ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትርጉም ሓዳስ ዓለም ልክዕነቱ ዝሓለወ ድዩ፧

ትርጉም ሓዳስ ዓለም ልክዕነቱ ዝሓለወ ድዩ፧

 ቀዳማይ ክፋል ትርጉም ሓዳስ ዓለም ብ1950 እዩ ወጺኡ። ካብ ሽዑ ንነጀው ከኣ ገሊኦም ሰባት ርእይቶኦም ሂቦምሉ እዮም። ገሊኦም ድማ ትርጉም ሓዳስ ዓለም a ኣብ ገሊኡ ቦታታት ምስ ካልእ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ፍልልይ ስለ ዘለዎ፡ ንልክዕነቱ ኣብ ሕቶ ኣእትዮምዎ እዮም። ፍልልይ ዝሃለወሉ ምኽንያት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሓደ ኻብዚ ዚስዕብ ክፋላት እዩ ዚኽፈል።

  •   ዜተኣማምን። ትርጉም ሓዳስ ዓለም ኣብቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ምሁራት ዝገበርዎ ምርምርን ልዕሊ ዅሉ ዜተኣማምን ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋትን እተመርኰሰ እዩ። ብኣንጻሩ ግና፡ እቲ ብ1611 እተዳለወ ኪንግ ጄምስ ቨርሽን ኣብቲ ልክዕነት ዝጐደሎ ኢደ ጽሑፋት እተመርኰሰ እዩ ነይሩ፣ እዚ ኢደ ጽሑፋት እዚ ድማ ከምቲ እቲ ንትርጉም ሓዳስ ዓለም ንምድላው ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ ኢደ ጽሑፋት ኣዝዩ ጥንታዊ ኣይኰነን።

  •   ልክዕ። ትርጉም ሓዳስ ዓለም ነቲ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ መልእኽቲ ብልክዕ ኬመሓላልፎ ጽዒሩ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ብዙሕ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ግና ልምድታት ሰብ ብምስዓብ፡ ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብልክዕ ኣይተርጐሞን፣ ንኣብነት፡ ነቲ የሆዋ ዚብል ብሕታዊ ስም ኣምላኽ በቲ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ፡ ወይ ኣምላኽ ዚብል መዓርጋት ተኪእዎ እዩ።

  •   ቃል ብቓል እተተርጐመ። ትርጉም ሓዳስ ዓለም ለውጠ ሓረግ እናገበረ ወይ ብፍኑው መልክዕ ኣይኰነን ዚትርጕም። የግዳስ፡ ቃል ብቓል ምትርጓም ዘይባህርያዊ ወይ ንሓሳባት እቲ በዅሪ ጽሑፍ ዚዓብጦ ኽሳዕ ዘይኰነ ቓል ብቓል እዩ ዚትርጕም። ኣብቲ በዅሪ ጽሑፍ መጽሓፍ ቅዱስ ለውጠ ሓረግ ዚገብር ትርጉማት፡ ርእይቶታት ሰብ ኬእቱ ወይ ኣገዳሲ ዝርዝር ሓበሬታ ኼውጽእ ይኽእል እዩ።

ኣብ መንጎ ትርጉም ሓዳስ ዓለምን ካልእ ትርጉማትን ዘሎ ፍልልይ

 ዝጐደለ መጻሕፍቲ። ኣብያተ ክርስትያን ናይ ሮማ ካቶሊክን ኦርቶዶክስን፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱሳተን ኣቡኸሪፋዊ ተባሂሉ ዚፍለጥ መጻሕፍቲ የጠቓልላ እየን። እዚ መጻሕፍቲ እዚ ግና ብናይ ኣይሁድ ቀኖና ተቐባልነት ኣይረኸበን፣ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ብዛዕባ ኣይሁድ፡ “እቲ ቕዱስ ቃል ኣምላኽ ንዓታቶም ሕድሪ ተዋሂብዎም እዩ” ይብል እዩ። (ሮሜ 3:1, 2) ስለዚ ኸኣ እዩ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ኰነ ካልእ ሓያሎ ዘመናዊ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ንኣቡኸሪፋዊ መጻሕፍቲ ዘየጠቓልል።

 ዝጐደለ ፍቕድታት። ገሊኡ ትርጉማት፡ ኣብቲ ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ዘየሎ ፍቕድታትን ሓረጋትን ኣእትዩ እዩ፣ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ግና ንኸምዚ ዝኣመሰለ እተወሰኸ ጽሑፍ ኣትሪፍዎ እዩ። ሓያሎ ዘመናዊ ትርጉማት፡ ነዚ ጸኒሑ እተወሰኸ ጽሑፍ የውጽኦ ወይ እዚ ወሰኽ እዚ በቲ ኣዝዩ ዜተኣማምን ምንጭታት ከም ዘይድገፍ ይእመነሉ እዩ። b

 እተፈልየ ቓላት። ሓድሓደ ግዜ፡ ቃል ብቓል እተተርጐመ ሓሳባት ዘይንጹር ወይ ዜደናግር እዩ። ንኣብነት፡ እቲ የሱስ ኣብ ማቴዎስ 5:3 እተዛረቦ ነገር መብዛሕትኡ ግዜ፡ “ብመንፈስ ድኻታት . . . ብጹኣን እዮም” ተባሂሉ ይትርጐም እዩ። (ትርጉም 1956፣ ኢንግሊሽ ስታንዳርድ ቨርሽን፣ ኪንግ ጄምስ ቨርሽን፣ ኒው ኢንተርናሽናል ቨርሽን) ብዙሓት ግና ነዚ “ብመንፈስ ድኻታት” ዚብል ቃል ብቓል እተተርጐመ ሓሳባት ዘይንጹር ኰይኑ ረኺቦምዎ እዮም፣ ገሊኦም ድማ የሱስ ንኣገዳስነት ትሕትና ወይ ድኽነት ዜጕልሕ ዝነበረ ይመስሎም እዩ። የሱስ ግና ናይ ሓቂ ሓጐስ ኪርከብ ዚከኣል፡ መምርሒ ኣምላኽ ከም ዜድልየካ ብምግንዛብ ምዃኑ እዩ ዚምህር ነይሩ። ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ “መንፈሳዊ ነገራት ዚሃርፉ” ብዚብል ቃላት ገይሩ ንሓሳባቱ ብልክዕ የመሓላልፎ እዩ።—ማቴዎስ 5:3 c

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ምሁራት ብዛዕባ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ዝሃብዎ ኣወንታዊ ርእይቶታት

  •   ፍሉጥ ተርጓምን ምሁርን መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ኤድጋር ጉድስፒድ፡ ኣብታ 8 ታሕሳስ 1950 ዝዕለታ ደብዳበኡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም (ማቴዎስ-ራእይ) ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “እቲ ኣባላትኩም ዚፍጽምዎ ዓለምለኻዊ ዕዮ ሚስዮናውነት ይምስጠኒ እዩ፣ እቲ ባህርያውን ንጹርን ህያውን ትርጉም እውን ኣዝዩ እዩ ዜሐጕሰኒ። ሰፊሕ ዝዀነ ዓሚቝ መጽናዕቲ ኸም እተገብረሉ ዜርኢ ምዃኑ ኽምስክር እኽእል እየ።”

    ኤድጋር ጉድስፒድ

  •   ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቺካጎ ዚዓዪ ፕሮፌሰር ኣለን ዊክግረን፡ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ብዘመናዊ ቛንቋ እተዳለወ ሕታም ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ነቲ በዅሪ ጽሑፍ እምበር ንኣተራጕማ ኻልእ ትርጉማት ከም ዘይሰዓበ ገለጸ።—ዘ ኢንተርፕረተርስ ባይብል፡ 1ይ ጥራዝ፡ ገጽ 99።

  •   ብሪጣንያዊ ሓያሲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣለክሳንደር ቶምሶን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም (ማቴዎስ-ራእይ) ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “እቲ ትርጉም፡ ናይ ሓቂ መንፈስ እቲ ናይ ግሪኽኛ ጽሑፍ በቲ ቛንቋ እንግሊዝኛ ኺገልጾ ዚኽእል ዓቕሚ ንምትርጓም ዝጸዓሩ ኽኢላታትን በላሕትን ምሁራት ዘዳለዉዎ ምዃኑ እተረጋገጸ እዩ።”—ዘ ዲፈረንሼተር፡ ሚያዝያ 1952፡ ገጽ 52።

  •   ቻርለስ ፍራንሲስ ፖተር ዚብሃል ደራሲ፡ ልሙድ ብዘይኰነ መገዲ እተተርጐመ ሒደት ቃላት ዘለዎ ዀይኑ ኸም ዚስምዖ እኳ እንተ ገለጸ፡ “እቶም ስሞም ዘይተጠቕሰ ተርጐምቲ ንኢደ ጽሑፋት ግሪኽኛን እብራይስጥን ብናይ ምሁራት ክእለትን ብልሕን ብብሉጽ መገዲ ተርጒሞምዎ እዮም” በለ።—ዘ ፈይዝስ መን ሊቭ ባይ፡ ገጽ 30።

  •   ሮበርት ምኮይ፡ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ፍሉይ ዝዓይነቱን ንኡድን ኰይኑ ኸም ዝረኸቦ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ከምዚ ብምባል ርእይቶኡ ዛዘመ፦ “እዚ ትርጉም ሓድሽ ኪዳን፡ ኣብዚ ምንቅስቓስ እዚ [ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር]፡ ኣብ ምትርጓም መጽሓፍ ቅዱስ ንዜጋጥም ሓያሎ ጸገማት ብምስትውዓል ኪፈትሑ ዚኽእሉ ብቑዓት ምሁራት ከም ዘለዉ ዜርኢ መርትዖ እዩ።”—ኣንዶቨር ኒውተን ኳርተርሊ፡ ጥሪ 1963፡ ገጽ 31።

  •   ፕሮፌሰር ማክሊን ጊልሞር፡ ኣብ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ንዘሎ ገሊኡ ትርጉማት እኳ እንተ ዘይተሰማምዓሉ፡ ተርጐምቱ “ፍሉይ ምልከት ግሪኽኛ” ኸም ዘለዎም ተኣመነ።—ኣንዶቨር ኒውተን ኳርተርሊ፡ መስከረም 1966፡ ገጽ 26።

  •   ተሓባባሪ ፕሮፌሰር ዝዀነ ቶማስ ዊንተር ነቲ ንገለ ኽፋል ዘ ኪንግደም ኢንተርሊንያር ትራንስሌሽን ኦቭ ዘ ግሪክ ስክሪፕቸርስ መሰረት ዝዀነ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ምስ መርመሮ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “እቲ ስሞም ብዘይተጠቕሰ ኮሚተ እተዳለወ ትርጉም፡ ምሉእ ብምሉእ ዘመናውን ብዅሉ ልክዕን እዩ።”—ዘ ክላሲካል ጆርናል፡ ሚያዝያ-ግንቦት 1974፡ ገጽ 376።

  •   ብ1989 ፕሮፌሰር በንያሚን ከዳር ዚብሃል ኣብ እስራኤል ዚነብር ምሁር ቋንቋ እብራይስጢ ኸምዚ በለ፦ “ምስ ናይ እብራይስጢ መጽሓፍ ቅዱስን ትርጉማቱን እተተሓሓዘ ምርምር ቋንቋ ኽገብር ከለኹ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ተባሂሉ ዚፍለጥ ሕታም እንግሊዝኛ እየ ዝውከስ። ከምዚ ኽገብር ከለኹ፡ እዚ ትርጉም እዚ ነቲ ጽሑፍ ብእተኻእለ መጠን ብልክዕ ንምርዳእ ጻዕሪ ኸም እተገብረሉ ዜርኢ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ኣረጋጊጸ እየ።”

  •   ተሓባባሪ ፕሮፌሰር ሃይማኖታዊ መጽናዕትታት ዝዀነ ጄሰን ዴቪድ በዱን፡ ብመሰረት እቲ ኣብ ትሽዓተ ዓበይቲ ትርጉማት እንግሊዝኛ ዝገበሮ ምርምር፡ “ካብቲ ዘነጻጸርክዎ ትርጉማት፡ ትርጉም ሓዳስ ዓለም እቲ ዝያዳ ልክዕ ዝዀነ ትርጉም ኰይኑ እየ ረኺበዮ” ኢሉ ጸሓፈ። ሓፋሽ ህዝብን ብዙሓት ምሁራት መጽሓፍ ቅዱስን እቲ ኣብ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ዘሎ ፍልልይ፡ ውጽኢት ሃይማኖታዊ ጽልዋ ተርጐምቱ ዚመስሎም እኳ እንተ ዀነ፡ በዱን ግና፡ “መብዛሕትኡ እቲ ፍልልያት ኪህሉ ዝኸኣለ፡ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ነቲ ጸሓፍቲ ሓድሽ ኪዳን እተጠቕምሉ በዅሪ መግለጺታት ብጥንቃቐን ቃል ብቓሉን ብልዑል ልክዕነትን ስለ ዝተርጐሞ እዩ” በለ።—ትሩዝ ኢን ትራንስሌሽን፡ ገጽ 163, 165።

a እዚ ርእይቶታት ነቲ ብ2013 እተኸለሰ ትርጉም ብዚምልከት ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እቲ ቕድሚኡ ዝነበረ ሕታማት እቲ ብእንግሊዝኛ እተዳለወ ትርጉም ሓዳስ ዓለም እተዋህበ እዩ።

b ኒው ኢንተርናሽናል ቨርሽን ከምኡ ድማ ናይ ካቶሊክ ኒው ጀሩሳሌም ባይብል እስከ ኸም ኣብነት ንርአ። እቲ እተወሰኸ ፍቕድታት፡ ማቴዎስ 17:21፣ 18:11፣ 23:14፣ ማርቆስ 7:16፣ 9:44, 46፣ 11:26፣ 15:28፣ ሉቃስ 17:36፣ 23:17፣ ዮሃንስ 5:4፣ ግብሪ ሃዋርያት 8:37፣ 15:34፣ 24:7፣ 28:29፣ ሮሜ 16:24 እዩ። ኪንግ ጄምስ ቨርሽን ኰነ ዱዋይ-ሬምስ ቨርሽን ከኣ ኣብ 1 ዮሃንስ 5:7, 8 ንስላሴ ዚድግፍ ሓሳባት የጠቓልል እዩ፣ እዚ ግና መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ምጽሓፉ ኣማእታት ዓመታት ጸኒሑ እተወሰኸ እዩ።

c ብተመሳሳሊ፡ ትርጉም ጆን በርትራም ፊሊፕስ ንቓላት የሱስ፡ “ኣምላኽ ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ” ኢሉ ተርጒምዎ ኣሎ፣ ዘ ትራንስሌተርስ ኒው ተስታመንት ድማ፡ “መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ” ዚብል ሓረግ ተጠቒሙ ኣሎ።