ንኣብነት፡ ኣብ ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ ዝነጸረ ወይ ዝበርሀ ትምህርትታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።